እቲ ኽትሰምዖ ዚደልዩኻ ብስራት
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም: “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ ንብዙሓት ሃገራት ዚትንክፍ ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ብዝሒ ዓመጻ ኪኸውን: መማህራን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንብዙሓት ኬስሕቱ: ንናይ ሓቂ ሰዓብቱ ጽልእን መስጐጕትን ኬጋጥሞም: ከምኡውን እታ ብዙሓት ሰባት ንጽድቂ ዝነበረቶም ፍቕሪ ኽትዝሕል ምዃና ነገሮም። እዚ ነገራት እዚ ኺፍጸም ምስ ጀመረ: ክርስቶስ ብዘይርአ መገዲ ምሳና ኸም ዘሎን ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እትመጸሉ ግዜ ኸም ዝቐረበን ዚሕብር እዩ። እዚ ብሓቂ ወንጌል ወይ ብስራት እዩ! የሱስ ቀጺሉ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል: እዚውን ክፍሊ እቲ ትእምርትታት ወይ ምልክታት ምዃኑ ሓበረ።—ማቴዎስ 24:3-14
እዚ ኣብ ዓለም ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ሕማቕ እኳ እንተዀነ: ክርስቶስ ምሳና ምህላዉ ዜመልክት ብምዃኑ ግን ጽቡቕ ሓበሬታ ዚህብ እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዅነታት: ካብታ ኣዝያ ፍልጥቲ ዝዀነት ዓመት 1914 ኣትሒዙ እዩ ኺፍጸም ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዘመናት ኣህዛብ ተወዲኡ: እቲ ኻብ ግዝኣት ሰብ ናብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዜብጽሕ መሰጋገሪ እዋን ከም ዝጀመረ ዜመልክት እዩ።
ኣቐዲሙ ኣብ መዝሙር 110:1, 2 ከምኡውን ራእይ 12:7-12 ናይ መሰጋገሪ እዋን ከም ዚህሉ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ ንግስነት ክሳዕ ዚቕበል ኪጽበ ኸም ዝነበሮ ተሓቢሩ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ: ሰይጣን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ተደርበየ: እዚ ድማ ንምድሪ ወዮ ኣምጽኣላ። የሱስ ድማ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ኺገዝእ ጀመረ። እከይ ኣብቲ ብኣርማጌዶን ዚዛዘም ዓብዪ “መከራ” ካብ ስሩ ተማሕዩ ምስ ጠፍአ: ሰላም ዝሰፈኖ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ኪጅምር እዩ።—ማቴዎስ 24:21, 33, 34፣ ራእይ 16:14-16
መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜ እዚ ኣመልኪቱ ኸምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ: . . . ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5
ብዙሓት ሰባት እዚ ነገራት እዚ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ ኢሎም ይማጐቱ ይዀኑ: እንተዀነ ግን ከም ሎሚ ገይሩ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ኣይፈልጥን። ጸሓፍቲ ታሪኽን ወሃብቲ ርእይቶን: ቅድሚ ሕጂ ኸምቲ ኻብ 1914 ንነጀው እተፈጸመ ነገራት ኣብ ምድሪ ተራእዩ ኸም ዘይፈልጥ እዮም ዚገልጹ። (ገጽ 7 ርአ።) እዚ ወዮታት እዚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ዚዛይድ ሰፊሕ ዝርጋሐ እዩ ዘለዎ። ክርስቶስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዝሃቦ ኻልእ ምልክት ድማ: እቲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓለምለኻዊ ዝርጋሐ ዘለዎ ክርስቶስ ምሳና ኸም ዘሎን መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝቘመትን ዚሕብር ስብከት እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ብምስባኾም ብርቱዕ ስደት ወሪድዎም እዩ። ብኣማእታት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መዳጐኒ ደንበታት ናዚ ተቐቲሎም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ እዮም ዘለዉ: ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም: ተኣሲሮም: ተሳቕዮም: ከምኡውን ተቐቲሎም እዮም። እዚ እውን ክፍሊ እቲ የሱስ ዝሃቦ ምልክት እዩ።
ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ራእይ 11:18 እተገልጸ “ኣህዛብ” ንእሙናት መሰኻኽር የሆዋ ‘ተቘጢዖምዎም’ እዮም: እዚ ድማ ንየሆዋ ‘ቝጥዓኡ’ ናብ ኣህዛብ ከም ዜፍስሶ ዚገብሮ እዩ። እታ ጥቕሲ ቐጺላ: “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን” ኪመጽእ እዩ ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ: ምድሪ ንህይወታውያን ፍጡራት ንኸተንብር ዘለዋ ዓቕሚ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ኣይፈልጥን ነይሩ። እንተዀነ ግን: ሎሚ እቲ ዅነታት ተቐዪሩ እዩ! ብዙሓት ሊቃውንቲ: ሰብ ንምድሪ ምብካል እንተደኣ ቐጺሉ: ምድሪ ኽትባድም እያ ዚብል መጠንቀቕታ ሂቦም እዮም። ይኹን እምበር: እቲ ንምድሪ “ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና” የሆዋ: ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ: ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምዕናዎም: ጸራሪጉ ኼጥፍኦም እዩ።—ኢሳይያስ 45:18
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እተምጽኦ በረኸት
ኵሎም እቶም ዝደሓኑ ናብ ሰማይ እዮም ዚኸዱ ዚብል እምነት ዘለዎም ሰባት: ነቲ ሰባት ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም ዚብል ሓሳብ ኪኣምንዎ የጸግሞም ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ እተወሰነ ቝጽሪ ኸም ዘለዎም: እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ግና ቍጽሮም ዘይተወሰነ ብዙሓት ሰብ ምዃኖም ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 37:11, 29፣ ራእይ 7:9፣ 14:1-5) ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ትንቢት ዳንኤል: እታ ብክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኽትመልኣን ከተመሓድራን ምዃና ተገሊጹ ኣሎ።
ትንቢት ዳንኤል ንመንግስቲ ክርስቶስ ካብቲ ብኸረን ተመሲሉ ዘሎ ልዑላውነት የሆዋ ተፈንቂሉ ዚመጽእ እምኒ ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ። እዚ እምኒ እዚ ነቲ ንሓይልታት ዓለም ዜመልክት ምስሊ ወቕዖን ዳዕሞኾን: እቲ “ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰነ: ንብዘላ ምድሪውን መልኣ።” እቲ ትንቢት ቀጺሉ: “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ይብል።—ዳንኤል 2:34, 35, 44
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣብ ጽርይትን ውቅብትን ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ዝሃቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ ተስፋን እዮም ኪነግሩኻ ዚደልዩ። ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ሰባትን እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ መቓብር ዘለዉን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም። ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ: እቲ ኣምላኽ ንምድርን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምድሪ ዝፈጠረሉ ናይ ፈለማ ዕላማኡ ኺፍጸም እዩ። ኣብ ምድራዊት ገነት ምንባር ፈጺሙ ዜሰልኪ ኣይኪኸውንን እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣዳም ኣብ ገነት ኤድን ዚዓዮ ስራሕ እተዋህቦ: ደቅሰብ እውን ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኣትክልትን እንስሳታትን ንምክንኻን ብዙሕ ስራሕ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ። ንሳቶም “ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም።”—ኢሳይያስ 65:22፣ ዘፍጥረት 2:15
እታ የሱስ ዝመሃረና “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” እትብል ጸሎት መልሲ ምስ ረኸበት ዚህሉ ዅነታት ከመይ ከም ዚመስል ዚገልጽ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ኣሎ። (ማቴዎስ 6:10) ንሕጂ ግን እዛ እትስዕብ ጥቕሲ እኽልቲ እያ:- “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ: በለኒ።”—ራእይ 21:3-5
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ክፉእ ዘመን”
ግናኸ “ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ”
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ነዘርላንድስ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ናይጀርያ