3ይ ክፋል
ዕርክነት
ዕርክነት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድሰካ፧
□ ኣየገድሰንን
□ ብመጠኑ የገድሰኒ
□ ኣጸቢቑ የገድሰኒ
ብቐሊሉ ኽትተዓራረኽ ትኽእል ዲኻ፧
□ እወ
□ ኣይፋል
ትኽ ትንፋስ ዝዀነ ዓርኪ ኣሎካዶ፧
□ እወ
□ ኣይፋል
ዓርክኻ ብፍላይ ኪህልዎ እትደልዮ ባህርይ እንታይ እዩ፧ ․․․․․
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ይብል። (ምሳሌ 17:17) ከምዚ ዓይነት ፈታዊ እዩ ዜድልየካ! ዕርክነት ምምስራት ግን ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ነባሪ ምግባሩ እሞ ኸኣ ዝጸንከረ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይ ጌርካ ደኣ ኢኻ እሞ ብሉጽ ዓይነት ዕርክነት ክትምስርትን ክትዕቅብን እትኽእል፧ ኣብ ምዕራፍ 9-12 ዚርከብ ምኽሪ ርአ።
[ኣብ ገጽ 84, 85 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]