ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 8 ገጽ 18-19
  • ሞት የሱስ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሞት የሱስ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክፍሊ 8
    ንኣምላኽ ስምዓዮ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • የሱስ ክርስቶስ—ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 8 ገጽ 18-19

ክፍሊ 8

ሞት የሱስ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

የሱስ፡ ንሕና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ሞተ። ዮሃንስ 3:16

ኣንስቲ ናብቲ ጥራዩ ዝጸንሐን መቓብር የሱስ ይጥምታ

ኣብ ሳልስቲ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ፡ እተወሰና ኣንስቲ ናብቲ መቓብሩ ምስ ከዳ፡ እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐን። የሆዋ ንየሱስ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ።

የሱስ ንሃዋርያቱ ይርኣዮም፡ ጸኒሑ ድማ ናብ ሰማይ ይዓርግ

የሱስ ጸኒሑ ንሃዋርያቱ ተራእዮም።

የሆዋ ንየሱስ፡ ሓያልን ዘይመውትን መንፈሳዊ ፍጡርን ገይሩ ኣተንስኦ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ንሱ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ርእዮምዎ እዮም።

  • “ዓስቢ” ሓጢኣት እንታይ እዩ፧—ሮሜ 6:23

  • የሱስ፡ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ከፈተ።—ሮሜ 5:21

ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ገበሮ። ዳንኤል 7:13, 14

የሱስ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለዉ ሰባት ይገዝእ

የሱስ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺብጀዎም፡ ህይወቱ ሃበ። (ማቴዎስ 20:28) ኣምላኽ በዚ በጃ እዚ ኣቢሉ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ።

የሆዋ ንየሱስ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚገዝእ ንጉስ ገይሩ ሸይምዎ እዩ። ካብ ምድሪ ተንሲኦም ሰማያዊ ህይወት ዚረኽቡ 144,000 ዝቝጽሮም እሙናት ሰባት ከኣ ምስኡ ኺነግሱ እዮም። የሱስን እቶም 144,000ን፡ ብጽድቂ እትገዝእ ሰማያዊት መንግስቲ ኺምስርቱ እዮም፣ እዚኣ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ትብሃል።—ራእይ 14:1-3።

መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ። ውግእን ገበንን ድኽነትን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ። ሰባት ብሓቂ ሕጉሳት ኪዀኑ እዮም።—መዝሙር 145:16።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ በረኸት እያ ኸተምጽእ፧—መዝሙር 72።

  • ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ክንጽሊ ኣሎና።—ማቴዎስ 6:10።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ