እቲ ሓሳባት ናብ ኣይሁድነት: ህዝበ-ክርስትያን: ከምኡውን ምስልምና ይኣቱ
“ሃይማኖ ት ሰባት ምስ ተቐብሩ ዝሓሸ ህይወት ክረኽቡ: እንደገና ክውለዱ ወይ እውን ክልቲኡ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ሓደ መዓልቲ ክሞቱ ምዃኖም ከእምን ዝኽእል ነገር እውን ኢዩ። ”—ጀርመናዊ ጸሓፊ ገርሃ ት ሄርም።
1.መብዛሕትአን ሃይማኖታት ነቲ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ዝብል መብጽዓ ኣብ እንታይ መሰረታዊ እምነት ከም ዝምርኰስ ኢየን ዝገብርኦ፧
ዳ ርጋ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ክትመባጻዕ ከላ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ: ኣብ እዋን ሞት ድማ ናብ ካልእ ቦታ ትግዕዝ ወይ ናብ ካልእ ዓይነት ፍጥረት ትልወጥ ኣብ ዝብል እምነት ኢያ እትምርኰስ። ኣብቲ ዝሓለፈ ክፍሊ ከም እተገልጸ: ኣብቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ምእማን ነተን ምብራቓውያን ሃይማኖታት ካብ ምጅማረን ኣትሒዙ ቀንዲ ክፍለን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣይሁድነት: ህዝበ-ክርስትያን: ከምኡውን ምስልምናኸ፧ እቲ ትምህርቲ ሕመረት ናይዘን እምነታት እዚኣተን ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
ኣይሁድነት ነቲ ናይ ግሪኽ ሓሳባት ይወስድ
2, 3.ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ: እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሉ ይምህር ድዩ፧
2 ኣይሁድነት ዝጀመረ ገለ 4,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ግዜ ኣብርሃም ኢዩ። እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ክጻሓፍ ጀሚሩ: ሶቅራጦስን ፕላቶን ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ቅርጺ ከትሕዝዎ ክጅምሩ ከለዉ ድማ ተወድአ። እዚ ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ: ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሉ ይምህርዶ ኢዩ፧
3 ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተጻሕፈ ጥራይ ኢዩ ንጹርን ጽኑዕን ዝዀነ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል እምነት እተመስረተ . . . ከምኡውን እምነ-መሰረት ናይ ኣይሁድን ክርስትያናትን እምነት ዝዀነ።” ከምዚ ኢሉ እውን ይገልጽ ኢዩ:- “ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሰብ ብምልኡ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ስለዚ ድማ ነፍሲ ካብ ኣካል ንጹር ዝዀነ ፍልልይ ኣይነበራን።” እቶም ጥንታዎት ኣይሁድ ትንሳኤ ምውታት ከም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩ: እዚ ድማ “ካብቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ . . . ዝብል እምነት ተፈልዩ ክርአ ኣለዎ” ብምባል እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መወከሲ ይሕብር።
4-6.እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ-እምነት “ሓደ ካብቲ” ናይ ኣይሁድነት “እምኒ መኣዝናት” ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
4 እሞ እዚ ሰረተ-እምነት እዚ “ሓደ ካብቲ እምኒ መኣዝናት” ናይ ኣይሁድነት ዝዀነ ድኣ ብኸመይ ኢዩ፧ ታሪኽ መልሲ ይህብ ኢዩ። ብ332 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሌክሳንደር ዓቢ ብዙሕ ክፍልታት ናይ ማእከላይ ምብራቕ ቅጽበታዊ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእተዎ። ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ: እቶም ኣይሁዳውያን መርሓባ ኢሎም ተቐበልዎ። ብመሰረት እቲ ፍላቭየስ ጆሰፈስ እተባህለ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ ነቲ ኣሌክሳንደር ዓቢ “ንጉስ ዮናኒ” ኰይኑ ብምምጻእ ከም ዝስዕር ልዕሊ 200 ዓመታት ይገብር ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘሎ ትንቢት እውን ከይተረፈ ኣርኣይዎ። (ዳንኤል 8:5-8, 21) እቶም ንኣሌክሳንደር ዝተክእዎ ኸኣ ቋንቋ: ባህሊ: ከምኡውን ፍልስፍና ናይ ግሪኽ ኣብ ኵሉ ክፍሊ ናይቲ ሃጸይ ብምትእትታው ነቲ ኣሌክሳንደር ዝነበሮ ንሰባት ግሪኻውያን ናይ ምግባር መደብ ሰዓብዎ። ምትሕውዋስ ናይዚ ክልተ ባህልታት እዚ—ግሪኽን ኣይሁድን—ድማ ዘይተርፍ ኰነ።
5 ኣብ መጀመርታ ናይ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ሰፕቱጀነት ዝበሃል ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ግሪኽ ምትርጓም ተጀመረ። በዚ ድማ ብዙሓት ኣህዛብ ነቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ከኽብሩን ክፈልጡን: አረ ገሊኣቶምስ ክልወጡ እውን ክኢሎም ኢዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣይሁድ በቲ ናይ ግሪኻውያን ሓሳባት ተዋሕጡ: አረ ገሊኣቶምስ ፈላስፋታት እውን ኰይኖም ኢዮም: እዚ ድማ ንዕኦም ፈጺሙ ሓድሽ ነገር ኢዩ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ፊሎ እተባህለ ናይ ኣለክሳንድርያ ኣይሁዳዊ ፈላስፋ ሓደ ካብዚኣቶም ኢዩ ነይሩ።
6 ፊሎ ንፕላቶ ኣኽቢሩ ይርእዮ: ንኣይሁድነት ድማ በቲ ናይ ግሪኻውያን ፍልስፍና ገይሩ ክገልጾ ይጽዕር ነበረ። እታ ሄቨን —አ ሂስትሪ እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ፊሎ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ፕላቶ ፍልስፍናን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ባህልን ፍሉይ ዝዀነ እተሓዋወሰ ሓሳባት ብምፍጣር ነቶም ድሒሮም ዝመጹ ክርስትያናት [ከምኡውን ኣይሁዳውያን] ፈላስፋታት መገዲ ኣዳለወሎም።” ፊሎኸ ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ፧ እታ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትቕጽል:- “ሞት ንነፍሲ ናብቲ ዝነበረቶ ናይ መጀመርታ: ቅድሚ ምውላድ ዝነበራ ኵነታት ይመልሳ ምዃኑ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ። ናይ ነፍሲ ቦታ ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ስለ ዝዀነ: ኣብቲ ኣካል ህይወት ምህላው ምንም ትርጕም የብሉን: ኣብ ክንድኡስ ሓጺርን ሕማቕ ኣጋጣሚታት ዝመልኦን ፍጻመ ኢዩ።” ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሎም ዝኣምኑ ዝነበሩ ካልኦት ኣይሁዳውያን ፈላስፋታት ከም ኣይሳክ ኢዝራኤሊ እተባህለ ኣብ መበል 10ይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣይሁዳዊ ሓኪም: ከምኡውን ከም ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ጀርመናውን ኣይሁዳውን ፈላስፋ ሞሰስ መንደልሶን ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።
7, 8. (ሀ)ታልሙድ ንነፍሲ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጻ፧ (ለ) እቲ ድሒሩ ዝመጸ ናይ ኣይሁድ ናይ ጽውጽዋይ ስነ-ጽሑፍ ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ኢዩ ዝብል፧
7 እቲ በቶም ካብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ማእከላይ መዋእል ኣብ ዝነበረ እዋን ዝነበሩ ራቢታት እተቐናበረ: ናይቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ጽማቝ ሓሳባትን ብዛዕባ እቲ ሕጊ ጸኒሑ እተዋህበ ሓሳባትን መግለጺታትን ዝሓዘ ታልሙድ እተባህለ መጸሓፍ እውን ንኣተሓሳስባ ኣይሁድ ኣጸቢቑ ጸልይዎ ኢዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ከምዚ ይብል:- “እቶም ናይ ታልሙድ ራቢታት ድሕሪ ሞት ነፍሲ ምንባር ትቕጽል ኢያ ዝብል እምነት ነበሮም።” ታልሙድ ምዉታት ምስቶም ህያዋን ከም ዝራኸቡ እውን ከይተረፈ ይዛረብ ኢዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ኤቲክስ ከምዚ ይብል:- “ምናልባት ብሰንኪ ጽልዋ እምነት ፕላቶ ኢዩ ዝኸውን: [እቶም ራቢታት] ነፍሲ ኣቐዲማ ትነብር ነይራ ኢያ ዝብል እምነት ነበሮም።”
8 ጸኒሑ እቲ ካባላ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ኣይሁድ ናይ ጽውጽዋይ ስነ-ጽሑፍ: ብዛዕባ ሪኢንካርነሽን እውን ከይተረፈ ክምህር ጀመረ። ብዛዕባ እዚ እምነት እዚ: ዘ ኒው ስታንዳርድ ጂውሽ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ሓሳባት ኣብ ህንዲ ዝመነጨ ኢዩ ዝመስል። . . . ኣብ ካባላ መጀመርታ ኣብ መጽሓፍ ባሂር ኢዩ ዝርከብ: ድሕርዚ ካብ ዞሃር ንነጀው ኣብቲ ናይ ሃሲድ እምነትን ስነ-ጽሑፍን ኣገዳሲ ዝዀነ ግደ ብምጽዋት ኣብቲ ጽውጽዋይ ልሙድ ኰነ።” ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ እስራኤል ሪኢንካርነሽን ከም ናይ ኣይሁድ ትምህርቲ ኰይኑ ሰፊሕ ተቐባልነት ኣለዎ።
9. መብዛሕትአን ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዋ ክፍልታት ናይ ኣይሁድነት ብዛዕባ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ እንታይ መትከል ኢዩ ዘለወን፧
9 ስለዚ እምበኣር: እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት በቲ ጽልዋ ናይ ግሪኻውያን ፍልስፍና ኣቢሉ ኢዩ ናብ ኣይሁድነት ዝኣተወ: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ እቲ ሓሳባት ብመብዛሕትኦም ጕጅለታቱ ተቐባልነት ኣለዎ። እቲ ትምህርቲ ናብ ህዝበ-ክርስትያን ብዛዕባ ምእታዉኸ እንታይ ኢዩ ክበሃሎ ዝከኣል፧
ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ናይ ፕላቶ ሓሳባት ወሰደት
10. ሓደ ፍሉጥ ወዲ ስጳኛ ምሁር: የሱስ ብዛዕባ ናይ ነፍሲ ዘይሙማት ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ መደምደምታ ኢዩ ዝሃበ፧
10 ናይ ሓቂ ክርስትና ብክርስቶስ የሱስ ኢዩ ጀሚሩ። እቲ ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ሚገል ደ ኡናሙኖ እተባህለ ፍሉጥ ወዲ እስጳኛ ምሁር ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ፕላቶ ዝመስረቶ [ናይ ግሪኽ] ልምዲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሉ ዘይኰነስ: ከምቲ ናይ ኣይሁድ ልምዲ ኣብ ትንሳኤ ናይ ስጋ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ። . . . ናይዚ መረጋገጺ ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን ነቲ ሓሳባት ብልክዕ ዝገልጽ መጽሓፍ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።” ከምዚ ኢሉ ድማ ይድምድም:- “ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል እምነት . . . ናይ ኣረማውያን ፍልስፍናዊ ሃሜንነት ኢዩ።”
11. ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ናብ ክርስትና ገጹ ክኣቱ ዝጀመረ መዓስ ኢዩ፧
11 እዚ “ናይ ኣረማውያን ፍልስፍናዊ ሃሜንነት” ናብ ክርስትና ዝለሓዀ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧ እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይሕብር:- “ካብ መፋርቕ ናይ 2ይ ክፍለ-ዘበን ዓ.ም. ኣትሒዙ እቶም ገለ ናይ ግሪኻውያን ፍልስፍና እተማህሩ ክርስትያናት ንእምነቶም በቲ ናይ ግሪኻውያን ስያመታት ገይርካ ምግላጽ ኣድላዪ ኰይኑ ክርኣዮም ጀመረ: እዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍልጠት ንምዕጋብን እተማህሩ ኣረማውያን ድማ ንምልዋጥን ኢሎም ኢዮም ገይሮምዎ። እቲ ብዝበለጸ እተሰማምዖም ፍልስፍና ድማ እቲ ናይ ፕላቶ ፍልስፍና ኢዩ።”
12-14. ኦሪገንን ኦገስቲንን ነቲ ናይ ፕላቶ ፍልስፍና ናብ ክርስትና ኣብ ምሕዋስ እንታይ ግደ ኢዩ ዝነበሮም፧
12 ክልተ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ ፈላስፋታት ነቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሰረተ-እምነታት ኣብ ምጽላው ዕዉት ነገር ገበሩ። ሓደ እቲ ናይ ኣለክሳንድርያ ኦሪገን (ኣብ ከባቢ 185 -254 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ) ካልእ ድማ እቲ ናይ ሂፖ ኦገስቲን (354-430 ከ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ) ኢዮም ነይሮም። ብዛዕብኦም እቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ነፍሲ ከም መንፈሳዊት ነገር ከምኡውን ናይ ፍልስፍና ሓሳባት ኰይና ዝቐረበት ኣብ ምብራቕ ኣብ ግዜ ኦሪገን ኣብ ምዕራብ ድማ ኣብ ግዜ ቅዱስ ኦገስቲን ጥራይ ኢያ።” ኦሪገንን ኦገስቲንን ነቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዝነበሮም ሓሳባት ብምንታይ መልክዕ ኢዮም ኣቕሪቦምዎ፧
13 እቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ: ኦሪገን ተማሃራይ ናይቲ “ካብቶም ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ ባህሊ ናይ ግሪኻውያን ምሉእ ብምሉእ እተለቅሑ ኣቦታት ቀዳማይ” ዝዀነ ክለመንት በዓል ኣለክሳንድርያ ኢዩ ነይሩ ይብል። እቲ ፕላቶ ብዛዕባ ነፍሲ ዝነበሮ ሓሳባት ንኦሪገን ኣጸቢቑ ጽልዋ ገይርሉ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ቨርነር የገር ኣብታ ዘ ሃርቫርድ ቲኦሎጂካል ሪቪው እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “[ኦሪገን] ነቲ ካብ ፕላቶ ዝወሰዶ ሰፊሕ ዝዀነ ብዛዕባ ነፍሲ ዝገልጽ ትምህርቲ ናብቲ ናይ ክርስትና ሰረተ-እምነት ኣእተዎ።”
14 ገሊኦም ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ ንኦገስቲን ከም ሓደ ካብቶም ጥንታዎት ፈላስፋ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ኦገስቲን ኣብ መበል 33 ዕድሚኡ ናብ “ክርስትና” ቅድሚ ምልዋጡ ኣብ ፍልስፋና ዓሚቝ ድሌት ነበሮ: ሰዓቢ ኒዮፕላቶኒዝም ድማ ኰነ።a ምስ ተለወጠ እውን ብኣተሓሳስብኡ ኒዮፕላቶኒክ ምዃን ቀጸለ። እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ “ኣእምሮኡ ነቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሃይማኖት ምስቲ ናይ ግሪኽ ፕላቶኒክ ልምዲ ምሉእ ብምሉእ ኣጸቢቑ ንምትእስሳር ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ” ይብል። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ “እቲ ክሳዕ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ መበል 12 ክፍለ-ዘበን ኣብ ምዕራብ ቅቡል ዝዀነ [ንነፍሲ ዝምልከት] ሰረተ-እምነት [ኣጉስቲን] መብዛሕትኡ ካብ . . . ኒዮፕላቶኒዝም እተወስደ ምዃኑ” ይእመን።
15, 16. እቲ ኣብ መበል 13 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ንትምህርትታት ኣሪስቶትል ምግዳስ ዝምልከት ነቲ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ዝነበራ መትከል ለዊጥዎዶ ኢዩ፧
15 ኣብ መበል 13 ክፍለ-ዘበን ናይ ኣሪስቶትል ትምህርቲ ኣብ ኣውሮጳ ተፈላጥነት ክረክብ ጀመረ: እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ናይቶም ብዛዕባ ትምህርትታት ኣሪስቶትል ኣስፊሖም ሓሳባት ዝሃቡ ናይ ኣዕራብ ምሁራት ዘዳለውዎ ናይ ላቲን ጽሑፋት ስለ ዝነበረ ኢዩ። ሓደ ቶማስ ኣኪናስ እተባህለ ናይ ካቶሊክ ምሁር በቲ ናይ ኣሪስቶትል ኣተሓሳስባ ኣጸቢቑ ተመሰጠ። ብምኽንያት ናይ ኣኪናስ ጽሑፋት እቲ ናይ ኣሪስቶትል ኣረኣእያ ካብቲ ናይ ፕላቶ ንላዕሊ ኣብ ትምህርትታት ናይ ቤተ-ክርስትያን ዝለዓለ ጽልዋ ገበረ። ይኹን እምበር: እዚ ኣንፈት እዚ ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ኣይተንከፎን።
16 ኣሪስቶትል ነፍሲ ከም ዘይትፋላለ ኰይና ምስ ኣካል ዝጠበቐት ምዃና: ድሕሪ ሞት ድማ ንውልቃ ምንባር ከም ዘይትቕጽል: ከምኡውን ኣብ ሰብ ንዘለኣለም ዝነብር ነገር እንተድኣ ኣልዩ ኰይኑ ሓደ ረቂቕ: ዘይሰብኣዊ ነገር ኢዩ ዝብል ትምህርቲ ማሃረ። ብዛዕባ ነፍሲ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምህላው ምስቲ ካብ ሞት እትድሕን ነፍሲ ኣላ ዝብል እምነት ናይ ቤተ-ክርስትያን ዝሰማማዕ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ኣኪናስ ነቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዝነበረ ናይ ኣሪስቶትል ኣረኣእያ ኣመሓየሾ: ነፍሲ ከም ዘይትመውት ክረጋገጽ ይከኣል ኢዩ ድማ በለ። በዚ ኸምዚ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ናይታ ቤተ-ክርስትያን ትምህርቲ ከይተተንከፈ ተረፈ።
17, 18. (ሀ) እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ተሃድሶ: ኣብቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ለውጢ ገይሩዶ ኢዩ፧ (ለ) መብዛሕትአን ክፍልታት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ እንታይ መትከል ኢዩ ዘለወን፧
17 ኣብ መበል 14 ከምኡውን 15 ክፍለ-ዘበናት: ቀዳማይ ክፋል ናይ እዋን ተሃደሶ: ብዛዕባ ትምህርትታት ፕላቶ እንደገና ምግዳስ ተጀመረ። እቲ ኣብ ኢጣልያ ዝነበረ መዲቺ ዝበሃል ፍሉጥ ስድራቤት ንፍልስፍና ፕላቶ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ፍሎረንስ ቤት ትምህርቲ ንምምስራት ሓገዘ። ኣብ መበል 16 ከምኡውን 17 ክፍለ-ዘበን እቲ ኣብ ኣሪስቶትል ዝነበረ ተገዳስነት ነከየ። እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ተሃድሶ ድማ ብዛዕባ ነፍሲ ሓድሽ ነገር ኣይገበረን። ናይ ፕሮቴስታንት ተሃድሶ ዋላ እኳ ብዛዕባ መንጽሂ ቦታ ክትዕ እንተ ኣልዓሉ: ነቲ ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ወይ ዓስቢ ዝብል ሓሳባት ግን ተቐበልዎ።
18 ስለዚ ድማ እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ኣብ መብዛሕትአን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያን ኣሎ። ነዚ ብምዕዛብ ሓደ ኣመሪካዊ ምሁር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቶም ኣብ ምዕራብ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት: ሃይማኖት ማለት ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ካብ ምባል ንላዕሊ ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን። ነፍሲ ከም ዘይትመውት ዝገበረ ኣምላኽ ኢዩ።”
ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርትን ምስልምናን
19. ምስልምና መዓስ ተመስሪቱ: ብመንከ ኢዩ እተመስረተ፧
19 ምስልምና: መሓመድ ወዲ 40 ዓመት ከሎ ነብዪ ክኸውን ምስ ተመዘዘ ኢዩ ጀሚሩ። ኣስላም ብሓፈሻ: መሓመድ ካብ 610 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ክሳዕ ብ632 ከ.ኣ.ዘ. ዝመውት: ኣብ ውሽጢ ካብ 20 ክሳዕ 23 ዓመታት ራእይ ከም ዝረኣየ ኢዮም ዝኣምኑ። እዚ ራእይ እዚ ኣብቲ ናይ ኣስላም ቅዱስ መጽሓፍ: ቁርኣን: ተመዝጊቡ ኣሎ። ምስልምና ኣብ ህላወ ክመጽእ ከሎ: ኣይሁድነትን ህዝበ-ክርስትያንን በቲ ፕላቶ ብዛዕባ ነፍሲ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ተዓብሊለን ነበራ።
20, 21. ኣስላም ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ፧
20 ኣስላም: እምነቶም መወዳእታ ናይቲ ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት እብራውያንን ክርስትያናትን እተዋህበ ራእይ ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። ቁርኣን ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ኢዩ ዝጠቅስ። እንተዀነ ግን: ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኣብ ዝብል ትምህርቲ ክበጽሕ ከሎ: ቁርኣን ካብዚ ጽሑፋት እዚ ይወጽእ ኢዩ። ቁርኣን ሰብ ብድሕሪ ሞት ምንባር እትቕጽል ነፍሲ ኣላቶ ኢሉ ኢዩ ዝምህር። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት: መዓልቲ ፍርዲ: ከምኡውን ብዛዕባ ነፍሲ ኣብ መወዳእታ ኣበይ ከም እትበጽሕ—ኣብታ ሰማያዊት ገነት ምንባር ወይ ድማ ኣብ ዝነድድ ሲኦል ምቕጻዕ—ይዛረብ ኢዩ።
21 ኣስላም ናይ ዝሞተ ሰብ ነፍሲ ናብቲ ባርዛኽ ወይ “መፈላለዪ” ዝባሃል “ሰባት ምስ ሞቱ ቅድሚ ኣብ ፍርዲ ምቕራቦም ዝጸንሕሉ ቦታ ወይ ኵነታት” ትኸይድ ኢሎም ይኣምኑ። (ሱራህ 23:99, 100 እግረ-ጽሑፍ ናይ ቅዱስ ቁርኣን ) እታ ነፍሲ: እቲ ሰብ እኩይ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ “ኣብ መቓብር ዝግበር ምንጻህ” ተባሂሉ ተሰይሙ ዘሎ: እሙን እንተድኣ ነይሩ ኰይኑ ድማ ሓጐስ እናስተማቐረት: ኣብዚ ቦታ እዚ ህያው ኰይና ትጸንሕ። እንተዀነ ግን: እቶም እሙናት እውን ብሰንኪ እቲ ብህይወቶም ከለዉ ዝፈጸምዎ ውሑድ ሓጢኣት ገለ ዓይነት ስቓይ ክጥዕሙ ኣለዎም። ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለኣለማዊ ብጽሒቱ ይቕበል: በዚ ድማ እቲ ማእከላይ ኵነታት ይውዳእ።
22. ገለ ኣዕራብ ፈላስፋታት: ብዛዕባ መወዳእታ ናይ ነፍሲ እንታይ እተፈላለየ ክልሰ-ሓሳባት ኢዮም ዝህቡ፧
22 እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ኣብ ኣይሁድነትን ህዝበ-ክርስትያንን ዝኣተወ ብሰንኪ ጽልዋ ናይ ፕላቶ ኢዩ: ኣብ ምስልምና ግን ካብ መጀመርትኡ ኢዩ ነይሩ። እዚ ግን እቶም ኣዕራብ ምሁራት ነቲ ናይ ምስልምና ትምህርቲ ምስ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ክሓዋውስዎ ኣይጸዓሩን ማለት ኣይኰነን። አረ እቲ ዓረባዊ ዓለምሲ በቲ ናይ ኣሪስቶትል ትምህርቲ ኣጸቢቑ ተጸልዩ ኢዩ። ከም እኒ ኣቪስና ከምኡውን ኣቬሮስ ዝኣመሰሉ ምሁራት ኣዕራብ: ነቲ ናይ ኣሪስቶትል ኣተሓሳስባ ኣስፋሕፊሖምዎን የዕብዮምዎን ኢዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ግሪኽ ሓሳባት ምስቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ ትምህርቲ ምስልምና ንምውህሃድ ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ፈተነ: እተፈላለየ ክልሰ-ሓሳባት ክምዕብል ጀመረ። ንኣብነት: ኣቪስና ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ብምባል መሃረ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣቬሮስ: ኣንጻር እዚ ኣረኣእያ እዚ ተኻትዐ። እዚ ኣረኣእያታት እዚ ይሃሉ ብዘየገድስ: ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ እምነት ምስልምና ኰይኑ ቀጸለ።
23. ኣይሁድነት: ህዝበ-ክርስትያን: ከምኡውን ምስልምና ብዛዕባ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ እንታይ መትከል ኢዩ ዘለወን፧
23 ብንጹር እምበኣር: ኣይሁድነት: ህዝበ-ክርስትያን: ከምኡውን ምስልምና ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ-እምነት ይምህራ ኢየን።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሰዓቢ ናይ ኒዮፕላቶኒዝም: እቲ ኣብ መበል ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ብፕሎቲነስ ኣብ ሮማ ዝማዕበለ ሓድሽ መልክዕ ፍልስፍና ፕላቶ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ኣሌክሳንደር ዓቢ ምስዓሩ: ምውህሃድ ናይ ግሪኽን ኣይሁድን ባህሊ ኣስዓበ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ኦሪገን: ላዕለዋይ ስእሊ: ከምኡውን ኦገስቲን ነቲ ናይ ፕላቶ ፍልስፍና ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከወሃህድዎ ጸዓሩ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእልታት]
ኣቪስና: ላዕለዋይ ስእሊ: ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሉ ተዛረበ። ኣቬሮስ ድማ ኣንጻር እዚ ኣረኣእያ እዚ ተኻትዐ