ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 2 ገጽ 86-ገጽ 88 ሕ.ጽ. 3
  • ቃላት ብንጹር ምዝራብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃላት ብንጹር ምዝራብ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልሳንካ ንጽቡቕ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ ተዛረብ
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • “ብቓል . . . ኣርኣያ” ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • “ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ተዛረብ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 2 ገጽ 86-ገጽ 88 ሕ.ጽ. 3

መጽናዕቲ 2

ቃላት ብንጹር ምዝራብ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ቃላትካ ነቶም ሰማዕቲ ብቐሊሉ ኸም ዚርድኦም ጌርካ ተዛረብ። እዚ ኸኣ (1) ነቲ ንምዝራብ ዜገልግለና ኣካላት ብግቡእ ምጥቃም: ከምኡውን (2) ኣቃውማ ቓላት ምርዳእ የጠቓልል።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብንጹር ክትዛረብ ከለኻ: ካልኦት እቲ እትዛረቦ ኺርድእዎ ይኽእሉ። ብንጹር እተዘርበ ቓላት መብዛሕትኡ ግዜ ኣርዚንካ እዩ ዚርአ።

ሓሳባትካ ብግቡእ ንምምሕልላፍ: ብንጹር ክትዛረብ ኣሎካ። ክትዛረቦ ዝደለኻ ነገር ዚምስጥ: ካብኡ ሓሊፉውን ዜገድስ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ሰባት ንቓላትካ ብቐሊሉ እንተ ዘይተረዲኦምዎ ግን: ሓሳባትካ ኣይፈልጥዎን እዮም።

ሰባት ብዘይርድኦም ዘረባ ኣይሰሓቡን እዮም። ሓደ ሰብ ብርቱዕ ድምጺ ዘለዎን ብቐሊሉ ዚስማዕን እኳ እንተ ዀነ: ቃላቱ እንተ ተዋሒጡ ግን: ንሰባት ስጕምቲ ኺወስዱ ኣይድርኾምን እዩ። ሰማዕቱ ኼስተውዕልዎ ብዘይክእሉ ቛንቋ ወጻኢ ይዛረብ ከም ዘሎ እዩ ዚኸውን። (ኤር. 5:15) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የዘኻኽረና:- “እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ: መን እዩ ንውግእ ዚስለፍ፧ . . . ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዐል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ: ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ: እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧”—1 ቈረ. 14:8, 9

ንዘረባ ዘይንጹር ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ኣፍካ ብዚግባእ ካብ ዘይምኽፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጭዋዳታት ምንጋጋና እስር እንተ ኢሉ: ከናፍርናውን ብዙሕ እንተ ዘይተንቀሳቒሱ: ዕብስ ዝበለ ዘረባ እዩ ዚዝረብ።

ካብ መጠን ንላዕሊ ቕልጥፍ ቅልጥፍ ኢልካ ምዝራብ እውን ነቲ ዘረባ ንኽትርድኦ ዜጸግም ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቲ ንሓደ ኣብ ካሴት እተቐድሐ ዘረባ ተቐልጥፎ ኸም ዘለኻ እዩ። እቲ ቓላት ኣብኡ ኣሎ: ብዙሕ ጥቕሚ ግን ኣይትረኽበሉን ኢኻ።

ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ እቲ ንኺዛረቡ ኣብ ዚሕግዞም ኣካላት ዘለዎም ጕድለት: ዘይንጹር ዘረባ ይዛረቡ እዮም። እንተዀነ ግን: እቶም ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዎም እኳ ኸይተረፈ: ነቲ ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኪመሓየሹ ይኽእሉ እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዘይንጹር ዘረባ ዚስማዕ: ብሰንኪ ምውሓጥ ቃላት: ማለት እተወሰኑ ቓላት ከይፈላለኻ ጨፋሊቕካ ብምዝራብ እዩ። እዚ ጸገም እዚ እተወሰነ ጥምረ-ድምጺ ወይ ኣገዳሲ ፊደላት ምዝላል: ወይ ከኣ ኣብ መወዳእታ ቓላት ዚርከብ ፊደላት ዘይምድማጽ ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ቃላት ጨፋሊቑ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ: ሰማዕቱ እተወሰነ ሓሳባትን ሓረጋትን እኳ እንተ ተረድኦም: ነቲ ዝተረፈ ግን ኪግምቱ ኣለዎም። ብንጹር ዘይምድማጽ: ንመንፍዓት ኣመሃህራ ሓደ ሰብ ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ከመይ ጌርካ ብንጹር ከም እትዛረብ። ሓደ ኻብቲ ቓላት ብንጹር ንምዝራብ ዚሕግዝ ቀንዲ ረቛሒታት: ኣቃውማ እቲ ኣብ ቋንቋኻ ዚርከብ ቃላት ምፍላጥ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቛንቋታት: ቃላት ብጥምረ-ድምጺ (Syllable) እዩ ዚቐውም። ጥምረ-ድምጺ ብሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ፊደላት ዝቘመ ዀይኑ ኸም ሓደ ኣሃዱ ዀይኑ ይድመጽ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቛንቋታት: ክትዛረብ ከለኻ ነፍሲ ወከፍ ጥምረ-ድምጺ ኺድሀ ኣለዎ፣ እንተዀነ ግን: ብማዕረ ኺጐልሕ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ዘረባኻ ንምንጻር ምምሕያሽ ክትገብር እንተ ደሊኻ: ህድእ ኢልካ ንነፍሲ ወከፍ ጥምረ-ድምጺ ንኽትገልጽ ዚከኣለካ ግበር። ፈለማ: እዚ ምሒር ትጥንቀቕ ከም ዘለኻ ኼምስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: በብቝሩብ እናተለማመድካ ምስ ከድካ ግን ሰጋእ ከይበልካ ብጽቡቕ ክትዛረብ ኢኻ። ሰጋእ ምእንቲ ኸይትብል ኢልካ: ገሊኡ ቓላት ብዙሕ ከይፈላለኻ ኽትዛረቦ ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ: ንትርጕም እቲ ቓላት ዚዓባብጦ እንተ ዀይኑ ግን ከምዚ ኽትገብር የብልካን።

ኣስተብህል:- ብንጹር ናይ ምዝራብ ክእለትካ ንምምሕያሽ ኢልካ ኽትዛረብን ከተንብብን ከለኻ ንጹር ንምግባር እምብዛ ትጥንቀቕ ትኸውን ኢኻ። እዚ ግን ክፍሊ መዓልታዊ ኣዘራርባኻ ኣይትግበሮ። ኣምሰሉን ዘይባህርያውን ኬምስለካ ይኽእል እዩ።

ዘረባኻ እተዓብሰ እንተ ዀይኑ: ርእስኻ ቕንዕ ኣብል: መንከስካውን ካብ ኣፍ ልብኻ ኣርሕቆ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: ነቶም ሰማዕቲ ኽትርኢ ጸኒሕካ ናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥምት ከለኻ ብዙሕ ምእንቲ ኸይትደንን: ነቲ መጽሓፍ ሓፍ ኣቢልካ ሓዞ። እዚ ኸኣ ንቓላትካ ብዘይ ዕንቅፋት ንኺወጽእ የኽእሎ።

ካብ ውጥረትካ ብኸመይ ከም እትዛነ ምፍላጥ እውን ንዘረባኻ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ኣብ ጭዋዳታት ገጽ ወይ ኣብቲ ንኣተነፋፍሳኻ ዚቈጻጸር ኣካላት ዘሎ ውጥረት: ኣብ ዘረባኻ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ይፍለጥ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውጥረት ነቲ ብተፈጥሮ ብዘይ ገለ ሽግር ኪዓዪ ዘለዎ: ኣብ መንጎ ኣእምሮኻን ናይ ድምጺ ኣካላትካን ናይ እስትንፋስካ ምቍጽጻርን ዘሎ ስኒት ይዓናቕፎ።

ጭዋዳታት ምንጋጋና ነቲ ኻብ ሓንጎል ዚመጾ መምርሒ ንኪቕበል ፍትሕ ኪብል ኣለዎ። ከናፍር እውን ኪዛነ ኣለዎ። እቲ ኻብ ኣፍናን ጐረሮናን ዚምንጩ ድምጺ ብዚግባእ ምእንቲ ኺስማዕ: ከናፍር ንኺምጠጥን ንኺጭበጥን ድሉው ኪኸውን ይግባእ። ምንጋጋናን ከናፍርናን እንተ ተኣሲሩ: ኣፍ ብዚግባእ ኣይክፈትን እዩ፣ እቲ ድምጺ ኸኣ ብመንጎ ኣስናን እዩ ዚወጽእ። እዚ ድማ ዓባስን ዘይንጹርን ዘረባ የውጽእ። ምንጋጋን ከናፍርን ፍትሕ ይብል ኪበሃል ከሎ ግን: ኣብ ኣዘራርባ ግዲ ዘይብልና ምዃን ማለት ኣይኰነን። ብንጹር ንምዝራብ: ድምጺ ኣብ ምውሳእ ሚዛናዊ ምዃን የድሊ።

ኵነታትካ ኽትምርምር ከለኻ: ዓው ኢልካ ምንባብ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ንምዝራብ ዜገልግል ዜደንቕ ኣካላት ብኸመይ ትጥቀመሉ ኸም ዘለኻ ኣጸቢቕካ ተዓዘቦ። ዘረባኻ ብዘይ ዕንቅፋት ንኺወጽእ ኣፍካ ብዚግባእ ትኸፍት ዲኻ፧ ልሳን ብዙሕ እትዓዪ እኳ እንተ ዀነት: ንምዝራብ እተገልግል ኣካል ግን ንሳ ጥራይ ዘይምዃና ኽትዝክር ኣሎካ። ክሳድ: ታሕተዋይ ምንጋጋ: ጭዋዳታት ገጽ: ከምኡውን ጭዋዳታት ጐረሮ ተራ ኣለዎ። ክትዛረብ ከለኻ: ኣብ ገጽካ ምንም ምንቅስቓስ ኣይርአን ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: መብዛሕትኡ ግዜ ዘረባኻ ዘይንጹር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ካሴት ንምቕዳሕ እተገልግል መሳርሒ እንተ ኣላትካ: ብባህርያዊ መገዲ እናተዛረብካ: ማለት ኣብ ኣገልግሎት ንእትረኽቦ ሰብ ትዛረብ ከም ዘለኻ ዄንካ ድምጽኻ ንእተወሰነ ደቓይቕ ቅድሓዮ። ነቲ ዝቐዳሕካዮ ኽትሰምዖ ኸለኻ: እተወሰነ ቓላት ብንጹር ናይ ምድማጽ ሽግር እንተ ኣልዩካ ኺሕብረካ እዩ። ኣብቲ ቓላት ዝወሓጥካሉ: ዝዓበስካሉ: ወይ ዝቘራረጽካሉ መዳይ ኣተኵር: ድሕሪኡ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጥ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ድኽመት በቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ነጥብታት ጌርካ ይፍታሕ እዩ።

ኰርታዕ ዲኻ፧ ኣፍካ ኻብ ቀደም ዝያዳ እናኸፈትካ ኽትዛረብ ፈትን: ብንጹር ንኽትዛረብ እውን ዝያዳ ጻዕሪ ግበር። ኣዕሚቝካ ኣየር ስሓብ: ህድእ ኢልካውን ተዛረብ። ከምዚ ምግባር ንመብዛሕትኦም ኰርታዓት ዝነበሩ ሰባት: ዘረባኦም ንኼመሓይሹ ሓጊዝዎም እዩ። ትጽይፍ እንተ ደኣ ዄንካ: ዘርኢ ሰ ወይ ዘ ዘለዎ ቓላት ከተድምጽ ከለኻ መልሓስካ ኻብ ናይ ቅድሚት ኣስናንካ ንድሕሪት ምለሶ። ሽግርካ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተፈትሐ: ኣይትተሓለል። የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ኰነ ንፈርኦን ግብጺ ኣገዳሲ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ነቲ ዀርታዕ ዝነበረ ሙሴ ኸም ዝመረጾ ኣይትረስዕ። (ዘጸ. 4:10-12) ፍቓደኛ እንተ ዄንካ: ንዓኻውን ኪጥቀመልካ እዩ: ኣብ ኣገልግሎትካ እውን ኣሳልጦ ኸም እትረክብ ብምግባር ኪባርኸካ እዩ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ነፍሲ ወከፍ ቃል ብንጹር: ብእኹል ድምጺ: ከምኡውን ብዚግባእ ፍጥነት ተዛረብን ኣድምጽን።

  • ሰማዕቲ እንታይ ከም እትብል ብንጹር ምስማዕ ምእንቲ ኸየሸግሮም: ሓረጋት ኣይትውሓጥ ወይ ንቓላት ብፍጥነት ጨፋሊቕካ ኣይተድምጽ።

  • ክትዛረብ ከለኻ: ርእስኻ ቕንዕ ኣብሎ: ኣፍካውን ብዚግባእ ክፈት።

  • ክሳድካን ምንጋጋኻን ከናፍርካን ከምኡውን ጭዋዳታት ከናፍርካን ጐረሮኻን ፍትሕ ኣብሎ።

መላመዲ:- ብዝለመድካዮ መገዲ ተዛረብ። ንኣፍካ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ እትኸፍቶ፧ ብዝያዳ ኽትከፍቶን ንጭዋዳታት ገጽካ ብዝያዳ ኽትጥቀመሉን የድሊ ደዀን ይኸውን፧ ማቴዎስ 8:23-27 ዓው ኢልካ እናኣንበብካ ነዚ ተለማመዶ። ርእስኻ ኣቕንዕ: ጭዋዳታት ምንጋጋኻ ድማ ክትፈትሖ ጽዓር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ