ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 26 ገጽ 30
  • ምድሪ ገነት ክትከውን እያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምድሪ ገነት ክትከውን እያ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ራእይ—ትርጉሙ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ዘሐጕስ ዜና” ካብ ኣፖካሊፕስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣንበብቲ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተሓጐሱ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ነቲ ናይ ስዕረት ሓድሽ መዝሙር ምዝማር
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 26 ገጽ 30
የሱስ ኣብ ዝፋን መንግስቲ ኣምላኽ ተቐሚጡ

ክፋል 26

ምድሪ ገነት ክትከውን እያ

የሆዋ በታ ክርስቶስ ዝገዛኢኣ መንግስቱ ኣቢሉ፡ ንስሙ ኪቕድስ፡ ንልዑላውነቱ ኼረጋግጽ፡ ንዅሉ እከይ ድማ ኬወግዶ እዩ

እታ ራእይ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ተስፋ ተስንቖም እያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብሃዋርያ ዮሃንስ እተጻሕፈት ኰይና፡ ክሳዕ እቲ ዕላማ የሆዋ ዚፍጸመሉ እዋን ዚገልጽ ራእያት ኣለዋ።

ኣብታ መጽሓፍ ኣብ ዚርከብ ቀዳማይ ራእይ፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ንገሊአን ጉባኤታት ዝሃቦ ናእዳን መአረምታን ይርከብ። እታ እትቕጽል ራእይ፡ ናብቲ መንፈሳውያን ፍጡራት ንኣምላኽ ዚውድሱሉ ሰማያዊ ዝፋን ኣምላኽ ትወስደና።

ዕላማ ኣምላኽ እናተገልጸ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ገንሸል ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብሸውዓተ ማሕተም ንእተሓትመት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከም እተቐበለ ተገሊጹ ኣሎ። ካብቲ ኣርባዕተ ማሕተም ነቲ ቐዳማይ ምስ ፈትሐ፡ ተምሳል ዝዀኑ ፈረሰኛታት ኣብ ዓለም ወጹ። እቲ ቐዳማይ፡ ንየሱስ ዜመልክት ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ከም እተወጥሐን ኣብ ርእሱ ዘውዲ ንጉስ ከም ዝደፍአን ተገሊጹ ኣሎ። ቀጺሎም፡ እተፈላለየ ሕብሪ ኣብ ዘለዎም ኣፍራስ እተወጥሑ ፈረሰኛታት ወጹ፣ ንሳቶም ከኣ ብትንቢት ንውግእን ጥሜትን ፌራን የመልክቱ፣ እዚ ዅሉ ድማ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ እዩ ዚፍጸም። እቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ፡ ሸውዓተ ተምሳላዊ መለኸት ተነፍሐ፣ እዚ ድማ ንኣዋጃት ፍርዲ ኣምላኽ የመልክት። እዚ ነገር እዚ ኸኣ፡ ናብ ሸውዓተ ተምሳላዊ መዓት፡ ማለት ናብ መግለጺ ቝጥዓ ኣምላኽ መርሐ።

ብዘይካዚ፡ ብሓደ ሓድሽ እተወልደ ወዲ ተባዕታይ እተመሰለት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተመስረተት። ሽዑ ውግእ ኰነ፡ ሰይጣንን እኩያት መላእኽቱን ድማ ናብ ምድሪ ተደርበዩ። ‘ንምድሪ ወይለኺ’ ዚብል ብርቱዕ ድምጺ ተሰምዐ። ድያብሎስ ቍሩብ ግዜ ኸም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ከም እተላዕለ ተገልጸ።—ራእይ 12:12።

ዮሃንስ ንየሱስ ብገንሸል ተመሲሉ ረኣዮ፣ ምስኡ ድማ ካብ ደቂ ሰብ እተሓርዩ 144,000 ነበሩ። እዚኣቶም ምስ የሱስ “ኪነግሱ” እዮም። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ካልኣይ ክፋል እቲ ዘርኢ፡ ቍጽሮም 144,000 ምዃኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 14:1፣ 20:6።

ገዛእቲ ምድሪ “በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ኣርማጌዶን ኪእከቡ እዮም። ምስቲ ንሰማያውያን ሰራዊት ዚመርሕ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ የሱስ ኪዋግኡ እዮም። ኵሎም ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ኪጠፍኡ እዮም። ሰይጣን ኪእሰር እዩ፣ የሱስን እቶም 144,000ን ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ “ሽሕ ዓመት” ኪነግሱ እዮም። ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት፡ ሰይጣን ኪጠፍእ እዩ።—ራእይ 16:14፣ 20:4።

እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስን መጋዝእቱን፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ እንታይ ኬምጽኣሎም እዩ፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) ምድሪ ገነት ክትከውን እያ።

በዚ ኸምዚ፡ መጽሓፍ ራእይ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትዛዝሞ። እታ መሲሓዊት መንግስቲ ንስም የሆዋ ንዘለኣለም ከም ዚቕደስን ልዑላውነቱ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚረጋገጽን ክትገብር እያ።

—ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተመስረተ።

  • ትርጕም እቶም ተምሳል ዝዀኑ ፈረሰኛታት እንታይ እዩ፧

  • ዕላማ ኣምላኽ እናተገልጸ ምስ ከደ፡ እንታይ ዜደንቕ ነገር እዩ ተፈጺሙ፧

  • ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧ ድሕሪኡኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

“ዓባይ ባቢሎን”

ኣብ መጽሓፍ ርእይ፡ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት፡ ማለት ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚጻረራ ሃይማኖታት፡ ብሓባር “ዓባይ ኣመንዝራ” ተባሂለን ኣለዋ። እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ኸኣ፡ “ዓባይ ባቢሎን” ተባሂላ እትጽዋዕ ኰይና፡ ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዓለም ትምንዝር እያ። ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ፡ እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ነታ ኣመንዝራ ኸም ዜጥቅዕዋን ከም ዜጥፍእዋን፡ መጽሓፍ ራእይ ትገልጽ።—ራእይ 17:1-5, 16, 17።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ