ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 100 ገጽ 232-ገጽ 233 ሕ.ጽ. 2
  • ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምሳሌ ናይተን ምና
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ካብ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና ተምሃር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ብዛዕባ ትግሃት እተዋህበ ትምህርቲ—ታለንት
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ካብ ምሳሌ እቲ ታለንት ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 100 ገጽ 232-ገጽ 233 ሕ.ጽ. 2
ሓደ ባርያ ምናኡ ንጐይታኡ ይመልሰሉ

ምዕራፍ 100

ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና

ሉቃስ 19:11-28

  • የሱስ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና መሰለ

የሱስ ናብ የሩሳሌም ይጐዓዝ ነበረ። እዚ ቐጺሉ ዘሎ ምሳሌ ዝመሰለ ድማ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቤት ዘኬዎስ ከሎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ደቀ መዛሙርቱ፡ እታ የሱስ ዝንጉሳ “መንግስቲ ኣምላኽ” ቀልጢፋ እትቐውም ይመስሎም ነበረ። (ሉቃስ 19:11) ከምቲ የሱስ ከም ዚመውት ምስ ነገሮም ዘይተረድእዎ፡ ነዚ ነገር እዚ እውን ኣይተረድእዎን ነይሮም። ስለዚ፡ እታ መንግስቲ ገና ምዃና ንምንጻር ምሳሌ መሰለሎም።

“ሓደ ወዲ ዓበይቲ፡ ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ” በሎም። (ሉቃስ 19:12) ከምዚ ዝበለ መገሻ፡ ግዜ ይወስድ ነይሩ እዩ። እቲ “ወዲ ዓበይቲ” ተባሂሉ ዘሎ፡ የሱስ እዩ፣ እቲ “ርሑቕ ሃገር” ድማ ሰማይ እዩ፣ ካብ ኣቦኡ ንጉሳዊ ስልጣን ኪቕበል ከኣ እዩ ናብኡ ኸይዱ።

እቲ “ወዲ ዓበይቲ” ቕድሚ ምንቃሉ ግና፡ ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ፡ “ክሳዕ ዝመጽእ፡ በዚ ንገዱ” ኢሉ ንነፍሲ ወከፎም ሓሓንቲ ምና ብሩር ሃቦም። (ሉቃስ 19:13) ሓደ ምና ብሩር ክቡር እዩ ነይሩ። ሓደ ኣብ ሕርሻ ዚዓዪ ዓያዪ፡ ሓደ ምና ንምርካብ፡ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኺዓዪ ነበሮ።

የሱስ ኣቐዲሙ ንደቀ መዛሙርቱ ምስቶም እኽሊ ዚእክቡ ዓየይቲ ኣመሳሲልዎም ስለ ዝነበረ፡ ከምቶም ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሱ ዓሰርተ ባሮት ምዃኖም ኣስተውዒሎም ይዀኑ እዮም። (ማቴዎስ 9:35-38) ልክዕ እዩ፡ እኽሊ ኼምጽኡ ኣይሓተቶምን። ከመይሲ፡ እቲ እኽሊ ነቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ቦታ ዚህልዎም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ በቲ ዘለዎም ጥሪት ተጠቒሞም፡ ዝያዳ ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ኬፍርዩ ነይርዎም።

የሱስ ኣብታ ምሳሌ እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ገሊጹ፧ ቀጺሉ፡ “ደቂ ዓዱ ግና [ነቲ ወዲ ዓበይቲ] ጸልእዎ እሞ፡ ‘እዚ ኽነግሰና ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም ደድሕሪኡ ልኡኻት ለኣኹ” በለ። (ሉቃስ 19:14) እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ከም ዘይተቐበልዎ፡ አረ ገሊኣቶምሲ ኪቐትልዎ እኳ ኸም ዝደለዩ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። የሱስ ምስ ሞተን ናብ ሰማይ ምስ ከደን፡ ኣይሁድ ብሓፈሻ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ብምስጓጕ፡ ብዛዕባኡ ዝነበሮም ኣረኣእያ ግሁድ ገይሮም እዮም። እቶም ተጻረርቲ እቲኦም፡ የሱስ ኪነግሶም ከም ዘይደልዩ ንጹር ገይሮም እዮም።—ዮሃንስ 19:15, 16፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:13-18፣ 5:40።

እቶም ዓሰርተ ባሮት ግና፡ እቲ “ወዲ ዓበይቲ፡ ንግስና ተቐቢሉ” ኽሳዕ ዚምለስ፡ ነተን ዓሰርተ ምና ብኸመይ ተጠቕሙለን፧ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ንግስና ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ገንዘብ ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ነጊዶም ከም ዝረብሑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። እቲ ቐዳማይ ከኣ ቀሪቡ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ’ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ! ብንእሽቶ እሙን ስለ ዝዀንካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ’ እናበለ መጸ። ነዚ ኸኣ፡ ‘ንስኻ እውን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ።”—ሉቃስ 19:15-19።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንርእሶም ከምቶም ነቲ ገንዘብ ጽቡቕ ገይሮም ብምጥቃም ተወሰኽቲ ደቀ መዛሙርቲ ዜፍርዩ ባሮት ገይሮም እንተ ሓሲቦም፡ የሱስ ብኣታቶም ከም ዚሕጐስ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንኸምዚ ዝበለ ትግሃት ከኣ ዓስቢ ኸም ዚህብ እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ልክዕ እዩ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ህይወት ሕደ ኣጋጣሚ ወይ ክእለት የብሎምን። ኰይኑ ግና፡ እቲ “ንግስና” እተቐበለ የሱስ፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ብተኣማንነት ዝገበርዎ ጻዕርታት የስተብህለሉን ይባርኾን እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20።

የሱስ ኣብ መደምደምታ ዝጠቐሶ እተፈልየ ነገር ግና ነስተብህለሉ፦ “ሓደ ኻልእ [ባርያ] ግና ከምዚ እናበለ መጸ፦ ‘ጐይታይ፡ እዛ ኣብ ጨርቂ ሓቢአ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃትልካ። ዘየንበርካዮ እትወስድ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ፈሪሀካ።’ ንሱ ድማ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከም ዘረባኻ እፈርደካ ኣለኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዝወስድ፡ ዘይዘራእክዎ ኸኣ ዝዓጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይዶ ትፈልጥ ኔርካ፧ ስለምንታይ ደኣ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ እውን መጺአ፡ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፧’ በሎ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፡ ‘እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም።”—ሉቃስ 19:20-24።

እቲ ባርያ እቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ መንግስቲ ጐይታኡ ብዘይምውሳኹ፡ ከሲሩ እዩ። ሃዋርያት ንየሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግስ ይጽበይዎ ነይሮም እዮም። ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ባርያ ዝበሎ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ እንተ ዘይተጊሆም፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ቦታ ኸም ዘይረኽቡ ዀይኑ ተረዲእዎም ኪኸውን ኣለዎ።

ቃላት የሱስ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ ተወሳኺ ጻዕርታት ኪገብሩ ኣለዓዒልዎም ኪኸውን ኣለዎ። ቀጺሉ፡ የሱስ ኣብ መደምደምታ፡ “እብለኩም ኣለኹ፡ ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እውን የግድፍዎ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ እቶም ‘ኪነግሶም’ ዘይደልዩ ጸላእቱ፡ ከም ዚቕተሉ ገለጸ። ድሕርዚ፡ ናብ የሩሳሌም ጕዕዞኡ ቐጸለ።—ሉቃስ 19:26-28።

  • የሱስ ምሳሌ እተን ምና ኺነግር ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ፧

  • እቲ “ወዲ ዓበይቲ” መን እዩ፧ ናብ ምንታይ ሃገርከ እዩ ኸይዱ፧

  • እቶም ባሮት መን እዮም፧ እቶም ዝጸልእዎ ደቂ ዓዲኸ፧

  • ኣብ መንጎ እቶም ዓስቦም እተዋህቦም ባሮትን ዘላቶ ምና እተገድፈ ባርያን እንታይ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ