ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 24 ገጽ 62-ገጽ 63 ሕ.ጽ. 7
  • ኣብ ገሊላ ኣገልግሎቱ ኣስፍሐ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ገሊላ ኣገልግሎቱ ኣስፍሐ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ምኽንያት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ሀ7-ሐ ቀንዲ ፍጻመታት ምድራዊ ህይወት የሱስ—የሱስ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ሰፊሕ ኣገልግሎት (1ይ ክፋል)
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ንኣምልኾ የሆዋ ምቕናእ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • መሲሕ ንትንቢት ፈጺምዎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 24 ገጽ 62-ገጽ 63 ሕ.ጽ. 7
ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ንየሱስ ይረኽብዎ

ምዕራፍ 24

ኣብ ገሊላ ኣገልግሎቱ ኣስፍሐ

ማቴዎስ 4:23-25 ማርቆስ 1:35-39 ሉቃስ 4:42, 43

  • የሱስ ምስ ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊላ ዞረ

  • ወረ ስብከቱን ግብርታቱን ኣብ ኵሉ ተዘርግሐ

የሱስ ምስቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቅፍርናሆም ብስራሕ ኣዝዩ ትሑዝ ኰይኑ ወዓለ። ምስ መሰየ፡ ሰብ ቅፍርናሆም ኬሕውዮም ኢሎም ሕሙማት ኣምጽኡሉ። የሱስ ብሕት ዚብለሉ ግዜ ኣይረኸበን።

ንጽብሒቱ ንግሆ ገና ጸልማት ከሎ፡ የሱስ ተንሲኡ ናብ ወጻኢ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ናብ ኣቦኡ ጸለየ። ብሕት ኢሉ ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን። ከም ዘየሎ ምስ ፈለጡ፡ ‘ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ደለይዎ።’ ኣብዚ ጴጥሮስ መሪሕ ግደ ሒዙ ዘሎ፡ የሱስ ኣቐዲሙ ኣብ እንዳ ጴጥሮስ ስለ ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማርቆስ 1:36፣ ሉቃስ 4:38።

ንየሱስ ምስ ረኸብዎ፡ ጴጥሮስ፡ “ኵላቶም ይደልዩኻ ኣለዉ” በሎ። (ማርቆስ 1:37) ሰብ ቅፍርናሆም የሱስ ምሳታቶም ኪጸንሕ ምድላዮም ዜገርም ኣይኰነን። በቲ ዝገበረሎም ነገር ብሓቂ ሕጉሳት እዮም ነይሮም፣ ስለዚ፡ “ካባታቶም ከይከይድ ኪሕዝዎ ፈተኑ።” (ሉቃስ 4:42) የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ቐንዲ ምኽንያት ግና ብተኣምር ምእንቲ ኼሕዊ ድዩ፧ ንጥፈታቱኸ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ጥራይ ተሓጺሩ ድዩ ኺተርፍ ዚግባእ፧ ንሱ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢሉ ተዛሪቡ፧

የሱስ ምስ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ኪዛራረብ ከሎ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዘላ ዓዲ የመልክት

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ምእንቲ እዚ እየ መጺአ እሞ፡ ኣብኡ እውን ምእንቲ ኽሰብኽሲ፡ ናብ ካልእ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዘለዋ ዓድታት ንኺድ” ኢሉ መለሰሎም። ነቶም ምሳታቶም ኪጸንሕ ዝደለዩ ሰባት እውን እንተ ዀነ፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በሎም።—ማርቆስ 1:38፣ ሉቃስ 4:43።

እወ፡ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ሓደ ዓብዪ ምኽንያት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እዩ። እታ መንግስቲ እቲኣ ድማ ስም ኣቦኡ ኽትቅድስን ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ንሓዋሩ ኽትፈትሕን እያ። የሱስ ብኣምላኽ ከም እተላእከ መርትዖ ንምሃብ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኣሕውዩ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሙሴ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ብኣምላኽ ከም እተላእከ መርትዖ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዜደንቕ ግብርታት ገይሩ እዩ።—ዘጸኣት 4:1-9, 30, 31።

ድሕርዚ፡ የሱስ ኣብ ካልእ ከተማታት ኪሰብኽ ኢሉ ኻብ ቅፍርናሆም ምስ ነቐለ፡ እቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ኸዱ። እቶም ኣርባዕተ ኸኣ፡ ጴጥሮስን ሓዉ እንድርያስን ዮሃንስን ሓዉ ያእቆብን እዮም ነይሮም። ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ሰሙን፡ ምስ የሱስ ዚጓዓዙ ቐዳሞት መዓይይቱ ኪዀኑ ተጸዊዖም እዮም።

እቲ የሱስ ምስቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ዙረት ኣዝዩ ዕዉት እዩ ነይሩ! አረ ብዛዕባኡስ ክሳብ ርሑቕ እውን እዩ ተወርዩ። እወ፡ “ወሪኡ . . . ናብ ኵላ ሶርያ ተዘርግሐ፡” ናብቲ ደካጶሊስ ዚብሃል ዞባ ዓሰርተ ኸተማን ናብ ስግር ፈለግ ዮርዳኖስን እውን በጽሐ። (ማቴዎስ 4:24, 25) ካብቲ ቦታታት እትን ካብ ይሁዳን ድማ ብዙሕ ህዝቢ ንየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ሰዓቦም። ብዙሓት ከኣ ኪሓውዩ ዚደልዩ ኣምጽኡሉ። የሱስ ድማ ኣየሕፈሮምን፣ ንሕሙማት ኣሕወዮም፡ ካብቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም እውን እኩያት መናፍስቲ ኣውጽአ።

  • የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ብስራሕ ትሑዝ ኰይኑ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ንጽብሒቱ እንታይ ኰነ፧

  • የሱስ ናብ ምድሪ እተላእከ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ዝገበሮ ተኣምራትከ እንታይ ዕላማ ነበሮ፧

  • ኣብቲ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ዙረት ስብከት፡ ምስ የሱስ ዝኸዱ መነመን እዮም፧ ንጥፈታት የሱስከ እንታይ ምላሽ ረኸበ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ