ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 8 ገጽ 24
  • ካብ ሓደ እኩይ ገዛኢ ሃደሙ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ሓደ እኩይ ገዛኢ ሃደሙ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ሓደ ጨቋኒ ገዛኢ ምህዳም
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ስድራ ቤቱ ዘዕቈበን ዝናበየን ጽኑዕ ኣቦ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ንስድራኡ ዜዕቍብን ዚናብን ጽኑዕ ኣቦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 8 ገጽ 24
ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበሩ ዅሎም ሕጻናት ኪቕተሉ ይእዝዝ

ምዕራፍ 8

ካብ ሓደ እኩይ ገዛኢ ሃደሙ

ማቴዎስ 2:13-23

  • ስድራ ቤት የሱስ ናብ ግብጺ ሃደሙ

  • ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ናብ ናዝሬት ኣግዓዞም

ዮሴፍ ንማርያም ህጹጽ መልእኽቲ ኺነግራ፡ ካብ ድቃሳ ኣበራበራ። ኣቐዲሙ መልኣኽ የሆዋ ተራእዮ እሞ፡ “ሄሮድስ ነዚ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፣ ክሳዕ ዝነግረካ ድማ ኣብኡ ጽናሕ” በሎ።—ማቴዎስ 2:13።

ብኡብኡ ዮሴፍን ማርያምን ወዶምን ብለይቲ ሃደሙ። ሄሮድስ በቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኸም እተታለለ ስለ ዝፈለጠ፡ ንስክላ እዮም ኣምሊጦም። ሄሮድስ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ተመሊሶም ኪመጽእዎ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ንሳቶም ግና ከምኡ ኸይገበሩ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ሄሮድስ ከኣ ኣመና ነደረ። ንየሱስ ኪቐትሎ ይደሊ ብምንባሩ ድማ፡ ኣብ ቤት-ልሄምን ጐደቦታታን ንዝጸንሑ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘበሉ ዅሎም ኣወዳት ኪቕተሉ ኣዘዘ። ነቲ ዕድመ ኺውስኖ ዝኸኣለ ድማ፡ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ኻብቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ቘጸርቲ ኸዋኽብቲ ዝፈለጦ ሓበሬታ እዩ።

ሓደ ወተሃደር ንሓደ ሕጻን ካብ ሕቝፊ ኣዲኡ ይምንዝዕ

ቅትለት ኵሎም እዞም ሕጻናት እዚኦም ዜስካሕክሕ እዩ ነይሩ! ክንደይ ሕጻናት ከም እተቐትሉ ኣይንፈልጥን ኢና፣ እቲ መሪር ብኽያትን ዋይዋይታን እተን ውሉዳተን ዝሰኣና ኣዴታት ግና ነቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝዀነ ኤርምያስ ዝበሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት ፈጺምዎ እዩ።—ኤርምያስ 31:15።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ዮሴፍን ስድራ ቤቱን ብሰላም ናብ ግብጺ ሃደሙ፡ ኣብኡ እውን ተቐመጡ። ሓደ ለይቲ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ንዮሴፍ ከም ብሓድሽ ብሕልሚ ተራእዮ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ህይወት እዚ ሕጻን እዚ ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ። (ማቴዎስ 2:20) ስለዚ፡ ዮሴፍ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ኸም ዚኽእሉ ደምደመ። በዚ ኸምዚ፡ ካልእ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተፈጸመ፣ እወ፡ ወዲ ኣምላኽ ካብ ግብጺ ተጸውዐ።—ሆሴእ 11:1።

ዮሴፍ ኣብታ ናብ ግብጺ ቕድሚ ምህዳሞም ዚነብሩላ ዝነበሩ ቤት-ልሄም ኪነብሩ ዝደለየ እዩ ዚመስል። እንተዀነ ግና፡ እቲ እኩይ ኣርኬላዎስ ወዲ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ከም ዝነገሰ ፈለጠ። ኣምላኽ ድማ ብኻልእ ሕልሚ ገይሩ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ኣጠንቀቖ። ስለዚ፡ ዮሴፍን ስድራ ቤቱን ናብ ሰሜን ከዱ፣ ካብ ማእከል ሃይማኖታዊ ህይወት ኣይሁድ ርሒቖም ድማ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ከተማ ናዝሬት ተቐመጡ። የሱስ ከኣ ኣብቲ ማሕበረሰብ እቲ ዓበየ፣ እዚ ኸኣ ነቲ “ናዝሬታዊ ኺብሃል እዩ” ዚብል ካልእ ትንቢት ዚፍጽም እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 2:23።

  • እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኸይተመልሱ ምስ ተረፉ፡ ንጉስ ሄሮድስ እንታይ ገበረ፧ እቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ግና ብኸመይ ዕቝባ ረኸበ፧

  • ዮሴፍን ስድራ ቤቱን ካብ ግብጺ ምስ ተመልሱ፡ ናብ ቤት-ልሄም ዘይከይዱ ስለምንታይ እዮም፧

  • ኣብቲ እዋን እቲ፡ እንታይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ እተፈጸመ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ