መዝሙር 148
ሓደ ወድኻ ሂብካ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
የሆዋ፡ ኣቦና፡
ብዘይ ተስፋ ኔርና፣
ሳላ ’ቲ በጃ ግን፡
ተስፋ ረኺብና።
ህይወትናን ጥሪትናን፡
ብሉጽና ሂብናካ፣
ክንነግር’ውን ኢና፡
’ቲ ሰናይ ግብርኻ።
(ኣዝማች)
ሓደ ወድኻ’ኳ
ምእንታና ሂብካ፣
ንዘልኣለም ንዝምር
ስለቲ ኽቡር ህያብካ።
ለውሃትካ፡ ምሕረትካ፡
ድንቂ’ዩ ባህርያትካ፣
ንፈትዎ’ውን ኢና፡
’ቲ ዓብዪ ስምካ።
ሓለፋ እዚ ግን፡
ሂብካ ኽቡር ውህበት፣
ምእንታና ሞይቱ፡
ክንነብር ብህይወት።
(ኣዝማች)
ሓደ ወድኻ’ኳ
ምእንታና ሂብካ፣
ንዘልኣለም ንዝምር
ስለቲ ኽቡር ህያብካ።
(መዛዘሚ)
የሆዋ ኣቦና፡ ምስጋና ይብጻሕካ፣
ብፍቕሪ ሂብካና ነቲ ሓደ ወድኻ።