ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lr ምዕ. 47 ገጽ 244-249
  • ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበት ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበት ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧
  • ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ትንቢት ተነበየ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • “መወዳእታ ዓለም” ቀሪቡ ኢዩ!
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንህላወ የሱስ ዚሕብር ምልክት ተለልዮ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
lr ምዕ. 47 ገጽ 244-249

ምዕራፍ 47

ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበት ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ምልክት እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጥዶ፧⁠— ኣብ ምዕራፍ 46 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓለም እንደገና ብማይ ፈጺሙ ኸም ዘየጥፍኣ ንምሕባር ዝሃበና ምልክት ኣንቢብና ኔርና። ሃዋርያት እውን የሱስ መዓስ ከም ዚምለስን መወዳእታ ዓለም ወይ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዚቐርበሉ ግዜ ኸኣ መዓስ ምዃኑን ዚፈልጡሉ ምልክት ኪወሃቦም ሓቲቶም ነይሮም እዮም።​—⁠ማቴዎስ 24:3

የሱስ ኣብ ሰማይ ስለ ዘይርአ: ኪገዝእ ከም ዝጀመረ ዚሕብር ሰባት ዚርእይዎ ምልክት ኣድለየ። ስለዚ: የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኺዕዘብዎ ዘለዎም ነገራት ነገሮም። እዚ ነገራት እዚ ኺፍጸም ከሎ: ከም እተመልሰን ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከም ዝጀመረን እዩ ዚሕብር።

የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ንቑሓት ኰይኖም ምጽናሖም ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንኺምህሮም ኢሉ ኸምዚ በሎም:- “ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርአዩ። ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም: ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።” ክረምቲ ምቕራቡ ኸመይ ጌርካ ኸም እትፈልጥ ኣይጠፍኣካን እዩ። እቲ የሱስ እተዛረቦ ነገራት ኪፍጸም ምስ ርአኻ ኸኣ: ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበት ክትፈልጥ ትኽእል።​—⁠ሉቃስ 21:29, 30

የሱስ ጨንፈር ሓንቲ ጠጥዒ በለስ ሒዙ

የሱስ ብዛዕባ ኦም በለስ ኪዛረብ ከሎ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧

ኣብዛ ገጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን: እቲ የሱስ እተዛረቦ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበት ዚሕብር ነገራት ብስእሊ ቐሪቡ ኣሎ። እዚ ዅሉ ምስ ተፈጸመ ኸኣ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 46 ዘንበብናዮ: እታ ክርስቶስ ገዛኢኣ ዝዀነ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን መንግስታት ክትጭፍልቐን እያ።

ስለዚ: ነዘን ስእልታት ዝሓዛ ኽልተ ገጻት ተጠንቂቕካ ርኣየን እሞ ብዛዕባኡ ኽንዘራረብ ኢና። ኣብ ማቴዎስ 24:6-14 ከምኡውን ሉቃስ 21:9-11 ኣብዚ ስእልታት እዚ እንታይ ክትርኢ ኸም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስእሊ ዘሎ ንእሽቶ ቝጽሪ እውን ኣስተብህለሉ። እዚ ቝጽርታት እዚ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ነዚ ስእሊ እዚ ዚገልጽ ሕጡብ ጽሑፋት እውን ይርከብ እዩ። እቲ እተፈላለየ ኽፍልታት ዜጠቓልል የሱስ እተዛረቦ ምልክት ሎሚ ይፍጸም እንተደኣ ኣልዩ እስከ ንርአ።

ሓደ ወዲ ይዋጋእ፡ ብጥሜት እተወድአ ሓደ ቘልዓ፡ ሓሚማ ዝደቐሰት ሓንቲ ቘልዓ

(1) የሱስ “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። . . . ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ” በለ። ብዛዕባ ውግእ ዚገልጽ ዜና ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧⁠— ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ 1914 ክሳዕ 1918 እዩ ተኻይዱ: ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ካብ 1939 ክሳዕ 1945 ተኻየደ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ውግኣት ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ! ሎሚ ኣብ ምሉእ ዓለም እተፈላለየ ውግኣት ኣሎ። መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ተለቪዥን: ረድዮ: ጋዜጣ ብዛዕባ ውግእ ንሰምዕ ወይ ነንብብ ኢና።

(2) የሱስ “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ” እውን ኢሉ እዩ። ከም እትፈልጦ: እኹል ዚብላዕ ምግቢ ዚረክብ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። እኹል ምግቢ ብዘ⁠ይምርካቦም መዓልቲ መዓልቲ በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ይሞቱ እዮም።

(3) የሱስ ወሲኹ ‘ኣብ በቦታኡ ፌራ ኪኸውን እዩ’ በለ። ፌራ እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ንብዙሓት ሰባት ዚቐትል ሕማም እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 20 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ዝቐተለ ፌራ: ናይ ስጳኛ እንፍልወንዛ ይበሃል። ኣብዚ ግዜና ኻብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ብአይድስ ይሞቱ ኣለዉ። ዓመት ዓመት በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ዚቐትል ከም እኒ ሕማም መንሽሮን ሕማም ልብን ዝኣመሰለ ኻልእ ሕማማት እውን ኣሎ።

(4) የሱስ ‘ኣብ በቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ’ ብምባል ካልእ ክፍሊ እቲ ምልክት እውን ሂቡና ኣሎ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነቲ ረጊጽካዮ ዘለኻ መሬት ከም ዜንቀጥቅጥ ዚገብር ሓይሊ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኣባይቲ ይፈርስ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ሰባት ይሞቱ እዮም። ካብ 1914 ጀሚሩ ዓመት ዓመት ብዙሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኼጋጥም ጸኒሑ እዩ። ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧⁠—

ሰባት ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይሃድሙ

(5) የሱስ ካልእ ክፍሊ እቲ ምልክት ‘ዓመጻ እናበዝሐ ኪኸይድ’ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ሎሚ ብዙሕ ስርቅን ዓመጻን ዚርአ ዘሎ። ኣብ ኵሉ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ገዛኦም ከይዝረፍ ይፈርሁ እዮም። ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ከም ሎሚ ገይሩ ገበንን ዓመጻን በዚሑ ኣይፈልጥን እዩ።

(6) የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ እቲ ምልክት ነጊሩና ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ነዚ “ወንጌል” ወይ ብስራት እዚ ትኣምነሉ እንተደኣ ዄንካ: ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባኡ ኽትነግሮም ኣሎካ። በዚ ድማ: እዚ ኽፍሊ ናይዚ ምልክት እዚ ኺፍጸም ከሎ ንስኻውን ትካፈል ኣሎኻ ማለት እዩ።

ሓደ ቘልዓ ግዳይ ዓመጻ ይኸውን ደሓር ግና ብስራት መንግስቲ ኣምላክ ይሰብኽ

ገሊኦም ሰባት እቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ነገራት ኵሉ ሳዕ ዚፍጸም ነገር እዩ: ይብሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ቅድሚ ሕጂ እዚ ነገራት እዚ ብምሉኡ: ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም እሞ ኸኣ ብሓንሳእ ከቶ ተፈጺሙ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ: እቲ ምልክት እንታይ ማለት ምዃኑስ ሕጂ ተረዲኡካዶ፧⁠— እዚ ዅሉ ነገራት እዚ ኺፍጸም ክንርኢ ኸለና: እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ብናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክትትካእ ምዃና ዚሕብር እዩ።

የሱስ ነዚ ምልክት እዚ ኺህብ ከሎ: ብዛዕባ ኣብ ዓመት ዚርአ ፍሉይ ወቕቲ ተዛሪቡ ኣሎ። “እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ . . . ከይከውንሲ ለምኑ” በለ። (ማቴዎስ 24:20) ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ ይመስለካ፧⁠—

ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ኽረምቲ ማለት ንኽትጐዓዝ ኣሸጋሪ ወይ ሓደገኛ ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት ኣየር: ካብ ሓደ ባህርያዊ ሓደጋ ኺሃድም እንተ ዚግደድ እንታይ እዩ ኼጋጥሞ ዚኽእል፧⁠— ኸም ገለ ገይሩ ኺሃድም እንተደኣ ኽኢሉ: ብዙሕ ሽግራት እዩ ዜጋጥሞ። ሓደ ሰብ ብስራሕ ትሑዝ ብምንባሩ እሞ ኣቐድም ኣቢሉ ጕዕዞኡ ኺጅምር ብዘ⁠ይምኽኣሉ: ብሰንኪ ብርቱዕ ሃጽፊ እንተ ዚመውት ዜሕዝንዶ ኣይምዀነን፧⁠—

ሰባት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣየር ካብ የሩሳሌም ይሃድሙ

የሱስ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ኽረምቲ ምህዳም ኪዛረብ ከሎ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧

ነቲ የሱስ ንምህዳም ክሳዕ ክረምቲ ምጽባይ ከም ዘየድሊ ብምዝራብ ኬመሓላልፎ ዝደለየ ቐንዲ ሓሳባት ተረዲኡካዶ፧⁠— ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበት ስለ እንፈልጥ: ንኣምላኽ ብምግልጋል ከም እነፍቅሮ ዜርኢ ስጕምቲ ንምውሳድ ክንድንጒ ከም ዘይብልና እዩ ዚነግር ነይሩ። እንተደኣ ደንጒና: ንየሆዋ እነገልግለሉ ኣጋጣሚ ኣይኪህልወናን እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቶም ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ኖህ ኪዛረቦም ከሎ ዝሰምዕዎ: ኣብታ መርከብ ግን ዘይኣተዉ ሰባት ንኸውን።

ቀጺልና: እቲ ዓብዪ ውግእ ኣርማጌዶን ምስ ተዛዘመ: ድሕሪኡ እንታይ ከም ዚኸውን እስከ ንዘራረብ። ኣምላኽ: ነቶም ሕጂ ንዕኡ እነፍቅሮን እነገልግሎን ዘለና ዅልና እንታይ ኣዳልዩልና ኸም ዘሎ ኽንመሃር ኢና።

ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበት ዚሕብር ተወሳኺ ጥቕስታት እንሆ:- 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ከምኡውን 2 ጴጥሮስ 3:3, 4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ