ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 80 ገጽ 186-ገጽ 187 ሕ.ጽ. 1
  • እቲ ሕያዋይ ጓሳን ደምበታት ኣባጊዕን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ሕያዋይ ጓሳን ደምበታት ኣባጊዕን
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ደምበ ኣባጊዕን እቲ ጓሳን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ምጽንናዕ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ንኣባጊዑ ይሓልየለን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ናይ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዓቢ ጭፍራ—ካበይ ዝመጹ ኢዮም?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 80 ገጽ 186-ገጽ 187 ሕ.ጽ. 1
ሓደ ጓሳ፡ ኣፍ ደገ ደምበ ኣባጊዕ ይኸፍት፣ ብዙሓት ኣባጊዕ ከኣ ይኣትዋ

ምዕራፍ 80

እቲ ሕያዋይ ጓሳን ደምበታት ኣባጊዕን

ዮሃንስ 10:1-21

  • የሱስ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳን ደምበታት ኣባጊዕን ተዛረበ

የሱስ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዚምህረሉ ዝነበረ እዋን፡ ሰማዕቱ ብቐሊሉ ኺርድኦም ብዛዕባ ዚኽእል ነገራት፡ ማለት ብዛዕባ ኣባጊዕን ደምበታተንን ተዛረበ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ኸም ምሳሌ ገይሩ እዩ ጠቒስዎ። ኣይሁድ፡ ነቲ ዳዊት፡ “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ። ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ በጥ የብለኒ” ዚብል ቃላት ይዝክርዎ ይዀኑ እዮም። (መዝሙር 23:1, 2) ኣብ ካልእ መዝሙር ድማ፡ ዳዊት ነቶም ህዝቢ፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ገባሪና ንምበርከኽ። ንሱስ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ . . . ኢና” ኢሉ ጻውዒት ኣቕሪቡሎም እዩ። (መዝሙር 95:6, 7) እወ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ምስ መጓሰ ኣባጊዕ ኪመሳሰሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

እዞም “ኣባጊዕ” እዚኦም ከኣ ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ስለ እተወልዱ፡ ኣብ “ደምበ ኣባጊዕ” እዮም ነይሮም። እቲ ሕጊ ድማ ካብቲ ዜበላሹ ተግባራት እቶም ኣብቲ መሰናድዎ እቲ ዘይነበሩ ሰባት ዚፈሊ ሓጹር እዩ ነይሩ። ገሊኦም እስራኤላውያን ግና ንመጓሰ ኣምላኽ ይገፍዕዎም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ደኣ ዚሓኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 10:1, 2።

እቶም ሰባት ብዛዕባ እቶም መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኢና ዝበሉ ሰባት ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም ከም ሰረቕትን ጐሓሉን እዮም ነይሮም። ሰባት ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣምሰሉታት ዘይኰነስ፡ ነቲ “ጓሳ ኣባጊዕ” እዮም ኪስዕቡ ዚግባእ። ብዛዕባኡ ድማ የሱስ ከምዚ በለ፦

“እቲ ሓላው ማዕጾ ንዕኡ ይኸፍተሉ፣ እተን ኣባጊዕ እውን ድምጹ ይሰምዓ። ንኣባጊዑ ኸኣ ብስመን ጸዊዑ የውጽአን። ንዅላተን ምስ ኣውጽአን፡ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕ እውን ድምጹ ስለ ዜለልያ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ጓና ስለ ዘይፈልጣ፡ ካብኡ ይሃድማ እምበር፡ ንጓናስ ከቶ ኣይስዕባኦን እየን።”—ዮሃንስ 10:3-5።

ዮሃንስ መጥምቕ ሓላው ማዕጾ ብምዃን፡ የሱስ እተን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዚርከባ ምሳልያውያን ኣባጊዕ ኪስዕባኦ ዚግባእ ምዃኑ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ። ገሊአን ኣባጊዕ ድማ ኣብ ገሊላን ኣብ ይሁዳን ንድምጺ የሱስ ኣለልየናኦ እየን። እሞኸ ናበይ እዩ መሪሑ ‘ኣውጺእወን፧’ ንዕኡ ብምስዓበንከ እንታይ ረኺበን፧ ገሊኦም ነዛ ምሳሌ እዚኣ ዝሰምዑ ዝነበሩ፡ “ነቲ ዚዛረቦም ዝነበረ ኣይተረድእዎን።”—ዮሃንስ 10:6።

የሱስ ከኣ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ እየ። ኵሎም እቶም ንዓይ መሲሎም ዚመጹ ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፣ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን። እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፣ ብኣይ ዚኣቱ ዘበለ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን፡ መጓሰዪ እውን ኪረክብ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 10:7-9።

የሱስ ሓድሽ ነገር የተኣታቱ ምንባሩ ንጹር እዩ። እቶም ሰማዕቱ፡ ንሱ ኣፍ ደገ እቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ዘይምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ እተን መሪሑ ‘ዜውጽአን’ ኣባጊዕ ናብ ካልእ ደምበ ኸም ዚኣትዋ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዝኸ እንታይ ኣስዒቡ፧

የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንሳተን ህይወት ምስ ተረፋ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፣ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፉ ይህባ” በለ። (ዮሃንስ 10:10, 11) ኣቐዲሙ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣታ ሒደት መጓሰ፡ መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ” ኢሉ ኣጸናኒዕዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 12:32) እወ፡ እቶም “ሒደት መጓሰ” ዚዀኑ ሰባት፡ እቶም ‘ህይወት ምስ ተረፋ ምእንቲ ኺረኽቡ’ የሱስ ናብ ሓድሽ ደምበ መሪሑ ዜእትዎም እዮም። ክፍሊ እተን መጓሰ ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

የሱስ ግና ብእኡ ኣየብቅዐን። ቀጺሉ፡ “ካብዚ ደምበ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕ እውን ኣለዋኒ፣ ንዓታተን ድማ ከምጽአን ኣሎኒ፡ ድምጸይ እውን ኪሰምዓ እየን፣ ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን፡ ጓሳአን እውን ሓደ” በለ። (ዮሃንስ 10:16) እተን “ካልኦት ኣባጊዕ፡” “ካብዚ ደምበ እዚ ዘይኰና” ተባሂለን ኣለዋ። ስለዚ፡ ካብ ካልእ ደምበ ኪዀና ኣለወን፣ ማለት ንሳተን ካብተን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚወርሳ “ሒደት መጓሰ” እተፈልያ ኪዀና ኣለወን። እቲ ኽልተ ደምበ፡ በበይኑ መጻኢ እዩ ዘለዎ። እተን ኣብ ክልቲኡ ደምበ ዚርከባ ኣባጊዕ ግና ካብቲ የሱስ ዘለዎ ግደ ተጠቒመን እየን። በዚ ኸኣ እዩ፡ “ኣነ ንህይወተይ . . . ኣሕሊፈ ስለ ዝህባ፡ ስለዚ እዩ ኣቦ ዜፍቅረኒ” ዝበለ።—ዮሃንስ 10:17።

ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ፡ “ጋኔን ኣለዎ፡ ጽሉል ከኣ እዩ” በሉ። ካልኦት ግና፡ “እዚ፡ ዘረባ ጋኔን ዝሓዞ ሰብ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይኽእል እዩ፧” ብምባል ብተገዳስነት ይሰምዑ ምንባሮምን ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ኺስዕብዎ ኸም ዚደልዩን ኣርኣዩ። (ዮሃንስ 10:20, 21) ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣቐዲሙ ብዕዉሩ ንእተወልደ ሰብኣይ ዘሕወየሉ ኣጋጣሚ እዮም ዚዛረቡ ነይሮም ኪዀኑ ዘለዎም።

  • የሱስ ብዛዕባ ኣባጊዕን ደምበታተንን ኪዛረብ ከሎ፡ ኣይሁድ እንታይ ኪርድኡ ይኽእሉ ነበሩ፧

  • እቲ ሕያዋይ ጓሳ መን ምዃኑ እዩ የሱስ ዝገለጸ፧ ነተን ኣባጊዕከ ናበይ እዩ ዚመርሐን፧

  • እተን ንየሱስ ዚስዕባ ኣባጊዕ ናብ ምንታይ ክልተ ደምበ እየን ዚኣትዋ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ