ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 20 ገጽ 147-ገጽ 149 ሕ.ጽ. 3
  • ጥቕስታት ቅድሚ ምንባብካ ግቡእ መእተዊ ምግባር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥቕስታት ቅድሚ ምንባብካ ግቡእ መእተዊ ምግባር
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካልኦት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙሉ ምትብባዕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 20 ገጽ 147-ገጽ 149 ሕ.ጽ. 3

መጽናዕቲ 20

ጥቕስታት ቅድሚ ምንባብካ ግቡእ መእተዊ ምግባር

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ሓንቲ ጥቕሲ ቕድሚ ምንባብካ ንኣእምሮ እቶም ሰማዕትኻ ኣዳሉ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንሓንቲ ጥቕሲ ጽቡቕ መእተዊ ምግባር: ንሰማዕትኻ ናይ ሓቂ ኣገዳስነት እታ ጥቕሲ ንኺርድኡ ይሕግዞም።

መሰረት እቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚወሃብ ትምህርትና: ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕስታት ኢና እነተኵር። እዚ ኣብ ምይይጥና ዘለዎ ኣገዳስነት ግን: ብእተወሰነ ኽፋሉ ኣብቲ ቕድሚ ምንባብና እተጠቐምናሉ መእተዊ እዩ ዚምርኰስ።

እተንብቦ ጥቕሲ ምሕባርን ምሳኻ ሓቢሩ ኼንብብ ምዕዳምን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ንጥቕሲ መእተዊ ኽትገብረሉ ኸለኻ: ክልተ ሸቶታት ክትወቅዕ ጽዓር:- (1) ተገዳስነት ኣለዓዕል: (2) ኣብቲ ነታ ጥቕሲ እትጥቀመሉ ምኽንያት ኣተኵር። እዚ ሸቶታት እዚ ብእተፈላለየ መገዲ ኺብጻሕ ይከኣል እዩ።

ሕቶ ሕተት። ሰማዕትኻ መልሲ እታ ሕቶ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዋ እንተ ዘይኰይኖም: እዚ ሜላ እዚ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ። ነታ ሕቶ: ሰባት ከም ዚሓስቡላ ጌርካ ኸተቕርባ ጽዓር። የሱስ ከምኡ እዩ ገይሩ። ፈሪሳውያን ኣብ ቤተ መቕደስ ቅርብ ኢሎም ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘለዎ ምርዳእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምስ ፈተንዎ: የሱስ “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ “ወዲ ዳዊት” በልዎ። ድሕሪኡ ንሱ ኻብ መዝሙር 110:1 ብምጥቃስ: “ዳዊት ደኣ . . . ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። እቶም ፈሪሳውያን ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን። እቶም ህዝቢ ግን ንየሱስ ተሓጒሶም ሰምዕዎ።—ማቴዎስ 22:41-46

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ: ከምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ መእተዊ ዚኸውን ሕቶታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:- “ኣነን ንስኻን ናይ ብሕቲ ስም ኣሎና። ኣምላኽከ ናይ ብሕቲ ስም ኣለዎዶ፧ ነዚ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:18 ኽንረኽቦ ንኽእል።” “ንደቅሰብ እተመሓድር ሓንቲ መንግስቲ ጥራይ እትቘመሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ ኣብ ዳንኤል 2:44 እዛ ሕቶ እዚኣ ብኸመይ ከም እትምለስ እሞ ኣስተብህል።” “መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂዶ ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታት ዚምልከት እዩ፧ ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ዘሎ ሓሳባት ምስቲ እትፈልጦ ዅነታት እሞ ኣወዳድሮ።” “መከራን ሞትን ዜብቅዓሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።”

መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ቅድሚ ጥቕስታት ምጥቃስካ ብሕቶታት ጌርካ መእተዊ ምግባር: ሰማዕትኻ ነቲ ዚፈልጥዎ ጥቕስታት እውን ብሓድሽ መልክዕ ንኺርእይዎ ኺድርኾም ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ብሓድሽ ኣንፈት ይርእይዎዶ ይዀኑ፧ እቲ እተልዕሎ ሕቶ ብሓቂ ዜገድሶም ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ነዚ ይጸልዎ እዩ። እቲ ዘበገስካዮ ርእሰ ነገር ነቶም ሰማዕቲ ዜገድሶም ክነሱ: ብዙሕ ሳዕ ዚሰምዕዎ ጥቕስታት ከተንብበሎም ከለኻ ኣእምሮኦም ኪገይሽ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምእንቲ ኸየጋጥም: ኣቀራርባኻ ዚስሕብ ንምግባር ነቲ ነገር እቲ ኣጸቢቕካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ።

ጸገም ኣቕርብ። ሓደ ጸገም ድሕሪ ምቕራብ: ብዛዕባ ፍታሑ ዚገልጽ ጥቕሲ ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ሰማዕቲ ኻብቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ መልሲ ንላዕሊ ኸም ዚጽበዩ ኣይትግበሮም። መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ጥቕሲ ኽፋል ናይ ሓደ ፍታሕ ጥራይ እያ እትሕዝ። ይኹን እምበር: ነታ ጥቕሲ ኸተንብባ ኸለኻ: ሰማዕትኻ ምስቲ ዅነታት ዚተሓሓዝ እንታይ መምርሒ ኸም ዝረኸቡ ኺሓስቡሉ ኽትሓቶም ትኽእል ኢኻ።

ብተመሳሳሊውን ሓደ ኣምላኽ ዚፈትዎ መሰረታዊ ኣካይዳ ድሕሪ ምጥቃስ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርከብ ጸብጻብ ጌርካ ነቲ ስርዓት ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ጥቕሲ ምስቲ ጕዳይ ዚተሓሓዝ ክልተ (ወይ ምናልባት ካብኡ ንላዕሊ) ነጥብታት ዝሓዘት እንተ ዀይና: ገሊኦም ተዛረብቲ ንሰማዕቶም ነቲ ነጥብታት ኪረኽብዎ ይሓትዎም እዮም። እቲ ዝጠቐስካዮ ጸገም ንገለ ኻብቶም ሰማዕቲ ኣጸቢቑ ዚኸብዶም እንተ ደኣ ዀይኑ: እተፈላለየ ኣማራጺታት ኣቕሪብካ ኻብታ ጥቕስን ኣወዓዕላኣን መልሲ ኸም ዚረኽቡ ብምግባር ንሓሳባቶም ከተነቓቕሖ ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ወሳኒ ምዃኑ ሓብር። ኣብቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ርእሰ ነገር ተገዳስነት እንተ ኣለዓዒልካ: ኣብ ገሊኡ መዳያቱ ኸኣ ሓንሳእ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ርእይቶ እንተ ሂብካ: “ኣብዚ ነጥቢ እዚ ቓል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ” ብምባል ጥቕሲ ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ እቲ እተንብቦ ጥቕሲ ንምንታይ ወሳኒ ኸም ዝዀነ ይሕብር።

የሆዋ ንኸም እኒ ዮሃንስ: ሉቃስ: ጳውሎስ: ጴጥሮስ ዝኣመሰሉ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ተጠቒሙሎም እዩ። እንተዀነ ግን: ንሳቶም እተነግሮም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ጥራይ እዮም ነይሮም፣ ደራሲኡ ወይ ዋናኡ የሆዋ እዩ። ብፍላይ ነቶም ተመሃሮ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘይኰኑ ሰባት: “ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ” ወይ “ጳውሎስ ከምዚ በለ” ኢልካ ጥቕሲ ምንባብ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር እተንብቦ ዓይነት ጽልዋ ኸይህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: የሆዋ ንኤርምያስ ኣዋጅ ኪእውጅ ከሎ: “ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ” እናበለ መእተዊ ኺገብር መምርሒ ምሃቡ ኸነተኵረሉ ይግባእ። (ኤር. 7:2፣ 17:20፣ 19:3፣ 22:2) ጥቕሲ ቕድሚ ምንባብና መእተዊ ኽንገብር ከለና ስም የሆዋ ንጥቀስ ወይ ኣይንጥቀስ ብዘየገድስ: ነቲ መግለጺና ቕድሚ ምዝዛምና ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃሉ ምዃኑ ንምሕባር ክንጽዕር ኣሎና።

ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ኣእቱ። ንሓንቲ ጥቕሲ መእተዊ ኽትገብረላ ኸለኻ: ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ክትፈልጦ ኣሎካ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ብቐጥታ ትጠቕሶ ኢኻ፣ እንተዀነ ግን: እዚ ሓሳባት እዚ ነቲ እትብሎ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ነቲ ንኣምላኽ ዚፈርህ ዝነበረ እዮብ እተዛረቦ ቓላት ክትጠቅስ ከለኻ: ምስቲ ንሓደ ኻብቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ እተዛረቦ ቓላት እትጠቕሰሉ እዋን ሕደ ጌርካ ዲኻ እተቕርቦ፧ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብሉቃስ እያ ተጻሒፋ፣ እንተዀነ ግን: ንሱውን ነቲ ያእቆብ: ጴጥሮስ: ጳውሎስ: ፊልጶስ: እስጢፋኖስ: መላእኽቲ: ከምኡውን ገማልኤልን ካልኦት ክርስትያናት ዘይነበሩ ኣይሁድን ዝበልዎ ጠቒሱ እዩ። ነቲ እትጠቕሶ ጥቕሲ እተዛረቦ መን እዩ፧ ኵሉ መዝሙራት ብዳዊት ከም ዘይተቐናበረ: ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ ቃላት ድማ ብሰሎሞን ከም ዘይተጻሕፈ ዘክር። እቲ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ ንመን ይዛረቦ ምንባሩን ብዛዕባ እንታይ ሓፈሻዊ ርእሰ ነገር ይዛረብ ምንባሩን ምፍላጥ እውን ጠቓሚ እዩ።

ነቲ ጥቕሲ ባይታ ዚኸውን ነገራት ተጠቐመሉ። እቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዅነታት ምስቲ እንገልጾ ዘለና ጕዳይ ዚመሳሰል እንተ ዀይኑ: ነቲ ጥቕሲ ባይታ ዚኸውን ነገራት ምጥቃስ ውጽኢታዊ እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ንሓደ ጥቕሲ ንምርዳእ ነቲ ባይታ ዚኸውን ሓበሬታ ኣብ ግምት ምእታዉ የድሊ። ንኣብነት: ንበጃ ኣብ ዚምልከት መደረ እብራውያን 9:12, 24 ክትጠቅስ እንተ ደኣ ዄንካ: ነታ ጥቕሲ ቕድሚ ምንባብካ: ብዛዕባ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ተሓቢሩ ዘሎ ነቲ የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ ዝኣተወሉ ቦታ ዜመልክት ውሽጣዊ ኽፍሊ እቲ ማሕደር ሕጽር ዝበለ መግለጺ ኽትህብ የድልየካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ባይታ ዚዀነካ ብዙሕ ሓሳባት እንተ ጠቒስካ: እቲ በታ ጥቕሲ ጌርካ ኸተብርሆ እተደልየ ሓሳብ ኪዕበጥ ይኽእል እዩ።

ነቲ ንሓንቲ ጥቕሲ መእተዊ እትገብረሉ መገዲ ንምምሕያሽ: ተመክሮ ዘለዎም ተዛረብቲ እንታይ ከም ዚገብሩ መርምር። ነቲ ንሳቶም ዚጥቀሙሉ እተፈላለየ ሜላታት ኣስተብህለሉ። ክሳዕ ክንደይ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተዓዘቦ። ንኽፍልኻ ኽትዳለወሉ ኸለኻ: ነቲ ቐንዲ ጥቕስታት ኣለሊ: ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ እንታይ ሸቶ ኸም ዚወቅዕ እውን ብፍላይ ሕሰበሉ። ነፍሲ ወከፉ ሓያል ጽልዋ ምእንቲ ኺህልዎ: ቅድሚ ምንባብካ ተጠንቂቕካ ጽቡቕ መእተዊ ግበረሉ። ድሕርዚ ንዅሉ እቲ እትጥቀመሉ ጥቕስታት በዚ መገዲ እዚ ኣንብቦ። እዚ መዳይ ኣቀራርባኻ ምስ ተመሓየሸ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ኸም ዚትኰር ክትገብር ኢኻ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ተገዳስነት ዜለዓዕል ሜላ ኽትመርጽ ከለኻ: ሰማዕትኻ ድሮ እንታይ ከም ዚፈልጡን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ከመይ ከም ዚስምዖምን ኣብ ግምት ኣእቱ።

  • ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ እንታይ ሸቶ ኸም ዚወቅዕ ኣጸቢቕካ ፍለጥ: ኣብቲ ቐቅድሚ እቲ ጥቕሲ ኸም መእተዊ እትጥቀመሉ ሓሳባት ድማ ነዚ ኣንጸባርቆ።

መላመዲ:- ኣብ ክልኻ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትጥቀመሉ እኽእል እየ ኢልካ እትሓስቦ ጥቕሲ ምረጽ። (1) እንታይ ሕቶ ወይ ጸገም ንሃንቀውታ ብዓል ቤት ከም ዜለዓዕል: (2) እቲ ብዓል ቤት ነታ ጥቕሲ እተንብበሉ ምኽንያት ከመይ ጌርካ ኸም ዜተኵረሉ ኽትገብሮ ኸም እትኽእል ኣቐዲምካ ሕሰብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ