ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be ገጽ 9-ገጽ 12 ሕ.ጽ. 3
  • ብቓል ኣምላኽ ተፈሳህ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብቓል ኣምላኽ ተፈሳህ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኺዛረብ ከሎ ስምዓዮ
  • መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኣንብብ
  • ንብምሉኡ ቓል ኣምላኽ ኣንብቦ
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ናብ ምንባብ ኣቕልብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ—ዋጋ ዘለዎን ባህ ዘብልን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be ገጽ 9-ገጽ 12 ሕ.ጽ. 3

ብቓል ኣምላኽ ተፈሳህ

‘ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚፍሳህ’ ሰብ ብጹእ ወይ ሕጉስ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንቓል ኣምላኽ “ለይትን መዓልትን” እዩ “ዚመራምሮ።” (መዝ. 1:1, 2) ከምዚ ዓይነት ፍስሃ ይስምዓካ ድዩ፧ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እትረኽቦ ሓጐስ ብኸመይ ክትውስኸሉ ትኽእል፧

የሆዋ ኺዛረብ ከሎ ስምዓዮ

ቃላት ጥራይ ኣይተንብብ። ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቶም ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ ኺዛረቡ ኸለዉ ድምጾም ይሰማዕካ። ነተን ናይ መጀመርታ ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: የሆዋ ንባዕሉ ምድሪ ንደቅሰብ እትምሽእ ንምግባር በብደረጃ እንታይ ከም ዚገብር ኪገልጽ ከሎ ስምዓዮ። ነቲ ወሓለ ሰራሕተኛ ዝዀነ ወዱ: ነቶም ቀዳሞት ሰባት ዚፈጥረሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ኺነግሮ ኸሎ ጽን በል። ኣዳምን ሄዋንን ኪዓልዉ ኸለዉ: ኣምላኽ ኪፈርዶም ከሎ: ድሕሪኡውን ካብ ገነት ኪሰጎም ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (ዘፍጥረት: ምዕ. 1-3) ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ ንየሱስ ክርስቶስ እቲ ንደቅሰብ ህይወቱ ኼሕልፍ ብኣምላኽ እተላእከ ፍቑር ወዱ ኸም ዝዀነ ኺገልጾ ኸሎ: ናይ ኣኽብሮት ስምዒት ይሰምዓካ። (ማቴ. 3:16, 17) ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ “እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ” ዚብል ድምጺ የሆዋ ኺሰምዕ ከሎ: እንታይ ከም እተሰምዖ ኽትግምቶ ፈትን። (ራእ. 21:5) ብሓቂ በዚ ኸምዚ ንቓል ኣምላኽ ምንባብ ባህ ዜብል ስምዒት እዩ ዚሓድግ።

ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምንባብ ቀጽል እሞ የሆዋ ግርማን ክብርን ዝዓሰሎ ኣምላኽ ምዃኑ ኽትርኢ ኢኻ። ናብዚ ዜፍቅረና: ብምሕረቱ ዚሕዘና: ፍቓዱ ንኽንገብር ብትሕትና ዚሕግዘና: ኣብ ኵሉ እንገብሮ ነገራት ከኣ ኣሳልጦ ንኽንረክብ ዚድግፈና ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ኽትሰሓብ ኢኻ።—እያ. 1:8፣ መዝ. 8:1፣ ኢሳ. 41:10

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብ ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፍካ መጠን: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ክትገብሮ ዚደልየካ ነገራት ዘሎካ ፍልጠት ስለ ዚዓቢ: ዝያዳ ዕግበት ኢኻ እትረክብ። እቲ እትረኽቦ ፍስሃ ወይ ሓጐስ ግን ካብዚ ንላዕሊ እዩ። ካብቲ እተንብቦ ነገር ነቲ ዜጋጥመካ ጸገማት ብጥበብ ንኽትዋጽኣሉ ዜኽእል ፍልጠት ምስ ረኸብካ: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ “ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ:” NW] መስተንክር እዩ: ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎ” ዚብል ስምዒት ኪሓድረካ እዩ። (መዝ. 119:129) ንስኻውን ካብ ስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣተሓሳስባኻን ባህግኻን ብመገዲ ኣምላኽ ንኽትቀርጽ ዚሕግዘካ ሓሳባት ምስ ኣስተውዓልካ: ክትሕጐስ ኢኻ።—ኢሳ. 55:8, 9

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጕድኣት ዜዕቍበናን ቅኑዕ መገዲ ዚሕብረናን ስነ-ምግባራዊ መምርሒ ይህበና። ነዚ ኸነንብቦ ኸለና: የሆዋ ብትምኒት እቲ ዘይፍጹም ስጋና ኣብ እንስነፈሉ እዋን እንታይ ጸገማት ከም ዜጋጥመና ዚፈልጥ ኣቦና ምዃኑ ይስምዓና እዩ። ነቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቱ ኻብ ምንዓቕ ዚመጽእ ሕማቕ ሳዕቤናት ክንዓጽድ ኣይደልየናን እዩ። ይሓልየልናን ብሉጽ ህይወት ኪህልወና ይደልን እዩ። ቃሉ ምንባብና: ኣምላኽናን ሰማያዊ ኣቦናን ምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ በረኸት ምዃኑ ብዝያዳ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና።

መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኣንብብ

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ንቓል ኣምላኽ መዓልታዊ ዜንብብ ሰብ: “ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” በለ። (መዝ. 1:3) እወ: ዘይፍጽምና ዝወረስናን ኣብ ናይ ሰይጣን እኩይ ስርዓት እንነብርን ድያብሎስ ኪውሕጠና ዚጽዕርን እኳ እንተ ዀንና: ኣዘውቲርና ቓል ኣምላኽ ምንባብናን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኣብ ግብሪ ምውዓልናን: ኣብ ኵሉ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዚምልከት ነገራት ንኽንዕወት የኽእለና።

ካብዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ጸቕጢ ስለ ዚወርደና: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንእተወሰነ ግዜ እውን ሓሳባት ፈጣሪ ምቕሳም ብርታዐ ኺህበና ይኽእል እዩ። ገሊኦም ብምኽንያት እምነቶም እተኣስሩ: ኣብ ጋዜጣ ፋሕ ኢሉ እተጠቕሰ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ ነይሮም። ነዚ ቘሪጾም ኣውጽእዎ: ብኣእምሮኦም ሸምደድዎ: ኣስተንተኑሉ ድማ። ካብ ቃል ኣምላኽ ፍልጠት ንኺረኽቡ: ኵነታቶም ዚፈቕደሎም ኵሉ ብምግባሮም ድማ የሆዋ ንጻዕርታቶም ባረኾ። (ዮሃ. 17:3) እንተዀነ ግን: መብዛሕትና ኻብዚ ዚሓይሽ ናጽነት ኣሎና። መዓልታዊ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ብሃታሃታ ምንባብ: ተኣምራዊ ለውጢ ኸም ዜምጽእ ኰይኑ ኣይሰምዓና። ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ብምትዕርራይ መዓልታዊ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ኽፋል እንተ ኣንቢብናን እንተ ሓሲብናሉን ኣብ ህይወትና እንተ ኣውዒልናዮን ግን: በረኸት ክንረክብ ኢና።

እቲ ብሉጽ ዚበሃል መደባትና እኳ ኺጐናደብ ይኽእል እዩ። ከምዚ ኼጋጥመና ኸሎ: ነቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ኢና ቐዳምነት እንህቦ። ንኣብነት: ኰነ ኢልና ንሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ማይ ከይሰተና ኣይንውዕልን ኢና። እምበኣር: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜጋጥመና ነገር ብዘየገድስ: እተወሰነ ግዜ ወሲድና በቲ ማያት ሓቂ ንርእስና ኽንሕድስ ኣሎና።—ግብ. 17:11

ንብምሉኡ ቓል ኣምላኽ ኣንብቦ

ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕትኻ ኣንቢብካዮዶ፧ ገሊኦም ሰባት ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ምንባብ ዚብልዎ ሓሳብ ኣዝዩ ኸቢድ ገይሮም ይርእይዎ። ስለዚ: ብዙሓት ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ዚደልዩ ሰባት: ካብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ይጅምሩ። ስለምንታይ፧ ምናልባት እተን መጻሕፍቲ ኣስኣሰር ክርስቶስ ንኺስዕቡ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ብውልቂ ብኸመይ ከም ዚምልከታኦም ብቐሊሉ ስለ ዚርድኣኦም ኪዀኑ ይኽእሉ። ወይ ከኣ ምናልባት እቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ካብ ሓደ ርብዒ መጽሓፍ ቅዱስ ቍሩብ ዚዛይድ ብምዃኑ: ንምንባቡ ኣዝዩ ብዙሕ ኰይኑ ስለ ዘይረኣዮም ይኸውን። ነተን 27 መጻሕፍቲ ምስ ወድእወን ግን: ናብተን 39 ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይምለሱ እሞ: ባህ ኢልዎም ኬንብብወን ይጅምሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣንቢቦም ኣብ ዚውድኡሉ እዋን: ድሮ ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምግባር ልምዲ ስለ ዜጥረዩ: ካልኣይ ሳዕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ምንባብ ይቕጽሉ: ብእኡ ኣቢሎም ድማ ከየቋረጹ የንብቡ። ንስኻውን ብተመሳሳሊ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚቕጽል ልማድ ግበሮ።

ኣብ ስድራቤትካ ወይ ኣብ ጉባኤኻ ኼንብብ ዘይክእል ሰብ ኣሎዶ፧ ነቲ ሰብ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ንኸተንብበሉ ንምንታይ ሓሳብ ዘይተቕርበሉ፧ ንስኻ ኽትጥቀም ኢኻ: ንሱውን ነቲ ዚሰምዖ ኼስተንትነሉን ኣብ ህይወቱ ኼውዕሎን ከሎ ኺጥቀም እዩ።—ራእ. 1:3

ጸኒሕካ ምስ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚተሓሓዝ ፍሉይ ውጥናት ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ገለ ኻብዚ ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምትእስሳር ብዝያዳ ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስካ መነጻጸሪ እንተ ኣልይዎ: እዚ ናብ ታሪኻዊ ዝርዝራትን ምስቲ እተንብቦ ዘለኻ ዚተኣሳሰር ጸብጻባትን ኪመርሓካ እዩ። እዚ ድማ እተፈላለየ መዝሙራት እተቐናበረሉ ምኽንያት ከምኡውን ብሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ እተፈላለየ መልእኽትታት እተላእከሉ ዅነታት ንኸተስተውዕል ኪሕግዘካ እዩ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ሰባትን ቦታታትን ባህርያትን ሰፊሕ ፍልጠት ሒዙ ኣሎ። ኣብኡ ዚርከብ ሰሌዳታት ከኣ ናብ ፍጻመታት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነተኵር ይገብረና: ኣየኖት ነገስታትን ነብያትን ኣብ ሓደ እዋን ይነብሩ ምንባሮም ይሕብረና: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እተፈላለየ ፍጻመታት እተፈጸመሉ ዓመት ብገምጋም ይሕብረና።

ነቲ እተመሃርካዮ ምስ እተስተንትነሉ: ገሊኡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝማዕበለ ዅነታት ስለምንታይ ምዃኑ ኽትርዳእ ኢኻ። የሆዋ ምስ ህዝቡ ኣብ ዘለዎ ርክብ ዝወሰዶ ስጕምትታት ስለምንታይ ምዃኑ ኽትግንዘብ ኢኻ። ንግብርታት መንግስትታትን ህዝብታትን ውልቀ-ሰባትን ብኸመይ ከም ዚግምግሞ እውን ክትርኢ ኢኻ። እዚ ኸኣ ንኣተሓሳስባኡ ኣጸቢቕካ ንኽትፈልጦ የኽእለካ።

እቲ ፍጻመታት እተፈጸመሉ ኸባቢ ብኣእምሮኻ ምስ እትስእሎ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ታሪኽ ዝያዳ ህያው ይዀነልካ። ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ዚገልጽ ካርታታት: ንኣቀማምጣ መሬትን ንርሕቀት ቦታታትን ይሕብር እዩ። ንኣብነት: እስራኤላውያን ብገምጋም ኣበይ እዮም ንቐይሕ ባሕሪ ሰጊሮምዎ፧ ስፍሓት እታ ምድሪ ተስፋ ኽንደይ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከሎ: ክንደይ ዚኣክል ርሕቀት እዩ ተጓዒዙ፧ ጳውሎስ ኣብቲ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ በየናይ ቦታታት እዩ ሓሊፉ፧ ካርታታትን ጂኦግራፍያዊ መግለጺታትን ነቲ ንባብካ ህያው ዚገብሮ ዝርዝር ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቦታታት ኣበይ ኢና ካርታታት ክንረክብ እንኽእል፧ እታ “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብዙሕ ካርታታት ሒዛ ኣላ። ገሊኡ ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኪርከብ ይከኣል። ኢንሳይት 70 ካርታታት ዝሓዘ እዩ: ኣብ መወዳእታ እቲ ቐዳማይ ጥራዙ ኸኣ ናይ ካርታታት መሐበሪ ኣሎ። ካልእ ካርታታት ንምርካብ እውን ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እዚ ጽሑፋት እዚ ኽትረኽቦ ወይ ክትርድኦ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ: ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ካርታታት ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ንኺሕግዘካ ተጠቐመሉ።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ “ዎ ኣምላኽ: ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ: ቍጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ” ኢሉ ወደሶ። (መዝ. 139:17) ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሆዋ: “ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ” ኢሉ ወደሰ። (2 ቈረ. 4:6) ዳዊትን ጳውሎስን ኣብ እተፈላለየ ዘመናት ዚነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ክልቲኦም ብቓል ኣምላኽ ተፈሲሆም እዮም። ንስኻውን ንዅሉ እቲ የሆዋ በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ኣቢሉ ዝሃበካ እንተ ኣንቢብካ: ከምኡ ኽትረክብ ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ናይ ምንባብ ልማድ ኣጥሪ

ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚቐርብ መብዛሕትኡ ኽፋል ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተኰረ እዩ። ኣብኡ ኽትሳተፍ ንምሕጸነካ።

እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብብሕቲ ንኺንበብን ምይይጥ ንኺግበረሉን ኪምደብ እዩ። እዚ በብቝሩብ ንብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሽፍን እዩ።

መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ህይወትካ ምእንቲ ኽትገብሮ: እተወሰነ ግዜ መድበሉ። ምናልባት ንግሆ: ወይ እዋን ምሳሕ: ወይ እዋን ድራር: ወይ ከኣ ቅድሚ ምድቃስካ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መዓልቲ ግዜ ብዝረኸብካሉ እዋን ምንባብ ዚብልዎ ሓሳብ: ኣዘውቲርካ ንኸተንብቦ ውሕስነት ኣይኰነካን እዩ።

ርእሲ ስድራቤት እንተ ደኣ ዄንካ: ኣባላት ስድራቤትካ ጽቡቕ ልማድ ኬማዕብሉ ንምሕጋዝ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ። ገሊኡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስድራቤት ምግባር: ንኣባላት ስድራቤት መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቲ ንኺስዕቡ ኼተባብዖም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምንባብ: ንርእስኻ ምግሳጽ ይሓትት። ከመይሲ: ነዚ ባህጊ እዚ ወሪስካ ኣይኰንካን ተወሊድካ። የግዳስ: ንቓል ኣምላኽ ‘ባህጊ’ ኸተማዕብል ኣሎካ። (1 ጴጥ. 2:2) ነዚ ልማድ እዚ እናኣማዕበልካ ብዝኸድካ መጠን: መንፈሳዊ ሸውሃትካ ኺዓቢ እዩ። ድሕሪኡ: ነቲ የሆዋ ዝሃበና መንፈሳዊ ሃብቲ ዘሎካ ምርዳእን ሞሳን ንምዕማቝ: ፍሉይ ውጥናት ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: እቲ እተንብቦ ዘለኻ እንታይ ማለት ምዃኑ: ማለት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚነግረካ: ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዚጠቕመካ: ከምኡውን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ግዜ ወሲድካ ኣዕሚቝካ ሕሰበሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ