ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 21 ገጽ 56-ገጽ 57 ሕ.ጽ. 6
  • ኣብታ ኣብ ናዝሬት እትርከብ ምኵራብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብታ ኣብ ናዝሬት እትርከብ ምኵራብ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቤት ጸሎት ናይታ ዝዓበየላ ዓዲ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ፡ ሰብ ናዝሬት ኣይተቐበልዎን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ካብ ቤት ያኢሮስ ወጺኡ እንደገና ናብ ናዝሬት ከደ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝሰበኹሉ ምኵራብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 21 ገጽ 56-ገጽ 57 ሕ.ጽ. 6
የሱስ ኣብ ምኵራብ ተንሲኡ ኻብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኢሳይያስ የንብብ

ምዕራፍ 21

ኣብታ ኣብ ናዝሬት እትርከብ ምኵራብ

ሉቃስ 4:16-31

  • የሱስ ካብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኢሳይያስ ኣንበበ

  • ሰብ ናዝሬት ንየሱስ ኪቐትልዎ ፈተኑ

የሱስ ናብ ናዝሬት ምስ ተመልሰ፡ ኣብታ ኸተማ ሓጐስ ከም ዝዀነ ኣየጠራጥርን እዩ። ከመይሲ፡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ይገብር ብዮሃንስ ኪጥመቕ ቅድሚ ምኻዱ፡ ጸራቢ እዩ ነይሩ። ናባታቶም ኣብ እተመልሰሉ ግዜ ግና ኣብ ርሑቕ ይኹን ቀረባ ግብርታት ሓይሊ ብምግባሩ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። ተቐማጦ እታ ዓዲ፡ ኣብ ቅድሚኦም ገለ ኻብቲ ግብርታት ኪገብር ከሎ ኺርእይዎ ተሃንጥዮም እዮም ነይሮም።

የሱስ ከም ልማዱ ናብታ ኣብቲ ዓዲ እትርከብ ምኵራብ ምስ ኣተወ፡ ህንጥዮቶም ወሰኸ። ኣብኣ ድማ ከምቲ ‘ሰንበት ሰንበት ኣብ ምኵራባት’ ዚግበር፡ ጸሎት ይግበርን ካብ መጻሕፍቲ ሙሴ ይንበብን ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:21) ገለ ኻብቲ ትንቢታዊ መጻሕፍቲ እውን ይንበብ ነበረ። የሱስ ኬንብብ ምስ ተንስአ፡ ኣቐዲሙ ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ምኵራብ ይእከብ ብምንባሩ፡ ንብዙሓት ኣለልይዎም ኪኸውን ኣለዎ። ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ድማ ተዋህቦ። ናብቲ ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ የሆዋ እተቐብአ ቕቡእ ዚገልጽ ቦታ ቐልዐ፣ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ሎሚ ኣብ ኢሳይያስ 61:1, 2 ይርከብ።

የሱስ ድማ፡ እቲ ቕቡእ ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ፡ ንዕዉራት ምርኣይ ከም ዚእውጅ፡ ከምኡ እውን ቅብልቲ ዓመት የሆዋ ኸም ዚሰብኽ ኣንበበ። ድሕሪኡ፡ ነታ መጽሓፍ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኵለን ኣዒንቲ ኸኣ ናብኡ ኣተኲረን ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፡ “እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ፡ ሎሚ ተፈጺሙ” ኺብሎም ጀመረ።—ሉቃስ 4:21።

እቶም ሰባት “በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ጥዑም ዘረባ” ተገረሙ፡ ንሓድሕዶም እውን፡ “እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧” ይብሉ ነበሩ። የሱስ ግብርታት ሓይሊ ኺገብር ከሎ ኺርእይዎ ይደልዩ ኸም ዝነበሩ ስለ ዝፈለጠ ግና፡ “‘ሓኪም ንርእስኻ ኣሕዊ’ ዚብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፡ ‘እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ከም ዝዀነ ዝሰማዕናዮ፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻ እውን ግበር’ ድማ ከም እትብሉኒ ርግጸኛ እየ” በሎም። (ሉቃስ 4:22, 23) እቶም ኣቐዲሞም ጐረባብቲ የሱስ ዝነበሩ፡ ንጥቕሚ እቶም ሰቡ ኢሉ ብቐዳምነት ኣብ ዓዱ ኼሕዊ ኸም ዚግብኦ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ሸለል ዝበሎም መሰሎም።

የሱስ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ካብ ታሪኽ እስራኤል ገለ ነጥብታት ጠቐሰሎም። ብዘመን ኤልያስ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት እኳ እንተ ነበራ፡ ኤልያስ ግና ናብ ሓንቲ ኻባታተን ከም ዘይተላእከ ሓበሮም። የግዳስ፡ ናብ ሓንቲ ኣብታ ሰራጵታ እትብሃል ጥቓ ሲዶን እትርከብ ከተማ ዝነበረት እስራኤላዊት ዘይኰነት መበለት እዩ ዝኸደ፣ ኣብኡ ኸኣ ህይወት ዜድሕን ተኣምር ገበረ። (1 ነገስት 17:8-16) ብዘመን ኤልሳእ ድማ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ድዉያት እኳ እንተ ነበሩ፡ ነብዪ ኤልሳእ ግና ነቲ ኻብ ሶርያ ዝመጸ ንእማን ጥራይ እዩ ኣንጺሁ።—2 ነገስት 5:1, 8-14።

ኣብቲ ምኵራብ ዝነበሩ ሰብኡት ንየሱስ ናብ ገምገም ከረን ይወስድዎ

እቶም ደቂ ዓዱ ነቲ ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩ ምዃኖምን እምነት ከም ዘይብሎምን ዜቃልዕ ታሪኻዊ ምስስል ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ፧ እቶም ኣብታ ምኵራብ ዝነበሩ፡ ተቘጥዑ፣ ተንሲኦም ከኣ ካብታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣውጽእዎ። ኬጽድፍዎ ኢሎም ድማ ናብ ገምገም እቲ ናዝሬት እተሰርሓትሉ ኸረን ወሰድዎ። የሱስ ግና ካብ ኢዶም ኣምለጠ፡ ብሰላም ከኣ ከደ። ድሕርዚ፡ የሱስ ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቅፍርናሆም ከደ።

  • ኣብታ ዓዲ የሱስ ዝዀነት ናዝሬት ሓጐስ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • እቶም ሰባት ኣብ ፈለማ ብዘረባ የሱስ ከመይ ተሰምዖም፧ እንታይ ግና እዩ ዘቘጥዖም፧

  • እቶም ህዝቢ ናዝሬት ንየሱስ እንታይ ኪገብርዎ እዮም ዝፈተኑ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ