ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 101 ገጽ 236-ገጽ 237 ሕ.ጽ. 2
  • ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን እተገብረ ድራር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን እተገብረ ድራር
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቢታንያ: ኣብ ቤት ስምኦን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • የሱስ ዘይተሃወኸሉ ምኽንያት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 101 ገጽ 236-ገጽ 237 ሕ.ጽ. 2
የሱስ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ማርያም ቅዱይ ቅብኢ ኣብ ርእሱ ተፍስሰሉ

ምዕራፍ 101

ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን እተገብረ ድራር

ማቴዎስ 26:6-13 ማርቆስ 14:3-9 ዮሃንስ 11:55–12:11

  • የሱስ ናብታ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ቢታንያ ተመልሰ

  • ማርያም ኣብ የሱስ ቅዱይ ቅብኢ ኣፍሰሰት

የሱስ ካብ ያሪኮ ምስ ወጸ፡ ናብ ቢታንያ ኸደ። እቲ መገዲ 20 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ከቢድ ዓቐበት እዩ ነይሩ። ያሪኮ 250 ሜተር ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ እያ እትርከብ ነይራ፣ ቢታንያ ኸኣ 610 ሜተር ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ እያ እትርከብ ነይራ። ኣልኣዛርን እተን ክልተ ኣሓቱን ኣብታ ቢታንያ እትብሃል ንእሽቶ ቝሸት እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ ንሳ ድማ ካብ የሩሳሌም ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ፡ ንደብረ ዘይቲ ብምብራቓዊ ጎቦኡ እያ እትርከብ ነይራ።

ብዙሓት ኣይሁድ ፋስጋ ንምብዓል ድሮ ኣብ የሩሳሌም ኣትዮም ነበሩ። ሬሳ ብምትንካይ ወይ ካልእ ዜርክሶም ነገር ብምግባሮም ዝረኸሱ ዘበሉ፡ “ርእሶም ኬንጽሁ” ኣቐዲሞም መጺኦም ነበሩ። (ዮሃንስ 11:55፣ ዘሁልቍ 9:6-10) ገለ ኻብቶም ኣቐዲሞም ዝመጹ ሰባት ድማ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ተኣከቡ። የሱስ ናብ ፋስጋ ይመጽእ እንተ ዀይኑ ድማ ግምቶም ይዛራረቡ ነበሩ።—ዮሃንስ 11:56።

ብዛዕባ የሱስ ብዙሕ ክርክር እዩ ነይሩ። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። “ምእንቲ ኺሕዝዎ” ኸኣ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብር ኣዚዞም ነበሩ። (ዮሃንስ 11:57) እቶም መራሕቲ እቲኦም፡ የሱስ ንኣልኣዛር ምስ ኣተንስኦ፡ ኪቐትልዎ ፈቲኖም ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 11:49-53) ስለዚ፡ ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ ብግህዶ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ ጥርጣረኦም ኪገልጹ ሓቆም እዮም።

ዓርቢ፡ “ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ፡” የሱስ ናብ ቢታንያ በጽሐ። (ዮሃንስ 12:1) ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ሓዳስ መዓልቲ (ብኣይሁድ ሰንበት 8 ኒሳን) ጀመረት። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ጕዕዞ፡ ሰንበት ከይኣተወት እዩ ወዲእዎ። ብመሰረት ሕጊ ኣይሁድ ብሰንበት መገሻ ዘይፍቀድ ብምንባሩ፡ ብሰንበት፡—ማለት ዓርቢ ጸሓይ ምስ ዓረበት ክሳዕ ቀዳም ጸሓይ ምስ ዓረበት፡—ካብ ያሪኮ ኺጐዓዝ ኣይምኸኣለን ነይሩ። የሱስ ከም ቀደሙ ናብ ቤት ኣልኣዛር እዩ ኸይዱ ኪኸውን ዚኽእል።

እቲ ኣብ ቢታንያ ዚቕመጥ ስምኦን እውን ንየሱስን ንብጾቱን፡ እንተላይ ንኣልኣዛር፡ ቀዳም ምሸት ድራር ዓደሞም። ስምኦን “እቲ ድዉይ” ተባሂሉ ብምጽዋዑ፡ ምናልባት ኣቐዲሙ ድዉይ ዝነበረ እሞ፡ የሱስ ዘሕወዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ማርታ ህርኩትቲ ብምዃና፡ ነቶም ኣጋይሽ ተገልግሎም ነበረት። ማርያም ግና ኣብ የሱስ ኣተኰረት፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ተግባራ ኽርክር ኣልዓለ።

ማርያም “ሓደ ነጥሪ ኽቡር ቅዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ” ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ከፈተት። (ዮሃንስ 12:3) እቲ ቕብኢ ማዕረ ናይ ዓመት ደሞዝ (300 ዲናር) ዝዋጋኡ ብምንባሩ ኣዝዩ ኽቡር እዩ ነይሩ! ማርያም ከኣ ነቲ ቕብኢ ኣብ ርእስን ኣእጋርን የሱስ ኣፍሰሰቶ፡ ብጸጕራ ገይራ ድማ ንኣእጋሩ ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብሽታ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልአት።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ተቘጢዖም፡ “እዚ ቕዱይ ቅብኢ ንምንታይ ባኺኑ፧” በሉ። (ማርቆስ 14:4) ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ፡ “እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ፡ ስለምንታይ ን300 ዲናር ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፧” በለ። (ዮሃንስ 12:5) ግናኸ፡ ብዛዕባ ድኻታት ሓልዩ ኣይኰነን ከምኡ ዝበለ። ካብቲ ምስኡ ዝነበረ ናይቶም ደቀ መዛሙርቲ ሳጹን ገንዘብ ይሰርቕ ነይሩ እዩ።

የሱስ ግና፡ “ነዛ ሰበይቲ ስለምንታይ ተሸግርዋ ኣለኹም፧ ንሳ ሰናይ ግብሪ ገይራትለይ እያ። ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን። ኣብ ሰብነተይ ቅዱይ ቅብኢ ኸተፍስስ ከላ፡ ንቐብረይ ከተዳልወኒ ኢላ እያ ገይራቶ። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዚ ብስራት እዚ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ እተሰብኮ ዘበለ፡ እዛ ሰበይቲ ዝገበረቶ ግብሪ ንመዘከሪኣ ኺንገር እዩ” ኢሉ ንማርያም ተጣበቐላ።—ማቴዎስ 26:10-13።

የሱስ ኣብ ቢታንያ ልዕሊ ሓደ መዓልቲ ጸንሐ፡ ኣብኡ ምህላዉ እውን ተፈልጠ። ብዙሓት ኣይሁድ ከኣ ንየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ” ኣልኣዛር እውን ኪርእዩ ናብ ቤት ስምኦን መጹ። (ዮሃንስ 12:9) ሽዑ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንየሱስን ንኣልኣዛርን ኪቐትልዎም ተማኸሩ። ኣልኣዛር ብህይወት ምጽናሑ፡ ንብዙሓት ብየሱስ ኪኣምኑ ምኽንያት ስለ ዚዀኖም እዮም ከምኡ ሓሲቦም። ከመይ ዝበሉ እኩያት መራሕቲ ሃይማኖት ኰን እዮም!

  • ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ይዛራረቡ ነበሩ፧

  • የሱስ ናብ ቢታንያ ቀዳም ዘይኰነስ፡ ዓርቢ ዝበጽሐ ስለምንታይ እዩ፧

  • ማርያም ዝገበረቶ እንታይ ተግባር እዩ ኽርክር ዘልዓለ፧ የሱስከ ብኸመይ ተጣበቐላ፧

  • እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣዝዮም እኩያት ምንባሮም ዘርኣየ እንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ