ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 25 ገጽ 64-ገጽ 65 ሕ.ጽ. 6
  • ንሓደ ድዉይ ብርሕራሐ ኣሕወዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓደ ድዉይ ብርሕራሐ ኣሕወዮ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሓደ ለምጻም ድንጋጽ ምርኣይ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጣ’
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ተመስግን ዲኻ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ንሰባት የፍቅሮም ነበረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 25 ገጽ 64-ገጽ 65 ሕ.ጽ. 6
የሱስ ንሓደ ኣብ ቅድሚኡ እተምበርከኸ ድዉይ ይትንክዮ

ምዕራፍ 25

ንሓደ ድዉይ ብርሕራሐ ኣሕወዮ

ማቴዎስ 8:1-4 ማርቆስ 1:40-45 ሉቃስ 5:12-16

  • የሱስ ንሓደ ድዉይ ኣሕወዮ

የሱስን እቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱን ‘ኣብ ምኵራባት እናሰበኹ፡ ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞሩ፡’ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ዜደንቕ ነገራት ዚገልጽ ወረ ኸኣ ኣብ ኵሉ ተዘርግሐ። (ማርቆስ 1:39) ወረ እቲ ዝገበሮ ነገራት ናብ ሓደ ድዉይ ዚነብረላ ከተማ እውን በጽሐ። እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ነቲ ሰብኣይ፡ “ደዌ ዝመልኦ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሉቃስ 5:12) እዚ ዜስካሕክሕ ሕማም እዚ፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃኡ ምስ በጽሐ፡ ንእተፈላለየ ኣካላት ሰብነት የበላሹ እዩ።

ስለዚ፡ እቲ ድዉይ ኣብ ሕማቕ ኵነታት እዩ ነይሩ፡ ካብ ሰባት ርሒቑ ኺነብር እውን እዩ ነይርዎ። ብዘይካዚ፡ ካልኦት ከይቀርብዎ እሞ በቲ ሕማም ከይልበዱ፡ ዓው ኢሉ፡ “ርኹስ፡ ርኹስ!” ኪብል ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ እዩ። (ዘሌዋውያን 13:45, 46) እቲ ድዉይ ግና እንታይ እዩ ገይሩ፧ ናብ የሱስ ቀሪቡ ብገጹ ተደፍአ እሞ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ።—ማቴዎስ 8:2።

እቲ ሰብኣይሲ ኣብ የሱስ ከመይ ዝበለ እምነት ኰን እዩ ነይርዎ! ብሰንኪ እቲ ሕማሙ እውን ኣብ ዜሕዝን ኵነታት እዩ ነይሩ። እሞኸ የሱስ እንታይ ገበረ፧ ንስኻኸ ኣብኡ እንተ ትነብር፡ እንታይ ምገበርካ፧ የሱስ ብርሕራሐ ተደሪኹ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። (ማቴዎስ 8:3) ብኡብኡ ኸኣ ብመስተንክራዊ መገዲ ደዌኡ ጠፍአ።

ከም የሱስ ዝበለ ርሕሩሕን ክኢላን ንጉስ እንተ ዚህልወካስ ባህዶ ኣይምበለካን፧ እቲ የሱስ ነቲ ድዉይ ዝገበረሉ ነገር፡ የሱስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ምስ ነገሰ፡ እቲ፡ “ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ ህይወት ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ” ዚብል ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚፍጸም የረጋግጸልና። (መዝሙር 72:13) እወ፡ ሽዑ የሱስ ነቲ ንዅሎም ውጹዓት ኪሕግዞም ዘለዎ ልባዊ ባህጊ ኺፍጽሞ እዩ።

ነቲ ድዉይ ቅድሚ ምሕዋዩ እኳ፡ ኣገልግሎት የሱስ ኣብቲ ህዝቢ ዓብዪ ሓጐስ ፈጢሩ ምንባሩ ትዝክሮ ትኸውን። ነዚ ተኣምር ድሕሪ ምግባሩ እውን፡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገር ኪሰምዑ ኣጋጣሚ ተኸፊቱ ነይሩ እዩ። የሱስ ግና፡ ሰባት ኣብ ኣፋዊ ወረ ጥራይ ተመርኲሶም ብእኡ ኺኣምኑ ኣይደለየን። ነቲ፡ “ድምጹ እውን ኣብ ጐደና ኣይኬስምዕን እዩ” ዚብል፡ ማለት ስምዒታዊ ወረ ኸም ዚውረየሉ ኸም ዘይገብር ዚገልጽ ትንቢት ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 42:1, 2) ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፡ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣ . . . ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” ኢሉ ኣዘዞ።—ማቴዎስ 8:4።

እቲ ሰብኣይ ግና ብምሕዋዩ ኣዝዩ ተሓጒሱ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዝዀነ ነገር ንበይኑ ሒዝዎ ስቕ ኪብል ኣይከኣለን። ከይዱ ነቲ ወረ ኣብ ኵሉ ዘርግሖ። እዚ ድማ ኣብቶም ህዝቢ ተገዳስነትን ናይ ምፍላጥ ባህግን ኣለዓዓለ። ስለዚ ኸኣ፡ የሱስ ሰብ ኣብ ዘይነብረሉ ጽምዊ ቦታታት ደኣ ጸንሐ እምበር፡ ናብ ከተማ ብግህዶ ኺኣቱ ኣይከኣለን። ግናኸ፡ ኪምሃሩን ኪሓውዩን ካብ ኵሉ ሸነኽ ናብኡ ይመጹ ነበሩ።

  • ደዌ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧ ድዉይከ እንታይ ኪገብር እዩ ዝነበሮ፧

  • ሓደ ድዉይ ንየሱስ ዝለመኖ ብኸመይ እዩ፧ ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽከ እንታይ ኢና እንምሃር፧

  • እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገር እንታይ እዩ ዝገበረ፧ እዚኸ ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ