ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 65 ገጽ 154-ገጽ 155 ሕ.ጽ. 3
  • ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ኸለዉ መሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ኸለዉ መሃሮም
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሕቡእ ናብ የሩሳሌም ምኻድ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ‘ግዜኡ ኣይበጽሐን’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝነበረ ኣገዳሲ በዓላት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣብቲ በዓል ዳስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 65 ገጽ 154-ገጽ 155 ሕ.ጽ. 3
የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ የሩሳሌም ይኸዱ

ምዕራፍ 65

ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ኸለዉ መሃሮም

ማቴዎስ 8:19-22 ሉቃስ 9:51-62 ዮሃንስ 7:2-10

  • ኣሕዋት የሱስ ብዛዕባኡ ዝነበሮም ኣረኣእያ

  • ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳስነት ዘለዎ፧

የሱስ ንዕዮኡ ኣብቲ ኻብ ይሁዳ ዝሓሸ ምላሽ ዝረኸበሉ ገሊላ ጥራይ እዩ ሓጺርዎ ነይሩ። ብዘይካዚ እውን፡ ኣብ የሩሳሌም ንሓደ ሰብኣይ ብሰንበት ምስ ኣሕወዮ፡ ኣይሁድ “ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ።”—ዮሃንስ 5:18፣ 7:1።

እዋኑ መስከረም ወይ ጥቅምቲ 32 ድ.ክ. እዩ ነይሩ፡ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ እዩ ነይሩ። እዚ በዓል እዚ ሸውዓተ መዓልቲ ይብዓል ነበረ፣ ንዕኡ ስዒቡ ኸኣ ንሸሞንተ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ይግበር ነበረ። እቲ በዓል ከኣ ምህርቶም ኣእትዮም ምስ ወድኡ ዜብዕልዎ እዋን ዓብዪ ሓጐስን ምስጋናን እዩ ነይሩ።

የሱስ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ያእቆብን ዮሃንስን

ያእቆብን ስምኦንን ዮሴፍን ይሁዳን ዚብሃሉ ኣሕዋት የሱስ፡ “ካብዚ ሓሊፍካ ናብ ይሁዳ ኺድ” በልዎ። የሩሳሌም ሃይማኖታዊት ማእከል እታ ሃገር እያ ነይራ። ኣብቲ ዓመታዊ ዚብዓል ሰለስተ በዓላት፡ እታ ኸተማ ብሰብ ትመልእ እያ ነይራ። ስለዚ፡ ኣሕዋት የሱስ፡ “ብግህዶ ኺፍለጥ እናደለየስ ብሕቡእ ገለ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን። እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ኣግህድ” በልዎ።—ዮሃንስ 7:3, 4።

ከም ሓቂ፡ እዞም ኣርባዕተ ኣሕዋቱ፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ “ኣይኣምኑን ነበሩ።” ነቶም ኣብቲ በዓል ዚእከቡ ሰባት፡ ግብርታት ሓይሉ ኼርኢ ግና ደለይዎ። የሱስ እቲ ኺመጽእ ዚኽእል ሓደጋ ይርድኦ ብምንባሩ፡ “ዓለም ንዓኻትኩም እትጸልኣሉ ምኽንያት የብላን፣ ንዓይ ግና ግብርታታ እከይ ምዃኑ ስለ ዝምስክር፡ ትጸልኣኒ እያ። ንስኻትኩም ናብቲ በዓል ደይቡ፣ ኣነስ ግዜይ ገና ስለ ዘይኣኸለ፡ ናብዚ በዓል እዚ ገና ኣይድይብን እየ” በሎም።—ዮሃንስ 7:5-8።

ኣሕዋት የሱስ ምስ ኵሎም እቶም ተጓዓዝቲ ናብቲ በዓል ምስ ነቐሉ፡ ገለ መዓልትታት ጸኒሑ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብግህዶ ዘይኰነስ ብሕቡእ ናብኡ ኸደ። ኣብ ክንዲ በታ ዅሉ ሰብ ዝኸዳ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ ዘላ መገዲ ዚኸዱ፡ ብሰማርያ ኣቢሎም ብቐጥታ ተጓዕዙ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ሰማርያ ኬዕርፉ የድልዮም ነበረ፣ ስለዚ፡ እቲ ዜድሊ ኣዳልዮምሎም ዚጸንሑ ልኡኻት ኣቐዲሙ ሰደደ። እቶም ሰባት ግና የሱስ ናብ የሩሳሌም ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ ምቕባሎም ኣበዩ። ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ተቘጢዖም፡ “ጐይታይ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትደሊ ኢኻ፧” በልዎ። (ሉቃስ 9:54) የሱስ ከምኡ ብምባሎም እኳ ገንሖም፡ ጕዕዞኦም እውን ቀጸሉ።

ኣብቲ መገዲ ኸለዉ፡ ሓደ ጸሓፊ ንየሱስ፡ “መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴዎስ 8:19, 20) እቲ ጸሓፊ ንየሱስ ኪስዕቦ እንተ ዀይኑ ሽግር ከም ዜጓንፎ እዩ ዚገልጸሉ ነይሩ። ካብቲ ዅነታት ኪርአ ከም ዚከኣል ከኣ፡ እቲ ጸሓፊ እምብዛ ዅሩዕ ብምንባሩ፡ ከምኡ ዓይነት ናብራ ንምሕላፍ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ንየሱስ ንምስዓብ ክሳዕ ክንደይ እየ ፍቓደኛ፧’ ኢልና ርእስና ንሕተት።

1. ጕድጓድ ወኻርያ፣ 2. ሰፈር ዑፍ

የሱስ ንሓደ ኻልእ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ንኣቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ። የሱስ ከኣ ኵነታት እቲ ሰብኣይ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ “ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም፣ ንስኻ ግና ኬድካ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣውጅ” በሎ። (ሉቃስ 9:59, 60) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቦ እቲ ሰብኣይ ኣይሞተን ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ሞይቱ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ሰብኣይ ምስ የሱስ ይዘራረብ ኣይምሃለወን ነይሩ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ህይወቱ መንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድም ድሉው ኣይነበረን።

በቲ ናብ የሩሳሌም ዚወስድ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ ኻልእ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፣ ግናኸ፡ ቅድም ንቤተ ሰበይ ክሰናበት ፍቐደለይ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።—ሉቃስ 9:61, 62።

እቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ዚደልዩ፡ ኣዒንቶም ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኬተኵራ ኣለወን። ሓረስታይ ኪሓርስ ከሎ፡ ንቕድሚት ዘይርኢ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ነግሒ ቔናን እዩ ዚኸውን። ድሕሪት ኪርኢ ኢሉ ነቲ ዕርፊ ዚሓድጎ እንተ ዀይኑ፡ ዕዮኡ ድሕሪት እዩ ዚተርፍ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት ንድሕሪት ዚጥምት ሰብ፡ ተዓንቂፉ ኻብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትወስድ መገዲ ኺወጽእ ይኽእል እዩ።

  • እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋት የሱስ ብዛዕባኡ ኸመይ ይስምዖም ነበረ፧

  • ሳምራውያን ንየሱስ ዘይተቐበልዎ ስለምንታይ እዮም፧ ያእቆብን ዮሃንስንከ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዝደለዩ፧

  • የሱስ ኣብቲ መገዲ ምስ ሰለስተ ሰባት እንታይ ኢሉ እዩ እተዘራረበ፧ ብዛዕባ ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣገልግሎትከ እንታይ እዩ ዘጕልሐ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ