ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 21
  • ቤት-ኤል እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቤት-ኤል እንታይ እዩ፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ዘይርሳዕ ሰናይ ግብሪ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 21

ትምህርቲ 21

ቤት-ኤል እንታይ እዩ፧

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ቤት-ኤል፡ ኣብ ክፍሊ ስነ ጥበብ ይዓይዩ

ክፍሊ ስነ ጥበብ፡ ሕ.መ.ኣ.

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ ቤት-ኤል ጀርመን ኣብ ዚርከብ ቤት ሕትመት ይዓዪ

ጀርመን

ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ ቤት-ኤል ኬንያ ኣብ ዚርከብ ቤት ሕጽቦ ትዓዪ

ኬንያ

ኣአንገድቲ፡ ኣብ ቤት-ኤል ኮሎምብያ ኣብ ዚርከብ መመገቢ ኽፍሊ፡ ምግቢ ይቕርቡ

ኮሎምብያ

እታ፡ “ቤት-ኤል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ቤት ኣምላኽ” ማለት እያ። (ዘፍጥረት 28:17, 19፡ እግረ ጽሑፍ) እዛ ቓል እዚኣ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ዝሰረትዎ ዕዮ ስብከት ዚምርሓሉን ዚድገፈሉን ህንጻታት እትበቅዕ መጸውዒ እያ። ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ እዩ ዜገልግል፣ ካብኡ ኸኣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንዚርከብ ንጥፈታት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ይቈጻጸር። እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ፡ ስድራ ቤት-ኤል ተባሂሎም እዮም ዚፍለጡ። ከም ሓደ ስድራ ቤት ከኣ፡ ብሓባር ይነብሩ፡ ብሓባር ይዓይዩ፡ ብሓባር ይምገቡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብሓደ የጽንዑ።—መዝሙር 133:1።

ኣባላት እቲ ስድራ፡ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡሉ ፍሉይ ቦታ። ኣብ ኵሉ ህንጻታት ቤት-ኤል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ግዜኦም ኬገልግሉን እተወፈዩ ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዉ። (ማቴዎስ 6:33) ኵላቶም ደሞዝ ወይ መሃያ ኣይክፈሎምን እዩ፣ ግናኸ፡ ዚነብሩሉ ኽፍልን ዚበልዕዎ ምግብን ወጻኢታቶም ንምሽፋን ዜድሊ መውዕሎን ይውሃቦም እዩ። ኣብ ቤት-ኤል ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ እንተ ኣብ ቤት ጽሕፈት፡ እንተ ኣብ ክሽነ፡ ወይ ኣብ መመገቢ ኽፍሊ ስራሕ ኣለዎ። ገሊኦም ኣብ ቤት ማሕተም ወይ ኣብ መጠረዚ መጻሕፍቲ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ቤት የጽርዩ፡ ክዳውንቲ ይሓጽቡ፡ ነቲ ህንጻ ይከናኸኑ፡ ወይ ካልእ ስራሕ ይሰርሑ እዮም።

ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፍ ናይ ስራሕ ቦታ። ቀንዲ ዕላማ ነፍሲ ወከፍ ቤት-ኤል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምቕራብ እዩ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ሓደ ኣብነት እያ። ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ኣመሓዳሪ ኣካል እተጻሕፈት ኰይና፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ኣብ ብዘላ ዓለም ናብ ዘለዋ ኣማእታት ጕጅለታት ትርጉም ተላኢኻ፣ ኣብ እተፈላለየ ቤት ማሕተም ቤት-ኤል ብልዑል ፍጥነት ብዚሓትም ማሕተም ተሓቲማ ኸኣ፡ ናብ ልዕሊ 110,000 ጉባኤታት ተላኢኻ። ኣብ ኵሉ እዚ መስርሕ እዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ህጹጽ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣገዳሲ ደገፍ ይህቡ እዮም።—ማርቆስ 13:10።

  • ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ መን እዮም፧ ንዓታቶምከ እንታይ መሰናድዎታት እዩ ተገይሩሎም ዘሎ፧

  • እንታይ ህጹጽ ዕዮ እዩ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት-ኤል ዚግበር ንጥፈታት ዚድገፍ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ