ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 114 ገጽ 264-ገጽ 265 ሕ.ጽ. 4
  • ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ይፈርድ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ይፈርድ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ናይ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዓቢ ጭፍራ—ካበይ ዝመጹ ኢዮም?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 114 ገጽ 264-ገጽ 265 ሕ.ጽ. 4
ኣህዛብ፡ የሱስ ኪፈርድ እናተጸበዩ ናብ ሰማይ ይጥምቱ

ምዕራፍ 114

ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ይፈርድ

ማቴዎስ 25:31-46

  • የሱስ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን መሰለ

የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዀይኑ፡ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግልን እቲ ታለንትን ምስ መሰለ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያቱ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትን ዝሓተትዎ ሕቶ ዚህቦም ዝነበረ ምላሽ ብኸመይ ዛዘሞ፧ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን እትገልጽ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ብምምሳል እዩ ዛዚምዎ።

የሱስ ኣብ መጀመርታ እታ ምሳሌ፡ “ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ሽዑ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ኪቕመጥ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 25:31) የሱስ ንሱ ባዕሉ ኣብታ ምሳሌ ቐንዲ ቦታ ኸም ዘለዎ ብዘየማትእ መገዲ እዩ ገሊጹ። ብዙሕ ግዜ ንርእሱ “ወዲ ሰብ” ኢሉ ይጽውዕ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 8:20፣ 9:6፣ 20:18, 28።

የሱስ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ተቐሚጡ ነቶም እሙናት ሰባት ኣባጊዕ ኢሉ ፈረዶም

እታ ምሳሌ መዓስ እያ እትፍጸም፧ የሱስ ምስ መላእኽቱ “ብኽብሩ ምስ መጸ” እሞ “ኣብ ክቡር ዝፋኑ” ምስ ተቐመጠ እያ እትፍጸም። ኣቐዲሙ፡ ብዛዕባ እቲ ‘ወዲ ሰብ ምስ መላእኽቱ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበናታት ሰማይ ዚመጸሉ እዋን’ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። እዚኸ መዓስ እዩ ዚኸውን፧ “ደድሕሪ ጸበባ” እዩ ዚኸውን። (ማቴዎስ 24:29-31፣ ማርቆስ 13:26, 27፣ ሉቃስ 21:27) ስለዚ፡ እዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ኣብቲ የሱስ ኣብ መጻኢ ብኽብሩ ዚመጸሉ ግዜ እያ ፍጻመኣ እትረክብ። ሽዑ፡ እንታይ ኪገብር እዩ፧

የሱስ ከምዚ በለ፦ “ወዲ ሰብ . . . ምስ መጸ፡ . . . ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም፣ ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላልዮም እዩ። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ ኺገብረን እዩ።”—ማቴዎስ 25:31-33።

የሱስ ብዛዕባ እቶም ሞገስ ረኺቦም ኣብ የማኑ ዚዀኑ ኣባጊዕ፡ “ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ የማኑ ዘለዉ ኸምዚ ኺብሎም እዩ፦ ‘ኣቱም ኣቦይ ዝባረኸኩም ንዑ፡ ነቲ ኻብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ’” በለ። (ማቴዎስ 25:34) እቶም ኣባጊዕ ሞገስ እቲ ንጉስ ዝረኸቡ ስለምንታይ እዮም፧

እቲ ንጉስ፡ “ጠምየ፡ ኣብሊዕኩምኒ፣ ጸሚአ፡ ኣስቲኹምኒ፣ ጋሻ ዀይነ፡ ኣአንጊድኩምኒ፣ ዓሪቐ፡ ከዲንኩምኒ፣ ሓሚመ፡ ተኸናኺንኩምኒ፣ ተኣሲረ፡ በጺሕኩምኒ” ኢሉ ባዕሉ ገለጸሎም። እቶም “ጻድቃን” ዝዀኑ ኣባጊዕ ከመይ ገይሮም ነቲ ሰናይ ተግባር ከም ዝገበሩ ምስ ሓተቱ፡ “ብመጠን እቲ ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምሉ፡ ንዓይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴዎስ 25:35, 36, 40, 46) ነዚ ሰናይ ተግባራት እዚ ኣብ ሰማይ ኣይኰኑን ዚገብርዎ፣ ከመይሲ፡ ኣብኡ ዚሓምሙ ወይ ዚጠምዩ የለዉን። እዚ ተግባራት እዚ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ኣሕዋት ክርስቶስ ዚግበረሎም ኪኸውን ኣለዎ።

እሙናት ዘይኰኑ ሰባት ድማ ኣጣል ተባሂሎም ተፈርዱ

እቶም ኣብ ጸጋሙ ዘለዉ ኣጣል ደኣኸ፧ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ድሕርዚ፡ [እቲ ንጉስ] ነቶም ኣብ ጸጋሙ ዘለዉ ኸምዚ ኺብሎም እዩ፦ ‘ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሒቕኩም ናብቲ ንድያብሎስን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ። ከመይሲ፡ ጠምየ፡ ኣየብላዕኩምንን፣ ጸሚአ፡ ኣየስተኹምንን፣ ጋሻ ዀይነ፡ ኣየአንገድኩምንን፣ ዓሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን፣ ሓሚመን ተኣሲረን፡ ኣይተኸናኸንኩምንን።’” (ማቴዎስ 25:41-43) እቶም ኣጣል ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ኣሕዋት ክርስቶስ ዚግብኦም ሰናይ ተግባራት ስለ ዘይገበሩሎም፡ እዚ ፍርዲ እዚ ይግብኦም እዩ።

ድሕርዚ፡ እቶም ሃዋርያት፡ እቲ ኣብ መጻኢ ዚግበር ፍርዲ ነባርን ዘለኣለማውን ሳዕቤን ከም ዚህልዎ ፈለጡ። ከመይሲ፡ የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ ኢሉ እዩ ነጊርዎም፦ “ሽዑ፡ [እቲ ንጉስ]፡ ‘ብመጠን እቲ ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዘይገበርኩምሉ፡ ንዓይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኢሉ ኺምልሰሎም እዩ። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።”—ማቴዎስ 25:45, 46።

እቲ የሱስ ነቶም ሃዋርያት ዝሃቦም መልሲ፡ ንሰዓብቱ ኣረኣእያኦምን ተግባራቶምን ኪምርምሩ ዚድርኽ ብዙሕ ኪሓስቡሉ ዚግባእ ነጥብታት ሂብዎም እዩ።

  • የሱስ ኣብ ዝመሰላ ምሳሌ ኣባጊዕን ኣጣልን፡ እቲ “ንጉስ” መን እዩ፧ እታ ምሳሌኸ መዓስ እያ እትፍጸም፧

  • እቶም ኣባጊዕ ሞገስ የሱስ ዚረኽቡ ስለምንታይ እዮም፧

  • እቶም ከም ኣጣል ዚፍረዱ፡ ብምንታይ መሰረት እዮም ዚፍረዱ፧ እቶም ኣባጊዕን እቶም ኣጣልንከ ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበዮም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ