ካልኦት ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ፧
ብዙሓት ካባና ንዝዀነ ሓድሽ ሓዘንተኛ: ዓርክና ወይ ዘመድና “ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተድኣ ኣልዩ: ንገረኒ” ኢና እንብሎ። ከምዚ ክንብል ከሎና ድማ ናይ ሓቅና ኢና። ክንሕግዝ ኢልና ኸኣ ዝዀነ ይኹን ነገር ምገበርና። እቲ ሓዘንተኛ ግን ጸዊዑ “ንስኻ ክትሕግዘኒ እትኽእል ነገር ሓሲበ ኣሎኹ” ይብለናዶ፧ ከምኡ ክብለና ዳርጋ ልሙድ ኣይኰነን። ብርግጽ: ነቲ ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብ ክንሕግዞን ከነጸናንዖን እንተድኣ ደሊና ባዕልና ገለ ተበግሶ ክንወስድ ኢዩ ዘድልየና።
ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ከምዚ ይብል:- “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።” (ምሳሌ 15:23፣ 25:11) እንታይ ከም ዝበሃልን ከም ዘይብሃልን: እንታይ ከም ዝግበርን ከም ዘይግበርን ምፍላጥ ጥበባዊ ኢዩ። ቀጺሉ ገሊኦም ሓዘንተኛታት ሰባት ሓገዝቲ ኰይኖም ዝረኸብዎም ሒደት ቅዱስ ጽሑፋዊ ርእዮታት ኣለዉ።
እንታይ ከም ዝግበር . . .
ጽን በል:- ያእቆብ 1:19 “ንምስማዕ ቅልጡፍ” ኩን ኢያ ትብል። ሓደ ካብቲ ክትገብሮ እትኽእል ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ነገር ጽን ኢልካ ብምስማዕ ኣብ ስቓይ ናይቲ ሓዘንተኛ ተኻፋሊ ምዃን ኢዩ። ገሊኦም ሓዘንተኛታት ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ፍቑሮም: ብዛዕባ እቲ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ወይ ሕማም: ወይ ብዛዕባ ካብቲ ሞት ዘጋጠመሉ ግዜ ኣትሒዙ ዘለዎም ስምዒታት ክዛረቡ ይደልዩ ይዀኑ። ስለዚ “ብዛዕብኡ ክትዛረብ ትደሊ ዲኻ፧” ኢልካ ሕተቶም። ክውስኑ ድማ ሕደጎም። ሓደ መንእሰይ ሰብኣይ ነቲ ኣቦኡ ምስ ሞተ ዝነበረ ኵነታት ክዝክር ከሎ ከምዚ ይብል:- “ካልኦት እንታይ ከም እተፈጸመ ክሓቱን ናይ ሓቂ ጽን ክብሉ ከለዉን ብሓቂ ሓጊዙኒ ኢዩ።” ግድን መልሲ ወይ ፍታሕ ክህብ ኣሎኒ ዝብል ስምዒት ከይሓዝካ ብትዕግስትን ድንጋጽን ጽን ኢልካ ስማዕ። ክነግሩኻ ዝደልይዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ክገልጹ ኣፍቅደሎም።
መረጋገጺ ሃብ:- ኵሉ እቲ ክግበር ዝከኣል ነገር (ወይ ከኣ ናይ ሓቅን ኣወንታውን ምዃኑ እትፈልጦ ዝዀነ ይኹን ነገር) ከም ዝገበሩ ኣረጋግጸሎም። እቲ ዝስምዖም ዘሎ ስምዒታት—ሓዘን: ሕርቃን: ናይ ገበን ስምዒት: ወይ ካልእ ዓይነት ስምዒታት—ኣብኣቶም ጥራይ ዝርአ ከም ዘይኰነ ኣረጋግጸሎም። ብዛዕባ እቶም ንተመሳሳሊ ኵነታት ብዓወት እተዋጽእሉ እትፈልጦም ካልኦት ሰባት ንገሮም። ምሳሌ 16:24 ከምዚ ዝበለ ‘ልኡም ዘረባ ነዕጽምቲ ጥዕና’ ምዃኑ ኢያ እትዛረብ።—1 ተሰሎንቄ 5:11, 14
እግሪ ኣይተሕጽር:- ኣብቲ ብዙሓት ፈተውትን ኣዝማድን ዘለዉሉ ናይ መጀመርታ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ: ኵሉ ሰብ ነናብ ውራዩ ምስ ተመልሰ ኣዋርሕ ጸኒሕካ እውን ከይተረፈ እግሪ ኣይተሕጽር። በዚ መገዲ እዚ ከምቲ ኣብ እዋን ‘ጸገማ’ ኣብ ጐድኒ ዓርኩ ዝኸውን “[“ናይ ሓቂ:” NW] ፈታዊ” ምዃንካ ተርኢ። (ምሳሌ 17:17) ውሉዳ ብሓደጋ ማኪና ዝሞታ ተሬዛ “ኣዕሩኽና ምሸት ምሸት እናመጹ ነቲ ግዜና ብገለ ንጥፈታት ትሑዝ ከም ዝኸውን ስለ ዝገበርዎ: ኣብ ገዛ ንበይንና ዝዀንናሉ ብዙሕ እዋን ኣይነበረን። እዚ ድማ ነቲ ዝነበረና ናይ ሓዘን ስምዒት ንኽንዋጽኣሉ ሓጊዙና ኢዩ” ብምባል ትገልጽ። ድሕሪ እቲ ሓዘን ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ዓመታት: ከም ናይ መርዓ ዝኽረ-ዓመት ወይ እቲ ሰብ ዝሞተላ መዓልቲ ዝኣመሰለ ዕለታት ነቶም ብህይወት ዘለዉ ሰባት ሓዘኖም ዘለዓዕለሎም እዋን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ዕለታት ክቐርቡ ከለዉ ነቶም ሰባት ንኽትበጽሖም: ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ ምእንቲ ከተጸናንዖም ስለምንታይ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕካ ምልክት ዘይትገብር፧
ብሓቂ የድሊ ኢዩ ዝበልካዮ ነገር እንተድኣ ኣስተብሂልካ፡ ክሳዕ እትሕተት ኣይትጸበ—ከድሊ ኸሎ ተበግሶ ውሰድ
ከድሊ ኸሎ ተበግሶ ውሰድ:- ምልእኣኽ ዘድልዮ ነገራት ኣሎዶ፧ ነቶም ቈልዑ ዝሕዞም ሰብ የድሊዶ ኢዩ፧ ክበጽሑ ዝመጹ ኣዕሩኽን ኣዝማድን ዝቕንይሉ ቦታ የድሊ ድዩ፧ ኣብዚ ሓደሽቲ ሓዘንተኛታት ዝዀኑ ሰባት ይትረፍዶ ንኻልእ ሰብ ከምዚ ግበር ከምቲ ድገም ክብልዎ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዮም ስለ ዝፈዙ እንታይ ክገብሩ ከም ዘድልዮም እውን ከይተረፈ ኣይፈልጡን ኢዮም። ስለዚ ብሓቂ የድሊ ኢዩ ዝበልካዮ ነገር እንተድኣ ኣስተብሂልካ: ክትሕተት ኣይትጸበ፣ ተበግሶ ወሲድካ ዕየ። (1 ቈረንቶስ 10:24፣ ምስ 1 ዮሃንስ 3:17, 18 ኣረኣእዮ።) ሓንቲ በዓል ቤታ ዝሞታ ሰበይቲ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ብዙሓት ሰባት ‘ክንገብሮ እንኽእል ነገር እንተድኣ ኣልዩ ንገርና’ ኢሎምኒ ኢዮም። ሓንቲ መሓዛይ ግን ኣይሓተተትን። ትኽ ኢላ ናብቲ መደቀሲ ብምኻድ ነቲ በዓል ቤተይ ክመውት ከሎ ረሲሑ ዝነበረ ኣንሶላታት ሓጸበቶ። ካልእ መሓዛይ ድማ ሳንኬሎን ማይን ንመጽረዪ ዝኸውን ነገራትን ወሲዳ ነቲ ሰብኣየይ ዝተፍኣሉ ምንጻፍ ፋሕፋሓቶ። ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ: ሓደ ካብቶም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ናይ ስራሕ ክዳን ተኸዲኑ መሳርሒታቱ ሒዙ ብምምጻእ ‘ምዕራይ ዘድልዮ ነገራት ክህሉ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ኢየ። ኣየናይ ምዃኑ ኣርእይኒ፧’ በለኒ። እዚ ሰብኣይ እዚ ነቲ ካብ ሰፈሩ ሞሊቑ ዝነበረ ማዕጾን ካልእ ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሕን ብምጽጋኑ ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖ!”—ምስ ያእቆብ 1:27 ኣረኣእዮ።
ተቐባል ጋሻ ኩን:- መጽሓፍ ቅዱስ “ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ብምባል የዘኻኽረና ኢዩ። (እብራውያን 13:2) ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ሰባት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃን ክንዝክሮ ኣሎና። “ኣብ ዝጠዓመካ ግዜ ምጻእ” ዝዓይነቱ ዕድመ ኣብ ክንዲ እትገብረሎም ውሱን ዕለትን ግዜን መዲብካ ቈጸራ ግበር። ዕድመኻ ምቕባል እንተድኣ ኣብዮም: ብቐሊሉ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ህድእ ዝበለ ምትብባዕ የድልዮም ይኸውን። ነቲ ዘቕረብካሎም ዕድመ ዘይቅበልዎ ዘለዉ ምናልባት ኣብ ቅድሚ ካልኦት ስምዒቶም ምቍጽጻር ከይኣብዮም ስለ ዝፈርሁ ይኸውን። ወይውን ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ብብልዕን ዕላልን ክሕጐሱ ግቡእ ኣይኰነን ዝብል ስምዒት ይህልዎም ይኸውን። ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ልድያ ዝስማ ተቐባሊት ጋሻ ዝዀነት ሰበይቲ ዘክራ። ሉቃስ ናብ ቤታ ምስ ተዓደመ “ግዲውን በለትና” ይብል።—ግብሪ ሃዋርያት 16:15
ዕጉስን እትርዳእን ኩን:- በቲ እቶም ሓዘንተኛታት ኣብ መጀመርታ ዝዛረብዎ ዘረባ ብዙሕ ኣይትገረም። ሕርቃን ወይ ናይ ገበን ስምዒት ክስምዖም ከም ዝኽእል ዘክር። ምሳኻ እንተድኣ ኣንጸርጺሮም ድማ: ብነድሪ ምእንቲ ከይትምልሰሎም ብወገንካ ምስትውዓልን ትዕግስትን ክድለ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ: ሕያውነት: ናይ ኣእምሮ ትሕትና: ልእመት: ነዊሕ-ተጻዋርነት ልበሱ” ብምባል ኢዩ ዝምሕጸነና።—ቈሎሴ 3:12, 13 NW
ደብዳበ ጸሓፍ:- ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ደብዳበ ወይ ናይ ሓዘን ካርድ ዘለዎ ጥቕሚ መብዛሕትኡ ግዜ ሸለል ኢዩ ዝበሃል። ጥቕሙ ግን እንታይ ኢዩ፧ ኣዲኣ ብሕማም መንሽሮ ዝሞተታ ሲንዲ ከምዚ ብምባል ትምልስ:- “ሓንቲ መሓዛይ ደስ ዝብል ደብዳብ ጸሓፈትለይ። ደጋጊመ ከንብባ እኽእል ስለ ዝነበርኩ ብሓቂ ሓጊዛትኒ ኢያ።” ከምዚ ዝበለ ደብዳበ ወይ ካርድ ‘ሕጽር’ ዝበለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ግናኸ ድንጋጽካ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ። (እብራውያን 13:22) እትግደስ ምዃንካን ነቲ ምዉት እትዝክረሉ ፍሉይ ነገር ከም ዘለካን: ወይ ድማ ሞት ናይቲ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተንከፈካ ክገልጽ ይኽእል ኢዩ።
ምስኣቶም ኴንካ ጸሊ:- ጥቕሚ ናይቲ ምስቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ሰባት ኴንካን ምእንትኦምን እትገብሮ ጸሎት ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጸሎት ጻድቕ . . . ብዙሕ ተስልጥ እያ” ይብል። (ያእቆብ 5:16) ንኣብነት: እቶም ሓዘንተኛታት ኣብ ክንድኦም ኴንካ ክትጽሊ ክሰምዑኻ ከለዉ: ንኸም ናይ ገበን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ከርሕቕዎ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።—ምስ ያእቆብ 5:13-15 ኣረኣእዮ።
እንታይ ከም ዘይግበር . . .
ኣብቲ ሆስፒታል ብኣካል ምርካብካ ነቲ ሓዘንተኛ ከተባብዖ ይኽእል ኢዩ
እንታይ ከም ዝበሃልን ከም ዝግበርን ስለ ዘይትፈልጥ እግርኻ ኣይተሕጽር:- ‘ርግጸኛ ኢየ: ሕጂ በይኖም ክዀኑ ኢዮም ዝደልዩ’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። እቲ ሓቂ ግን ጌጋ ዝዀነ ነገር ከይንብል ወይ ከይንገብር ስለ ዝፈራህና ኢና እግርና እነሕጽር ዘለና። ይኹን እምበር: እቲ ሓዘንተኛ ሰብ ኣዕሩኹ: ኣዝማዱ: ወይ ኣመንቲ ብጾቱ ክርሕቕዎ ከለዉ ምናልባት ነቲ ስቓዩ ዝውስኽ ጽምዋ ይስምዖ ይኸውን። ሕያውነት እተሓወሶ ቃላትን ተግባርን መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝቐለለ ምዃኑ ዘክር። (ኤፌሶን 4:32) ኣብቲ ቦታ ብኣካል ምህላውካ ጥራይ ናይ ምጽንናዕ ምንጪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 28:15 ኣረኣእዮ።) ተሬዛ ነታ ጓላ ዝሞተትላ መዓልቲ ክትዝክር ከላ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት: እቲ ናይ ሆስፒታል መተሓላለፊ ብኣዕሩኽና መልአ፣ ኵሎም ሽማግለታትን ኣንስቶምን ድማ ኣብኡ ነበሩ። ገለ ካብተን ኣንስቲ መጠቕለሊ ጸጕረን ንምውጻእ እኳ ግዜ ኣይረኸባን: ገሊአን ድማ ምስ ናይ ስራሕ ክዳውንተን ኢየን ነይረን። ኵሉ ዝዓይዎ ዝነበሩ ዕዮ ጠንጢኖም ኢዮም መጺኦም። ብዙሓት ካብኣቶም እንታይ ከም ዝበሃል ዘይፈልጡ ምዃኖም ነጊሮምና ኢዮም: እዚ ግን ዘገድስ ኣይነበረን ምኽንያቱ ብኣካል ኣብኡ ተረኺቦም ኢዮም።”
ሓዘኖም ደው ከብሉ ጸቕጢ ኣይትግበረሎም:- ‘ሕጅስ ይኣክል ኣይትብከ’ ክንብል ንደሊ ንኸውን። ክበኽዩ ምሕዳጎም ግን ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካተሪን ንሞት በዓል ቤታ ብምዝካር “ነቶም ሓዘንተኛታት ስምዒቶም ከውጽኡን ብሓቂ ድማ ከንፍስዎን ምሕዳጎም ኣድላዪ ኢዩ በሃሊት ኢየ” ትብል። ንኻልኦት ከመይ ክስምዖም ከም ዘለዎ ካብ ምንጋር ተጠንቀቕ። ነቲ ናታቶም ስምዒት ምእንቲ ከይተለዓዕሎ ኢልካ ናትካ ስምዒታት ክትሓብኦ ከም ዘሎካ ድማ ኣይትሕሰብ። ኣብ ክንድኡስ: መጽሓፍ ቅዱስ “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ብምባል ኢዩ ዝላቦ።—ሮሜ 12:15
ናይቲ ዝሞተ ሰብ ክዳውንቲ ወይ ካልእ ብሕታዊ ነገራት ንኸርሕቑ ድሉዋት ቅድሚ ምዃኖም ከምኡ ክገብሩ ንምምካር ኣይትተሃወኽ:- ብገለ መገዲ ነቲ ሓዘን ስለ ዘናውሕዎ ተዘክሮታት ዘለዓዕሉ ኣቑሑት ከርሕቕዎ ዝሓሸ ኢዩ ዝብል ስምዒት ይህልወና ይኸውን። “ካብ ዓይኒያ ዝገለለስ ካብ ልቢ ገለለ” ዝብል ኣዘራርባ ምናልባት ኣብዚ ኣይሰርሕን ይኸውን። እቲ ሓዘንተኛ ነቲ ዝሞተ ቀልጢፉ ርስዕ ከብሎ ኣይደልን ይኸውን። እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ያእቆብ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዮሴፍ ብኣራዊት ከም እተቐትለ ንኽኣምን ምስ ተታለለ እተሰምዖ ስምዒት ከመይ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መግለጺ ዘክር። ያእቆብ ነቲ ደም ዝጠልቀየ ናይ ዮሴፍ ክዳን ምስ ረኣዮ “ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ። ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ አበየ።”—ዘፍጥረት 37:31-35
‘ካልእ ቈልዓ ክትወልዲ ትኽእሊ ኢኺ’ ኣይትበል:- ሓንቲ ውላዳ ብሞት እተፈልየታ ኣደ “ካልእ ክወልድ ከም ዝኽእል ዝነገሩኒ ሰባት ኣሕሪቖምኒ ኢዮም” ብምባል ትዝክር። ካብ ጽቡቕ ተላዒሎም ይዛረብዎ ይዀኑ: ነቲ ኣብ ሓዘን ዘሎ ወላዲ ግን እቲ ዝሞተ ቈልዓ ክትካእ ይኽእል ኢዩ ዝብል ዘረባ: ‘ከም ሰይፊ ክቘርጾ’ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 12:18) ሓደ ቈልዓ ንኻልእ ቈልዓ ፈጺሙ ክትክኦ ኣይክእልን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ፍሉይ ዝዀነ ባህርይ ኣለዎ።
ስም ናይቲ ዝሞተ ሰብ ንምልዓል ኣይትሰከፍ:- ሓንቲ ኣደ “ብዙሓት ሰባት ስም ናይ ጂሚ ወደይ እውን ከይተረፈ ኣይጠቐሱን ወይ ብዛዕብኡ ኣይተዛረቡን። ካልኦት ከምዚ ክገብሩ ምስ ረኣኹ ብሓቂ ሕማቕ ከም እተሰማዓኒ ኣይሓብኦን ኢየ” ብምባል ትዝክር። ስለዚ ስም ናይቲ ዝሞተ ሰብ ምስ ዝጥቀስ: ኰነ ኢልካ ንኣርእስቲ ናይቲ ዕላል ኣይትቐይሮ። እቲ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ፍቑሩ ክዛረብ ዝደልን ዘይደልን ምዃኑ ሕተቶ። (ምስ እዮብ 1:18, 19 ከምኡውን 10:1 ኣረኣእዮ።) ገሊኦም ሓዘንተኛታት: ኣዕሩኾም ዝፈትውዎ ፍሉይ ባህርያት ናይቲ ዝሞተ ሰብ ኣልዒሎም ክዛረቡ ከለዉ ምስማዕ የማስውሉ ኢዮም።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-39 ኣረኣእዮ።
‘ካብ ስቓይሲ ይሕሾ’ ንምባል ብዙሕ ኣይትትሃወኽ:- እቲ ሞት ጽቡቕ ዝዀነሉ ምኽንያት ክትረክብ ኢልካ ምፍታን ነቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ‘እተጨነቑ ነፍሳት ዘጸናንዖም’ ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። (1 ተሰሎንቄ 5:14 NW) ሓንቲ መንእሰይ ሰበይቲ ነቲ ኣዲኣ ምስ ሞተት ዝነበረ ኵነታት ብምዝካር ከምዚ ትብል:- “ካልኦት ሰባት ‘እንቋዕ ኣይተሳቐየት’ ወይ ‘ዕረፍቲ እኮ ኢዩ’ ይብሉ ነይሮም። ኣነ ግን ነዚ ክሰምዖ ኣይደልን ኢየ ነይረ።” ከምዚ ዝበለ ርእይቶታት ነቲ ብህይወት ዘሎ ሰብ ክሓዝን ከም ዘይብሉ ወይ እቲ ሞት ዓቢ ነገር ኣይኰነን ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፍ ይኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ ዘፍቅርዎ ሰብ ብምስኣኖም ብዙሕ ሓዘን ይስምዖም ይህሉ።
‘ከመይ ከም ዝስምዓካ ይርድኣኒ ኢዩ’ እንተ ዘይበልካ ዝሓሸ ኢዩ:- ከመይ ይስምዖ ከም ዘሎ ብሓቂ ትፈልጥዶ፧ ንኣብነት: ውሉድ ዘይሞተካ ክነሱ ሓደ ወላዲ ውሉዱ ምስ ሞቶ እንታይ ከም ዝስምዖ ክትፈልጦ ትኽእልዶ፧ ከምኡ ዓይነት ተመክሮ እውን ይሃልኻ: ካልኦት ልክዕ ከምቲ ንዓኻ ዝስምዓካ ክስምዖም ከም ዘይክእል ተገንዘብ። (ምስ ድጕዓ ኤርምያስ 1:12 ኣረኣእዮ።) በቲ ኻልእ ሸነኽ: ግቡእ መሲሉ እንተድኣ ተራእዩካ: ካብቲ እተፍቅሮ ሰብ ብሙማቱ እተሰማዓካ ሓዘን ብኸመይ ከም እተጸናናዕካ ምንጋሩ ምናልባት ገለ ጥቕሚ ይህልዎ ይኸውን። ሓንቲ ጓላ ዝሞተታ ሰበይቲ ብኸመይ ናብቲ ንቡር ኵነታት ክትምለስ ከም ዝኸኣለት ንሓንቲ ጓላ እተቐትለታ ካልእ ሰበይቲ ምስ ነገረታ ዘጸናንዕ ኰይኑ ረኺባቶ ኢያ። ከምዚ ድማ በለት:- “ኣደ ናይታ ዝሞተት ጓል ንታሪኻ ‘ከመይ ከም ዝስምዓኪ ይርድኣኒ ኢዩ’ ብምባል ኣይጀመረቶን። እቲ ኵነታት ንዓኣ ከመይ ከም ዝነበረ ጥራይ ነጊራ: ናተይ ምስቲ ናታ ከዛምዶ ገደፈትኒ።”
ንሓደ ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብ ምሕጋዝ ድንጋጽ: ምስትውዓል: ከምኡውን ብወገንካ ብዙሕ ፍቕሪ ምርኣይ ዝሓትት ኢዩ። እቲ ሓዘንተኛ ባዕሉ ቀሪቡ ክሓተካ ኣይትጸበ። “ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተድኣ ኣልዩ . . .” ጥራይ ኣይትበል። እቲ ዝግበር “ነገር” እንታይ ምዃኑ ፈሊጥካ: ከድሊ ኸሎ ተበግሶ ውሰድ።
ሒደት ሕቶታት ተሪፉ ኣሎ:- ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ትንሳኤኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ንዓኻን ነቲ ዝሞተ ፍቑርካን እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ ትውክልቲ ዝግበሮ ተስፋ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧