ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 36 ገጽ 92-ገጽ 93 ሕ.ጽ. 7
  • ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዓባይ እምነት ኣርኣየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዓባይ እምነት ኣርኣየ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓባይ እምነት ናይ ሓደ ሓለቓ ሰራዊት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ኣሎዶ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • እምነትካ ንግብሪ ትድርኸካ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 36 ገጽ 92-ገጽ 93 ሕ.ጽ. 7
ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ንዝሓመመ ባርያኡ ይርእዮ፣ ኣብ ድሕሪት ከኣ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብ የሱስ ይመጹ

ምዕራፍ 36

ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዓባይ እምነት ኣርኣየ

ማቴዎስ 8:5-13 ሉቃስ 7:1-10

  • ባርያ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ሓወየ

  • እምነት ዘላቶም ኪባረኹ እዮም

ዓበይቲ ኣይሁድ ናብ የሱስ ይመጹ

የሱስ ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ምስ ወድአ፡ ናብ ከተማ ቅፍርናሆም ከደ። ኣብኡ ድማ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ቐረቡ። ናብኡ ኪኸዱ ዝለኣኾም ከኣ፡ ሓደ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ እዩ ነይሩ።

እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ዚፈትዎ ባርያኡ ኣመና ሓሚሙ፡ ኪመውት ቀሪቡ ነበረ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኻብ ኣህዛብ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ የሱስ ግና ሓገዝ ደለየ። እቶም ኣይሁድ ድማ፡ “ጊልያይ ለሚሱ ኣብ ቤተይ ደቂሱ ኣሎ፣ ብርቱዕ ቃንዛ እውን ኣለዎ” ኢሎም ኪነግርዎ ኸም እተላእኩ ንየሱስ ነገርዎ። (ማቴዎስ 8:6) ኣስዕብ ኣቢሎም ከኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ “ንህዝብና ይፈቱ፡ ምኵራብ እውን ሃኒጹልና እዩ” ብምባል ሓገዝ ከም ዚግብኦ ንየሱስ ገለጹሉ።—ሉቃስ 7:4, 5።

የሱስ ናብ እንዳ ሓለቓ ሚእቲ ይቐርብ፡ ኣዕሩኽ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንየሱስ ኪረኽብዎ ይመጹ

የሱስ ከኣ ምስቶም ዓበይቲ ናብ ቤት እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸደ። ምስ ቀረቡ ግና፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ልኢኹ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣይትድከም። ስለዚ ድማ እየ ናባኻ ንምምጻእ፡ ንርእሰይ ብቕዕቲ ገይረ ዘይቈጸርክዋ” በሎ። (ሉቃስ 7:6, 7) እዚ ትእዛዝ ምሃብ ዝለመደ ሰብ እዝስ ከመይ ዝበለ ትሕትና ዝመልኦ ዘረባ ዀን እዩ ተዛሪቡ! ብዘይካዚ ድማ፡ እዚ ዘረባኡ ኻብቶም ንባሮቶም ብጭካነ ዚሕዙ ሮማውያን እተፈልየ ምዃኑ ዜርኢ እዩ።—ማቴዎስ 8:9።

እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኣይሁድ ምስ ካልእ ዝዓሌቱ ኸም ዘይሕወሱ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:28) ምናልባት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ብኣዕሩኹ ገይሩ ንየሱስ፡ “ሓንቲ ቓል በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ” ዝበሎ።—ሉቃስ 7:7።

የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ተገረመ እሞ፡ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ፡ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ። (ሉቃስ 7:9) እቶም ኣዕሩኽ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ናብ ቤት ምስ ተመልሱ፡ እቲ ኸቢድ ሕማም ሓሚሙ ዝነበረ ባርያ ጥዕዩ ረኸብዎ።

የሱስ ነቲ ባርያ ምስ ኣሕወዮ፡ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰብ እምነት ከም ዚባረኹ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ኪመጹ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም” በለ። እቶም እምነት ዘይነበሮም ኣይሁድከ፧ የሱስ ብዛዕባኦም፡ “ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም” በለ።—ማቴዎስ 8:11, 12።

ስለዚ፡ እቶም ነቲ ምስ ክርስቶስ ክፍሊ እታ መንግስቲ ኪዀኑ መጀመርታ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎምሲ ዘይተቐበልዎ ብስጋ ኣይሁድ፡ ተቐባልነት ኣይረኽቡን እዮም። ኣህዛብ ግና ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ኣብ መንግስተ ሰማያት” ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።

  • ኣይሁድ ንሓደ ኻብ ኣህዛብ ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ ዝለመኑሉ ስለምንታይ እዮም፧

  • እቲ ሓለቓ ሚእቲ ንየሱስ ናብ ቤቱ ኸይኣቱ ዝለመኖ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

  • ኣህዛብ እንታይ ተስፋ ኸም ዘለዎም እዩ የሱስ ዘጕልሐ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ