ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 7 ገጽ 22-ገጽ 23 ሕ.ጽ. 6
  • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ በጽሕዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ በጽሕዎ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስን እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብትን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • እቶም “ሰለስተ ሰብ ጥበብ” እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ን“ኰዀብ” ቤት-ልሄም ስዒቦምዎ ድዮም፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነቲ “ኰዀብ” ዝለኣኾ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ብኰዀብ እተመርሑ ሰባት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 7 ገጽ 22-ገጽ 23 ሕ.ጽ. 6
ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንሓደ ኰዀብ ስዒቦም ናብታ ዮሴፍን ማርያምን የሱስን ዝነበርዋ ቤት ይኸዱ

ምዕራፍ 7

ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ በጽሕዎ

ማቴዎስ 2:1-12

  • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንሓደ “ኰዀብ” ስዒቦም ፈለማ ናብ የሩሳሌም፡ ድሕሪኡ ናብ የሱስ ከዱ

ገለ ሰባት ካብ ምብራቕ መጹ። ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ እዮም ነይሮም፣ ማለት ቦታ ከዋኽብቲ ኣብ ህይወት ሰባት ኣለዎ ዚብልዎ ጽልዋ ንነግር ኢና ብሃልቲ እዮም ነይሮም። (ኢሳይያስ 47:13) ኣብ ዓዶም ኣብ ምብራቕ ከለዉ፡ ሓደ “ኰዀብ” ረኣዩ እሞ፡ ንኣማእታት ኪሎ ሜተራት እናሰዓብዎ ናብ ቤት-ልሄም ዘይኰነስ፡ ናብ የሩሳሌም መጹ።

እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ “እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና፡ ክንሰግደሉ መጺእና” በሉ።—ማቴዎስ 2:1, 2።

ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንንጉስ ሄሮድስ ይሰግዱሉ

እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ሰምበደ። ስለዚ፡ ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ጸውዖም እሞ ክርስቶስ ኣበይ ከም ዚውለድ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲሶም፡ “ኣብ ቤት-ልሄም” ኢሎም መለሱሉ። (ማቴዎስ 2:5፣ ሚክያስ 5:2) ሽዑ፡ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ብሕቡእ ናብኡ ኣምጽኦም እሞ፡ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣጸቢቕኩም መርምሩ፣ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ እውን ከይደ ምእንቲ ኽሰግደሉ፡ ንገሩኒ” በሎም። (ማቴዎስ 2:8) ሄሮድስ ግና ነቲ ሕጻን ኪረኽቦ እሞ ኪቐትሎ እዩ ደልዩ ነይሩ!

እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ምስ ነቐሉ፡ ሓደ ዜገርም ነገር ኰነ። እቲ ኣብ ምብራቕ ከለዉ ዝረኣይዎ “ኰዀብ” ቀቅድሚኦም ከደ። እዚ ተራ ኰዀብ ዘይኰነስ፡ ብፍላይ ንዕኦም ኪመርሖም እተዳለወ ምዃኑ ንጹር እዩ። እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ከኣ፡ እቲ “ኰዀብ” ኣብ ልዕሊ እቲ ዮሴፍን ማርያምን ዘለውዋ ቤት ደው ክሳዕ ዚብል ሰዓብዎ።

ንሓደ ኰዀብ ስዒቦም ናብ ቤት-ልሄም ዝኸዱ ቘጸርቲ ኸዋኽብቲ ንማርያምን ንየሱስን ህያባት ይህብዎም

እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብታ ቤት ምስ ኣተዉ፡ ንማርያምን ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስን ረኸብዎም። ሽዑ፡ እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ሰገዱሉ። ህያባት ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ድማ ሃብዎ። ድሕርዚ፡ ተመሊሶም ናብ ሄሮድስ ኪምለሱ ምስ በሉ፡ ከምኡ ኸይገብሩ ኣምላኽ ብሕልሚ ኣጠንቀቖም። ስለዚ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።

ነቲ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ዚመርሖም ዝነበረ “ኰዀብ” ዘዳለዎ መን ይመስለካ፧ እቲ “ኰዀብ” ብቐጥታ ናብ የሱስ፡ ናብ ቤት-ልሄም ከም ዘይመርሖም ዘክር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ የሩሳሌም ናብቲ ንየሱስ ኪቐትል ዚደሊ ንጉስ ሄሮድስ እዩ መሪሕዎም። ኣምላኽ ኢዱ ብምእታው ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡ የሱስ ኣበይ ከም ዘሎ ንሄሮድስ ከይነግርዎ እንተ ዘየጠንቅቖም ከኣ፡ ሄሮድስ ምቐተሎ ነይሩ። እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ የሱስ ኪቕተል ዚደሊ ዝነበረ፣ ዕላምኡ ንምፍጻም ድማ በዚ ተጠቒሙ እዩ።

  • እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ዝረኣይዎ “ኰዀብ” ተራ ኰዀብ ከም ዘይነበረ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

  • እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ኣብ ዝረኸብዎ እዋን ኣበይ እዩ ነይሩ፧

  • ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ዝመርሖም ሰይጣን ምዃኑ እንድምድም ስለምንታይ ኢና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ