ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lr ምዕ. 40 ገጽ 207-211
  • ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እነሐጕሶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እነሐጕሶ፧
  • ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ክርክር እትው ኢኻ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
lr ምዕ. 40 ገጽ 207-211

ምዕራፍ 40

ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እነሐጕሶ፧

ንኣምላኽ ንኸነሐጕሶ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧ ገለ ነገር ክንህቦዶ ንኽእል ኢና፧⁠— የሆዋ ‘ኵሎም እንስሳ በረኻ ናተይ እዮም’ በለ። ወሲኹ እውን “ብሩር ናተይ እዩ: ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ” በለ። (መዝሙር 24:1፣ 50:10፣ ሃጌ 2:8) እንተዀነ ግን: ንኣምላኽ ክንህቦ እንኽእል ነገር ኣሎ። እንታይ ኢና ኽንህቦ እንኽእል፧⁠—

የሆዋ: ከነገልግሎ ወይ ከይነገልግሎ እቲ ምርጫ ኣባና እዩ ገዲፍዎ። ከምቲ ንሱ ዚደልየና ንኽንገብር ኣየገድደናን እዩ። ኣምላኽ ንኸነገልግሎ ወይ ንኸይነገልግሎ ኸም እንመርጽ ገይሩ ስለምንታይ ከም ዝፈጠረና ንምርዳእ ዚሕግዘና ሓሳባት እስከ ንርአ።

ሮቦት እንታይ ምዃኑ ምናልባት ትፈልጥ ትኸውን። እቲ ዝሰርሖ ሰብ ከም ዚደለዮ ገይሩ ኺቈጻጸሮ ዚኽእል መሳርሒ እዩ። ስለዚ: ሮቦት ምርጫ የብሉን። የሆዋ ንዅላትና ኸም ሮቦት ገይሩ ኺሰርሓና ይኽእል ነይሩ እዩ። ከምቲ ዚደልየና ጥራይ ክንገብር ከም እንኽእል ገይሩ ኺፈ​ጥረና ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ግን ከምኡ ኣይገበረን። ስለምንታይ ከምኡ ገይሩ ኸም ዘይፈጠረናስ ትፈልጥዶ፧⁠— ንኣብነት: ከም ሮቦት ኰይኑ ዚዓዪ መጻወቲ ንርአ። ነቲ ዘንቀሳቕሶ ነገር ምስ ጸቐጥካዮ እቲ መጻወቲ ኸምቲ እቲ ዝሰርሖ ሰብ ኪገብሮ ዚደለዮ ጥራይ እዩ ኺገብር ዚኽእል። ከምዚ ዓይነት መጻወቲ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧⁠— መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብሓደ ኸምቲ ሰራሒኡ ዝቐረጾ መገዲ ጌርካ ኽትቈጻጸሮ ብእትኽእል መጻወቲ ኺጻወቱ ኸለዉ ቐል​ጢፉ እዩ ዚምነዎም። የሆዋ ልክዕ ከምቲ ሮቦት ኴንና ኸነገልግሎ ኣይደልን እዩ። የግዳስ: ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸነገልግሎን ፈቲና ኽንእዘዞን እዩ ዚደልየና።

ሓደ ቘልዓ ንሓደ ሮቦት ንኸልቡ ዓጽሚ ኺህበሉ ይመርሖ

ኣምላኽ ከምዚ ሮቦት እዚ ገይሩ ዘይፈጠረና ስለምንታይ እዩ፧

ሰማያዊ ኣቦና ደሊና ወይ ፈቲና ኸነገልግሎ ኸለና እንታይ ዚስምዖ ይመስለካ፧⁠— ኣካይዳኻ ንወለድኻ ብኸመይ ከም ዚትንክፎም እስከ ንገረኒ።⁠— መጽሓፍ ቅዱስ “ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስ: ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ” ይብለና። (ምሳሌ 10:1) ኣቦኻን ኣዴኻን ክትገብሮ ዝነገሩኻ ነገር ክትገብር ከለኻ ኸም ዚሕጐሱስ ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧⁠— ትእዛዞም ከተፍርስ ከለኻ ግን እንታይ እዩ ዚስ​ምዖም፧⁠—

ክልተ ቘልዑ ኣብ ገመድ ክዳውንቲ ይሰጥሑ

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንየሆዋን ንወለድኻን ከተሐጕስ እትኽእል፧

ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና: የሆዋ: ንሕሰብ። ከመይ ጌርና ኸነሐጕሶ ኸም እንኽእል ነጊሩና ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስካ ኣብ ምሳሌ 27:11 እሞ ኣውጽእ። ኣምላኽ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ብምባል ይዛረበና ኣሎ። ምጽራፍ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ሓደ እናሰሓቐ: ‘ክገብሮ እኽእል እየ ዝበልካዮ ነገር እኳ ኽትገብር ዘይከኣልካ’ እናበለ ምስ ዜላግጸልካ ይጸርፈካ እዩ ዘሎ። ሰይጣን ንየሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ጸሪፍዎ፧⁠— እስከ ንርአ።

ኣብ ምዕራፍ 8 እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ሰይጣን ምርኡይ ኪኸውንን ምስትውዓል ዘለዎ ዅሉ ህያው ፍጡር ንዕኡ ኺእዘዞን ከም ዝደለየ ኣንቢብና ኔርና። ንሱ ሰባት ንየሆዋ ዜምልኽዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ስለ ዚህቦም ጥራይ እዩ በለ። ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ የሆዋ ኸም ዜፍርሱ ምስ ገበሮም ንኣምላኽ ተኸራኺርዎ እዩ። ‘ሰባት ዜገልግሉኻ: ካባኻ ጥቕሚ ስለ ዚረኽቡ ጥራይ እዮም። ዕድል ጥራይ ሃበኒ እሞ: ንዅሉ ሰብ ካባኻ ኸም ዚዓሉ ኽገብሮ እየ’ ድማ በሎ።

ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኤደን ገነት ይስጕጉ፡ ኣብ መእተዊ ኽልተ ኪሩቤልን ሃልሃል እትብል ሰይፍን

ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ፡ ሰይጣን ንየሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ እተቓወሞ፧

እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ተጠቒሰን ኣይርከባን እየን። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እዮብ ምስ እነንብብ ሰይጣን ንኣምላኽ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓሳባት ከም እተዛረቦ ነጺሩ ኣሎ። እዮብ ንየሆዋ እሙን ኪኸውን ድዩ ኣይከውንን: ንሰይጣን ይኹን ንኣምላኽ ብሓቂ ዜገድሶም እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ኣብ እዮብ ምዕራፍ 1ን 2ን እንታይ ከም ዜጋጠመ ንርአ።

ኣብ እዮብ ምዕራፍ 1 መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ምስ የሆዋ ኺራኸቡ ምስ መጹ: ሰይጣን ኣብኡ ኸም ዝነበረ ትነግረና። ስለዚ: የሆዋ ንሰይጣን “ካበይ መጺእካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሰይጣን ኪምልስ ከሎ: ኣብ ከባቢ ምድሪ ይጥምት ከም ዝነበረ ተዛረበ። ስለዚ: የሆዋ ‘እዮብ ከም ዜገልግለንን ክፉእ ከም ዘይገብርንሲ ኣስተብሂልካሉዶ፧’ ኢሉ ሓተቶ።​—⁠እዮብ 1:6-8

ሰይጣን ከኣ ሽዑ ንሽዑ: ‘እዮብ ዜገልግለካ ዘሎ ጸገም ዚበሃል ስለ ዘይብሉ ጥራይ እዩ። ዕቝባኻን በረኸትካን እንተደኣ ኣልጊስካሉ ኣብ ገጽካ ኪኽሕደካ እዩ’ ዚብል ምኽንያት ኣቕረበ። ስለዚ: የሆዋ ንሰይጣን: ‘ንእዮብ ከም ዝደለኻ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ: ንህይወቱ ግን ከይትጐድኦ’ ኢሉ መለሰሉ።​—⁠እዮብ 1:9-12

ሰይጣን እንታይ እዩ ገይሩ፧⁠— ኵለን ከብትን ኣእዱግን እዮብ ከም ዚስረቓ: እቶም ጓሶተን ከኣ ከም ዚቕተሉ ገበረ። እተን ኣባጊዕን ጓሶተንን ከኣ ብበርቂ ተወቕዑ። ጸኒሖም ከኣ ሰባት መጺኦም ነተን ኣግማል ሰረቕወን: ነቶም ጓሶተን ከኣ ቀተልዎም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሰይጣን ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኣንፈሰ እሞ ነታ እቶም ዓሰርተ ደቂ እዮብ ዝነበሩላ ገዛ ኣዕነዋ: ኵሎም ከኣ ሞቱ። እዮብ እዚ ዅሉ እኳ እንተ ወረዶ: ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ግን ኣየቋረጸን።​—⁠እዮብ 1:13-22

የሆዋ ንሰይጣን እንደገና ምስ ረኸቦ: ብዛዕባ እዮብ ገና እሙን ኰይኑ ጸኒዑ ኸም ዝነበረ ጠቐሰሉ። ሰይጣን ከኣ ‘ኣካላቱ ኺጐድኦ እንተደኣ ፈቒድካለይ ኣብ ገጽካ ኪኽሕደካ እዩ’ ኢሉ ኣመኻነየ። ስለዚ ድማ የሆዋ ንሰይጣን: ንእዮብ ኣካላቱ ኺጐድኦ ፈቐደሉ: ከይቀትሎ ግን ኣጠንቀቖ።

እዮብ ምሉእ ኣካላቱ ቝሲሉ፡ ሰበይቱ ድማ ትቃወሞ

እዮብ እንታይ እዩ እተጸመመ፧ ኣምላኽ በዚ እተሓጐሰኸ ስለምንታይ እዩ፧

ሰይጣን ንእዮብ ምሉእ ኣካላቱ ፎቝፎቝ ክሳዕ ዚብል ብቝስሊ ወቕዖ። ሕማቕ ጨና ስለ ዝነበሮ: ዋላ ሓደ ሰብ ኪቐርቦ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ሰበይቱ እውን ከይተረፈት “ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት” በለቶ። እቶም ፈተውቲ እዮብ መሲሎም ዚቐርቡ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ኪበጽሕዎ መጹ እሞ: እዚ ዅሉ መከራ እዚ ኺወርዶ ዝኸኣለ ኽፉእ ነገራት ገይሩ ኪኸውን ከም ዘለዎ ብምዝራብ ነቲ ዝነበሮ ስቓይ ኣጋደዱሉ። ሰይጣን ንእዮብ እዚ ዅሉ መከራን ስቓይን እኳ እንተ ኣውረደሉ: እዮብ ግን ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ኣገልገሎ።​—⁠እዮብ 2:1-13፣ 7:5፣ 19:13-20

የሆዋ በቲ እዮብ ዘርኣዮ ተኣማንነት እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧⁠— የሆዋ ንሰይጣን ‘ንእዮብ ርኣዮ! ፈትዩ እዩ ዜገልግለኒ’ ኺብሎ ስለ ዚኽእል ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ንስኻ ልክዕ ከም እዮብ ክትከውን: ማለት ሰይጣን ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ንምጥቃስ የሆዋ ዚጥቀመልካ ኽትከውን ምደለኻዶ፧⁠— ነቲ ሰይጣን ‘ንዅሎም ሰባት ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ከም ዜቋርጹ ኽገብሮም እኽእል እየ’ ብምባል ዘቕረቦ ኽሲ መልሲ ኽትህብ ፍሉይ መሰል እዩ። የሱስ መሰል ገይሩ ኸም ዝረኣዮ እተረጋገጸ እዩ።

እቲ ዓብዪ መምህር ንሰይጣን ግጉይ ነገራት ኪገብር ኣይፈቐደሉን። እቲ ዝገደፎ ኣብነት ነቦኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜሐጐሶ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ናብ የሱስ እናኣመልከተ ‘ንወደይ ርኣዮ! ስለ ዘፍቅረኒ: ፍጹም ተኣማንነት ኣርእዩ እዩ’ ኢሉ ንሰይጣን ኪምልሰሉ ይኽእል እዩ። የሱስ ንባዕሉ እውን ንልቢ ኣቦኡ ስለ ዘሐጐሰ ኽሳዕ ክንደይ ተሓጒሱ ኪኸውን ከም ዘለዎ ሕሰብ። እዚ ሓጐስ እዚ ስለ ዝነበሮ እኳ ኣብ ዕንጨይቲ ኽሳዕ ዚመውት ተዓጊሱ እዩ።​—⁠እብራውያን 12:2

ንስኻኸ ነቲ ዓብዪ መምህርና ብምምሳል ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕሶ ትደሊዶ፧⁠— እምበኣር: የሆዋ እንታይ ክትገብር ከም ዚደልየካ ተምሃር: ነቲ እተመሃርካዮ ብምፍጻም ከኣ ኣሐጕሶ።

የሱስ ንኣምላኽ ንምሕጓስ እንታይ ከም ዝገበረ: ንሕናውን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ ምሳሌ 23:22-25፣ ዮሃንስ 5:30፣ 6:38፣ 8:28፣ ከምኡውን 2 ዮሃንስ 4 ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ