ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 17
  • ሓለውቲ ወረዳ ብኸመይ ይሕግዙና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓለውቲ ወረዳ ብኸመይ ይሕግዙና፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገየሽቲ ተዓዘብቲ— ኣብ ሓቂ መተዓይይቲ
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • ገየሽቲ ተዓዘብቲ ውህበት ሰብኡት ኢዮም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ነተን መጓሰ ዚጓስዩ ሓለውቲ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ገየሽቲ ተዓዘብቲ ብኸመይ እሙናት መገብቲ ኰይኖም ከም ዘገልግሉ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 17

ትምህርቲ 17

ሓለውቲ ወረዳ ብኸመይ ይሕግዙና፧

ሓላው ወረዳን ሰበይቱን

ማላዊ

ሓላው ወረዳ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይመርሕ

ጕጅለ ኣገልግሎት

ሓላው ወረዳ የገልግል

ኣገልግሎት ወፍሪ

ሓላው ወረዳ ምስ ሽማግለታት ጉባኤ ይእከብ

ኣኼባ ሽማግለታት

ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ንበርናባስን ንሃዋርያ ጳውሎስን ብተደጋጋሚ ይጠቕሶም እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ነተን ቀዳሞት ጉባኤታት ብምብጻሕ፡ ከም ገየሽቲ ሓለውቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ ድሕንነት መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ብሓቂ ይግደሱ ስለ ዝነበሩ እዮም። ጳውሎስ፡ ‘ኣሕዋት ከመይ ከም ዘለዉ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ተመሊሶም ኪበጽሕዎም’ ከም ዝደለየ ተዛሪቡ እዩ። ከይዱ ምእንቲ ኼበራትዖም፡ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ኪጐዓዝ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:36) ሎሚ ዘለዉ ገየሽቲ ሓለውቲ እውን፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ባህጊ እዩ ዘለዎም።

ኬተባብዑና ይመጹ። ነፍሲ ወከፍ ሓላው ወረዳ ን20 ዚኣኽላ ጉባኤታት ይበጽሕ፣ ምስ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኸኣ ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ሓሓደ ሰሙን ይጸንሕ። ካብ ተመክሮ እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ እንተ ተመርዕዮም ከኣ ካብ ተመክሮ ኣንስቶም፡ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንንኣሽቱ ዀኑ ንዓበይቲ ኺፈልጡ ይጽዕሩ እዮም፣ ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ኣብ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን ኬሰንዩና እውን ሃንቀው ይብሉ እዮም። እዞም ሓለውቲ እዚኦም ምስ ሽማግለታት ኰይኖም ጕስነታዊ ምብጻሕ ይገብሩ፣ ምእንቲ ኼበራትዑና ኸኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ዜተባብዕ መደረ የቕርቡ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 15:35።

ንዅሉ ተገዳስነት የርእዩ። ሓለውቲ ወረዳ ብመንፈሳዊ ዅነታት ጉባኤ ኣጸቢቖም ይግደሱ እዮም። ብዛዕባ እተገብረ ምምሕያሽ ንምምይያጥ ምስ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ይእከቡ እዮም፣ ሓላፍነቶም ጽቡቕ ገይሮም ኪስከሙ እውን ግብራዊ ምኽሪ ይህብዎም እዮም። ንፈለምቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ዕዉታት ኪዀኑ ይሕግዝዎም እዮም። ምስ ሓደስቲ ኺፋለጡን ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕቤቶም ኪሰምዑን እውን ይደልዩ እዮም። ነፍሲ ወከፎም፡ ‘ንጥቕምና መዓይይትና’ ስለ ዝዀኑ፡ ጥቕሚ ርእሶም ይውፍዩልና እዮም። (2 ቈረንቶስ 8:23) ኣስኣሰር እምነቶምን ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነትን ክንስዕብ ኣሎና።—እብራውያን 13:7።

  • ሓለውቲ ወረዳ ንጉባኤታት ዚበጽሑ ስለምንታይ እዮም፧

  • ካብ ምብጻሖም ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

ንተወሳኺ ሓበሬታ

ሓላው ወረዳ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዜቕርቦ መደረ ምእንቲ ኸየምልጠካ፡ እታ ኣብ ዚቕጽል ንጉባኤ ዚበጽሓላ ዕለት፡ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕካ ምልክት ግበር። በታ ሰሙን እቲኣ፡ ምስኡ ወይ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ምእንቲ ኽትፋለጥ፡ ንሱ ወይ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመጹኻ እንተ ደሊኻ፡ ንመምህርካ ንገሮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ