ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • YC ትምህርቲ 2 ገጽ 6-7
  • ርብቃ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ደለየት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ርብቃ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ደለየት
  • ንደቅኻ ምሃሮም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ርብቃ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ፍቓደኛ ነበረት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንይስሃቅ እትኸውን ሰበይቲ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ርብቃ ንኣምላኽ እትፈርህ ትግህትን ቈራጽን ሰበይቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ይስሃቅ ንፍዕቲ ሰበይቲ ይረክብ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
ንደቅኻ ምሃሮም
YC ትምህርቲ 2 ገጽ 6-7
ኤልዔዘር, ርብቃ, ገላዉ, ዓሰርተ ገመል, ናብ ከነኣን እተገብረ ነዊሕ ጕዕዞ

ትምህርቲ 2

ርብቃ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ደለየት

ርብቃ ንየሆዋ እትፈቱ ሰበይቲ ነበረት። ሰብኣያ ይስሃቅ ይብሃል። ንሱ እውን ንየሆዋ ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ምስ ይስሃቅ ብኸመይ ተራኺባ፧ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ኸም እትደሊኸ ብኸመይ ኣርእያ፧ ብዛዕባኣ እስከ ንምሃር።

ወለዲ ይስሃቅ፡ ኣብርሃምን ሳራን ይብሃሉ። ኣብታ ንየሆዋ ዘየምልኹ ሰባት ዝነበርዋ ምድሪ ከነኣን ከኣ ይነብሩ ነበሩ። ኣብርሃም ግና ንወዱ፡ ንየሆዋ እተምልኽ ጓል ኬመርዕዎ ደለየ። ስለዚ፡ ንይስሃቅ ሰበይቲ ምእንቲ ኼምጽኣሉ፡ ንጊልያኡ ናብታ ኣዝማዱ ዚነብሩላ ካራን ለኣኾ። ንሱ፡ እቲ ኤልዔዘር ዚብሃል ጊልያኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ርብቃ ንኣግማል ኤልዔዘር ማይ ትቐድሓለን

ርብቃ ንፍዕቲ ሰራሕተኛ ብምንባራ፡ ነተን ኣግማል ማይ ቀድሓትለን

ኤልዔዘር ድማ ምስ ካልኦት ገላዉ ኣብርሃም ሓቢሩ ተጓዕዘ። እቲ ጕዕዞ ኸኣ ነዊሕ ነበረ። ምሳታቶም ድማ፡ ምግብን ህያባትን እተጻዕና ዓሰርተ ገመል ተማልኡ። ኤልዔዘር፡ ኣየነይቲ ሰበይቲ ንይስሃቅ ከም እትኸውን ከመይ ገይሩ ፈሊጡ፧ ኤልዔዘር ምስቶም ካልኦት ገላዉ ኣብ ካራን ምስ በጽሐ፡ ማይ ዚቐድሓ ኣዋልድ ናብ ዒላ ኸም ዚመጻ ፈሊጡ፡ ኣብ ጥቓ ዒላ ኣዕረፈ። ሽዑ ድማ፡ ‘ማይ ከተስትየኒ ምስ ሓተትክዋ፡ “ስተ፡ ንኣግማልካ እውን ከስትየን እየ” እትብለኒ ጓል፡ ንሳ እታ ንስኻ ዝሓረኻያ ጓል ምዃና ኽፈልጥ እየ’ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ።

ሽዑ፡ ርብቃ እትብሃል ጓል ናብታ ዒላ መጸት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዝያ መልክዐኛ ኸም ዝነበረት ይነግረና። ኤልዔዘር፡ ማይ ከተስትዮ ምስ ሓተታ ድማ፡ ‘ሕራይ፡ ስተ። ንኣግማልካን እውን ማይ ከምጽኣለን እየ’ በለቶ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ማይ ዝጸምኣ ኣግማል ብዙሕ እየን ዚሰትያ፣ ስለዚ፡ ርብቃ ናብታ ዒላ ብዙሕ ሳዕ ክትመላለስ ነይርዋ። ንፍዕቲ ሰራሕተኛ ኸም ዝነበረት ኣብዚ ስእሊ እዚ ትርኢዶ ኣለኻ፧— ኤልዔዘር ከኣ፡ በቲ የሆዋ ንጸሎቱ ዝሃቦ ምላሽ ተገረመ።

ሽዑ፡ ኤልዔዘር ንርብቃ ብዙሕ ጽቡቕ ህያባት ሃባ። ንሳ ድማ ንኤልዔዘርን ነቶም ካልኦት ገላዉን ናብ ቤታ ኺመጹ ዓደመቶም። ኤልዔዘር ከኣ፡ ኣብርሃም ስለምንታይ ከም ዝለኣኾ፡ የሆዋ ድማ ከመይ ገይሩ ንጸሎቱ ኸም ዝመለሰሉ ነገሮም። ስድራ ቤት ርብቃ ኸኣ፡ ንይስሃቅ ኬመርዕውዋ ተሓጒሶም ፍቓደኛታት ኰኑ።

ርብቃ ምስ ኤልዔዘር ናብ ከነኣን ከይዳ፡ ንይስሃቅ ተመርዓወቶ

ርብቃኸ ንይስሃቅ ክትምርዖ ፍቓደኛ ዀይናዶ፧— ርብቃ፡ የሆዋ ንኤልዔዘር ናብኡ ኸም ዝለኣኾ ፈሊጣ ነበረት። ስድራ ቤታ ናብ ምድሪ ከነኣን ከይዳ ንይስሃቅ ክትምርዓዎ ፍቓደኛ እንተ ዀይና ምስ ሓተትዋ፡ ‘ሕራይ፡ እኸይድ’ በለቶም። ብኡብኡ ድማ፡ ምስ ኤልዔዘር ከደት። ኣብ ከነኣን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ንይስሃቅ ተመርዓወቶ።

ርብቃ ኸምቲ የሆዋ ኽትገብሮ ዝደለያ ስለ ዝገበረት፡ የሆዋ ባረኻ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ የሱስ ካብ ዘርኣ ተወልደ። እምበኣር፡ ንስኻ እውን ከም ርብቃ እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ድማ እንተ ኣሐጒስካዮ፡ ንሱ ኺባርኸካ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

  • ዘፍጥረት 12:4, 5፣ 24:1-58, 67

ሕቶታት፦

  • ርብቃ እንታወይቲ እያ ነይራ፧

  • ኣብርሃም ንይስሃቅ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ኬመርዕዎ ዘይደለየ ስለምንታይ እዩ፧

  • እታ ሰበይቲ ይስሃቅ ክትከውን ዚግባኣ ርብቃ ምዃና፡ ኤልዔዘር ከመይ ገይሩ ፈሊጡ፧

  • ከም ርብቃ ምእንቲ ኽንከውን፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ