ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • cl ምዕ. 30 ገጽ 300-309
  • “ብፍቕሪ ተመላለሱ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብፍቕሪ ተመላለሱ”
  • ንየሆዋ ቕረቦ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍቕሪ ኸነርኢ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
  • ፍቕሪ እንታይ ምዃና
  • ፍቕሪ እንታይ ዘይምዃና
  • “ዝበለጸ መገዲ”
  • ብፍቕሪ ተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ፍቕሪ—ኣገዳሲት ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ፍቕርኻ ኽትዝሕል ኣይትሕደጋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ቕረቦ
cl ምዕ. 30 ገጽ 300-309
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ብታሕጓስ ይዛራረቡ።

ምዕራፍ 30

“ብፍቕሪ ተመላለሱ”

1-3. ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት የሆዋ እንተ ደኣ ስዒብና፡ እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧

“ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እዘን የሱስ እተዛረበን ቃላት ‘ስስዐ ዘይብሉ ፍቕሪ ዓስቢ ኸም ዘለዎ’ እየን ዚገልጻልና። ካብ ካልኦት ፍቕሪ ምቕባል፡ ብዙሕ ሓጐስ ዜምጽእ እኳ እንተ ዀነ፡ ንኻልኦት ፍቕሪ ምሃብ ወይ ምርኣይ ግና ዝያዳ ሓጐስ ኣለዎ።

2 ነዚ ኻብ ሰማያዊ ኣቦና ንላዕሊ ኺፈልጦ ዚኽእል የልቦን። ኣብተን ቀዳሞት ምዕራፋት እዛ ራብዐይቲ ኽፍሊ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ እቲ ዝለዓለ ኣብነት ፍቕሪ እዩ። ከም የሆዋ ገይሩ ብዝለዓለ መገዲ ወይ ንነዊሕ ግዜ ፍቕሪ ዘርኣየ የልቦን። ስለዚ፡ የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እንተ ተባህለስ ኬገርመናዶ ይግባእ፧—1 ጢሞቴዎስ 1:11።

3 እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብፍላይ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ንዕኡ ኽንመስሎ እዩ ዚደልየና። ኤፌሶን 5:1, 2፡ “ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ . . . ብፍቕሪ ተመላለሱ” ትብለና። ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት የሆዋ እንተ ደኣ ስዒብና፡ ካብ ምሃብ ዚርከብ ዝለዓለ ሓጐስ ክንረክብ ኢና። ንየሆዋ ነሐጕሶ ኸም ዘሎና ብምፍላጥና እውን ዕግበት ንረክብ፣ ከመይሲ ቓሉ ‘ንሓድሕድና ኽንፋቐር’ እዩ ዚላበወና። (ሮሜ 13:8) ይኹን እምበር፡ ስለምንታይ ‘ብፍቕሪ ኽንመላለስ’ ከም ዘሎና ዚሕብር ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ።

ፍቕሪ ኸነርኢ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ዓብዪ ሓው ፍሽኽ እናበለ ንሓደ መንእሰይ ሓው ኣብ እንግድዓኡ ይጥብጥቦ።

ፍቕሪ ኣብ ኣሕዋትና እምንቶ ኺህልወና ትድርኸና

4, 5. ንኣሕዋትና ጥቕሚ ርእስና ናይ ምስዋእ ፍቕሪ ኸነርእዮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ንኣሕዋትና ኸነፍቅሮም ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧ ብሓጺሩ ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትና ስለ ዝዀነት እዩ። ብዘይ ፍቕሪ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ጥብቂ ርክብ ኪህልወና ኣይክእልን እዩ፣ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኣይህልወናን። ቃል ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓቂ ብኸመይ ከም ዜጕልሖ እስከ ንርአ።

5 የሱስ ኣብታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝፈጸመላ ናይ መወዳእታ ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:34, 35) “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም” ስለ ዝበለ፡ ከምቲ የሱስ ዝገደፈልና ዓይነት ፍቕሪ ኸነርኢ ኢና ተኣዚዝና ዘሎና። ኣብ ምዕራፍ 29 ከም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ካብ ጥቕሚ ርእሱ፡ ጥቕሚ ኻልኦት ብምቕዳም ብዘርኣዮ ፍቕሪ ዝለዓለ ኣብነት እዩ ሰሪዑልና። ንሕና እውን ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት እውን ከይተረፈ ኽሳዕ ዜስተብህልሉ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዘይትብል ፍቕሪ ኸነርኢ ኼድልየና እዩ። እወ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃንና እንልለየሉ ባህርይ በዛ ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእ እትንጸባረቕ ሕውነታዊት ፍቕሪ እዩ።

6, 7. (ሀ) ቃል ኣምላኽ ፍቕሪ ምርኣይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸም ዚገልጽ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-8 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ ኣበየናይ ናይ ፍቕሪ መዳይ እዩ ዜተኵር፧

6 ፍቕሪ እንተ ደኣ ጐዲላትናኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይ ጨርባሕ ከም ዚብል ጸናጽል ሸሓኒ ምዀንኩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 13:1) ጨርባሕ ዚብል ጸናጽል ሸሓኒ ዀነ ዜድሂ ኣስራዚ ዓው ዝበለ ባህ ዘየብል ደሃይ እዩ ዜውጽእ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብቑዕ ምሳሌ ዀን እዩ! ፈቃር ዘይኰነ ሰብ ልክዕ ከምቲ ኣብ ክንዲ ዚስሕበካ፡ ከም እትርሕቕ ዚገብረካ ዚርብሽ ድምጺ ዘለዎ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ምስ ካልኦት ናይ ቀረባ ርክብ ኪምስርት ዚኽእል፧ ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ ምዀንኩ” እውን ኢሉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:2) ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ፍቕሪ ዘይብሉ ሰብ ዝገበረ እንተ ገበረ፡ “ከንቱ” እዩ። እወ፡ ቃል የሆዋ፡ ፍቕሪ ኸነርኢ ብንጹር ይምህረና እዩ።

7 ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ነዛ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ኢና ኸነንጸባርቓ እንኽእል፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-8 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ ንመርምሮ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ወይ ከኣ ንሕና ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ዘይኰነስ ኣብ ንሓድሕድና ብኸመይ ክንፋቐር ከም ዘሎና እዩ ዜጕልሕ። ጳውሎስ ፍቕሪ እንታይ ምዃናን እንታይ ዘይምዃናን ዚገልጽ ገለ ነጥብታት ጠቒሱ ኣሎ።

ፍቕሪ እንታይ ምዃና

8. ዓቕሊ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ብኸመይ እያ ኽትሕግዘና እትኽእል፧

8 “ፍቕሪ ዓቃል . . . እያ።” እምበኣር፡ ፍቕሪ ንኻልኦት ብትዕግስቲ እናተጻወርካ ምንባር ማለት እያ። (ቈሎሴ 3:13) ከምዚ ዝኣመሰለ ትዕግስትስ ብሓቂዶ የድልየና እዩ፧ ብሓንሳእ ሓቢርና እነገልግል ዘይፍጹማት ሰባት ብምዃንና፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ኣሕዋትና ኽንተሓራረቕ ንኽእል ኢና። ትዕግስትን ተጻዋርነትን ግና ነቲ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ዜጋጥመና ቐሊል ምጕንፋጥ፡ ንሰላም ጉባኤ ኸይረበሽና ኽንፈትሖ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

9. ንሰባት በየናይ መገድታት ኢና ኽንልውሃሎም እንኽእል፧

9 “ፍቕሪ . . . ለዋህ . . . እያ።” ለውሃት ግብራዊ ሓገዝን ዜጸናንዕ ቃላትን ብምሃብ ትግለጽ። ፍቕሪ ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም እተጸገሙ ሰባት ለውሃትና እንገልጸሉ መገድታት ከነናዲ ትድርኸና። ንኣብነት፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ኣማኒ ስለ ዚጽምዎ፡ ምትብባዕ ኬድልዮ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ንበይና ደቃ እተዕቢ ኣደ ወይ ከኣ ምስ ዘይኣማኒ ብዓል ቤት እትነብር ሓብቲ ገለ ምትብባዕ የድልያ ይኸውን። ሓደ ዝሓመመ ወይ መከራ ዜሕልፍ ዘሎ ሰብ ካብ ሓደ እሙን ዓርኩ ዜጸናንዕ ቃላት ኪሰምዕ ኬድልዮ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:25፣ 17:17) በዚ መገዲ እዚ ንምልዋህ ተበግሶ ምስ እንወስድ፡ ፍቕርና ናይ ሓቂ ምዃና ኢና እንገልጽ ዘሎና።—2 ቈረንቶስ 8:8።

10. ፍቕሪ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ንሓቂ ኽንጣበቕን ሓቂ ኽንዛረብን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

10 “ፍቕሪ . . . ብሓቂ ትሕጐስ።” ካልእ ትርጉም ከኣ፡ “ፍቕሪ ተሓጒሳ ብወገን ሓቂ ትስለፍ” ይብለና። ፍቕሪ ንሓቂ ኽንጣበቕን ‘ንሓድሕድና ሓቂ ኽንዛረብን’ ትድርኸና። (ዘካርያስ 8:16) ንኣብነት፡ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚወድቕ፡ ንየሆዋን ነቲ እተጋገየ ሰብን ዘላትና ፍቕሪ ንስርዓታት ኣምላኽ ክንስዕብ ደኣ ትድርኸና እምበር፡ ኣይንሓባብኣሉን፡ ኣይነመኻንየሉን፡ ወይ ኣይንሕሱን ኢና። ሽሕ እኳ ንምቕባሉ ኼሸግረና ዚኽእል እንተ ዀነ፡ ንጥቕሚ እቲ እነፍቅሮ ሰብ ንሓስብ እንተ ደኣ ዄንና፡ ፍቕራዊ ተግሳጽ ኣምላኽ ተቐቢሉ ኺዓይየሉ ኢና እንደሊ። (ምሳሌ 3:11, 12) ከም ፈቃራት ክርስትያናት መጠን፡ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር” ኢና እንደሊ።—እብራውያን 13:18።

11. ፍቕሪ ‘ዅሉ ኽኢላ ስለ እትነብር፡’ ንጕድለታት ኣሕዋትና እንታይ ንምግባር ኢና ኽንጽዕር ዚግብኣና፧

11 “ፍቕሪ . . . ዅሉ ኽኢላ ትነብር።” እዛ ሓሳብ እዚኣ ቓል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ፡ “ኵሉ ትኸድን” ማለት እያ። (ኪንግደም ኢንተርሊንያር) 1 ጴጥሮስ 4:8፡ “ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ” ትብል። እወ፡ ብፍቕሪ ዚምራሕ ክርስትያን ንዅሉ ናይ ኣሕዋቱ ዘይፍጽምናን ጕድለታትን ኪቐልዕ ኣይደልን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣሕዋትና ዚገብርዎ ጕድለታት ንኣሽቱ ብምዃኑ ብፍቕሪ ኪኽደን ይከኣል እዩ።—ምሳሌ 10:12፣ 17:9።

12. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ናይ ፊልሞን ጽቡቕ ጐድንታት እምንቶ ኸም ዘሕደረ ብኸመይ እዩ ዘርኣየ፧ ካብ ኣብነት ጳውሎስከ እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧

12 “ፍቕሪ . . . ዅሉ ትኣምን።” ትርጉም ሞፋት ከኣ፡ ፍቕሪ “ጸጽቡቑ ኽትኣምን ወትሩ እያ እትህንጠ” ይብለና። ንኣሕዋትና ድራኸኦም ብምፍራድ፡ ንዅሉ ተግባራቶም ብጥርጣረ ኣይንርእዮን ኢና። ፍቕሪ ብዛዕባ ኣሕዋትና ‘ጸጽቡቑ ኽንኣምን’ ትድርኸና እያ።a ንኣብነት፡ ጳውሎስ ናብ ፊልሞን ዝጸሓፋ ደብዳበ ንርአ። ጳውሎስ ንፊልሞን ዝጸሓፈሉ፡ ነቲ ክርስትያን ዝዀነ ኦኔሲሞስ ዚብሃል ሃዲሙ ዝነበረ ባርያ ምስ ተመልሰ ብጽቡቕ ምእንቲ ኪቕበሎ ኼተባብዖ ኢሉ እዩ። ከምዚ ኺገብር ከሎ ግና ኣብ ፍቕሪ ተመርኲሱ ደኣ እዩ ዝለመኖ እምበር ኣየገደዶን። ፊልሞን ቅኑዕ ነገር ዚገብር ምዃኑ ኸም ዚተኣማመነሉ ኸምዚ ብምባል ገለጸ፦ “ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒ እውን ተኣማሚነ እየ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ።” (ቍጽሪ 21) ፍቕሪ፡ ኣብ ኣሕዋትና ኸምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ኸነሕድር ክትድርኸና ኸላ ጸጽቡቑ ንሓስበሎም ኢና።

13. ንኣሕዋትና ጸጽቡቑ ኸም እንምነየሎም ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

13 “ፍቕሪ . . . ዅሉ ተስፋ ትገብር።” ፍቕሪ ምሉእ እምነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምሉእ ተስፋ እውን እዩ ዘለዋ። ብፍቕሪ ተለዓዒልና፡ ኣሕዋትና ዝሓሸ ኺረኽቡ ተስፋ ንገብር ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው “ብዘይ ፍላጥ እንተ ስሒቱ፡” ንምቕናዑ ተባሂሉ ንዚግበር ፍቕራዊ ጻዕርታት ኣወንታዊ ምላሽ ኪህበሉ ኢና ተስፋ እንገብር። (ገላትያ 6:1) እቶም ብእምነት ዝደኸሙ ኺብርትዑ እውን ተስፋ ንገብር ኢና። ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብእምነት ጽኑዓት ኪዀኑ ንምሕጋዞም ዚከኣለና ዘበለ እናገበርና ንዕገሶም ኢና። (ሮሜ 15:1፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14) ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ካብ እምነት እንተ ኣልገሰ እውን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ እቲ ዝጠፍአ ወዲ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ እንደገና ንየሆዋ ኼፍቅሮ ብተስፋ ንጽበዮ ኢና።—ሉቃስ 15:17, 18።

14. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተጻዋርነትና ብኸመይ እዩ ኺፍተን ዚኽእል፧ ፍቕሪኸ ነዚ ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኽትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧

14 “ፍቕሪ . . . ዅሉ ትጻወር።” ተስፋ ምቝራጽ ወይ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ተጻዋርነት እንተ ኣልዩና፡ እዚ ኽንጸንዕ ይሕግዘና። ንተጻዋርነትና ዚፍትን ኵነታት ካብ ደገ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ውሽጢ ጉባኤ እውን ሓሓሊፉ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣሕዋትና ብምኽንያት ዘይፍጽምናኦም ኬጕህዩና ይኽእሉ እዮም። ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ስምዒትና ኺሃስየና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:18) ምናልባት ገለ ናይ ጉባኤ ጕዳይ ከምቲ ዝደለናዮ ኸይከውን ይኽእል። ሓደ እነኽብሮ ሓው ኣካይዳኡ የሕርቐና እሞ ‘ሓደ ክርስትያን ከመይ ገይሩ ከምዚ ይገብር፧’ ኢልና ንግረም ንኸውን። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካብታ ጉባኤ ርሒቕና ንየሆዋ ምግልጋል ነቋርጽ ዲና፧ ፍቕሪ እንተ ደኣ ኣልዩና ኸምኡ ኣይንገብርን ኢና። እወ፡ ፍቕሪ እንተ ደኣ ኣልዩና፡ ሓደ ሓው ጕድለት ምስ ዚፍጽም፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ይኹን ካብታ ጉባኤ ብሓፈሻ ጽቡቕ ነገር ንኸይንጽበ ዕንቅፋት ኪዀነና ኣይነፍቅደሉን ኢና። ፍቕሪ እንተ ደኣ ኣልዩና፡ ካልእ ዘይፍጹም ሰብ ዚብሎ ወይ ዚገብሮ ብዘየገድስ ንኣምላኽ እሙናት ክንከውንን ነታ ጉባኤ ምሉእ ደገፍና ኽንህብን ንድረኽ ኢና።—መዝሙር 119:165።

ፍቕሪ እንታይ ዘይምዃና

15. ሕማቕ ቅንኢ እንታይ እዩ፧ ፍቕሪኸ ነዚ ስምዒትካ ዚሃሲ ባህርይ ምእንቲ ኸነልግሶ ብኸመይ እያ ኽትሕግዘና እትኽእል፧

15 “ፍቕሪ ኣይትቐንእን።” ሕማቕ ቅንኢ በቲ ኻልኦት ዘጥረይዎ ንብረት፡ ዝረኸብዎ በረኸት፡ ወይ ብዘለዎም ክእለት ከም ዘይንሕጐስ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቕንኢ ስስዐ ዝመልኦን ስምዒትካ ዚሃስን ስለ ዝዀነ፡ ቍጽጽር እንተ ደኣ ዘይተገይሩሉ ንሰላም ጉባኤ ኺዘርግ ይኽእል እዩ። ቅንኢ ኸነርሕቕ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ያእቆብ 4:5) መልሱ ፍቕሪ እዩ። እዛ ኽብርቲ ባህርይ እዚኣ ኻልኦት ሰባት ንሕና ዘይረኸብናዮ ገለ በረኸት ምስ ዚረኽቡ ኸም እንሕጐስ ክትገብረና ትኽእል እያ። (ሮሜ 12:15) ፍቕሪ እንተ ደኣ ኣልያትና፡ ሓደ ሰብ ብዘለዎ ፍሉይ ክእለት ወይ ብዝዓመሞ ዕማም ውዳሰ ምስ ዚቕበል፡ ንዓና ንምውራድ ከም ዝዀነ ጌርና ኸይንወስዶ ትሕግዘና።

16. ንኣሕዋትና ብሓቂ ነፍቅሮም እንተ ደኣ ዄንና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንዓምሞ ዘሎና ነገራት ካብ ምጅሃር እንቝጠብ ስለምንታይ ኢና፧

16 “ፍቕሪ . . . ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን።” ፍቕሪ እንተ ደኣ ኣልዩና፡ ብተውህቦና ወይ ብዝዓመምናዮ ዕማም ኣይንጀሃርን ኢና። ንኣሕዋትና ብሓቂ ነፍቅሮም እንተ ደኣ ዄንና፡ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ብዝረኸብናዮ ኣሳልጦ ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤ ብእተዋህበና ፍሉይ መሰል ክንጀሃር፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጃህራ ንኻልኦት ተስፋ ስለ ዜቝርጾም፡ ምሳና ብምውድዳር ዘይጠቕሙ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብሮም ይኽእል እዩ። ፍቕሪ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ክንጀሃር ኣይተፍቅደልናን እያ። (1 ቈረንቶስ 3:5-9) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ፍቕሪ “ኣይትንፋሕን” እያ። ትርጉም 1990 ከኣ “ኣይትዕበን እያ” ይብለና። እወ፡ ፍቕሪ ንርእስና ልዕል ኣቢልና ኸይንርኢ ትዓግተና እያ።—ሮሜ 12:3።

17. ፍቕሪ ንኻልኦት ብኸመይ ክንርእዮም እያ እትድርኸና፧ ከመይ ዝበለ ባህርይከ ኢና እነወግድ፧

17 “ፍቕሪ . . . ስዲ ኣይኰነትን።” ሓደ ስዲ ሰብ ዚገብሮ ዅሉ ደስ ዜብል ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ጠባይ ንስምዒት ካልኦት ተገዳስነትን ሓልዮትን ከም ዘይብሉ ዜርኢ ብምዃኑ ፍቕራዊ ኣይኰነን። ፍቕሪ ዘለዎ ሰብ ግና ንኻልኦት ከም ዚሓሊ ዚገብሮ ባህርይ ኣለዎ። ፍቕሪ ጽቡቕ ልማድ ኪህልወናን ኣምላኽ ዚሰምሮ ጠባያት ከነንጸባርቕን ንኣሕዋትና ከነኽብሮምን ትድርኸና። ስለዚ ኸኣ፡ ንክርስትያን ኣሕዋትና ኼሰምብዶም ወይ ኬጕህዮም ዚኽእል ዝዀነ ይኹን “ዜሕፍር ተግባር” ክንገብር ኣይትፈቕደልናን እያ።—ኤፌሶን 5:3, 4።

18. ሓደ ፈቃር ሰብ ዝዀነ ይኹን ነገር በቲ ንሱ ዝደለዮ መገዲ ኺግበር ዘይሓትት ስለምንታይ እዩ፧

18 “ፍቕሪ . . . ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን።” ትርጉም 1990 ከኣ፡ “ንኣይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን እያ” ይብለና። ሓደ ፈቃር ሰብ ርእይቶኡ ወትሩ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ገይሩ ብምውሳድ ዝዀነ ይኹን ነገር ንሱ ኸም ዝደለዮ ጥራይ ኪግበር ኣይሓትትን። ነቲ ኻልኦት ከም ዚኣምንዎ ናይ ምግባር ክእለቱ ተጠቒሙ ኺዕብልሎም ኣይደልን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሪ ብመጠኑ ትዕቢት ከም ዘሎካ እዩ ዜንጸባርቕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ” ይብለና። (ምሳሌ 16:18) ንኣሕዋትና ብሓቂ ነፍቅሮም እንተ ደኣ ዄንና፡ ርእይቶኦም ነኽብረሎም፡ ኣብቲ ዘድለየሉ ግዜ ኸኣ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ምስቲ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ዝበሎ ቓላት ዚሰማማዕ እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:24።

19. ፍቕሪ ንዘጕሃዩና ሰባት ቀሪብና ኸነዘራርቦም እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

19 “ፍቕሪ . . . ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን እያ።” ፍቕሪ ኻልኦት ብዝገበርዎ ወይ ብዚዛረብዎ ነገራት ብቐሊሉ ኣይትቝጣዕን እያ። ሰባት ኬጕህዩና ኸለዉ ኽንሓርቕ ባህርያዊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ክንሓርቕ ብቑዕ ምኽንያት እኳ እንተ ኣሎና፡ ፍቕሪ ግና ቍጥዓና ሒዝናዮ ኽንጸንሕ ኣይትሓድገናን እያ። (ኤፌሶን 4:26, 27) ነቲ ኻልኦት እተዛረብዎ ዝሃሲ ቓላት ወይ ዝገበርዎ ሕማቕ ተግባራት ልክዕ ከምቲ ንኸይርሳዕ ኢልካ ኣብ መዝገብ እትጽሕፎ ኣይንምዝግቦን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ፈቃር ኣቦና ኽንመስሎ እያ እትድርኸና። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 26 ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ብቑዕ ምኽንያት ኪረክብ ከሎ ይቕረ ይብል እዩ። ይቕረ እንተ ደኣ ኢሉልና ይርስዖ እዩ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ መጻኢ ምእንቲ ኪቐጽዓና ኢሉ ነዚ ሓጢኣት እዚ ኣይዕቅቦን እዩ። የሆዋ ንዝበደልናዮ በደል ዘይምዝግቦ ምዃኑስ ከነማስወሉ ዚግብኣና ደይኰነን፧

20. ሓደ ሓው በደል ምስ ዚፍጽም እሞ ሕማቕ ምስ ዜጋጥሞ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

20 “ፍቕሪ . . . ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ።” ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል፡ “ፍቕሪ . . . ሰባት ብዝፈጸምዎ ሓጢኣት ባህ ኣይብላን” ይብል። ትርጉም ሞፋት ከኣ፡ “ፍቕሪ፡ ካልኦት ኪጋገዩ ኸለዉ ፈጺማ ኣይትሕጐስን እያ” ይብለና። ፍቕሪ ብዓመጻ ስለ ዘይትሕጐስ፡ ንዝዀነ ይኹን ዘይስነ ምግባራዊ ነገራት ኣቕሊልና ኣይንምልከቶን ኢና። ሓደ ሓው ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም እሞ ብሰንኩ ሕማቕ ምስ ዜጋጥሞ እንታይ ኢና እንገብር፧ ፍቕሪ ‘ጽቡቕ ደኣ ዀነ! ይግብኦ እዩ!’ ብምባል ከም እንሕጐስ ኣይትገብረናን እያ። (ምሳሌ 17:5) ይኹን እምበር፡ ሓደ እተጋገየ ሓው ካብ መንፈሳዊ ውድቀት ተንሲኡ ኣወንታዊ ስጕምቲ ኺወስድ ክንርእዮ ኸለና ንሕጐስ ኢና።

“ዝበለጸ መገዲ”

21-23. (ሀ) ጳውሎስ “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ (ለ) ኣብታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

21 “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” ጳውሎስ ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ካብቲ ሓሳባት ክንርድኦ ኸም እንኽእል ብዛዕባ እቲ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝነበረ ውህበት መንፈስ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ውህበት እዚ ኣምላኽ ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ እተመስረተት ጉባኤ ስምረቱ ኸም ዝሃባ ዜረጋግጽ ምልክት እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኬሕውዩ፡ ኪንበዩ፡ ወይ ብቛንቋታት ኪዛረቡ ዚኽእሉ ዅሎም ክርስትያናት እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ እቲ ተኣምራዊ ውህበት ኣብ መወዳእታ ኼቋርጽ ስለ ዝነበሮ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ክርስትያናት ኬማዕብልዎ ዚኽእሉ ዘየቋርጽ ነገር ግና ነይሩ እዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ተኣምራዊ ውህበት ሓለፍ ዝበለን ነባርን እዩ ነይሩ። አረ ጳውሎስሲ “ዝበለጸ መገዲ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎ ዘሎ። (1 ቈረንቶስ 12:31) እዚ “ዝበለጸ መገዲ” እዚ እንታይ እዩ፧ መገዲ ፍቕሪ እዩ።

22 እወ፡ እታ ጳውሎስ ዝገለጻ ክርስትያናዊት ፍቕሪ “ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” ክሳዕ ሕጂ እዛ ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእ እትግለጽ ሕውነታዊት ፍቕሪ፡ መለለዪት ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ እያ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኣብተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዋ ጉባኤታት ኣምለኽቲ የሆዋ ንርእያዶ የለናን፧ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም ስለ እተመባጽዓሎም እዛ ፍቕሪ እዚኣ ንዘለኣለም እትነብር ፍቕሪ እያ። (መዝሙር 37:9-11, 29) ስለዚ እምበኣር፡ ብዚከኣለና መጠን ‘ብፍቕሪ ንመላለስ።’ ከምዚ ብምግባር ካብ ምሃብ ዚርከብ ዝዓበየ ሓጐስ ክንረክብ ኢና። ብዝያዳ ድማ ንዘለኣለም ነቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ብምምሳል ብፍቕሪ ኽንነብር ኢና።

ህዝቢ የሆዋ በታ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ይልለዩ

23 ኣብዛ ብዛዕባ ፍቕሪ እትገልጽ ምዕራፍ፡ ንሓድሕድና ብኸመይ ክንፋቐር ከም ዘሎና ርኢና ኢና። ይኹን እምበር፡ ካብ ፍቕሪ የሆዋ ዀነ፡ ካብ ሓይሉን ፍትሑን ጥበቡን ብብዙሕ መገድታት እንጥቀም ብምዃንና፡ ‘ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዘፍቅሮ ብኸመይ እየ ኸርእዮ ዝኽእል፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንውከስ ግቡእ እዩ። እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብታ ናይ መደምደምታ ምዕራፍ ክንርእያ ኢና።

a ይኹን እምበር፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ንዅሉ ስለ እትኣምን፡ ብቐሊሉ ኽትታለል ትኽእል እያ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቶም . . . ፍልልይን መዐንቀፍን ዚፈጥሩ ኽትጥንቀቑሎም እምሕጸነኩም ኣለኹ፣ ካባታቶም ርሓቑ” ብምባል ይምዕደና።—ሮሜ 16:17።

ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት

  • 2 ቈረንቶስ 6:11-13 ልብና ጋህ ከነብል ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነዚ ምኽሪ እዚኸ ብኸመይ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል፧

  • 1 ጴጥሮስ 1:22 እዘን ቃላት እዚአን ንኣሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ልባውን ሓቀኛን ውዕዉዕን ኪኸውን ከም ዘለዎ ዚሕብራና ብኸመይ እየን፧

  • 1 ዮሃንስ 3:16-18 “ፍቕሪ ኣምላኽ” ኣባና ኸም እትነብር ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

  • 1 ዮሃንስ 4:7-11 ንኣሕዋትና ፍቕርና ኸነርእዮም ዚድርኸና ዝዓበየ ነገር እንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ