7ይ ክፋል
ስምዒታትካ
ካብዚ ዚስዕብ ስምዒታት፡ ኣየናይ እዩ ልዕሊ ዅሉ ዚስምዓካ፧
□ ቍጥዓይ ምቍጽጻር የጸግመኒ።
□ ኣይረብሕን እየ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር ብግቡእ ከሳልጥ ኣይክእልን እየ።
□ ብሓዘን ተዋሒጠ እየ ዝነብር። ሓጐስ ዚበሃል የብለይን።
□ ንጾታዊ ሓሳባት ካብ ኣእምሮይ ከርሕቖ ኣይከኣልኩን።
□ ሓድሓደ ግዜ ኸም ናተይ ዓይነት ጾታ ብዘለዎም ሰባት እሰሓብ።
ሓደ ኻብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስምዒታት ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ! ስምዒታትካ ኣብ ክንዲ ዚቈጻጸረካ፡ ንስኻ ንስምዒታትካ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ኸም እትኽእል ኣብ ምዕራፍ 26-29 ክትመሃር ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 216, 217 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]