ምዕራፍ ዓሰርተ ኽልተ
ነታ ስድራቤት ዝጐድእ ግድላት ከተሰንፍዎ ትኽእሉ ኢኹም
1. ኣብ ገለ ስድራቤታት እንታይ ሕቡእ ግድላት ኢዩ ዘሎ፧
እታ ዝኣረገት ማኪና ተሓጺባን ከም እተንጸባርቕ ኰይና ተወልዊላን ኢያ። ሓለፍቲ መገዲ ክርእይዋ ከለዉ እተንጸባርቕ: ሓዳስ ማኪና ኢያ እትመስል። ውሽጣ ግን ብመራት ተበሊዑ ኢዩ። ገለ ስድራቤታት እውን ኵነታተን ምስ እዚ ተመሳሳሊ ኢዩ። ብደጋዊ ትርኢተን ደሓን እኳ እንተ መሰላ: ብድሕሪ እቲ ዝርአ ፍሽኽታ ናይ ገጽ ግን ፍርህን ስቓይን ኣሎ። ብውሽጢ ውሽጢ ዘመርት ነገራት ነቲ ናይታ ስድራቤት ሰላም ይበልዖ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል ክልተ ግድላት ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕትን ኢዩ።
ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘውርዶ ጕድኣት
2. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ማለት ኢዩ፧
2 መጽሓፍ ቅዱስ ስኽራን እምበር ኣልኮላዊ መስተ ብሚዛን ምስታይ ኣይኵንን ኢዩ። (ምሳሌ 23:20, 21፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:23፣ ቲቶስ 2:2, 3) ይኹን እምበር: ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ምህላው ካብ ስኽራን ንላዕሊ ኢዩ፣ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣልኮላዊ መስተ ምዃን: ከምኡውን ብዘይብኡኡ ድማ ዘይትንቀሳቐስ ምዃን ማለት ኢዩ። ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ከኣ መንእሰያት እውን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
3, 4. ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ምህላው ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መርዓ ብጻይን እቶም ቈልዑን እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ግለጹ።
3 ኣልኮላዊ መስተ ብዘይግቡእ ምጥቃም ንሰላም ስድራቤት ክዘርግ ከም ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ይገብር ኣቐዲሙ ሓቢሩ ኢዩ። (ዘዳግም 21:18-21) እቲ ዘመርት ሳዕቤን ናይ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ንምልእቲ ስድራቤት ዝትንክፍ ኢዩ። እታ ሰበይቲ ነቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ከይሰቲ ኣብ ምኽልካል ወይ ነቲ ተላዋዋጢ ዝዀነ ባህርያቱ ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ ምጽዓር ትሕዝቲ ትኸውን።a ነቲ መስተ ክትሓብእ: ክትድርቢ: ገንዘቡ ክትሓብእ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንስድራቤቱ: ንህይወት: ንኣምላኽ እውን ከይተረፈ ዘለዎ ፍቕሪ ከተረድኦ ትጽዕር—እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ግን ኣመሉ ኣይገድፍን። ነቲ ምስታዩ ንኽትቈጻጸሮ ኢላ እትገብሮ ጻዕሪ ብተደጋጋሚ ምስ ፈሸለ: ተስፋ ትቘርጽ ዘይትበቅዕ ኰይኑ ድማ ይስምዓ። ብፍርሂ: ሕርቃን: ናይ ጸጸት ስምዒት: ምርባሽ: ጭንቀት: ከምኡውን ነፍሳ ብምውዳቕ ክትሳቐ ትጅምር።
4 ቈልዑ ካብ ሳዕቤን ናይቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ወላዲኦም ናጻ ኣይኰኑን። ገሊኦም ኣካላዊ መጥቃዕቲ ወሪድዎም ኢዩ። ገሊኦም ድማ ብጾታዊ ርክብ ተዓሚጾም ኢዮም። ወላዲኦም ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ምሕዳሩ ንገዛእ ርእሶም እውን ከይተረፈ ይወቕሱ ይዀኑ። ብሰንኪ እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ወላዲኦም ዘርእዮ ተቐያያሪ ጠባይ: እቲ ኣብ ካልኦት ንኽውከሉ ዘለዎም ክእለት ቀስ እናበለ ይጠፍእ። እቶም ቈልዑ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ገዛ ዘጋጠመ ነገራት ደስ ኢልዎም ክዛረቡ ስለ ዘይክእሉ: ስምዒትካ ምሕባእ ይማሃሩ ይዀኑ: እዚ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ጐዳኢ ዝዀነ ኣካላዊ ሳዕቤን ኣለዎ። (ምሳሌ 17:22) ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቈልዑ: ርእሰ-ተኣማንነት ዘይብሎም ወይ ክብረቶም ዘይሕልዉ ኰይኖም ክዓብዩ ይኽእሉ።
እታ ስድራቤት እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
5. ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል: እዚ ከቢድ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ብዙሓት ፈላጣት ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ክግደፍ ኣይክእልን ኢዩ እኳ እንተ በሉ: መብዛሕትኦም ግን ምሉእ ብምሉእ ናይ ምሕራም ፕሮግራም ብምስዓብ ብእተወሰነ ደረጃ ምምሕያሽ ክግበር ዝከኣል ምዃኑ ይሰማምዑ ኢዮም። (ምስ ማቴዎስ 5:29 ኣረኣእይዎ።) እንተዀነ ግን: ነዚ ካብ ክትገብሮ ክትዛረቦ ይቐልል: ምኽንያቱ እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ መብዛሕትኡ እዋን ሽግር ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ኣይህበሉን ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ኣባላት ስድራቤት ነቲ ኣብኦም ዘስዓቦ ጕድኣት ንምዕራይ ስጕምቲ ምስ ዝወስዱ: እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ሽግር ከም ዘለዎ ክግንዘብ ክጅምር ይኽእል ኢዩ። ነቶም ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎምን ስድራቤቶምን ኣብ ምሕጋዝ ተመክሮ ዘለዎ ሓኪም ከምዚ በለ:- “እታ ስድራቤት ብእተኻእላ መጠን ጥዑይ ብዝዀነ መገዲ መዓልታዊ ንጥፈታታ ክትፍጽም ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ። እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ እቲ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ እቶም ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤትን ዘሎ ፍልልይ እናተራእዮ ክኸይድ ኢዩ።”
6. ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ኣባል ዘለወን ስድራቤታት ዝበለጸ ምንጪ ናይ ምኽሪ ዝዀነን እንታይ ኢዩ፧
6 ኣብ ስድራቤትኩም ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ እንተድኣ ኣሎ: ብእተኻእለ መጠን በቲ ኣዝዩ ጥዑይ ዝዀነ መገዲ ምንባር ንኽትክእሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ንስድራቤታት ምስቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ብዓወት ንኽዋጽኣ ዝሓገዝን ገለ ስርዓታት ርኣዩ።
7. ሓደ ኣባል ስድራቤት ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ምስ ዝህልዎ: ናይ መን ሓላፍነት ኢዩ፧
7 ንገዛእ ርእስኹም ምውቃስ ኣቋርጹ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” ከምኡውን “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ይብል። (ገላትያ 6:5፣ ሮሜ 14:12) እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ እቶም ኣባላት ስድራቤት ተሓተቲ ምዃኖም ይዛረብ ይኸውን። ንኣብነት “ጽቡቕ ገይርኩም ሓብሒብኩምኒ እንተ ትዀኑ: ኣይምሰተኹን ነይረ” ይብል ይኸውን። ካልኦት ምስ ሓሳባቱ ምስ ዝሰማምዑ: ንኽሰቲ ኢዮም ዘተባብዖዎ ዘለዉ። ይኹን እምበር ናይቲ ኵነታት ወይ ናይ ካልኦት ሰባት ግዳያት እንተዀንና እውን: ነቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ እውን ሓዊስካ ኵላትና በቲ እንገብሮ ነገራት ተሓተቲ ኢና።—ምስ ፊልጲ 2:12 ኣረኣእይዎ።
8. እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ሳዕቤን ናይ ግድላቱ ከም ዝፈልጦ ክትገብረሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
8 ነቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ካብቲ ብሰንኪ ምስታዩ ዝወርዶ ሳዕቤን ኵሉ ግዜ ክትከላኸልሉ ከም ዘለኩም ኰይኑ ኣይሰማዕኩም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ኰራዪ ሰብ ዝገልጽ “እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ” ዝብል ምስላ ኣብቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ እውን ይውዕል ኢዩ። (ምሳሌ 19:19) እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ብምስታዩ ዝወርዶ ሳዕቤን ይፍለጦ። ሰትዩ ምስ ሓደረ ዘበላሸዎ ነገራት ባዕሉ የጽርዮ: ወይ ድማ ባዕሉ ናብ ወሃብ ስርሑ ደዊሉ ይንገር።
ክርስትያን ሽማግለታት ናይ ስድራቤት ግድላት ኣብ ምፍታሕ ምንጪ ናይ ዓቢ ሓገዝ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም
9, 10. እተን ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ዝርከበን ስድራቤታት ሓገዝ ክደልያ ዘለወን ስለምንታይ ኢዩ: ብፍላይከ ናይ መን ሓገዝ ኢየን ክደልያ ዘለወን፧
9 ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቐበሉ። ምሳሌ 17:17 “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ትብል። ኣብ ስድራቤትኩም ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ምስ ዝህሉ ጸገም ኣሎ። ሓገዝ የድልየኩም ኢዩ። ሓገዝ ደሊኹም ኣብ ናይ ሓቂ ‘ፈተውቲ’ ምጽጋዕ ኣይትጠራጠሩ። (ምሳሌ 18:24) ምስቶም ነቲ ሽግር ዝርድኡ ወይ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘጋጠሞም ካልኦት ሰባት ምዝራብ: እንታይ ከም እትገብርን እንታይ ከም ዘይትገብርን ዝገልጽ ተግባራዊ ሓሳባት ክህቡኻ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሚዛናዊ ኩን። ምስቶም እትኣምኖም: ‘ምስጢርካ’ ክሕዙ ዝኽእሉ ሰባት ተዛረብ።—ምሳሌ 11:13
10 ኣብቶም ክርስትያን ሽማግለታት ምውካል ተማሃሩ። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ምንጪ ናይ ዓቢ ሓገዝ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዞም ብሱላት ሰባት እዚኣቶም ብቓል ኣምላኽ እተማህሩ: ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ድማ ተመክሮ ዘለዎም ኢዮም። “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” ምዃኖም ከረጋግጹ ይኽእሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:2) እቶም ክርስትያን ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ብምልእታ ካብ ጐዳኢ ዝዀነ ጽልዋታት የዕቍብዋ ጥራይ ዘይኰነስ: የጸናንዕዋ: መንፈሳ የሐድስዎ: ከምኡውን ኣብቶም ሽግራት ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ይገብሩ ኢዮም። ካብቲ ንሳቶም ዝህብዎ ሓገዝ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐሙ።
11, 12. ንስድራቤት ናይቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ዝዓበየ ሓገዝ ክህብ ዝኽእል መን ኢዩ: እዚ ሓገዝ እዝኸ ብኸመይ ኢዩ ዝወሃብ፧
11 ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብ የሆዋ ሓይሊ ርኸቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ምዉቕ ብዝዀነ ኣገባብ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ብምባል የረጋግጽ። (መዝሙር 34:18) ምስቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ኣባል ስድራቤትኩም ትነብሩ ብምህላውኩም ዘጋጥመኩም ጸቕጥታት ልብኹም እተሰብረ ወይ ድማ እተደቑሰ ኰይኑ ምስ ዝስምዓኩም: ‘እግዚኣብሄር ቀረባ’ ምዃኑ ፍለጡ። እቲ ናይ ስድራቤትኩም ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይርድኦ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7
12 ነቲ የሆዋ ኣብ ቃሉ ኢልዎ ዘሎ ነገራት ምእማን ነቲ ዘለኩም ጭንቀት ብዓወት ንኽትዋጽእሉ ክሕግዘኩም ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 130:3, 4፣ ማቴዎስ 6:25-34፣ 1 ዮሃንስ 3:19, 20) ቃል ኣምላኽ ምጽናዕን ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዕካ ምንባርን ካብቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዓወት ንኽትነብር ዘኽእለካ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ሓገዝ ንምርካብ እትበቅዕ ይገብረካ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7b
13. ንብዙሓት ስድራቤት ዝጐድእ ካልኣይ ግድል እንታይ ኢዩ፧
13 ኣልኮላዊ መስተ ብዘይግቡእ ምዝውታር ናብቲ ንብዙሓት ስድራቤታት ከፍርስ ዝኽእል ካልእ ግድል—ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ—ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ ዘስዕቦ ጕድኣት
14. ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ ኣካላዊ መጥቃዕቲ መዓስ ኢዩ ዝጀመረ: ኣብዚ እዋን እዝኸ እቲ ኵነታት ከመይ ኢዩ፧
14 ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣባላት ስድራቤት ዝወረደ መጥቃዕቲ እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት: ኣቤልን ቃኤልን: ዘጋጠመ ኢዩ። (ዘፍጥረት 4:8) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ደቅሰብ: ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ብዝወርድ ብዙሕ ዓይነት መጥቃዕቲ ተሳቕዮም ኢዮም። ኣንስቶም ዝቕጥቅጡ ሰብኡት: ኣብ ሰብኡተን መጥቃዕቲ ዘውርዳ ኣንስቲ: ንንኣሽቱ ደቆም ብጭከና ዝሃርሙ ወለዲ: ከምኡውን ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ዘጋፍዑ ዓበይቲ ውሉዳት ኣለዉ።
15. ኣባላት ስድራቤት በቲ ዝወርድ መጥቃዕቲ ስምዒቶም ዝትንከፍ ብኸመይ ኢዩ፧
15 እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ ዘስዕቦ ጕድኣት ካብቲ ዝገድፎ ኣካላዊ በሰላ ንላዕሊ ኢዩ። ሓንቲ እተቐጥቀጠት ሰበይቲ ከምዚ ትብል:- “ክትዋጽኣሉ ዘሎካ ብዙሕ ናይ ጸጸት ስምዒትን ሕፍረትን ኣሎ። መብዛሕትኡ እዋን: እቲ ዘጋጠመ ነገር ሕማቕ ሕልሚ ጥራይ ኰይኑ ክተርፈልካ ብምምናይ: ደቂስካ ከተርፍድ ኢኻ እትደሊ።” እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ኣብ ኣባላት ስድራቤት ክወርድ ዝርእዩ ወይ ከምኡ ዘጋጥሞም ቈልዑ: ዓብዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤት ምስ መስረቱ ከምኡ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ዘውርዱ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
16, 17. ስምዒታዊ ማህሰይቲ እንታይ ኢዩ: ኣባላት ስድራቤት ብእኡ ዝትንከፉኸ ብኸመይ ኢዮም፧
16 እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣብ ኣካላዊ ማህሰይቲ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ብቓላት ኢዩ ዝወረድ። ምሳሌ 12:18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” ትብል። እዚ መለለዪ ናይቲ ኣብ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኰይኑ ዘሎ ‘ምቝራጽ’ ሕማቕ ቃላት ምውሳእ: ዘየቋርጽ ወቐሳ: ዘዋርድ ጸርፊ: ከምኡውን ምፍርራህ ዝኣመሰለ ነገራት ዘጠቓልል ኢዩ። ስምዒታዊ መጥቃዕቲ ዘውርዶ ቁስሊ ኣይርአን ኢዩ: መብዛሕትኡ እዋን ድማ ካልኦት ዘስተብህልሉ ነገር ኣይኰነን።
17 ብፍላይ ዘሕዝን ድማ እቲ ንቘልዓ በቲ ዘለዎ ክእለት: ምስትውዓል: ወይ ከም ሰብ መጠን ዘለዎ ክብሪ ኵሉ ግዜ ብምውቃስን ብምንኣስን ዝወርዶ ስምዒታዊ ማህሰይቲ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቃላት ምህሰይቲ ንርእሰ-ተኣማንነት ናይቲ ቈልዓ ዘጥፍእ ኢዩ። ኵሎም ቈልዑ ተግሳጽ ከም ዘድልዮም ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ንኣቦታት “ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም” ብምባል መምርሒ ይህቦም።—ቈሎሴ 3:21
ኣብ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ ብኸመይ ክውገድ ከም ዝከኣል
እቶም ንሓድሕዶም ዝፋቐሩን ዝከባበሩን ክርስትያናት ሰብኣይን ሰበይትን ግድላት ንምፍታሕ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኢዮም ዝወስዱ
18. ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣበይ ኢዩ ዝጅምር: መጽሓፍ ቅዱስከ ንዕኡ ደው መበሊ ኢዩ ዝብሎ ነገር እንታይ ኢዩ፧
18 ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣብ ልብን ኣእምሮን ኢዩ ዝጅምር፣ እቲ እንገብሮ ነገራት በቲ እንሓስቦ ኢዩ ዝጅምር። (ያእቆብ 1:14, 15) ነቲ መጥቃዕቲ ንምቍራጽ: እቲ መጥቃዕቲ ዘውርድ ሰብ ብኣተሓሳስብኡ ክልወጥ ኣለዎ። (ሮሜ 12:2) ክግበር ይከኣልዶ ኢዩ፧ እወ: ይከኣል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ሰባት ንኽልውጥ ሓይሊ ኣለዎ። ነቲ ‘ብጽኑዕ እተዓርደ’ ኣዕናዊ ኣረኣእያታት እውን ክምሑ ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 10:4፣ እብራውያን 4:12) ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቶም ሓድሽ ሰብነት ምልባስ ዝደልዩ ሰባት ምሉእ ዝዀነ ለውጢ ንምግባር ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።—ኤፌሶን 4:22-24፣ ቈሎሴ 3:8 -10
19. ሓደ ክርስትያን ንናይ መርዓ ብጻይ ብኸመይ ክርእዮን ክሕዞን ኣለዎ፧
19 ነቲ ናይ መርዓ ብጻይኩም ዘለኩም ኣረኣእያ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- ‘ሰብኡት ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ከፍቅርወን ይግብኦም። [“እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር ንገዛእ ርእሱ የፍቅር:” NW ]።’ (ኤፌሶን 5:28) መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣይ ንሰበይቱ ‘ከም ድኽምቲ ፍጥረት ገይሩ ከኽብራ’ ይግባእ እውን ይብል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ኣንስቲ ድማ ‘ንሰብኡተን ዘፍቅራ’ ከምኡውን ‘ዓሚቝ ክብሪ ዘርእያ’ ክዀና ተማዒደን ኣለዋ። (ቲቶስ 2:4፣ ኤፌሶን 5:33 NW ) ንሰበይቲ ብኣካል ወይ ብቓላት እናሃረማ አኽብራ ኣለኹ ክብል ዝኽእል ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብኣይ ከም ዘየለ ሓቂ ኢዩ። ንሰብኣያ እትቋየቝ: ብምሽክዕላል እትጽውዖ: ወይ ብዘይምቍራጽ እተላግጸሉ እንተድኣ ኰይና ብሓቂ አፍቅሮን አኽብሮን ኢየ ክትብል ኣይትኽእልን ኢያ።
20. ወለዲ ኣብ ቅድሚ መን ኢዮም ናይ ደቆም ሓላፍነት ዘለዎም: ወለዲ ብዛዕባ ውሉዳቶም ዘይከውን ትጽቢት ክገብሩ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧
20 ብዛዕባ ቈልዑ ግቡእ ኣረኣእያ ምህላው። ቈልዑ ካብ ወለዶም ፍቕርን ቈላሕታን ክግበረሎም ይግባእ: የድልዮም ድማ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ንቘልዑ “ውህበት እግዚኣብሄር” ከምኡውን “ዓስቢ” ኢሉ ይጽውዖም። (መዝሙር 127:3) ወለዲ ነዚ ውህበት እዚ ክከናኸኑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓላፍነት ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ነገር ቈልዓ” ከምኡውን “ዕሽነት” ቈልዓ ይዛረብ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:11፣ ምሳሌ 22:15) ወለዲ ኣብ ውሉዳቶም ዕሽነት እንተድኣ ርእዮም ክግረሙ የብሎምን። ንኣሽቱ እኹላት ሰባት ኣይኰኑን። ወለዲ ነቲ ቈልዓ ልዕሊ ዕድሜኡ: ልዕሊ እቲ መበቈል ስድራቤቱ: ከምኡውን ልዕሊ ክእለቱ ዝዀነ ነገራት ክገብር ክጽበይዎ የብሎምን።—ዘፍጥረት 33:12 -14 ርኣዩ።
21. ብዛዕባ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክህሉ ዘለዎ ኣምላኻዊ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን እንታይ ኢዩ፧
21 ብዛዕባ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ክህሉ ዘለዎ ኣረኣእያ። ዘሌዋውያን 19:32 “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ: ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር” ትብል። ስለዚ ሕጊ ኣምላኽ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣኽብሮትን ዝለዓለ ግምትን ከም እትህብ ዝገብር ኢዩ። እዚ: እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ወላዲ ካብ መጠን ንላዕሊ ክግበረሉ ዝሓትት ወይ ሕሙም ብምዃኑ ቀልጢፉ ዘይንቀሳቐስ ወይ ዘይሓስብ ምስ ዝኸውን ብድሆ ኢዩ። ገና ግን ቈልዑ ‘ንወለዶም ውሬታ ኪመልሱ ክማሃሩ’ የዘኻኽሮም ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:4) እዚ ድማ ግምት ብምሃብን ብኣኽብሮትን ምሓዞም: ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምግባር እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ብኣካላዊ ይኹን ብኻልእ ክፉእ ምግባር ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ዝጻረር ኢዩ።
22. ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስደራቤት ንዝወርድ መጥቃዕቲ ንምስናፉ እታ ቀንዲ እተድሊ ባህርይ እንታይ ኢያ: ብኸመይከ ኣብ ተግባር ክትውዕል ትኽእል፧
22 ርእስኻ ምግታእ ኰስኵሱ። ምሳሌ 29:11 “ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ: ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን” ትብል። ንዅራኻ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧ ብውሽጥኻ ተስፋ ምቝራጽ ክምዕብል ኣብ ክንዲ እትገድፎ: ነቲ ዝለዓል ሽግራት ንምፍታሕ ቀልጢፍካ ስጕምቲ ውሰድ። (ኤፌሶን 4:26, 27) ርእስኻ ክትቈጻጸር ዝኸብደካ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ ካብቲ ነገር እልይ በል። ርእስኻ ንኽትቈጻጸር መንፈስ ኣምላኽ ንኽሕግዘካ ጸሊ። (ገላትያ 5:22, 23) ብእግሪ ክትንቀሳቐስ ኢልካ ምውጻእ ወይ ድማ ገለ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ንስምዒትካ ንኽትቈጻጸር ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 17:14, 27) “ንዅራ ደንጓዪ” ንምዃን ጽዓሩ።—ምሳሌ 14:29
ምፍልላይዶ ወይስ ብሓባር ምንባር፧
23. ሓደ ኣባል ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብተደጋጋምን ብዘይምንሳሕን ሕርቃን እተሓወሶ መጥቃዕቲ: ምናልባት እውን ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘውርድ ምስ ዝኸውን እንታይ ኢዩ ከጋጥሞ ዝኽእል፧
23 መጽሓፍ ቅዱስ “ጽልኢ: ባእሲ: . . . ቍጥዓ” ካብ መንጎ እቲ ኣምላኽ ዝዅንኖ ነገራት ምዃኑ ይነግር: “እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ድማ ይገልጽ። (ገላትያ 5:19-21) ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ኢየ ዝብል ሰብ እንተዀነ ግን ብተደጋጋምን ብዘይምንሳሕን ጭከና ዘለዎ ሕርቃን: ምናልባት እውን ኣብ ልዕሊ ናይ መርዓ ብጻይ ወይ ቈልዑ ኣካላዊ ማህሰይቲ ምውራድ ክኸውን ይኽእል: ምስ ዘንጸባርቕ: ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክውገድ ይኽእል ኢዩ። (ምስ 2 ዮሃንስ 9, 10 ኣረኣእይዎ።) በዚ መገዲ እዚ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብቶም ሃሰይቲ ሰባት ዕቑባ ትረክብ።—1 ቈረንቶስ 5:6, 7፣ ገላትያ 5:9
24. (ሀ) እቶም መጥቃዕቲ ዝወረዶም ሰብ ሓዳር እንታይ ስጕምቲ ንምውሳድ ኢዮም ክመርጹ ዝኽእሉ፧ (ለ) ሓለይቲ ብጾትን ሽማግለታትን ነቲ ማህሰይቲ ዝወረዶ ናይ መርዓ ብጻይ ብኸመይ ኢዮም ክሕግዙ ዝኽእሉ: እንተዀነ ግን እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘይብሎም፧
24 እቶም በቲ ምንም ናይ ምልዋጥ ኣንፈት ዘየርኢ ሃሳዪ ዝዀነ ናይ መርዓ ብጻዮም ብተደጋጋሚ እተጠቕዑ ክርስትያንከ እንታይ ይኹኑ፧ ገሊኦም ብእተፈላለየ ምኽንያት ምስቲ ሃሳዪ ናይ መርዓ ብጻይ ክጸንሑ መሪጾም ኢዮም። ካልኦት ድማ ኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: መንፈሳዊ ጥዕንኦም—ምናልባት እውን ህይወቶም—ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ስለ እተሰምዖም ክፈላለዩ መሪጾም ኢዮም። እቲ ግዳይ ናይቲ ኣብ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ ዝዀነ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝገብሮ ምርጫ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝገብሮ ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:10, 11) ርዱኣት ዝዀኑ ኣዕሩኽ: ኣዝማድ: ወይ እውን ክርስትያን ሽማግለታት ሓገዝን ምኽርን ክህቡ ይደልዩ ይዀኑ: እንተዀነ ግን እቲ ግዳይ ዝዀነ ሰብ ዝዀነ ይኹን ፍሉይ ስጕምቲ ንኽወስድ ጸቕጢ ክገብሩ የብሎምን። እዚ ንሱ ወይ ንሳ ክገብርዎ ዘለዎም ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ።—ሮሜ 14:4፣ ገላትያ 6:5
መወዳእታ ናይ ጐዳኢ ዝዀነ ግድላት
25. የሆዋ ብዛዕባ ስድራቤት ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
25 የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ብመርዓ ከሕብሮም ከሎ: ስድራቤት ብኸም ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ድማ መጥቃዕቲ ዝኣመሰለ ነገራት ውሽጢ ውሸጠን ክብልዓ ኢሉ ፈጺሙ ኣይመደበን። (ኤፌሶን 3:14, 15) ስድራቤት ፍቕርን ሰላምን ዝዕንብበላ: ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራቤት ድማ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መንፈሳውን ምሕብሓብ ዝረኽበሉ ቦታ ክትከውን ኢዩ ተመዲቡ ነይሩ። ይኹን እምበር: ሓጢኣት ምስ ጀመረ ናብራ ስድራቤት ክዓኑ ጀመረ።—ምስ መክብብ 8:9 ኣረኣእይዎ።
26. ነቶም ምስ ብቕዓታት የሆዋ ተሰማሚዖም ክመላለሱ ዝጽዕሩ እንታይ መጻኢ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧
26 እቲ ዘሐጕስ ግን የሆዋ እቲ ንስድራቤት ዝምልከት ዝነበሮ ዕላማ ኣይገደፎን። ሰባት ‘ዘፍርሆም ዘይብሎም ሃዲኦም ዝነብሩላ’ ሰላም ዘለዋ ሓዳስ ዓለም ከምጽእ ምዃኑ ተመባጺዑ ኢዩ። (ህዝቅኤል 34:28) ኣብቲ እዋን እቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ: ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕቲ: ከምኡውን ኣብዚ እዋን እዚ ንስድራቤት ጕድኣት ዘውርድ ዘሎ ካልእ ነገራት ኵሉ ነበረ ክኸውን ኢዩ። ሰባት ፍርሆም ወይ ስቓዮም ንምሽፋን ዘይኰነስ: ‘ብዝሒ ሰላም’ ስለ ዝረኸቡ “ደስ ኪብሎም” ኢዩ።—መዝሙር 37:11
a ነቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ሰብ ከም ተባዕታይ ገይርና እኳ እንተ ጠቐስናዮ: እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት: ጓል ኣንስተይቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ምስ ዝህልዋ እውን ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል ኢዩ።
b ኣብ ገለ ሃገራት ነቶም ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎምን ስድራቤቶምን ናይ ምሕጋዝ ክእለት ዘለወን ናይ ሕክምና ማእከላት: ሆስፒታላት: ከምኡውን ናይ ተሃድሶ ፕሮግራማት ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ምድላይ ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ። ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እዚ ጽቡቕ ኢዩ ብምባል ዝዀነ ይኹን ፍሉይ ሕክምና ኣይትእዝዝን ኢያ። ይኹን እምበር: ሓገዝ ክድለ ከሎ ኣብቲ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ከም እትለማመጥ ክገብረካ ዝኽእል ነገራት ንኸይትኣቱ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ።