ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 32 ገጽ 78-ገጽ 79 ሕ.ጽ. 7
  • ብሰንበት እንታይ እዩ ተፈቒዱ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሰንበት እንታይ እዩ ተፈቒዱ፧
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መዓልቲ ሰንበት ክግበር ግቡእ ዝኸውን እንታይ ኢዩ፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ብሰንበት ሰዊት ቀንጠቡ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ክርስትያናት ሰንበት ኬኽብሩ ይግብኦም ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ መዓልቲ ሰንበት ሸዊት ምቕንጣብ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 32 ገጽ 78-ገጽ 79 ሕ.ጽ. 7
የሱስ፡ ዝነቐጸት ኢድ ሓደ ሰብኣይ የሕዊ

ምዕራፍ 32

ብሰንበት እንታይ እዩ ተፈቒዱ፧

ማቴዎስ 12:9-14 ማርቆስ 3:1-6 ሉቃስ 6:6-11

  • ብሰንበት ኢድ ሰብ ኣሕወየ

ኣብ ካልእ ሰንበት፡ የሱስ ናብ ሓንቲ ኣብ ገሊላ እትርከብ ምኵራብ ከደ። ኣብኡ ሓደ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። (ሉቃስ 6:6) ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ የሱስ ነቲ ሰብኣይ እንተ ኣሕውይዎ ይከታተልዎ ነበሩ። ስለምንታይ እዮም ዚከታተልዎ ዝነበሩ፧ ሓሳብ ልቦም ኪገልጹ ኸለዉ፡ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ተፈቒዱ እዩ፧” ኢሎም ሓቲቶምዎ እዮም።—ማቴዎስ 12:10።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ብሰንበት ምሕዋይ ግቡእ ዚኸውን ህይወት ኣብ ሓደጋ ምስ ዚኣቱ ጥራይ ምዃኑ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ብሰንበት ዓጽሙ ንእተሰብረ ምቕናዕ ወይ ንእተገምየ ምዝናን ዘይግቡእ ከም ዝዀነ ይምህሩ ነበሩ። ስለዚ፡ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነቲ መስኪናይ ሰብኣይ ስለ ዝደንገጹሉ ኣይኰኑን ንየሱስ ሕቶ ዘቕረቡሉ። የግዳስ፡ ንየሱስ ዚኸስሱሉ ምኽንያት እዮም ዚደልዩ ነይሮም።

የሱስ ግና ነቲ ጠዋይ ሓሳቦም ፈለጦ። ብዛዕባ እቲ ብሰንበት ኪግበር ዘይግባእ ዕዮ ዘይሚዛናውን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ፈለጠ። (ዘጸኣት 20:8-10) ኣቐዲሙ ብምኽንያት እቲ ዝገበሮ ጽቡቕ ግብርታት ከምዚ ዓይነት ነቐፌታ ኣጋጢምዎ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ “ተንስእ እሞ፡ ንዓ ናብ ማእከል” ብምባል፡ ነቲ መድረኽ ንሓደ ውዕዉዕ ኣከራኻሪ ጕዳይ ኣዳለዎ።—ማርቆስ 3:3።

ናብቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግልጽ ኢሉ፡ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፡ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወዲቓ፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን ሰብ ኣሎዶ፧” በሎም። (ማቴዎስ 12:11) ሓንቲ በጊዕ ተሸይጣ ዋጋ ስለ እተውጽእ፡ ኣብቲ ጕድጓድ ከይትመውት እሞ ኸይከስሩ ኢሎም ክሳዕ ንጽብሒቱ ኣይገድፍዋን እዮም ነይሮም። ብዘይካዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን፡ “ጻድቕ ንእንስሳኡ ይከናኸኖ” እዩ ዚብል።—ምሳሌ 12:10።

ምስዚ ብምምስሳል፡ የሱስ ቀጺሉ፡ “ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ኣዝዩ ኣይበልጽን! እምበኣር፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ተፈቒዱ እዩ” በሎም። (ማቴዎስ 12:12) ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ምስ ዜሕውዮ፡ ንሕጊ ሰንበት ኣይጥሕስን እዩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ እቲ ርትዓውን ርሕራሐ ዘለዎን ኣተሓሳስባ ጌጋ ምዃኑ ኼረጋግጹ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ኣጽቀጡ።

የሱስ በቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኦም ተቘጢዑን ጕህዩን ግልጽ ግልጽ ኢሉ ጠመቶም። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። (ማቴዎስ 12:13) ንሱ ኸኣ ዘርግሓ እሞ፡ ኢዱ ሓወየት። እዚ ነቲ ሰብኣይ እኳ እንተ ኣሐጐሶ፡ እቶም ንየሱስ ኪጠልፍዎ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ግና እንታይ እዮም ገይሮም፧

መራሕቲ ኣይሁድ ንየሱስ ኪቐትልዎ ውዲት ይኣልሙ

ኢድ እቲ ሰብኣይ ብምሕዋያ ኣብ ክንዲ ዚሕጐሱ፡ ብኡብኡ ወጺኦም “ከመይ ገይሮም [ንየሱስ] ከም ዚቐትልዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም” ብዛዕባኡ ውዲት ኣለሙ። (ማርቆስ 3:6) እዞም ሄሮድሳውያን ዚብሃሉ ኣባላት ፖለቲካዊ ጕጅለ፡ ነቶም ሰዱቃውያን ዜጠቓልሉ ዝነበሩ ኪዀኑ ኣለዎም። ከም ልሙድ፡ ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን ንሓድሕዶም ይጻረሩ እዮም ነይሮም፣ ንየሱስ ንምቅዋም ግና ድልዱል ሕብረት እዮም ገይሮም።

  • እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ንየሱስ ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ኣከራኻሪ ጕዳይ ከም ዚዛራረብ ዝገበሮ፧

  • መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብዛዕባ ሕጊ ሰንበት እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም፧

  • የሱስ ነቲ ግጉይ ኣረኣእያኦም ብጥበብ ዘቃልዖ ብኸመይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ