ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 6 ገጽ 14-15
  • ካብ ማይ ኣይሂ እንታይ ንምሃር፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ማይ ኣይሂ እንታይ ንምሃር፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክፍሊ 6
    ንኣምላኽ ስምዓዮ
  • ካብ ታሪኽ እተረኽበ መጠንቀቕታ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ማይ ኣይሂ—መን ሰሚዖም፧ መንከ ኣይሰምዑን፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ኖህ ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸበ ስለምንታይ እዩ፧ ንዓና ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 6 ገጽ 14-15

ክፍሊ 6

ካብ ማይ ኣይሂ እንታይ ንምሃር፧

ኣምላኽ ነቶም እኩያት ኣጥፍኦም፡ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ግና ኣድሓኖም። ዘፍጥረት 7:11, 12, 23

እታ መርከብ ተንሳፍፍ፡ እኩያት ሰባት ይጥሕሉ፡ እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ስጋዊ ኣካሎም ሓዲጎም ይኸዱ

ን40 መዓልትን ን40 ለይትን ብርቱዕ ዝናም ዘነመ፣ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ብማይ ኣዕለቕለቐት። ኵሎም እኩያት ሰባት ድማ ሞቱ።

እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ነቲ ስጋዊ ኣካሎም ሓዲጎም ከዱ፣ ኣጋንንቲ ድማ ኰኑ።

ኖህን ስድራ ቤቱን እንስሳታትን ካብታ መርከብ ይወጹ፡ ቀስተ ደበና ድማ ኣብ ሰማይ ይርአ

እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ደሓኑ። ድሕሪ ግዜ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ሞይቶም እዮም፣ ኣምላኽ ግና ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሃብ፡ ኬተንስኦም እዩ።

ሎሚ እውን፡ ኣምላኽ ነቶም እኩያት ኣጥፊኡ፡ ነቶም ጻድቃን ኬድሕኖም እዩ። ማቴዎስ 24:37-39

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብእተፈላለየ መገድታት ንሰባት የስሕቱ

ሰይጣንን ኣጋንንትን ንሰባት የስሕቱ ኣለዉ።

ከምቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እውን ንፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ይነጽግዎ ኣለዉ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንዅሎም እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም እዩ።—2 ጴጥሮስ 2:5, 6።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ንሓደ ሰብኣይ ይሰብኩሉ፣ ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ

ገሊኦም ሰባት ከም ኖህ እዮም። ንኣምላኽ ይሰምዕዎን ዝበሎም ይገብሩን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

  • ነታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ሕረ።—ማቴዎስ 7:13, 14።

  • እኩያት ኪጠፍኡ፡ ትሑታት ግና ብሰላም ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:10, 11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ