ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 13 ሕቶ. 1-4
  • እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ርሓቕ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
    ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 13 ሕቶ. 1-4

ትምህርቲ 13

እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧

1. ኵለን ሃይማኖታት ድየን ቅኑዓት፧

ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ከሎ

ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ቕኑዓት ሰባት ኣለዉ። ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኦም የስተብህለሎምን ይሓልየሎምን ምዃኑ ምፍላጥና ብስራት እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ሰባት ብሃይማኖት ኣማኻንዮም እኩይ ነገራት ይገብሩ እዮም። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4፣ 11:13-15) ከምቲ ኣብ ጸብጻባት ዜና እንሰምዖ፡ ገሊአን ሃይማኖታት፡ ኣብ ግብረ ሽበራን ኣብ ጃምላዊ ቕትለትን ኣብ ውግእን ኣብ ህስያ ሕጻናትን ተኻፊለን እየን። እቶም ብኣምላኽ ዚኣምኑ ቕኑዓት ሰባትሲ፡ በዚ ነገራት እዚ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዚጕህዩ!—ማቴዎስ 24:3-5, 11, 12 ኣንብብ።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንኣምላኽ እተኽብር ክትከውን ከላ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ግና ንኣምላኽ እተጕሂ እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ሓሳባት እያ እትምህር፣ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኰነ ብዛዕባ ምዉታት ናይ ሓሶት ትምህርትታት ትምህር እያ። የሆዋ ግና፡ ኵሎም ሰባት ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ እዩ ዚደሊ።—ህዝቅኤል 18:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3-5 ኣንብብ።

2. እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ በተን ንዕኡ ኸም ዜፍቅራኦ ዚዛረባ፡ ግናኸ ብሓቂ ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዜፍቅራ ሃይማኖታት ኣይዕሾን እዩ። (ያእቆብ 4:4) ቃል ኣምላኽ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት፡ “ዓባይ ባቢሎን” ኢሉ ይጽውዐን። ባቢሎን ድሕሪ ማይ ኣይሂ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝጀመረላ ጥንታዊት ከተማ እያ ነይራ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ነተን ንደቂ ሰብ ዜታልላን ዚጭቍናን ሃይማኖታት ብሃንደበት ኬጥፍአን እዩ።—ራእይ 17:1, 2, 5, 16, 17፣ 18:8 ኣንብብ።

ካልእ ብስራት እውን ኣሎ። የሆዋ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዚርከቡ ቕኑዓት ሰባት ኣይርስዖምን እዩ። ነዞም ሰባት እዚኦም ብዛዕባ ሓቂ ብምምሃር ብሓደ የሕብሮም ኣሎ።—ሚክያስ 4:2, 5 ኣንብብ።

3. ቅኑዓት ሰባት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

ሰባት ድሕሪ ክርስያናዊ ኣኼባ ኼዕልሉ ኸለዉ

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንሰባት ብሓደ ተሕብሮም ኣላ

የሆዋ ነቶም ሓቅን ቅኑዕን ዘበለ ዜፍቅሩ ሰባት ስለ ዚሓልየሎም፡ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪወጹ ይምሕጸኖም እዩ። እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት፡ ንዕኡ ንምሕጓስ ዜድሊ ለውጥታት ኪገብሩ ፍቓደኛታት እዮም።—ራእይ 18:4 ኣንብብ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ቅኑዓት ሰባት ካብ ሃዋርያት ብስራት ምስ ሰምዑ፡ ብሓጐስ ተቐበልዎ። የሆዋ ዕላማን ተስፋን ዘለዎ ሓድሽን ዜሐጕስን መገዲ ህይወት ከም ዘሎ ምሂርዎም እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንየሆዋ ኣብ ናብራኦም ቀዳምነት ብምሃብ ነቲ ብስራት ከም እተቐበልዎ ስለ ዘርኣዩ፡ ሎሚ ንዓና ሰናይ ኣብነት ይዀኑና እዮም።—1 ተሰሎንቄ 1:8, 9፣ 2:13 ኣንብብ።

የሆዋ ነቶም ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚወጹ ሰባት ናብ ስድራ ቤቱ ይቕበሎም እዩ። ነቲ የሆዋ ኣኽቢሩ ዘቕረበልካ ዕድመ እንተ ተቐቢልካዮ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ትኸውን፡ ኣባል ሓድሽን ፈቃርን ስድራ ቤት የሆዋ ትኸውን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ትረክብ።—ማርቆስ 10:29, 30፣ 2 ቈረንቶስ 6:17, 18 ኣንብብ።

4. ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ሓጐስ ዜስፍን ብኸመይ እዩ፧

እቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ብስራት እዩ። እቲ ፍርዲ እቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ራህዋ ኸም ዚሰፍን ኪገብር እዩ። ሽዑ፡ ብናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዚታለሉን ዚጐጃጀሉን ሰባት ኣይኪህልዉን እዮም። ኵሎም ሰባት ኣብ ኣምልኾ እቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪሓብሩ እዮም።—ራእይ 18:20, 21፣ 21:3, 4 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 15ን 16ን እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ