ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 12 ገጽ 93-99
  • “ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 14:1-7)
  • “ናብቲ . . . ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና” (ግብሪ ሃዋርያት 14:8-19)
  • “ናብ . . . የሆዋ ኣማዕቈብዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 14:20-28)
  • በርናባስ “ወዲ ምጽንናዕ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • “ብሓጐስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “ነተን ጉባኤታት እናኣበራትዐ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ክርስትና ናብ ብዙሓት ኣህዛብ ተዘርግሐ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 12 ገጽ 93-99

ምዕራፍ 12

“ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ”

ጳውሎስን በርናባስን ዘርኣይዎ ትሕትናን ጽንዓትን ትብዓትን

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 14:1-28 እተመስረተ

1, 2. ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ልስጥራ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እንታይ ተኸታታሊ ፍጻመታት እዩ እተኸስተ፧

ኣብ ልስጥራ ሕንፍሽፍሽ ኰነ። ክልተ ኣጋይሽ ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ኣእጋሩ ዝለመሰ ሰብኣይ ምስ ኣሕወይዎ፡ ንሱ ብሓጐስ ተሰራሰረ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣዝዮም ስለ እተደነቑ፡ እቶም ክልተ ሰብኡት ኣማልኽቲ ዝዀኑ መሰልዎም። ሓደ ኻህን ከኣ ነቶም ሰብኡት ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ኣምጸኣሎም። ነቶም ኣብዑር ድማ ኪሓርዶም ፈተነ። ጳውሎስን በርናባስን ነቲ ዚግበር ዝነበረ ነገራት ዓው ኢሎም ተቓወምዎ። ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ ብኽንደይ ገድሊ ድማ ከየምልኽዎም ከልከልዎም።

2 ድሕሪኡ፡ ተጻረርቲ ኣይሁድ ካብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ብመርዛም ቃላት ገይሮም ድማ ንኣእምሮ ሰብ ልስጥራ መረዝዎ። እቶም ንጳውሎስ ኬምልኽዎ ደልዮም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ኣረኣእያኦም ቀዪሮም ክሳዕ ውኖኡ ዜጥፍእ ብእምኒ ጨፍጨፍዎ። ተሃኖም ምስ ወጸሎም፡ ዝሞተ መሲልዎም ጐቲቶም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ደርበይዎ።

3. ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

3 ናብዚ ዜደንቕ ፍጻመ እዚ ዝመርሐ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ኣወጅቲ እቲ ብስራት፡ ካብቲ በርናባስን ጳውሎስን እቶም ተለዋወጥቲ ሰብ ልስጥራን እተሳተፉሉ ፍጻመ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧ ክርስትያን ሽማግለታትከ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ብየሆዋ “ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ” ኣብ ኣገልግሎቶም ብምጽናዕ ዝሓደግዎ ኣብነት ብኸመይ ኪቐድሕዎ ይኽእሉ፧—ግብ. 14:3።

“ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 14:1-7)

4, 5. ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኢቆንዩም ዝኸዱ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብኡኸ እንታይ ኰነ፧

4 ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ ተጻረርቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ሽግር ምስ ፈጠሩ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካብታ ኣብ ትሕቲ ሮሜ እትመሓደር ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ተባረሩ። በዚ ኣብ ክንዲ ዚደሃሉ ግና፡ ነቶም ዘይሰምዑ ተቐማጦ እታ ኸተማ “ደሮና ኣእጋሮም ነጊፎምሎም . . . ከዱ።” (ግብ. 13:50-52፣ ማቴ. 10:14) ጳውሎስን በርናባስን ነቶም ብተግባራቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ዝዀኑ ተጻረርቲ ሓዲጎምዎም ብሰላም ከዱ። (ግብ. 18:5, 6፣ 20:26) እቲ ዘጋጠሞም ነገር ንሓጐሶም ኣይነከዮን፣ የግዳስ፡ እናተሓጐሱ ንስብከት ዚገብርዎ ጕዕዞ ቐጸሉ። ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቢሎም 150 ኪሎ ሜተር ዚኣከል ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ መንጎ ቶረስን ሱልጣንን ዚብሃል ሰንሰለት ኣኽራን ዚርከብ ፍርያም ከበሳ በጽሑ።

5 ኣብ ፈለማ፡ ጳውሎስን በርናባስን ኣብታ ሓንቲ ኻብተን ብሮማውያን እትመሓደር ገላትያ ዚርከባ ኣገደስቲ ኸተማታት ዝዀነት ባህሊ ግሪኽ ዝዓብለላ ኢቆንዩም ኪጸንሑ ሓሰቡ።a ኣብዛ ኸተማ እዚኣ፡ ሓያል ጽልዋ ዝነበሮም ኣይሁድን ብዙሓት ጵሮሴሊታትን ይነብሩ ነበሩ። ጳውሎስን በርናባስን ከም ልማዶም፡ ናብ ምኵራብ ኣትዮም ኪሰብኩ ጀመሩ። (ግብ. 13:5, 14) “ጽቡቕ ገይሮም ብምዝራቦም [ከኣ]፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ።”—ግብ. 14:1።

ኢቆንዩም—ከተማ ፍርግያውያን

ኢቆንዩም እኹል ማይ ኣብ ዚርከቦ ስቡሕ ከበሳ እያ ተደኲና። እታ ኸተማ ኣብ መንጎ እቲ ንሶርያ ምስ ሮሜን ምስ ግሪኽን ምስታ ኣብ ትሕቲ ሮሜ እትመሓደር እስያን ዜራኽብ ዝነበረ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ትርከብ ነበረት።

ኣብ ኢቆንዩም እታ ሲብሊ እትብሃል ኣምላኽ ፍርያምነት ፍርግያውያን ትምለኽ ነበረት፣ ኣብቲ ኣምልኾኦም ከኣ ካብ ግሪኻውያን ዝወሰድዎ ነገራት ነይርዎም እዩ። ብ65 ቅ.ክ. እታ ኸተማ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሮማውያን ኣተወት፣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ከኣ፡ ዓባይን ብልጽግትን ማእከል ንግድን ሕርሻን ኰይና ነበረት። ሓያል ጽልዋ ዝነበሮም ኣይሁድ ኣብታ ኸተማ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ባህሊ ግሪኽ ግና ዓብላሊ እዩ ነይሩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት፡ ኣብታ ኸተማ ኣይሁድን “ግሪኻውያንን” ምንባሮም ተጠቒሱ ኣሎ።—ግብ. 14:1።

ኢቆንዩም ኣብ ዶብ እተን ሊቃኦንያን ፍርግያን ዚብሃላ ኣብ ውሽጢ ገላትያ ዚርከባ ዞባታት እያ ነይራ። ሲሰሮን ስትራቦን ዚርከብዎም ገሊኦም ጥንታውያን ጸሓፍቲ፡ ንኢቆንዩም ከተማ ሊቃኦንያ ኢሎም ጸዊዖምዋ ኣለዉ፣ ብጂኦግራፍያዊ ዓይኒ ኽትርአ ኸላ ኸኣ፡ እታ ኸተማ ኣብ ሊቃኦንያ እያ እትርከብ። ጸብጻብ ግብሪ ሃዋርያት ግና፡ ንኢቆንዩም ካብታ “ቛንቋ ሊቃኦንያ” ዚዝረበላ ዞባ ሊቃኦንያ ፈልዩ እዩ ዚጠቕሳ። (ግብ. 14:1-6, 11) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ሓያስያን ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ልክዕነት ከም ዘይሓለወት ገይሮም ነቒፎምዋ እዮም። ብ1910 ግና፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ድሕሪ እቲ ጳውሎስን በርናባስን ዝገበርዎ ምብጻሕ ንኽልተ ዘመን ዚኣክል ኣብ ኢቆንዩም ቋንቋ ፍርግያውያን ይዝውተር ከም ዝነበረ ዚሕብር ጽሑፋት ረኸቡ። ስለዚ፡ ጸሓፊ ግብሪ ሃዋርያት ንኢቆንዩም ካብ ከተማታት ሊቃኦንያ ፈልዩ ምጽሓፉ፡ ኣይተጋገየን።

6. ጳውሎስን በርናባስን ውጽኢታውያን መምህራን ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ብኸመይከ ኽንመስሎም ንኽእል፧

6 ጳውሎስን በርናባስን እተዛረቡሉ መገዲ ውጽኢታዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥበብ መሊእዎ ነበረ። ካብ ታሪኽን ትንቢትን ሕጊ ሙሴን ብውሕሉል መገዲ እናጠቐሰ፡ የሱስ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ምዃኑ የረድእ ነበረ። (ግብ. 13:15-31፣ 26:22, 23) በርናባስ ድማ ብሰባት ዚግደስ ምዃኑ የርኢ ነበረ። (ግብ. 4:36, 37፣ 9:27፣ 11:23, 24) ክልቲኦም ኣብ ልቦናኦም ኣይተጸግዑን፣ የግዳስ፡ “ብስልጣን . . . የሆዋ” ተዛረቡ። ኣብ ንጥፈታት ስብከትካ፡ ነዞም ሚስዮናውያን እዚኦም ብኸመይ ክትመስሎም ትኽእል፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ክትመስሎም ትኽእል ኢኻ፦ ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ፍለጦ። ንሰማዕትኻ ኺስሕቦም ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሕረ። ነቶም እትሰብከሎም ሰባት ኬጸናንዖም ዚኽእል ግብራዊ መገድታት ኣናዲ። ኵሉ ሳዕ ድማ ትምህርትኻ ኣብ ናትካ ጥበብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃል የሆዋ ኸም ዚምርኰስ ግበር።

7. (ሀ) እቲ ብስራት እንታይ ኬፍሪ ይኽእል፧ (ለ) ነቲ ብስራት እዙዝ ብምዃንካ ኣብ ስድራ ቤትካ ምክፍፋል እንተ ተፈጢሩ፡ እንታይ ክትዝክር ኣሎካ፧

7 ይኹን እምበር፡ ኵሎም እቶም ኣብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ሰባት ኣይኰኑን በቲ ጳውሎስን በርናባስን እተዛረብዎ ዘረባ እተሓጐሱ። ቀጺሉ ሉቃስ ኣብ ጸብጻቡ፡ “እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣህዛብ፡ ኣብቶም ኣሕዋት ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም” በለ። ጳውሎስን በርናባስን ኣብቲ ቦታ ኺጸንሑን ነቲ ብስራት ኪጣበቑሉን ከም ዜድሊ ኣስተውዓሉ፣ ስለዚ፡ “ብትብዓት እናተዛረቡ፡ ነዊሕ ግዜ ጸንሑ።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ህዝቢ እታ ኸተማ ግና ተመቕሉ፣ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ።” (ግብ. 14:2-4) ሎሚ፡ እቲ ብስራት ተመሳሳሊ ነገር የፍሪ እዩ። ንገሊኦም ሓድነት ኬምጽኣሎም ከሎ፡ ንገሊኦም ከኣ ይኸፋፍሎም እዩ። (ማቴ. 10:34-36) ነቲ ብስራት እዙዝ ብምዃንካ ኣብ ስድራ ቤትካ ምክፍፋል እንተ ተፈጢሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት መሰረት ዘይብሉ በላበለው ወይ ዓይኒ ዘውጽአ ዜካፍእ ወረ ሰሚዖም ከም ዚጻረሩና ኣይትረስዕ። ሰናይ ግብርኻ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኼረጋግጸሎምን ውዒሉ ሓዲሩ ንልቦም ኬለስልሶን ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 2:12፣ 3:1, 2።

8. ጳውሎስን በርናባስን ካብ ኢቆንዩም ዝወጹ ስለምንታይ እዮም፧ ካብ ኣብነቶምከ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

8 ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ኣብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ተጻረርቲ ንጳውሎስን ንበርናባስን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎም ውዲት ኣለሙ። እዞም ክልተ ሚስዮናውያን እዚኦም ነዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ካልእ ዚምስክሩሉ ኽሊ ኪኸዱ ወሰኑ። (ግብ. 14:5-7) ሎሚ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ብምስትውዓል እዮም ዚመላለሱ። ኣፋዊ መጥቃዕቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብትብዓት ንዛረብ ኢና። (ፊል. 1:7፣ 1 ጴጥ. 3:13-15) እቲ ነገር ናብ ጐነጽ ኬምርሕ ከሎ ግና፡ ንህይወትናን ንህይወት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገር ኣይንገብርን ኢና።—ምሳ. 22:3።

“ናብቲ . . . ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና” (ግብሪ ሃዋርያት 14:8-19)

9, 10. ልስጥራ ኣበይ እያ እትርከብ ነይራ፧ ብዛዕባ ተቐማጦኣኸ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

9 ጳውሎስን በርናባስን ናብታ ብደቡባዊ ምዕራብ ኢቆንዩም 30 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ብቐጥታ ብሮማውያን እትመሓደር ልስጥራ ኸዱ። ልስጥራ ምስ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ስጡም ርክብ እኳ እንተ ነበራ፡ ከም ኣንጾክያ ግና ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ኣይነበርዋን። እቶም ተቐማጦ ግሪኽኛ ዚኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ቋንቋ ኣዲኦም ግና ቋንቋ ሊቃኦንያ እዩ ነይሩ። ኣብታ ኸተማ ምኵራብ ስለ ዘይነበረ እዩ ዚኸውን፡ ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኪሰብኩ ጀመሩ። ጴጥሮስ ኣብ የሩሳሌም ከሎ፡ ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ዝለመሰ ሰብኣይ ኣሕውዩ ነይሩ። ጳውሎስ ድማ ኣብ ልስጥራ፡ ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ዝለመሰ ሰብኣይ ኣሕወዮ። (ግብ. 14:8-10) ብምኽንያት እቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ተኣምር፡ ብዙሓት ሰባት ኣመንቲ ዀይኖም ነይሮም። (ግብ. 3:1-10) እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ተኣምር ግና፡ ካብዚ እተፈልየ ፍረ እዩ ኣፍርዩ።

10 ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እተገልጸ፡ እቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ብድድ ምስ በለ፡ እቶም ኣብ ልስጥራ ዝነበሩ ኣረማውያን ህዝቢ ብኡብኡ ናብ ግጉይ መደምደምታ በጽሑ። በርናባስ እቲ ሓለቓ ኣማልኽቲ ዝዀነ ድያ (ዘዩስ) መሰሎም፡ ጳውሎስ ከኣ እቲ ወዲ ድያን ኣፈኛ ኣማልኽትን ዝዀነ ሄርሜስ መሰሎም። (“ልስጥራን ኣምልኾ ድያን ሄርሜስን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) በርናባስን ጳውሎስን ግና እቲ እተዛረብዎ ዘረባ ዀነ ዝገበርዎ ተግባር ብስልጣን ኣረማውያን ኣማልኽቲ ዘይኰነስ፡ ብስልጣን እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምዃኑ፡ ነቶም ህዝቢ ኼረድእዎም ቈሪጾም ተላዕሉ።—ግብ. 14:11-14።

ልስጥራን ኣምልኾ ድያን ሄርሜስን

ልስጥራ ኻብ ቀንዲ መገድታት ርሒቓ ኣብ ግሉል ስንጭሮ እያ ተደኲና ነይራ። ቄሳር ኣውጉስጦስ ነታ ኸተማ ብቐጥታ ብሮሜ ኽትመሓደር ኣወጀ፡ ዩልያ ፌሊክስ ገሚና ሉስትራ ኢሉ ድማ ሰመያ። ኣብኣ ሰፊሮም ዝነበሩ ሰራዊት፡ ንገላትያ ኻብቶም ኣብቲ ኣኽራን ዚርከቡ ቐቢላታት ይከላኸሉላ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ከተማ ልስጥራ ብስርዓት ሮማውያን ትመሓደር ነበረት፡ ሰበ ስልጣና ኸኣ ብመዓርግ ላቲን ይጽውዑ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ልስጥራ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚዝውተር ባህሊ እውን ኣየጥፍአትን። ካብ ባህሊ ሮሜ ንላዕሊ፡ ባህሊ ሊቃኦንያ ኣብኣ ይንጸባረቕ ነበረ፣ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሶም ዘለዎ ሰብ ልስጥራ ኸኣ ቋንቋ ሊቃኦንያ ይዛረቡ ነበሩ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ጥንታዊት ልስጥራ ብስነ ጥንታዊ ምርምር እተረኽበ ጽሑፋት፡ “ካህናት ድያ”ን ጣኦት ሄርሜስን ዚብል ተጠቒሱ ኣሎ። ንድያን ንሄርሜስን እተወፈየ መሰውኢ እውን፡ ኣብቲ ኸባቢ ተረኺቡ እዩ።

ኦቪድ ዚብሃል ሮማዊ ገጣሚ (43 ቅ.ክ. ክሳዕ 17 ድ.ክ.) ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮ ኣፈ ታሪኽ፡ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ ብዝያዳ ኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ብመሰረት ኦቪድ፡ እቶም ብሮማውያን ጁፒተርን ሜርኩሪን ተባሂሎም ዚጽውዑ ድያን ሄርሜስን ዚብሃሉ ኣማልኽቲ ግሪኽ፡ ከም መወትቲ ሰብ መሲሎም ናብ ኵርባታት ፍርግያ መጺኦም ነይሮም። ከም ጋሻ ዚቕበሎም ደልዮም ኣብ ሓደ ሽሕ ኣባይቲ እኳ እንተ ኸዱ፡ ኵሉ ግና ምቕባል ኣበዮም። ፊልሞንን ቦሲስን ዚብሃሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ጥራይ ናብታ ንእሽቶ ጎጆኦም ተቐበልዎም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ድያን ሄርሜስን ነታ ጎጆ ብእምነ በረድን ወርቅን ናብ እተሰርሐት ቤተ መቕደስ ቀየርዋ፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ካህናት ገበርዎም፡ ንኣባይቲ እቶም ዘይተቐበልዎም ድማ ኣዕነውዎ። ዘ ቡክ ኦቭ ኣክትስ ኢን ኢትስ ግሪኮ-ሮማን ሰቲንግ፡ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ሰብ ልስጥራ ኣብቲ ጳውሎስን በርናባስን ነቲ ልሙስ ዘሕወይሉ እዋን ነዚ ኣፈ ታሪኽ እዚ ዘኪሮም እንተ ዀይኖም፡ ብመስዋእትታት ገይሮም ኪቕበልዎም ምድላዮም ዜገርም ኣይኰነን” በለት።

ጳውሎስን በርናባስን ካብቶም ኣብ ልስጥራ ዚነብሩ ህዝቢ ዝቐረበሎም ቅጥዒ ኣልቦ ውዳሰ ምቕባል ይኣብዩ። እቶም ህዝቢ ሙዚቃ ይጻወቱ፡ መስዋእቲ የዳልዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ክልተ ሰባት እውን ይሰግዱ።

“ካብዚ ኸንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን . . . ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና።”​—ግብሪ ሃዋርያት 14:15

11-13. (ሀ) ጳውሎስን በርናባስን ንተቐማጦ ልስጥራ እንታይ በልዎም፧ (ለ) ካብቲ ጳውሎስን በርናባስን እተዛረብዎ ዘረባ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

11 ዜገርም ኵነታት እኳ ተፈጢሩ እንተ ነበረ፡ ጳውሎስን በርናባስን ግና ንልቢ ሰማዕቶም ብዝበለጸ መገዲ ንምትንካይ ይጽዕሩ ነበሩ። እቲ ብስራት ንኣረማውያን ብኸመይ ኪስበኽ ከም ዚከኣል ዜርኢ ውጽኢታዊ መገዲ፡ ሉቃስ መዝጊቡ ኣሎ። ጳውሎስን በርናባስን ንልቢ ሰማዕቶም ንምትንካይ ከምዚ ዚስዕብ በሉ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧ ንሕና እውን ከማኻትኩም ዝድኻምና ሰባት ኢና። ካብዚ ኸንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኵሉ እቲ ኣባታቶም ዘሎን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ንዅሎም ኣህዛብ ብመገዶም ኪኸዱ ሓዲግዎም ነይሩ፣ ግናኸ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”—ግብ. 14:15-17።

12 ካብዚ ዜመራምር ቃላት እዚ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ ቀዳማይ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካብ ሰማዕቶም ንላዕሊ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ኣይሓሰቡን። ዘይኰንዎ ኺመስሉ እውን ኣይፈተኑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቶም ኣረማውያን ሰማዕቶም፡ ድኽመታት ከም ዘለዎም ብትሕትና ተኣመኑ። ልክዕ እዩ፡ ጳውሎስን በርናባስን ኣቐዲሞም መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎምን ካብ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ሓራ ዀይኖምን እዮም። ምስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ ተስፋ እውን ነይርዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ተቐማጦ ልስጥራ ንክርስቶስ እንተ ተኣዚዞም፡ ነዚ ውህበታት እዚ ኸም ዚቕበሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

13 ብዛዕባ እቶም እንሰብከሎም ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና፧ ማዕረና ኸም ዝዀኑ ጌርና ዲና እንርእዮም፧ ንኻልኦት ካብ ቃል ኣምላኽ ሓቅታት ክንምህሮም ከለና፡ ከምቲ ጳውሎስን በርናባስን ዝገበርዎ፡ ንሕና እውን ቅጥዒ ኣልቦ ውዳሰ ኸም ዘይንደሊ ነርኢ ዲና፧ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመንን መጀመርታ መበል 20 ዘመንን ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዝነበሮ ንፉዕ መምህር ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ‘ንዓና ዀነ ንጽሑፋትና ኽብርን ኣኽብሮትን ኣይንደልን ኢና፣ ብሃይማኖታዊ መዓርጋት ድማ ክንጽዋዕ ኣይንደልን ኢና’ በለ። ሓው ራስል ከም ናይ ጳውሎስን በርናባስን ዝዓይነታ ትሕትና ነበረቶ። ንሕና እንሰብከሉ ዕላማ እውን፡ ንርእስና ኽብሪ ንምምጻእ ዘይኰነስ፡ ሰባት ናብቲ “ህያው ኣምላኽ” ኪምለሱ ንምሕጋዝ እዩ።

14-16. ካብቲ ጳውሎስን በርናባስን ንተቐማጦ ልስጥራ እተዛረብዎ ዘረባ እንታይ ካልኣይን ሳልሳይን ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል፧

14 ካብቲ ዘረባ እንረኽቦ ኻልኣይ ትምህርቲ እስከ ንርአ። ጳውሎስን በርናባስን ተዓጻጸፍቲ እዮም ነይሮም። ተቐማጦ ልስጥራ ኸምቶም ኣብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ስለ ዘይነበሩ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ወይ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ብዙሕ ፍልጠት ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፡ እቶም ንጳውሎስን ንበርናባስን ዝሰምዕዎም ሰባት፡ መነባብሮኦም ኣብ ሕርሻ እተመርኰሰ ነበረ። ልስጥራ ጽቡቕ ኵነታት ኣየርን ስቡሕ መሬትን ነበራ። እቶም ህዝቢ ፍርያት ኣብ ዚሓፍሱሉ ወቕትታትን ኣብ ካልእ ግዜያትን ብዛዕባ ባህርያት ፈጣሪ እኹል መርትዖ ኺረኽቡ ይኽእሉ ነበሩ፣ እቶም ሚስዮናውያን ድማ በዚ ሓባራዊ ባይታ እዚ ተጠቒሞም ንሰማዕቶም ኬረድእዎም ፈተኑ።—ሮሜ 1:19, 20።

15 ንሕናኸ ብተመሳሳሊ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ንኽእል ዲና፧ ሓደ ሓረስታይ ኣብ እተፈላለየ ግራውቲ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ኺዘርእ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ግራውቲ ግና ብእተፈላለየ ሜላታት ኬዳልዎ ኣለዎ። ገሊኡ ልስሉስን ዘርኢ ንምቕባል እተዳለወን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ግና ኣቐዲምካ ኸተለስልሶ የድልዮ ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ እቲ እንዘርኦ ዘርኢ ሓደ ዓይነት እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከም ጳውሎስን በርናባስን እንተ ዄንና፡ ኵነታትን ሃይማኖትን እቶም እንሰብከሎም ሰባት ከነስተውዕል ንጽዕር ኢና። ድሕሪኡ፡ ኣብኡ ተመርኲስና ኢና መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እነቕርበሎም።—ሉቃ. 8:11, 15።

16 ካብቲ ብዛዕባ ጳውሎስን በርናባስን ተቐማጦ ልስጥራን ዚገልጽ ዛንታ፡ ሳልሳይ ትምህርቲ እውን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ዚከኣለና ጌርና ኽነስና፡ እቲ ዘርኢ ሓድሓደ ግዜ ኺምንጠል ወይ ኣብ ከውሒ ኺወድቕ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 13:18-21) ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣይትተሓለል። ከምቲ ጳውሎስ ጸኒሑ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ዘዘኻኸሮም፡ “ነፍሲ ወከፍና [እንተላይ እቶም ቃል ኣምላኽ እንነግሮም ሰባት] ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ሮሜ 14:12።

“ናብ . . . የሆዋ ኣማዕቈብዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 14:20-28)

17. ጳውሎስን በርናባስን ካብ ደርቤ ናበይ እዮም ተጓዒዞም፧ ስለምንታይከ፧

17 ንጳውሎስ ጐቲቶም ካብ ልስጥራ ምስ ኣውጽእዎን ዝሞተ መሲልዎም ሓዲጎምዎ ምስ ከዱን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸቢቦምዎ ኸለዉ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣትዩ ሓደረ። ንጽብሒቱ፡ ጳውሎስን በርናባስን ናብታ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ደርቤ ንምኻድ ጕዕዞኦም ጀመሩ። ጳውሎስ ቅድሚ እተወሰነ ሰዓታት ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጡ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኣድካሚ ጕዕዞ እቲ ብዙሕ ተሸጊሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ንሱን በርናባስን ጸንዑ፡ ኣብ ደርቤ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ “ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ . . . ገበሩ።” ድሕሪኡ፡ ብዝሓጸረ መገዲ ናብታ እተበገሱላ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኣብ ክንዲ ዚምለሱ፡ “ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን [ናይ ጲሲድያ] ተመልሱ።” ንምንታይ እዮም ከምኡ ገይሮም፧ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ “ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑን” ምእንቲ ኼበራትዕዎም ኢሎም እዮም። (ግብ. 14:20-22) እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኦም ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን እዮም ሓዲጎም! ካብቲ ንዓታቶም ዚጥዕሞም ነገራት ንላዕሊ፡ ንጥቕሚ እታ ጉባኤ የቐድሙ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ገየሽቲ ሓለውትን ሚስዮናውያንን ነዚ ኣብነቶም እዚ ቐዲሖምዎ እዮም።

18. ሽማግለታት ብኸመይ እዮም ዚሽየሙ፧

18 ጳውሎስን በርናባስን ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ብቓልን ብኣብነትን ኣብ ርእሲ ምብርታዖም፡ “ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት” ሸይሞምሎም እዮም። ነዚ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም “ብመንፈስ ቅዱስ ተላኢኾም” እኳ እንተ ጀመርዎ፡ ነቶም ሽማግለታት ንየሆዋ ‘ኼማዕቍብዎም’ ከለዉ ግና ጸልዮምን ጸይሞምን እዮም። (ግብ. 13:1-4፣ 14:23) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ኣገባብ ኢና እንስዕብ። ሽማግለታት ጉባኤ ንሓደ ሓው ኪሽየም ቅድሚ ምሕጻዮም፡ ነቲ እቲ ሓው ዘለዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ብጸሎት ይምርምርዎ እዮም። (1 ጢሞ. 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶ. 1:5-9፣ ያእ. 3:17, 18፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) እቲ ቐንዲ ረቛሒ፡ እቲ ሓው ክርስትያን ኰይኑ ዝጸንሓሉ ንውሓት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ሓው ዚዛረቦ ዘረባን ኣካይዳኡን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዘለዎ ስምን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝዓየየ መርትዖ ይህብ እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑ ዚርከብ ሓለውቲ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት እንተ ኣማሊኡ፡ ጓሳ እተን መጓሰ ዀይኑ ንምግልጋል ብቕዓት ይህልዎ ማለት እዩ። (ገላ. 5:22, 23) እቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ምሻም ሓላፍነት ዘለዎ ኸኣ ሓላው ወረዳ እዩ።—ምስ 1 ጢሞቴዎስ 5:22 ኣረኣኢ።

19. ሽማግለታት እንታይ ጸብጻብ ከም ዚህቡ እዮም ዚፈልጡ፧ ንጳውሎስን ንበርናባስንከ ብኸመይ እዮም ዚመስልዎም፧

19 እተሸሙ ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ነታ ጉባኤ ዚሕዙሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸብጻብ ከም ዚህቡ ይፈልጡ እዮም። (እብ. 13:17) ሽማግለታት ከም ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ይህልዎም እዩ። ንብጾቶም ደቀ መዛሙርቲ ብቓላቶም የበራትዑ እዮም። ካብቲ ንዕኦም ዚጥዖሞም ንላዕሊ ድማ፡ ጥቕሚ እታ ጉባኤ የቐድሙ እዮም።—ፊል. 2:3, 4።

20. ነቲ ኣሕዋትና ብተኣማንነት ዝዓየይዎ ዕዮ ዚገልጽ ጸብጻብ ምንባብና ብኸመይ ይጠቕመና፧

20 ኣብ መወዳእታ፡ ጳውሎስን በርናባስን ናብታ ዝነቐሉላ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ምስ ተመልሱ፡ “እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉን ንኣህዛብ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ኣዘንተዉሎም።” (ግብ. 14:27) ነቲ ክርስትያናት ኣሕዋትና ብተኣማንነት ዝዓየይዎ ዕዮን የሆዋ ንጻዕርታቶም ብኸመይ ከም ዝባረኾን ዚገልጽ ጸብጻብ ከነንብብ ከለና፡ ‘ብስልጣን የሆዋ ብትብዓት ንምዝራብ’ ንተባባዕ ኢና።

a “ኢቆንዩም—ከተማ ፍርግያውያን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ