ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be ገጽ 62-ገጽ 65 ሕ.ጽ. 4
  • ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ቤትካ ጀምር
  • ምስ ዘይንፈልጦ ሰብ ምዝርራብ
  • ብኸመይ ምዝርራብ ከም እትቕጽል
  • ምስ ክርስትያን ብጻይካ ኽትዘራርብ ከለኻ
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ናይ ዝርርብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሽ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ነቲ ዝርርብ ከተቋርጾዶ ኣሎካ፧
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ተገዳስነት
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be ገጽ 62-ገጽ 65 ሕ.ጽ. 4

ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ

ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ: ንሰባት ምዝርራብ ይፈዅሰካ ድዩ፧ ሓያሎ ሰባት ግን: ንኻልኦት ሰባት: ብፍላይ ከኣ ምስ ዘይፈልጥዎ ሰብ ምዝርራብ ዚብልዎ ሓሳብ እኳ የጨንቖም እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ሓፋራት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ‘ብዛዕባ እንታይ እየ ኽዛረብ ዘሎኒ፧ ብኸመይ እየ ዕላል ዝጅምር፧ ብኸመይከ እየ ኸም ዚቕጽል ዝገብሮ፧’ ኢሎም ይሓስቡ። ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎምን ምቕሉላትን ሰባት ግን ነቲ ዕላል ይቈጻጸርዎ እዮም። ንሳቶም ከኣ ንኻልኦት ከም ዚዛረቡ ምግባርን ኪዛረቡ ኸለዉ ኸኣ ምስማዖምን እዩ ዚኸብዶም። ስለዚ: ሓፋራት ንኹን ምቝሉላት: ኵላትና ናይ ምዝርራብ ክእለትና ኸነማዕብል የድልየና።

ካብ ቤትካ ጀምር

ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ንኸተመሓይሽ: ንምንታይ ካብ ቤትካ ዘይትጅምር፧ ኣብ መንጎ ሓንቲ ስድራቤት ዚግበር ዚሃንጽ ዝርርብ: ንሓጐስ እታ ስድራቤት ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምዝርራብ ኣገዳሲ ዝዀነ ቐንዲ ረቛሒ: ብዛዕባ ኻልኦት ኣጸቢቕካ ምግዳስ እዩ። (ዘዳ. 6:6, 7፣ ምሳ. 4:1-4) ተገዳስነት እንተ ኣልዩና: ነዘራርቦምን ነቲ ኻልኦት ዚብልዎ ንሰምዖን ኢና። ካልእ ኣገዳሲ ረቛሒ ኸኣ: እትዛረቦ ቝም ነገር ኪህልወካ ኣለዎ። ብብሕቲ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሉ ስሩዕ መደብ እንተ ኣልዩና: ብዙሕ እንዛረቦ ነገር ኣሎና። ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብዚግባእ እንተ ተጠቒምናላ እውን ምይይጥ ከነበግስ ንኽእል ኢና። ምናልባት ኣብታ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ባህ ዜብል ነገር ኣጋጢሙና ይኸውን። ሓበሬታ ዚህብ ወይ ዜስሕቕ ነገር ኣንቢብና ንኸውን። ነዚ ነገራት እዚ ኣብ መንጎ ስድራቤት ኣብ ዚግበር ጽቡቕ ዕላል ክንዛረበሉ ኣሎና። እዚ ኸኣ ምስቶም ካብ ስድራቤትና ወጻኢ ዘለዉ እውን ንኽንዘራረብ ኪሕግዘና እዩ።

ምስ ዘይንፈልጦ ሰብ ምዝርራብ

ብዙሓት ሰባት ምስ ዘይፈልጥዎ ሰብ ዝርርብ ምጅማር ይኸብዶም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ንኣምላኽን ንሰባትን ስለ ዜፍቅሩ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንኻልኦት ንኺነግሩ ኢሎም ብኸመይ ምዝርራብ ከም ዚጅምሩ ንኺፈልጡ ብዙሕ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ንኸተመሓይሽ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

እቲ ኣብ ፊልጲ 2:4 ተጠቒሱ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኣገዳሲ እዩ። ‘ነፍሲ ወከፍና ንብጻይና ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ዚሕሸና ኸይንጥምት’ ኢና ተተባቢዕና። ሕስብ እሞ ኣብሎ። ንሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦ እንተ ዄንካ: ከም ጓና እዩ ዚርእየካ። ብኸመይ ኢኻ ኸም ዚፈዅሶ ኽትገብር እትኽእል፧ ድሙቕ ፍሽኽታን ምቕሉል ሰላምታን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ካልእ ክትሓስበሉ ዘሎካ ነገራት እውን ኣሎ።

ሓሳባቱ ኣቋሪጽካዮ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ሓሳባቱ ኸይተገደስካ: ብዛዕባ ሓሳባትካ ኸተመያይጦ እንተ ፈቲንካ: ብጽቡቕ ዚቕበለካዶ ይመስለካ፧ የሱስ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጥቓ ሰማርያ ምስ ረኸባ: እንታይ እዩ ገይሩ፧ ብዛዕባ ማይ ምውራድ እያ ትሓስብ ነይራ። የሱስ ኣብዚ ብምምርኳስ እዩ ምስኣ ዝርርብ ኣበጊሱ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ናብ ህያው መንፈሳዊ ምይይጥ ቀየሮ።—ዮሃ. 4:7-26

ንስኻውን መስተብሃሊ እንተ ዄንካ: ሰባት ብዛዕባ እንታይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ኸተስተውዕል ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ ሕጉስ ድዩ ጕሁይ፧ ብዕድመ ዝደፍአ: ምናልባት እውን ዝማሰነ ድዩ፧ ኣብ ቤቱ ቘልዑ ኸም ዘለዉ መርትዖ ትርኢ ዲኻ፧ ብስጋ ሃብታም ድዩ: ወይስ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገር ንምምእራር እዩ ዚቃለስ፧ ቤቱ ወይ ገዛእ ርእሱ ዚሰላልመሉ መገዲ ንሃይማኖቱ ዚሕብር ድዩ፧ ሰላምታኻ ነዚ ነገራት እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እንተ ዀይኑ: እቲ ሰብ እቲ ምሳኻ ሓባራዊ ዜገድስ ነገራት ከም ዘለዎ ገይሩ ኺርኢ እዩ።

ነቲ ብዓል ቤት ገጽ ንገጽ እንተ ዘይረኺብካዮ: ምናልባት ማዕጾኡ ኸይከፈተ እንተ ኣዘራሪቡካ: ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽትበጽሕ ትኽእል፧ እቲ ሰብ ብፍርሂ ኸም ዚነብር ኢኻ እትርዳእ። ነዚ ነጥቢ እዚ ምስኡ ዝርርብ ንምጅማር ክትጥቀመሉ ትኽእልዶ፧

ኣብ ገሊኡ ቦታታት ብዛዕባ ርእስኻ ሓደ ነገር ብምንጋር: ንሓደ ሰብ ዝርርብ ከተጀምሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ብዛዕባ እንታይነትካ: ናብ ቤቱ ዝመጻእካሉ ምኽንያት: ንምንታይ ኣብ ኣምላኽ ከም እትኣምን: መጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ ከተጽንዕ ከም ዝጀመርካ: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 26:4-23) ልክዕ እዩ: እዚ ብምስትውዓልን ንጹር ዕላማ ሒዝካን ኪግበር ኣለዎ። እዚ ኸኣ ብግዴኡ ነቲ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ ኣረኣእያኡን ንኺነግረካ ኺድርኾ ይኽእል እዩ።

ኣብ ገሊኡ ባህልታት ንዘይትፈልጦ ሰብ ብጽቡቕ ናይ ምቕባል ልማድ ኣሎ። ሰባት ብኡንብኡ ናብ ቤቶም ኣቲኻ ኾፍ ክትብል ይዕድሙኻ ይዀኑ። ኮፍ ምስ በልካ: እታ ስድራቤት ደሓን ምህላዋ ብትሕትና ምስ እትሓትትን ነቲ ዚወሃበካ መልሲ ኻብ ልቢ ምስ እትሰምዕን: እቲ ብዓል ቤት ነቲ እትብሎ ጽን ኢሉ ኺሰምዓካ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ከኣ ንበጻሕቶም ዝያዳ ተገዳስነት ስለ ዜርእዩ: ሰላምታኦም ነዊሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ ሰላምታኦም ከኣ ምሳኻ ዜመሳስሎም ሓባራዊ ነጥብታት ይረኽቡ። እዚ ናብ ጠቓሚ መንፈሳዊ ምይይጥ ኪመርሕ ይኽእል እዩ።

ኣብ ከባቢኻ እተፈልየ ቛንቋ ዚዛረቡ ብዙሓት ሰባት እንተ ኣልዮምከ፧ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብኸመይ መልእኽቲ ኸተመሓላልፈሎም ትኽእል፧ በቲ ቛንቋታት እቲ ቐሊል ሰላምታታት እንተ ተማሂርካ: እቶም ሰባት ከም እትግደሰሎም ኪርድኡ እዮም። እዚ ኸኣ ካልእ ተወሳኺ ሓሳባት ንምልውዋጥ መገዲ ዚኸፍት እዩ።

ብኸመይ ምዝርራብ ከም እትቕጽል

ንእተጀመረ ዝርርብ ከም ዚቕጽል ንምግባር: ብሓሳባት እቲ እተዘራርቦ ሰብ ተገደስ። ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ: ሓሳባቱ ኺገልጽ ኣተባብዓዮ። ብጥንቃቐ እተመርጸ ሕቶታት ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሕልፊ ኣረኣእያ ንኽትገልጽ ዚዕድም ሕቶታት: ‘እወ’ ወይ ‘ኣይፋልን’ ጥራይ ዘይኰነስ ዝያዳ ሓሳባት ንኺግለጽ ስለ ዚዕድም ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ከባቢኹም ብዛዕባ ዜገድስ ጸገም ድሕሪ ምጥቃስ: “ነዚ ዅነታት እዚ ዘምጸኦ እንታይ ይመስለካ፧” ወይ “መፍትሒኡ እንታይ ይመስለካ፧” ዚብል ሕቶ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ሕቶ ድሕሪ ምሕታትካ: ነቲ ዚወሃበካ መልሲ ጽን ኢልካ ስማዕ። ናይ ሓቂ ተገዳስነትካ ብቓል: ርእስኻ ብምንቕናቕ: ወይ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ግለጽ። ዘረባ ኣይትዅለፍ። ብኽፉት ኣእምሮ ነቲ ዚበሃል ዘሎ ሕሰበሉ። “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ” ኹን። (ያእ. 1:19) መልሲ ኽትህብ ከለኻ: ነቲ እተባህለ ብሓቂ ትሰምዖ ኸም ዝነበርካ ኣርኢ።

እንተዀነ ግን: ንሕቶኻ ዚምልስ ኵሉ ሰብ ዘይምዃኑ ኣስተውዕል። ገሊኦም ሰባት ዚህቡኻ መልሲ ሸፋሽፍቶም ሓፍ ካብ ምባልን ካብ ፍሽኽታን ዚሓልፍ ኣይኰነን። ገሊኦም ከኣ ‘እወ’ ወይ ‘ኣይፋልን’ ጥራይ ይብሉኻ ይዀኑ። በዚ ኣይትበሳጮ። ዕጉስ ኩን። ብሓይሊ ኸተዛርቦም ኣይትፈትን። እቲ ሰብ ኪሰምዓካ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ: በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ሃናጺ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኣካፍሎ። ጸኒሑ እቲ ሰብ ከም ፈታዊኡ ይርእየካ ይኸውን። ሽዑ ድማ ምናልባት ሓሳባቱ ብጋህዲ ኺነግረካ ፍቓደኛ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን።

ንሰባት ከተዘራርብ ከለኻ: ንመጻኢ እውን ሕሰብ። ሓደ ሰብ ብዙሕ ሕቶታት እንተ ኣልዒሉ: ገሊኡ መልሰሉ: ሓደ ወይ ክልተ ግን ንዚመጽእ ግዜ ሕደጎ። ምርምር ጌርካ ነቲ ዝረኸብካዮ ኸተካፍሎ ኸም እትደሊ ግለጸሉ። ሕቶታት እንተ ዘየበጊሱ ኸኣ: የገድሶ እዩ ኢልካ ዝኣመንካሉ ሕቶ ብምብጋስ ነቲ ምይይጥኩም ዛዝም። ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ክትመያየጡላ ምዃንኩም ንገሮ። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ: ኣብታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር: ከምኡውን ኣብ ናይ ቀረባ ግዜ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ብዙሕ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ክርስትያን ብጻይካ ኽትዘራርብ ከለኻ

ንፈለማ ግዜ ምስ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ክትራኸብ ከለኻ: ንኽትላለዮ ተበገሶ ትወስድ ዲኻ ወይስ ስቕ ኢልካ ኢኻ እትርእዮ፧ ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ: ንኽንፈልጦም ክትድርኸና ኣለዋ። (ዮሃ. 13:35) ብኸመይ ኢኻ ኽትጅምር እትኽእል፧ ስምካ ነጊርካ: ስሙ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጠ ምሕታቱ: መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ማራኺ ዕላል እዩ ዚመርሕ: ኣጸቢቕኩም ንኽትፋለጡ ድማ ይሕግዝ። እቲ እትብሎ እተመርጸ ቓላት እኳ እንተ ዘይኰነ: እቲ ጻዕርኻ ነቲ ሰብ ከም እትግደሰሉ እዩ ዜርኢ: እዚ ኸኣ እዩ እቲ ኣገዳሲ ነገር።

ምስ ሓደ ወዲ ጉባኤኻ ትርጕም ዘለዎ ዕላል ንኸተዕልል ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ሰብን ብዛዕባ ስድራቤቱን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኢ። እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ዲኻ እተዘራርቦ ዘለኻ፧ ሓጋዚ ዀይኑ ብዛዕባ ዝረኸብካዮ ነጥብታት ሓሳብ ሃብ። እዚ ንኽልቴኹም ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ዘገደሰካ ነገር ጥቐስ። እዚ ግን ንርኣዩለይ ወይ ፍልጠቱ ንኽትፍትን ኢልካ ኺግበር የብሉን። ዜሐጕሰካ ነገር ንኽትነግር ኢልካ ደኣ ግበሮ። ብዛዕባ ሓዴኹም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እተዋህበኩም ክፍሊ ዀነ እቲ ኽፍሊ ብኸመይ ኪቐርብ ከም ዚኽእል ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብካዮ ተመክሮ እውን ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ሰባት ዘሎና ተገዳስነት: መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባኦም: ማለት ብዛዕባ እቲ ዚብልዎን ዚገብርዎን ነገር ንኸነዕልል ይድርኸና እዩ። ዋዛ እውን ክፍሊ ዕላልና ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እንዛረቦ ግን ሃናጺ ድዩ፧ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ ኣብ ልብና እንተ ኣሕዲርናዮን ብፍቕሪ ኣምላኽ እንተ ተደሪኽናን: ዘረባና ዚሃንጽ ከም ዚኸውን ኣየጠራጥርን እዩ።—ምሳ. 16:27, 28፣ ኤፌ. 4:25, 29፣ 5:3, 4፣ ያእ. 1:26

ኣብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጽማድና ንዳሎ ኢና። ምስ ፈተውትኻ ንምዝርራብከ ንምንታይ ሓጺር መሳጢ ነጥብታት ዘይተዳሉ፧ ዜገድስ ነገር ከተንብብን ክትሰምዕን ከለኻ: ንኻልኦት ክትነግሮም እትደሊ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ መዝግቦ። ድሕሪ ግዜ ብዙሕ ነጥብታት ክትድልብ ኢኻ። ከምዚ ምግባርካ ኸኣ ብዛዕባ መዓልታዊ ናብራ ጥራይ ካብ ምዝርራብ ሓሊፍካ ሓሳባትካ ንኸተስፍሕ ኬኽእለካ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ዘረባኻ ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮ ዜርኢ ይኹን።—መዝ. 139:17

ዝርርብ ንምጅማር ዚሕግዝ ነጥብታት

  • ልምዲ እቲ ኸባቢ ስዓብ

  • ካብ ልቢ ንኣድ

  • ንኽልቴኹም ዜገድስ ነጥቢ ጥቐስ

  • ኣረኣእያ ንምግላጽ ዚዕድም ሕቶ ኣቕርብ

ኣገዳሲ ባህርያት

  • ፍሽሑው ምዃን

  • ምዉቕ ስምዒትን ቅንዕናን

  • ግቡእ ብሕታዊ ተገዳስነት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ