ዜና መንግስቲ ቍ.35
ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዶዀን ይዀኑ፧
ንብጻይካ ምፍቃር ዝሒሉ ኣሎ
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝሕግዞም ዘይብሎም ዋላ ሓንቲ ክገብሩ ዘይክእሉን እተደርበዩን ኰይኑ ይስምዖም። ሓንቲ ጥሮታ ዝወጸት ነጋዲት ከምዚ ብምባል ትዕዝብታ ትገልጽ:- ‘ሓደ ምሸት ሓንቲ ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ደርቢ እትቕመጥ መበለት ኣብ ቤተይ ኳሕኰሐት እሞ: ጸምዩኒ በለትኒ። ብስነ-ስርዓት ግን ብዘይ ስምዒት: ግዜ የብለይን በልክዋ። ስለ ዝረበሸትኒ ኸኣ ይቕሬታ ሓቲታ ከደት።’
ዘሕዝን ግን ኣብታ ለይቲ እቲኣ: እታ መበለት ርእሰ-ቕትለት ፈጸመት። ብድሕርዚ እታ ነጋዲት “ከቢድ ትምህርቲ” ከም እተማህረት ተዛረበት።
ንብጻይካ ዘይምፍቃር መብዛሕትኡ ግዜ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብተን ቅድም ክፍሊ ናይ ዩጎዝላቭያ ዝነበራ ቦዝንያን ሀርዞጎቪናን እተኻየደ ቀቢላዊ ግርጭት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ካብ ቤቶም ከምዝወጹ ገበረ: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኸኣ ተቐትሉ። ብመን፧ ሓንቲ ካብ ዓዳ ዝወጸት ጓል “ብጐረባብትና። ንፈልጦም ዝነበርና ሰባት ኢዮም” ብምባል ትዛረብ።
ኣብ ሩዋንዳ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብጐረባብቶም ተሓሪዶም ኢዮም። “ሁቱን ቱትሲን ብዛዕባ ዋላ ሓንቲ ከይተገደሱ: ወይውን መን ሁቱ መን ቱትሲ እውን ከይተረፈ ከይፈለጡ ብሓደ [ይነብሩ]: ይመረዓዓዉ ነበሩ። ደሓር ግን ብሃንደበት ተለወጠ: እቲ ምቅትታል ከኣ ጀመረ” ብምባል ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ጸብጻብ የቕርብ።
ብተመሳሳሊ: ኣይሁድን ኣዕራብን ኣብ እስራኤል ጐድኒ ንጐድኒ ይነብሩ: ብዙሓት ግን ንሓድሕዶም ዝጸላልኡ ኢዮም። እቲ ኵነታት ኣብቶም ኣብ ኣየርላንድ ዘለዉ ብዙሓት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን: ከምኡውን ቝጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ዓለም ዘለዉ ካልኦት ጕጅለታትን ከምኡ ኢዩ። ዓለም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ፈጺማ ከም ሎሚ ገይራ ፍቕሪ ስኢና ኣይትፈልጥን ኢያ።
ንብጻይካ ምፍቃር ዝዘሓለ ስለምንታይ ኢዩ፧
ፈጣሪና እቲ መልሲ ይህበና። ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ይጽውዖ። እዚ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት “ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይብሎም ” ክዀኑ ኢዮም ዝበሎ ግዜ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ‘መወዳእታ ዓለም’ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ክንበ ከሎ: የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ “ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ ” በለ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 NW ፣ ማቴዎስ 24:3, 12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ስለዚ: ሎሚ ፍቕሪ ዘይምህላዉ ሓደ ካብቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብር መረጋገጺ ኢዩ። ዘሐጕስ ግን እዛ ኣምልኾ ብዘይብሎም ሰባት ዝመልአት ዓለም: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ብሓንቲ ብፍቕሪ እትግዛእ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ክትክኣ ምዃና ዝሕብር እውን ኢዩ።—ማቴዎስ 24:3-14፣ 2 ጴጥሮስ 2:5፣ 3:7, 13
እንተዀነ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ክህሉ ኢዩ: ማለት ኵሎም ሰባት ከኣ ንሓድሕዶም ክፋቐሩን ሓቢሮም ብሰላም ክነብሩን ይኽእሉ ኢዮም: ኢልና ክንኣምን ብሓቂ ምኽንያት ኣሎና ድዩ፧
ፍቕሪ ብጻይ ክውን ነገር ኢዩ
ሓደ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ፈላጥ ሕጊ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ብምባል ንየሱስ ሓተቶ። እዚ ፈላጥ ሕጊ እዚ: የሱስ ‘ደቂ ዓድኻ ኣይሁድ’ ኢሉ ክምልሰሉ ይጽበ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብቲ ብዛዕባ ሳምራዊ ዝዀነ ብጻይ እተዛረቦ ታሪኽ: የሱስ ካልእ ዝዓሌቶም ሰባት እውን ብጾትና ከም ዝዀኑ ኣርእዩ ኢዩ።—ሉቃስ 10:29-37፣ ዮሃንስ 4:7-9
የሱስ ደድሕሪ ፍቕሪ ንኣምላኽ ፍቕሪ ንብጻይና እውን ንህይወትና ክመርሖ ከም ዘለዎ ኣጕሊሑ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:34-40) እንተዀነ ግን ገለ ንብጾቶም ብሓቂ ዘፍቀሩ ጕጅለ ሰባት ኣለዉዶ፧ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣፍቂሮም ኢዮም! በቲ ንኻልኦት ዝነበሮም ፍቕሪ ፍሉጣት ኢዮም ነይሮም።—ዮሃንስ 13:34, 35
ሎሚኸ፧ ከምታ ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ዘርኢ ኣሎዶ፧ ኤንሳይክሎፔዲያ ካናድያና ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን . . . ዝመላለስሉ ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ክርስትና እንደገና ህያው ምግባርን ምቛምን ኢዩ። . . . ኵሎም ኣሕዋት ኢዮም።”
እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓሌት: ሃገር: ወይውን ቀቢላዊ መበቆል ንብጾቶም ከም ዝጸልኡ ወይ ከም ዝቐትሉ ክገብሮም ኣየፍቅዱን ኢዮም ማለት ኢዩ። ወይውን ንዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ኣይቀትሉን ኢዮም: ከመይሲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣስያፎም ንማሕረሻታት ኲናውቶም ከኣ ንገዘሞታት ሰሪሖምዎ ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:4) መሰኻኽር ንብጾቶም ንምሕጋዝ ተበግሶ ብምውሳዶም ፍሉጣት ኢዮም።—ገላትያ 6:10
ኣብ ርእሲ ዓንቀጽ ናይ ካሊፎርንያ ጋዜጣ ሳክራመንቶ ዩኒዮን ከምዚ ነንብብ:- “ብምልእታ ዓለም ብእምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ትነብር ምፍሳስ ደምን ጽልእን መወዳእታ ምሃለዎ: ፍቕሪ ኸኣ ምነገሰ ነይሩ ምባል እኹል ኢዩ።” ኣብ ናይ ሃንጋሪ መጺሔት ሪን ሓደ ጸሓፊ ከምዚ ብምባል ወሰኸ:- “ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እንተ ዝዀኑ: ውግእ ኣይምሃለወን: ናይ ፖሊስ ስራሕ ከኣ ትራፊክ ምቍጽጻርን ፓስፖርት ምሃብን ጥራይ ምዀነ ነይሩ።”
ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ እንተድኣ ኰይኖም ግን: ዓቢ ዓለምለኻዊ ለውጢ ከም ዘድሊ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ለውጢ እዚ ብኸመይ ክመጽእ ኢዩ፧ (በጃኻ ኣብቲ ናይ ድሕሪት ገጽ ተመልከት)
ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ዝፋቐሩሉ ግዜ
የሱስ ክርስቶስ ዝማሃሮ ጸሎት ሃንደበታዊ ለውጢ ከም ዝቐረበ ኢዩ ዘርኢ። የሱስ ኣብቲ ውሩይ ዝዀነ ናይ ከረን ስብከቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ክንጽሊ ምሂሩና ኢዩ።—ማቴዎስ 6:10
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ ናይ ሓቂ ምምሕዳር ኢያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢያ “መንግስተ ሰማያት” ተባሂላ እትጽዋዕ። የሱስ እቲ “መስፍን ሰላም” ከኣ ገዛኢኣ ክኸውን ብኣቡኡ ተሸይሙ ኢዩ።—ማቴዎስ 10:7፣ ኢሳይያስ 9:6, 7፣ መዝሙር 72:1-8
መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ከላ: ነዛ ጽልኢ ዝመልኣ ዓለም እንታይ ከጓንፋ ኢዩ፧ እታ “መንግስቲ” ንዅለን እዘን ብልሽዋት መንግስታት ናይዛ ዓለም “ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ።” (ዳንኤል 2:44) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዓለም ትሐልፍ . . . እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ዮሃንስ 2:17
ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ:” NW ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:9-11, 29፣ ምሳሌ 2:21, 22) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ግርማዊ ግዜ ኰን ኢዩ ዝኸውን! “ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) ምዉታት እውን እንደገና ህያዋን ክዀኑ: ብዘላ ምድሪ ኸኣ ቃል ብቓሉ ናብ ገነት ክትልወጥ ኢያ።—ኢሳይያስ 11:6-9፣ 35:1, 2፣ ሉቃስ 23:43፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15
ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንምንባር: ከምቲ ኣምላኽ ክንገብሮ ኢሉ ዝምህረና: ንሓድሕድና ክንፋቐር ይግብኣና። (1 ተሰሎንቄ 4:9) ሓደ ወዲ ምብራቕ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ በለ:- “ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመባጽዖ: ነቲ ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ዝፋቐርሉ ግዜ ኣማዕድየ ኢየ ዝጥምት።” ኣምላኽ መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽም ከኣ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና! “ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ” ይብል።—ኢሳይያስ 46:11
እንተዀነ ግን ነቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ በረኸታት ንምስትምቓር: ከምቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ክትወስድ ይግብኣካ። (ዮሃንስ 17:3) እታ 32 ገጽ ዘለዋ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትብሃል ብሮሹር ክትሕግዘካ ኢያ። ኣብታ ዝሓለፈት ገጽ ዘሎ ኩፖን መሊእካ ናብቲ ንዓኻ ዝቐረበ ኣድራሻ ብምልኣኽ: ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።
□ እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትብሃል ብሮሹር ምደሌኹ ነይረ፧
□ በጃኩም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር ርኸቡኒ።
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ኣብ ድፋዕ ዘሎ ወተሃደርን ቀብርን—ኣብ ቦዝንያ Reuters/Corbis-Bettmann