ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 37 ገጽ 94-ገጽ 95 ሕ.ጽ. 1
  • የሱስ ንሓንቲ መበለት ወዳ ኣተንስኣላ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ንሓንቲ መበለት ወዳ ኣተንስኣላ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ንሓንቲ መበለት ካብ ጓሂ ኣድሓና
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • መላሲ ህይወት ሉቃስ 7:11-15
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ካብ ሞት ክንትንስእ ንኽእል ኢና!
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • “ክኸውን ዘይክእል ነገር ኢዩ!”
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 37 ገጽ 94-ገጽ 95 ሕ.ጽ. 1
የሱስን ሃዋርያቱን፡ ሰባት ናብ ቀብሪ ወዲ ሓንቲ መበለት ኪኸዱ ተጓነፍዎም

ምዕራፍ 37

የሱስ ንሓንቲ መበለት ወዳ ኣተንስኣላ

ሉቃስ 7:11-17

  • ኣብ ናይን እተገብረ ትንሳኤ

የሱስ ንጊልያ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድሕሪ ምሕዋዩ፡ ካብ ቅፍርናሆም ነቒሉ ናብታ ብደቡባዊ ምዕራብ ልዕሊ 32 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ናይን ከደ። ኰይኑ ግና፡ በይኑ ኣይነበረን። ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ናብ ጥቓ ናይን ኪቐርቡ ኸለዉ ኣጋ ምሸት ኰይኑ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ኣይሁድ ናብ ቀብሪ ኪኸዱ ተጓነፍዎም። ሬሳ ሓደ ጐበዝ ተጾይሩ ኻብታ ኸተማ ይወጽእ ነበረ።

ምናዳ ኣደ እቲ ጐበዝ ብሓዘን ተደቚሳ እያ ነይራ። ከመይሲ፡ መበለት እያ ነይራ፣ ሓደ ወዳ ኸኣ እዩ ሞይትዋ። ሰብኣያ ኺመውት ከሎ፡ ፍቑር ወዲ ስለ ዝነበራ ተጸናኒዓ ኽትከውን ትኽእል እያ። ተስፋኣን ጠዋሪኣን ንሱ ብምንባሩ፡ ኣጸቢቓ ትፈትዎ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። እንተዀነ ግና፡ ንሱ እውን ሞተ። ጨና ዚዀናን ዚድግፋን ሓደ እኳ ኣይተረፋን።

የሱስ ነታ ሰበይቲ ምስ ረኣያ፡ በቲ ብርቱዕ ሓዘናን በቲ ዜጕሂ ዅነታታን ልቡ ተተንከየ። ስለዚ፡ ብለውሃት፡ “ደጊም ኣይትብከዪ” ኢሉ ኣጸናንዓ። ኰይኑ ግና፡ በዚ ኣየብቅዐን። ቀሪቡ ነቲ ሬሳ ዝነበሮ ቓሬዛ ተንከዮ። (ሉቃስ 7:13, 14) እቶም ሓዘንተኛታት ድማ፡ እቲ ተግባራቱ ደንጽይዎም ደው በሉ። ‘እንታይ ማለቱ እዩ፧ እንታይ እዩ ኺገብር፧’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም።

የሱስ ነቲ ዝተንስአ ወዲ ንኣዲኡ ይህባ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ይግረሙ

እቶም ምስ የሱስ ዚኸዱ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ግብርታት ሓይሊ ኺገብር፡ ብዙሓት ሕሙማት እውን ኬሕዊ ርእዮምዎ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ካብ ምዉታት ኬተንስእ ርእዮምዎ ዘይፈልጡ እዮም ዚመስሉ። ቅድሚኡ ነዊሕ ይገብር ትንሳኤ ዀይኑ ዚፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስከ ኼተንስእ ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ (1 ነገስት 17:17-23፣ 2 ነገስት 4:32-37) የሱስ፡ “ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣለኹ!” በለ። (ሉቃስ 7:14) ከምኡ እውን ኰነ። እቲ ጐበዝ ተንሲኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብ እውን ጀመረ! የሱስ ከኣ ነታ ሰምቢዳን ተሓጒሳን ዝነበረት ኣዲኡ ሃባ። ደጊም በይና ኣይኰነትን።

እቶም ህዝቢ፡ እቲ ጐበዝ ብሓቂ ህያው ከም ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ “ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና” እናበሉ ነቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ወደስዎ። ገሊኦም ከኣ፡ “ኣምላኽ፡ ቈላሕታኡ ናብ ህዝቡ ገይሩ” ብምባል ኣገዳስነት እቲ የሱስ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብሪ ኸም እተገንዘቡ ኣርኣዩ። (ሉቃስ 7:16) ወረ እዚ ዜገርም ተግባር፡ ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ተዘርግሐ፣ ናብታ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ዓዲ የሱስ ዝዀነት ናዝሬት እውን በጺሑ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ወረ ኽሳዕ እታ ብደቡብ እትርከብ ይሁዳ እውን በጽሐ።

ዮሃንስ መጥምቕ ግና ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ግብርታት ከኣ ኣጸቢቑ ኺፈልጥ ደለየ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ተኣምራት እዚ ነገርዎ። እቲ ዝሃቦ ምላሽከ እንታይ ነበረ፧

  • የሱስ ናብ ናይን ምስ ቀረበ እንታይ ኰነ፧

  • የሱስ በቲ ዝርኣዮ ብኸመይ ተተንከየ፧ እንታይከ ገበረ፧

  • እቶም ሰባት ነቲ የሱስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ እንታይ በሉ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ