ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sn መዝሙር 13
  • ጸሎት ምስጋና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸሎት ምስጋና
  • ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸሎት ምስጋና
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ዘምሩሉ
sn መዝሙር 13

መዝሙር 13

ጸሎት ምስጋና

(መዝሙር 95:2)

1. የሆዋ ኣምላኽ ውዳሰ ተቐበል፡

ስብሓት ይኹንካ ’ታ ጐይታ ልዑል፣

ንሰግደልካ’ሎና ዎ ሰማዕ ጸሎት፡

ንመጽእ ኣብ ትሕቲ ናትካ ሓልዮት።

ጌጋና የረጋግጽ’ዩ ድኽመትና፡

ምሕረት ንሓትት ንኣበሳና፣

ብደም ወድኻ’ና እተዓደግና፡

ንደሊ ኢና ንኽትምህረና።

2. ’ትዕድሞም ሰባት ሕጉሳት እዮም፡

ፍልጠትን ብርሃንን ንኽትህቦም፣

ኣስተምህረና’ኻ ንኽንፈልጠካ፡

ንኽንመላለስ ብቕዱስ ቃልካ።

ኣየ ኼደንቕ ’ቲ ዓብዪ ሓይልኻ፡

ትብዓት ይህቦም ነገልገልትኻ፣

ግዝኣትካ ንውድስ ዎ ልዑል ኣምላኽ፡

ተላዒልና’ና ነዚ ኽንሰብኽ።

3. ሓጐስ እዩ ዜምጽእ ቈላሕታኻ፡

ኣብ ኵሉ የስፋሕፍሕ ኣምልኾኻ፣

’ታ መንግስትኻ ብልግሲ ትመጽእ፡

ሕማም፡ ሞት፡ ሓዘን፡ ንብዓት ተጥፍእ።

ወድኻ ንዅሉ እከይ የልግስ፡

’ተባረኸ ሰብ ’ነብዕ ብሓጐስ፣

ብዓወት እውን ንዘምር ምስጋና፡

ንወድስ ንየሆዋ ንጉስና!

(መዝ. 65:2, 4, 11፣ ፊል. 4:6 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ