ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rq ትምህርቲ 8 ገጽ 16-17
  • ንኣምላኽ ባህ ዘብል ናብራ ስድራቤት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ባህ ዘብል ናብራ ስድራቤት
  • ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ንናብራ ስድራቤት ዕዉት ምግባር
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ጥበብ
    ንቕሑ!—2021
  • ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
rq ትምህርቲ 8 ገጽ 16-17

ትምህርቲ 8

ንኣምላኽ ባህ ዘብል ናብራ ስድራቤት

ኣብ ስድራቤት ቦታ ናይ ሰብኣይ እንታይ ኢዩ፧ (1)

ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ኢዩ ክሕዛ ዘለዎ፧ (2)

ኣቦ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘሎዎ፧ (3)

ኣብ ስድራቤት ግደ ናይ ሰበይቲ እንታይ ኢዩ፧ (4)

ኣምላኽ ካብ ወለድን ቈልዑን እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ (5)

ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧ (6, 7)

1. መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣይ ርእሲ ስድራቤቱ ምዃኑ ይዛረብ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠3) ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ክትህልዎ ይግባእ። ብመሰረት ሕጊ ብግቡእ እተመርዓዉ ክዀኑ ኣለዎም።​—1 ጢሞቴዎስ 3:2፣ ቲቶስ 3:⁠1

2. ሰብኣይ ንሰበይቱ ከም ነፍሱ ገይሩ ከፍቅራ ኣለዎ። ከምቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሕዞም ዝነበረ ገይሩ ክሕዛ ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:⁠25, 28, 29) ንሰበይቱ ክሃርማ ወይ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ፈጺሙ ብሕማቕ ክሕዛ የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ግምትን ክብረትን ከርእያ ኣለዎ።​—ቈሎሴ 3:19፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠7

3. ኣቦ ንስድራቤቱ ንኽሓሊ ኣበርቲዑ ክዓዪ ኣለዎ። ንሰበይቱን ደቁን መግቢ: ክዳን: ከምኡውን መጽለሊ ከዳልወሎም ይግባእ። ኣቦ ናይ ስድራቤቱ መንፈሳዊ ድሌት እውን ከማልእ ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ስድራቤቱ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ንኽማሃሩ ኣብ ምሕጋዝ መሪሕነት ይወስድ።​—ዘዳግም 6:⁠4⁠-9፣ ኤፌሶን 6:⁠4

4. ሰበይቲ ናይ ሰብኣያ ንፍዕቲ ሓጋዚት ክትከውን ኣለዋ። (ዘፍጥረት 2:⁠18) ደቆም ኣብ ምምሃርን ምልምማድን ንሰብኣያ ክትድግፎ ኣለዋ። (ምሳሌ 1:⁠8) የሆዋ ሰበይቲ ንስድራቤታ ብፍቕራዊ መገዲ ክትሓሊ ኢዩ ዝደሊ። (ምሳሌ 31:⁠10, 15, 26, 27፣ ቲቶስ 2:⁠4, 5) ንሰብኣያ ዓሚቝ ኣኽብሮት ክህልዋ ኣለዎ።​—ኤፌሶን 5:⁠22, 23, 33

5. ኣምላኽ ቈልዑ ንወለዶም ክእዘዙ ኢዩ ዝደልዮም። (ኤፌሶን 6:⁠1⁠-3) ወለዲ ንደቆም ክምህሩን ክምዕዱን ኢዩ ዝጽበዮም። ወለዲ ንመንፈሳውን ስምዒታውን ድሌት ደቆም ብምሕላይ ምስኦም ግዜ ከሕልፉን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑን የድልዮም። (ዘዳግም 11:⁠18, 19፣ ምሳሌ 22:⁠6, 15) ወለዲ ንደቆም ብሕማቕ ወይ ጭካነ ብዘለዎ መገዲ ክቐጽዕዎም የብሎምን።​—ቈሎሴ 3:⁠21

6. ናይ መርዓ ብጾት ናይ ምስምማዕ ጸገም ምስ ዝህልዎም፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ተግባር ከውዕሉ ክጽዕሩ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ከነርእን ይቕረ በሃልቲ ክንከውንን ኢዩ ዝምዕደና። (ቈሎሴ 3:⁠12⁠-14) ቃል ኣምላኽ ንኣሽቱ ግድላት ንምውጋድ ምፍልላይ ኣየተባብዕን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓንቲ ሰበይቲ ሰብኣያ (1) ብትዕቢት ንስድራቤቱ ምድጋፍ ምስ ዝኣቢ፣ (2) ኣዝዩ ዓመጸኛ ብምዃኑ ንጥዕንኣን ህይወታን ኣስጋኢ ምስ ዝኸውን ወይ (3) እቲ ሕሉፍ ዝዀነ ምጽራሩ ንየሆዋ ከተምልኽ ከም ዘይትኽእል ምስ ዝገብራ ካብኡ ክትፍለ ክትመርጽ ትኽእል ኢያ።​—1 ቈረንቶስ 7:⁠12, 13

7. ናይ መርዓ ብጾት ኣብ ንሓድሕዶም እሙናት ክዀኑ ኣለዎም። ዝሙት ኣንጻር ኣምላኽን ኣንጻር እቲ ናይ መርዓ ብጻይን ሓጢኣት ምግባር ማለት ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠4) ሓደ ክርስትያን ናይ መርዓ ብጻዩ ብምፍታሕ እንደገና ካልእ ክምርዖ ናጻ ክገብሮ ዝኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ካብ መርዓ ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ጥራይ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:⁠6⁠-9፣ ሮሜ 7:⁠2, 3) የሆዋ ሰባት ብዘይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ተፋቲሖም ካልእ ክምርዓዉ ከለዉ ይጸልኦ ኢዩ።​—ሚልክያስ 2:⁠14⁠-16

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእልታት]

ኣምላኽ ወለዲ ንደቆም ክምህሩን ክእርሙን ይጽበዮም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእልታት]

ሓደ ፋቃር ኣቦ ንስድራቤቱ ብስጋውን መንፈሳውን ይሓልየሎም ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ