ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • YC ትምህርቲ 14 ገጽ 30-31
  • ንምልእቲ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምልእቲ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ
  • ንደቅኻ ምሃሮም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኣብ ገነት ክነብሩ እዮም
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • መን እዮም ዚትንስኡ፧ ኣበይከ እዮም ኪነብሩ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ንምልእቲ ምድሪ እትቕይር መንግስቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ንደቅኻ ምሃሮም
YC ትምህርቲ 14 ገጽ 30-31
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ እታ ገነት ዝዀነት ምድሪ ይነግስ

ትምህርቲ 14

ንምልእቲ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ

ብዛዕባ ኣየነይቲ መንግስቲ ንዛረብ ከም ዘለና ኽትግምት ትኽእልዶ፧— እወ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንዛረብ ዘለና፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኸኣ፡ ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ። ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ብዝያዳ ኽትምሃር ትደሊዶ፧—

ኵለን መንግስትታት ነናተን ንጉስ ኣለወን። ንጉስ ድማ ነቶም ኣብ ሃገሩ ዚነብሩ ሰባት እዩ ዚገዝእ። ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ኣብ ሰማይ እዩ ዚነብር። ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኺገዝእ እዩ! የሱስ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ምስ ነገሰ፡ ሕጉሳት እንኸውንዶ ይመስለካ፧—

ኣብ ገነት እንታይ ኪኸውን ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበ፧

እወ፡ ኣዚና ሕጉሳት ክንከውን ኢና! ኣብ ገነት፡ ሰባት ኣይኪብኣሱን እዮም፣ ኣይኪዋግኡን እውን እዮም። ኵላቶም ኪፋቐሩ እዮም። ዚሓምምን ዚመውትን እውን ኣይኪህሉን እዩ። ዕዉራት ኪርእዩ፡ ጸማማት ኪሰምዑ፡ ሓንካሳት ከኣ ኪጐይዩን ኪዘልሉን እዮም። ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ኪህሉ እዩ። እንስሳታት ንሓድሕዶም ኣይኪቀታተሉን እዮም፣ ምሳና ኸኣ ኪቀራረቡ እዮም። ሞይቶም ዝነበሩ ሰባት እውን ኪትንስኡ እዮም። ከም እኒ ርብቃን ረሃብን ዳዊትን ኤልያስን ዝኣመሰሉ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ እተምሃርካዮም ሰብኡትን ኣንስትን ኪትንስኡ እዮም! ንሳቶም ኪትንስኡ ኸለዉ ኽትረኽቦም ትደሊዶ፧—

የሆዋ የፍቅረካን ክትሕጐስ ይደልየካን እዩ። ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ የሆዋ እንተ ተማሂርካን እንተ ተኣዚዝካዮን፡ ኣብ ጽብቕቲ ገነት ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ! ከምኡ ዲኻ እትደሊ፧—

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

  • ኢሳይያስ 2:4፣ 11:6-9፣ 25:8፣ 33:24፣ 35:5, 6

  • ዮሃንስ 5:28, 29፣ 17:3

ሕቶታት፦

  • ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧

  • የሱስ ኣብ ልዕሊ መን እዩ ኺነግስ፧

  • የሱስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን እንታይ ኪኸውን እዩ፧

  • ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክትነብር እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ