ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lv ገጽ 215-ገጽ 218 ሕ.ጽ. 2
  • ክፋላት ደምን ኣገባባት መጥባሕትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክፋላት ደምን ኣገባባት መጥባሕትን
  • “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • በቲ ህያው ኣምላኽ ተመራሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
lv ገጽ 215-ገጽ 218 ሕ.ጽ. 2

መመላእታ ጽሑፍ

ክፋላት ደምን ኣገባባት መጥባሕትን

ክፋላት ደም። ክፋላት ደም ካብ ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ከምኡውን ፕላዝማ ዚበሃል ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም እዩ ዚርከብ። ንኣብነት: ኣብ ቀያሕቲ ዋህዮታት: ፕሮቲን ሄሞግሎቢን ኣሎ። ካብ ናይ ሰብ ወይ እንስሳ ሄሞግሎቢን እተሰርሐ ፍርያት: ነቶም ከቢድ ዋሕዲ ደም ወይ ብዙሕ ምፍሳስ ደም ዘጋጠሞም ሰባት ንምሕካም ኣገልጊሉ ኣሎ።

እቲ 90 ሚእታዊት ትሕዝቶኡ ማይ ዝዀነ ፕላዝማ: ብዙሕ ሆርሞናት: ጨው: ኤንዛይም: ማዕድንን ሽኮርን: ከምኡውን ካልእ ንጥረ-ነገራት ዝሓዘ እዩ። ብተወሳኺ እውን: ፕላዝማ ኸም ክሎቲን ፋክተርስ (ደም ከም ዚረግእ ዚገብር ረቛሒ): ሕማም ዚከላኸል ጸረ-ኣካል: ከምኡውን ከም ኣልቡሚን ዝኣመሰለ ፕሮቲናት ኣለዎ። ሓደ ሰብ ንገሊኡ ዓይነት ሕማማት እተቓልዐ እንተ ዀይኑ: ሓካይም ካብ ፕላዝማ እቶም ነቲ ሕማም እቲ ተጻዋርነት ዘለዎም ሰባት ዝወጸ ጋማ ግሎቢሊን ዚበሃል መድሃኒት ይእዝዙ ይዀኑ። ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ነቲ ብቫይረስ ዚመጽእ ረኽስን ንሕማም መንሽሮን ንምሕካም ዜገልግል ኢንተርፊርዮን ከምኡውን ኢንተርሊኪን ዚበሃል ነገራት ምንጪ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ክርስትያናት ብኽፋላት ደም ንዚወሃብ ሕክምና ኪቕበሉ ግቡእ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ደቀቕቲ ዝርዝራት ኣይህብን እዩ: ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሕልናኡ ኺውስን ኣለዎ። ገሊኦም ክርስትያናት ኣብቲ ኻብ ፍጡር ዝወጸ ደም ‘ናብ ምድሪ ኺፈስስ’ ዚእዝዝ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ኣምላኽ ተመርኲሶም: ኵሉ ኽፋላት ደም ኣይቅበሉን እዮም። (ዘዳግም 12:22-24) ገሊኦም ከኣ ምምሕልላፍ ምሉእ ደም ወይ ቀንዲ ተዋጽኦታቱ ዘይቅበሉ ኪዀኑ ኸለዉ: ብኽፋላት ደም ንዚግበር ሕክምና ግን ይቕበሉ ይዀኑ። እቲ ኻብ ደም ዝወጸ ኽፋላት ንህይወት እቲ ኻብቲ ደሙ እተወስደሉ ፍጡር ዜመልክት ከም ዘይኰነ እዩ ዚርድኦም።

ብዛዕባ ኽፋላት ደም ውሳነታት ክትገብር ከለኻ: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ:- ‘ንዅሉ ኽፋላት ደም ዘይምቕባለይ ንኸም እኒ ምስ ቫይረሳትን ሕማማትን ዚቃለስ ወይ ድማ መድመይቲ ደው ዜብል ገሊኡ ኣገባባት ሕክምና ኸም ዘይቅበል ዜርኢ ማለት ምዃኑ ተረዲኤዮዶ ኣለኹ፧ ንገሊኡ ኽፋላት ደም ዝነጽገሉ ወይ ዝቕበለሉ ምኽንያት ንሓኪመይ ክገልጸሉ እኽእል ድየ፧’

ኣገባባት መጥባሕቲ። እዚ ኣገባባት እዚ ሄሞዳይሉሽንን ሰል ሳልቨጅን የጠቓልል። ኣብ ሄሞዳይሉሽን: ደም ናብ መትሓዚታት ከም ዜላግስ ተገይሩ: መጠን ብዜባዝሕ ፈሳሲ ይትካእ: ጸኒሑ እቲ ደም ናብቲ ሕሙም ይምለሰሉ። ሰል ሳልቨጅ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ንዚፈስስ ደም ወሲዱ ናብቲ ሕሙም ይመልሰሉ። ካብቲ እተጐድአ ወይ እተበስዐ ኣካል እተወስደ ደም: ተሓጺቡ ወይ ተጻርዩ ናብቲ ሕሙም ይምለስ። እዚ ኣገባባት እዚ ዚጥቀመሉ ሜላታት ካብ ሓኪም ናብ ሓኪም ኪፈላለ ስለ ዚኽእል: ሓደ ክርስትያን: እቲ ሓኪሙ እንታይ ኪገብር ከም ዝሓሰበ ኺፈልጥ ኣለዎ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ: ንርእስኻ እዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ሕተት:- ‘ገለ ኻብ ደመይ ካብ ኣካለይ ከም ዚወጽእ ተገይሩ እቲ ዑደቱ ዋላ ንሓንሳእ ደው ዚብል እንተ ዀይኑ: ብሕልናይ ነዚ ደም እዚ ኸም ክፍሊ ኣካላተይ ገይረ ብምርኣይ: በቲ “ናብ ምድሪ ኣፍስሶ” ዚብል ስርዓት ከም ዘይቅየድ ይገብረኒ ድዩ፧ (ዘዳግም 12:23, 24) መርመራ ወይ ሕክምና ኽገብር ከለኹ ደመይ ተወሲዱ ገለ ምትዕርራይ ተገይሩሉ ናብ ኣካለይ ምስ ዚምለስ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ ሕርኽርኽ ይብሎ ድዩ፧ ብደመይ ንዚግበር ኵሉ ኣገባባት ሕክምና ኽነጽግ ከለኹ: ናይ ደም መርመራ: ሄሞዳያሊሲስ: ወይ ማሽን ልቢ-ሳንቡእ ዚበሃል ኣገባባት ሕክምና ምንጻግ ማለት እውን ምዃኑ ተረዲአዮዶ ኣለኹ፧’

ኣብ ገጽ 216 ዘሎ ሰሌዳ

ሓደ ክርስትያን ኣብ ኣገባባት መጥባሕቲ ደሙ ብኸመይ ኪተሓዝ ከም ዘለዎ ባዕሉ ኺውስን ኣለዎ። ንሕክምናዊ መርመራታት ከምኡውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዚግበር ዘሎ እተወሰነ ደም ወሲዶም ገለ ምትዕርራይ ገይሮም ናብቲ ሰብ ምምላስ ዜጠቓልል ኣገባባት ሕክምና ብዚምልከት እውን ተመሳሳሊ ስርዓት ይዓዪ እዩ።

ንሓኪምካ ኽትሓቶ እትኽእል ሕቶታት

ካብ ደም እተሰርሐ ዓይነት ፍርያት ክትጥቀም ዚሓትት ዓይነት መጥባሕቲ ወይ ሕክምና እንተ ኣጋጢሙካ: መምርሒታት ክንክን ጥዕና (መ.ክ.ጥ.) ሒዝካ ምህላውካን ካብ ምምሕልላፍ ደም ኪከላኸለልካ ዚኽእል ኣድላዪ ስጕምትታት ምውሳድካን ኣረጋግጽ። ብተወሳኺ: ንሓኪምካ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ:-

  • ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚታት: ዝዀነ ዓይነት ደም ምምሕልላፍ ከም ዘይፈቅድ (ማለት ምሉእ ደም: ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ወይ ናይ ደም ፕላዝማ ከም ዘይፈቅድ) ኵሎም ኣብዚ ሕክምና እዚ እቱዋት ዚዀኑ ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ይፈልጡ ድዮም፧

  • ክፋላት ደም ዝሓዘ መድሃኒት እንተ ተኣዚዙለይ: ብምንታይ እዩ ተሰሪሑ፧ ካብዚ መድሃኒት ክንደይ ዚኣክል እዩ ኺወሃበኒ፧ ብኸመይ ኣገባብከ፧

  • ሕልናይ ነዚ ኽፋል ደም ክቕበል እንተ ፈቒዱለይ: እንታይ ሕክምናዊ ሓደጋታት ኣለዎ፧ እንታይ ኣማራጺ ሕክምናታትከ ኣሎ፧

ኣብዚ ጕዳያት እዚ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ: ዘተሓሳሰበካ ነገር ንየሆዋ ብጸሎት ንገሮ። ንሱ ንዅሎም እቶም ብእምነት ‘ዚልምንዎ’ ዜድልዮም ጥበብ ከም ዚህቦም ተመባጺዑልና ኣሎ።—ያእቆብ 1:5, 6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ