ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 7 ሕቶ. 1-5
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 7 ሕቶ. 1-5

ትምህርቲ 7

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

1. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

1. መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ፣ 2. የሱስ ንድዉይ ከሕዊ ኸሎ

ንየሱስ ብሉጽ ገዛኢ ኸም ዚኸውን ዝገበሮ ባህርያት እንታይ እዩ፧—ማርቆስ 1:40-42።

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቲ እያ። ንዅለን ካልኦት መንግስትታት ክትትክአን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከም ዚኸውን ከኣ ክትገብር እያ። እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ነገራት፡ ብስራት እዩ። ከመይሲ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብጽቡቕ ብምምሕዳር ድሌቶም ከተማልኣሎም እያ። ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ድማ ከተሕብሮም እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14 ኣንብብ።

እታ መንግስቲ እቲኣ ንጉስ ኣለዋ። የሆዋ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ፡ ንጉስ እታ መንግስቲ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ።—ራእይ 11:15 ኣንብብ።

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

2. የሱስ ብሉጽ ንጉስ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ወዲ ኣምላኽ ለዋህን ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ጽኑዕን ስለ ዝዀነ፡ ብሉጽ ንጉስ እዩ። (ማቴዎስ 11:28-30) ብዘይካዚ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስለ ዚገዝእ፡ ንሰባት ንምሕጋዝ ዜኽእል ሓይሊ ኣለዎ። የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፡ ኣብ የማን የሆዋ ዀይኑ ተጸበየ። (እብራውያን 10:12, 13) ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ግዝኣቱ ምእንቲ ኺጅምር፡ ኣምላኽ ስልጣን ሃቦ።—ዳንኤል 7:13, 14 ኣንብብ።

3. ምስ የሱስ ዚገዝኡ መን እዮም፧

“ቅዱሳት” ተባሂሎም እተጸውዑ ጕጅለ፡ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ኪገዝኡ እዮም። (ዳንኤል 7:27) እቶም ቅዱሳት ኪዀኑ እተሓርዩ ቐዳሞት ሰባት፡ እሙናት ሃዋርያት የሱስ እዮም ነይሮም። የሆዋ፡ ቅዱሳት ዚዀኑ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ክሳዕ ሕጂ ይሓሪ ኣሎ። ንሳቶም ከም የሱስ መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም እዮም ዚትንስኡ።—ዮሃንስ 14:1-3፣ 1 ቈረንቶስ 15:42-44 ኣንብብ።

ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት እዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፧ የሱስ ነቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ ሰባት፡ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ። (ሉቃስ 12:32) ቍጽሪ እቶም ሒደት መጓሰ፡ 144,000 እዩ። ንሳቶም ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ እዮም።—ራእይ 14:1 ኣንብብ።

4. የሱስ ኪገዝእ ምስ ጀመረ እንታይ ተፈጸመ፧

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ጀመረት።a የሱስ ምስ ነገሰ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ብምድርባይ፡ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ወሰደ። ሰይጣን ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ፡ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ሽግር ኬምጽእ ጀመረ። (ራእይ 12:7-10, 12) ካብ ሽዑ ንነጀው፡ መከራ ደቂ ሰብ እናገደደ እዩ ኸይዱ። ውግእን ጥሜትን ለበዳን ምንቅጥቃጥ ምድርን፡ ክፋል እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ እዋን ንጕዳያት ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ከም እትቈጻጸሮ ዜርኢ “ምልክት” እዩ።—ሉቃስ 21:7, 10, 11, 31 ኣንብብ።

5. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ እትዓምም፧

መንግስቲ ኣምላኽ ብዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኣቢላ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንእተዋጽኡ ብዙሓት ሰብ፡ መገድታት ኣምላኽ ኪምሃሩ ትሕግዞም ኣላ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ትሑታት ሰባት ድማ ንየሱስ ይግዝእዎ ኣለዉ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘሎ እኩይ ስርዓት ምስ ኣጥፍኣቶ፡ ንተገዛእቲ የሱስ ከተዕቍቦም እያ። ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀሙ ዚደልዩ ሰባት፡ እዙዛት ተገዛእቲ የሱስ ምዃን ኪምሃሩ ኣለዎም።—ራእይ 7:9, 14, 16, 17 ኣንብብ።

ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ምድራዊት ገነት

መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ፡ ኣብ ውሽጢ 1,000 ዓመት ክትፍጽሞ እያ። ሽዑ፡ ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ። ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ነታ መንግስቲ፡ ንኣቦኡ ኼረክባ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24-26) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግሮ እትደሊ ሰብ ኣሎዶ፧—መዝሙር 37:10, 11, 29 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 8ን 9ን እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

a ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ከም ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 216-219 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ