ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rq ትምህርቲ 1 ገጽ 3
  • ኣምላኽ እንታይ ብቕዓት ከም ዝደሊ ክትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ እንታይ ብቕዓት ከም ዝደሊ ክትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ
  • ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተላእከልና መልእኽቲ እዩ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • እቲ ብስራት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ድዩ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተላእከ ደብዳበ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
rq ትምህርቲ 1 ገጽ 3

ትምህርቲ 1

ኣምላኽ እንታይ ብቕዓት ከም ዝደሊ ክትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧ (1)

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲ መን ኢዩ፧ (2)

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧ (3)

1. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ክቡር ህያብ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ናብ ደቁ ዝልእኮ ደብዳበ ኢዩ። ንኣምላኽ ዝምልከት ሓቂ​—መን ምዃኑን መለኪዒታቱ እንታይ ምዃኑን​—ይነግረና። ንግድላት ብኸመይ ብዓወት ከም እትዋጽኣሉን ሓቀኛ ሓጐስ ድማ ብኸመይ ከም እትረክብን ይገልጽ። ንኣምላኽ ባህ ከነብሎ እንታይ ክንገብር ከም ዝግብኣና መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ዝነግረና።​—መዝሙር 1:1-3፣ ኢሳይያስ 48:17, 18

2. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ኣብ ወሽጢ 1,600 ዓመታት 40 ብዝኣኽሉ ሰባት ኢዩ ተጻሕፉ። ብ66 ንኣሽቱ መጽሓፍቲ ዝቘመ ኢዩ። እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ብመንፈስ ኣምላኽ እተደረኹ ኢዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ ሓሳባት ኣምላኽ ኢዮም ጽሒፎም። ስለዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ እምበር ዝዀነ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ኣይኰነን።​—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21

3. ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ከም ዝቕዳሕን ዝዕቀብን ገይሩ ኢዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ንላዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ተሓቲሙ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ርእዩካ ዝሕጐስ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን: እዚ ግን ካብቲ እትገብሮ መጽናዕቲ ከቋርጸካ ኣይተፍቅደሉ። ዘለኣለማዊ መጻኢኻ ንኣምላኽ ኣብ ምፍላጥን ምጽራር እናሃለወ ፍቓዱ ኣብ ምግባርን እተመርኰሰ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 5:10-12፣ ዮሃንስ 17:3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ