መጽናዕቲ 1
ቅኑዕ ንባብ
ኵሎም ሰባት “ናብ ፍልጠት ሓቂ” ኺመጹ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ይሕብር እዩ። (1 ጢሞ. 2:4) ስለዚ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓው ኢልና ኸነንብብ ከለና: እቲ ርጡብ ፍልጠት ንኸነመሓላልፍ ዘሎና ባህጊ ንኣናብባና ኺጸልዎ ኣለዎ።
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኻብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜብርህ ጽሑፋት ዓው ኢልካ ናይ ምንባብ ክእለት: ንመንእሰያት ኰነ ንዓበይቲ ኣድላዪ እዩ። መሰኻኽር የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ፍልጠትን መገድታትን የሆዋ ንኻልኦት ናይ ምክፋል ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ጕጅለ ኻብ ጽሑፋት ምንባብ ይሓትት። ኣብ ውሽጢ ስድራቤት እውን ዓው ኢልና ነንብብ ኢና። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት: ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡውን ንኣሽቱን ዓበይትን: ዓው ኢልካ ናይ ምንባብ ክእለቶም ንኼመሓይሹ ዚሕግዝ ምኽሪ ይወሃብ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ምንባብ: ማለት ንውልቀ-ሰብ ወይ ንጉባኤ ምንባብ: ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ነገር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ። ብዘይካዚውን “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብ. 4:12) ቃል ኣምላኽ ካብ ካልእ ምንጪ ዘይርከብ ብዋጋ ዘይሽነን ፍልጠት ዝሓዘ እዩ። ንሓደ ሰብ ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኺፈልጦን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ንኼማዕብልን ኣብ ህይወቱ ዜጋጥሞ ጸገማት ብዓወት ንኺዋጽኣሉን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ብኸመይ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዚርከብ ይገልጽ። ስለዚ: ሸቶና ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝበለጸ ኽእለት ምንባብ ኪኸውን ኣለዎ።—መዝ. 119:140፣ ኤር. 26:2
ከመይ ጌርካ ቕኑዕ ንባብ ከም እተንብብ። ንሓደ ንባብ ጽቡቕ ዜብሎ ብዙሕ ረቛሒታት እኳ እንተሎ: ፈለማ ግን ቅኑዕ ኪኸውን ኣለዎ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ነቲ እተጻሕፈ ብልክዕ ምንባቡ ማለት እዩ። ቃላት ከይትዘልል: ኣብ መወዳእታ ቓላት ዘሎ ፊደላት ከይትውሕጥ: ወይ ነቲ ቓላት ብኻልእ ዚመሳሰል ቃላት ከይትትክኦ ተጠንቀቕ።
ነቲ ቓላት ብትኽክል ምእንቲ ኸተንብቦ: ነቲ ትሕዝቶኡ ኽትርድኦ ኣሎካ። እዚ ኸኣ ብጥንቃቐ ምድላው ይሓትት። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነቲ እተንብቦ ኣቐዲምካ ብምርኣይ ኣብቲ ሓሳባት ዘሎ ምትእስሳር ናይ ምግንዛብ ክእለትካ ብዘማዕበልካ መጠን: ንባብካ ብዝያዳ ቕኑዕ እናዀነ ይኸይድ።
ስርዓተ ነጥቢ ኣብ ጽሑፍ ኣብ ዚሰፍር ቋንቋ ኣገዳሲ እዩ። ስርዓተ ነጥቢ ኣበይ ከም እተዕርፍ: ክንደይ ዚኣክል ንውሓት ከም እተዕርፍ: ምናልባት እውን ቃና ድምጽኻ ንኽትቅይሮ ኺሕብረካ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት: ኣብ ስርዓተ ነጥቢ ተመርኲስካ ቓና ድምጽኻ እንተ ዘይቀዪርካ: ሕቶ ዝነበረ ናብ መግለጺ ይቕየር: ወይ ንትርጕሙ ምሉእ ብምሉእ ኪቕይሮ ይኽእል። ሓድሓደ ግዜ ስርዓተ ነጥቢ ዚግበር ንሕጊ ሰዋስው ንምሕላው ጥራይ ተባሂሉ እዩ። እዚ ኣብ ቋንቋኻ ብኸመይ ከም ዜገልግል ክትፈልጥ ጽዓር። እዚ ኸኣ ትርጕም ዘለዎ ንባብ ንኸተንብብ ኣገዳሲ እዩ። ሸቶኻ ሓሳባት ንምምሕልላፍ ደኣ እምበር: ቃላት ንምድሃይ ጥራይ ዘይምዃኑ ኣይትረስዕ።
ብትኽክል ናይ ምንባብ ክእለትካ ኸተማዕብል እንተ ደሊኻ: ክትለማመድ ኣሎካ። ሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ ጥራይ ኣንብብ: ድሕሪኡ ብዘይ ጌጋ ኽሳዕ እተንብባ ደጋጊምካ ኣንብባ። ቀጺልካ ናብ ካልእ ሕጡብ ጽሑፍ ሕለፍ። ኣብ መወዳእታ: እተወሰነ ገጻት እቲ ጽሑፍ ቃላት ከይዘለልካ: ከይደገምካ: ወይ ብኻልእ ከይቀየርካ ኸተንብብ ጽዓር። ነዚ ስጕምትታት እዚ ድሕሪ ምውሳድካ: ንሓደ ሰብ ከተንብብ ከለኻ ንኺከታተለካን ንዝዀነ ይኹን ጌጋኻ ኺሕብረካን ሕተቶ።
ኣብ ገሊኡ መዳያት: ድኹማት ኣዒንትን እኹል ብርሃን ዘይምርካብን ሓደ ጽሑፍ ብትኽኽል ንኸይንበብ ዕንቅፋት ይኸውን እዩ። እዚ ኺመሓየሽ ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ብዘይ ጥርጥር ኣብ ንባብ ምምሕያሽ የምጽእ እዩ።
ጽቡቕ ዜንብቡ ኣሕዋት ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ኸምኡውን ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚጽናዕ ጽሑፍ ኣብ ኣኼባ ንኼንብቡ ኺሕተቱ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ሓላፍነት እዚ ብዚግባእ ንምስካም ግን: ነቲ ቓላት ብትኽክል ካብ ምድሃይ ንላዕሊ ዚሓትት እዩ። ኣብ ጉባኤ ንፉዕ ህዝባዊ ኣንባቢ ንኽትከውን: ኣብ ብሕታዊ ንባብ ጽቡቕ ልማድ ከተማዕብል ኣሎካ። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ቃል ኣብቲ ምሉእ ሓሳብ ግደ ኸም ዘለዋ ኽትግንዘብ ኣሎካ ማለት እዩ። ንገሊኡ ቓላት ዕሽሽ እንተ ኢልካ: ብዛዕባ እቲ ዚበሃል ዘሎ ንጹር ምርዳእ ኪህልወካ ኣይክእልን እዩ። ንብሕትኻ ኸተንብብ ከለኻ እውን እንተ ዀነ: ቃላት ብጌጋ እንተ ኣንቢብካ: ትርጕም እቲ ምሉእ ሓሳብ ይበላሾ እዩ። ጌጋ ኣናብባ: እታ ቓል ተሰዂዓትሉ ዘላ ሓሳባት ካብ ዘይምርዳእ ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቃል ኣብቲ ተሰዂዓትሉ ዘላ ቦታ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዋ ንኽትርዳእ ጽዓር። እቲ ስርዓተ ነጥቢ ንትርጕም እቲ ምሉእ ሓሳብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ እውን ሕሰበሉ። ሓሳባት መብዛሕትኡ ግዜ ብጕጅለ ቓላት ከም ዚመሓላለፍ ኣይትረስዕ። ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ: በብሓደ ቓላት እናቘጸርካ ዘይኰነስ: ብጕጅለ ጌርካ: ማለት ሓደ ሓረግ ብሓንሳእ ጠርኒፍካ ምእንቲ ኸተንብብ: ነዚ ኣተኵረሉ። ነቲ እተንብቦ ብንጹር ምርዳእ ኣብ ህዝባዊ ንባብ ንኻልኦት ርጡብ ፍልጠት ንኸተመሓላልፈሎም ዜኽእል ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሕዝቢ ኣብ ምንባብ . . . ተጸመድ” ኢሉ ዝጸሓፈሉ ንሓደ ተመክሮ ዘለዎ ክርስትያን ሽማግለ እዩ ነይሩ። (1 ጢሞ. 4:13 ትርጕም 1990) እዚ ዅላትና ኸነመሓይሸሉ እንኽእል መዳይ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን።