መዝሙር 13
ጸሎት ምስጋና
1. የሆዋ ኣምላኽ ውዳሰ ተቐበል፡
ስብሓት ይኹንካ ’ታ ጐይታ ልዑል፣
ንሰግደልካ’ሎና ዎ ሰማዕ ጸሎት፡
ንመጽእ ኣብ ትሕቲ ናትካ ሓልዮት።
ጌጋና የረጋግጽ’ዩ ድኽመትና፡
ምሕረት ንሓትት ንኣበሳና፣
ብደም ወድኻ’ና እተዓደግና፡
ንደሊ ኢና ንኽትምህረና።
2. ’ትዕድሞም ሰባት ሕጉሳት እዮም፡
ፍልጠትን ብርሃንን ንኽትህቦም፣
ኣስተምህረና’ኻ ንኽንፈልጠካ፡
ንኽንመላለስ ብቕዱስ ቃልካ።
ኣየ ኼደንቕ ’ቲ ዓብዪ ሓይልኻ፡
ትብዓት ይህቦም ነገልገልትኻ፣
ግዝኣትካ ንውድስ ዎ ልዑል ኣምላኽ፡
ተላዒልና’ና ነዚ ኽንሰብኽ።
3. ሓጐስ እዩ ዜምጽእ ቈላሕታኻ፡
ኣብ ኵሉ የስፋሕፍሕ ኣምልኾኻ፣
’ታ መንግስትኻ ብልግሲ ትመጽእ፡
ሕማም፡ ሞት፡ ሓዘን፡ ንብዓት ተጥፍእ።
ወድኻ ንዅሉ እከይ የልግስ፡
’ተባረኸ ሰብ ’ነብዕ ብሓጐስ፣
ብዓወት እውን ንዘምር ምስጋና፡
ንወድስ ንየሆዋ ንጉስና!