ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • snnw መዝሙር 153
  • የሐጕሰካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሐጕሰካዶ፧
  • ንየሆዋ ዘምሩሉ—ሓድሽ መዝሙራት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሐጕሰካዶ፧
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ‘ዚሓይሽ መርምሩ’
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንኣምላኽ ውፉያት ኢና
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ዘምሩሉ—ሓድሽ መዝሙራት
snnw መዝሙር 153

መዝሙር 153

የሐጕሰካዶ፧

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(እብራውያን 13:15)

  1. የሐጕሰካዶ፡

    ከተገልግል ብቕንኣት፡

    ዝዓቕምኻ ኽትገብር፡

    ክትሕግዝ ቅኑዓት፧

    እጃምካ ’ተ ጌርካ፡

    ኣምላኽ’ዩ ዚምልኦ፣

    ቅኑዕ ንዝልቡ ሰብ፡

    ናብ ቤቱ ዜምጽኦ።

    (ኣዝማች)

    ኣየ ሓጐስ፡ ኣቤት ደስታ፡

    ’ተ ሂብና ዅለንተናና፣

    ወትሩ ኸይሰልከና ነቕርብ፡

    ፍረ ኸናፍርና።

  2. የሐጕሰካዶ፡

    መልእኽትኻ ኺስሕቦም፡

    ነቶም ልቦም ዘንቀደ

    ንህይወት ዘልኣለም፧

    ገሊኦም ይኣብዩ፡

    ካባና ይእለዩ፣

    ንሕናስ ኣይንሕለልን

    ኣለዉ ዚደልዩ።

    (ኣዝማች)

    ኣየ ሓጐስ፡ ኣቤት ደስታ፡

    ’ተ ሂብና ዅለንተናና፣

    ወትሩ ኸይሰልከና ነቕርብ፡

    ፍረ ኸናፍርና።

  3. የሐጕሰኩምዶ፡

    ደገፍ ኣምላኽ ምርካብኩም፡

    ኣብቲ ኽቡር ዕዮኡ፡

    ኣብ ጐድኑ ምዕያይኩም፧

    የሐጕሰና’ወ፡

    ከነበስር ብትግሃት፡

    ክንምስክር’ውን ብቕንኣት፡

    ኪድሕኑ ትሑታት።

    (ኣዝማች)

    ኣየ ሓጐስ፡ ኣቤት ደስታ፡

    ’ተ ሂብና ዅለንተናና፣

    ወትሩ ኸይሰልከና ነቕርብ፡

    ፍረ ኸናፍርና።

(ግብ. 13:48፣ 1 ተሰ. 2:4፣ 1 ጢሞ. 1:11 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ