ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 125 ገጽ 286-ገጽ 287 ሕ.ጽ. 6
  • የሱስ ቅድም ናብ ሃና፡ ደሓር ናብ ቀያፋ ተወስደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ቅድም ናብ ሃና፡ ደሓር ናብ ቀያፋ ተወስደ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጀመርታ ናብ ሃና ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቀያፋ ተወስደ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • እቲ ንየሱስ ዝፈረዶ ሊቀ ኻህናት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣልኣዛር ክትንስእ ከሎ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኣልኣዛር ተንስአ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 125 ገጽ 286-ገጽ 287 ሕ.ጽ. 6
ቀያፋ ኽዳኑ ይቐድድ፣ ካልኦት ድማ ንየሱስ ይጸፍዕዎን የላግጹሉን የጕስጥዎን

ምዕራፍ 125

የሱስ ቅድም ናብ ሃና፡ ደሓር ናብ ቀያፋ ተወስደ

ማቴዎስ 26:57-68 ማርቆስ 14:53-65 ሉቃስ 22:54, 63-65 ዮሃንስ 18:13, 14, 19-24

  • የሱስ ናብቲ ኣቐዲሙ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ሃና ተወስደ

  • እቲ ዋዕላ ዝገበሮ ዘይሕጋዊ መርመራ

የሱስ ከም ሓደ ገበነኛ ተኣሲሩ ናብቲ ብንእስነቱ ኣብ ቤተ መቕደስ ንመምህራን ኬስተንክሮም ከሎ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ሃና ተወስደ። (ሉቃስ 2:42, 47) ገሊኦም ደቂ ሃና፡ ጸኒሖም ሊቃውንቲ ኻህናት ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ኣብቲ የሱስ እተታሕዘሉ ግዜ ድማ እቲ ንሃና ሰብኣይ ጓሉ ዝዀነ ቀያፋ እዩ ሊቀ ኻህናት ነይሩ።

ሃና ንየሱስ እናሓተቶ ኸሎ፡ ቀያፋ ነቲ ዋዕላ ንምእካብ ግዜ ረኸበ። እቲ 71 ኣባላት ዝነበርዎ መጋባእያ፡ ንሊቀ ኻህናትን ንኻልኦት ኣባላት እቲ ዋዕላን ዜጠቓልል ነበረ።

ሃና ድማ ንየሱስ “ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ብዛዕባ ትምህርቱን” ሓተቶ። የሱስ ከኣ፡ “ኣነ ንዓለም ብግህዶ እየ ተዛሪበያ። ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ዅሎም ኣይሁድ ዚእከቡሉ ምኵራብን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፣ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን። ስለምንታይ ንዓይ ትሓትተኒ ኣለኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም” በሎ።—ዮሃንስ 18:19-21።

እዚ ምስ በለ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገላዉ፡ “ንሊቀ ኻህናትሲ ኸምዚ ኢልካ ኽትምልሰሉ፧” ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ። የሱስ ከኣ፡ “ጌጋ እንተ ተዛሪበ፡ ጌጋ ምዃኑ መስክር፣ ቅኑዕ እንተ ተዛሪበ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ ኣለኻ፧” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃንስ 18:22, 23) ሽዑ፡ ሃና ንየሱስ ናብቲ ሰብኣይ ጓሉ ዝዀነ ቀያፋ ሰደዶ።

ክሳዕ ሽዑ ድማ እቶም ንብምሉኡ እቲ ዋዕላ ዜቝሙ ኣባላት፡ ማለት እቲ ሊቀ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ጸሓፍትን ተኣከቡ። ኣብ ቤት ቀያፋ ድማ እዮም ተኣኪቦም። ፋስጋ ብዚብዓለሉ ለይቲ ኸምዚ ዝበለ መጋባእያ ምግባር ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ፣ እዚ ግና ካብቲ እኩይ ዕላማኦም ኣይከልከሎምን።

እቶም ኣባላት እቲ መጋባእያ ብዘይ ኣድልዎ ኺፈርዱ ዚኽእሉ ኣይነበሩን። የሱስ ንኣልኣዛር ምስ ኣተንስኦ፡ ኣባላት እቲ ዋዕላ ንየሱስ ኪቐትልዎ ወሲኖም ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 11:47-53) ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ከኣ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ውዲት ኣሊሞም ነይሮም እዮም። (ማቴዎስ 26:3, 4) እወ፡ የሱስ ኣብ ፍርዲ ቕድሚ ምቕራቡ ተፈሪድዎ እዩ ነይሩ!

እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ካልኦት ኣባላት እቲ ዋዕላን ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ርእሲ ምእካቦም፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪኸስስዎ ናይ ሓሶት መርትዖ ዜቕርቡ መሰኻኽር ደለዩ። ብዙሓት መሰኻኽር እኳ እንተ ረኸቡ፡ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን። ኣብ መወዳእታኡ ክልተ መጺኦም፡ “‘ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፣ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ” በሉ። (ማርቆስ 14:58) እዞም ሰባት እዚኦም እውን ምሉእ ብምሉእ ኣይተሰማምዑን።

ቀያፋ ኸኣ ንየሱስ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ማርቆስ 14:60) የሱስ ግና በቶም ንሓድሕዱ ዘይቃዶ ምስክርነት ዚህቡ መሰኻኽር ናይ ሓሶት ክሲ ይቐርበሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ስቕ በለ። ስለዚ፡ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ካልእ ሜላ ተጠቕመ።

ቀያፋ፡ ሓደ ሰብ ወዲ ኣምላኽ እየ እንተ ኢሉ፡ ኣይሁድ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚስምዖም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ንኣምላኽ “ኣቦይ” ስለ ዝበሎ፡ ኣይሁድ “ርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ” ኢሎም ኪቐትልዎ ደልዮም ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 5:17, 18፣ 10:31-39) ቀያፋ ነዚ ስምዒቶም ስለ ዚፈልጥ፡ ብተንኰል ተላዒሉ ንየሱስ፡ “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካ ኽትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ!” በሎ። (ማቴዎስ 26:63) የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ተኣሚኑ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 3:18፣ 5:25፣ 11:4) ኣብታ ህሞት እቲኣ ኸምኡ እንተ ዘይገብር ነይሩ ኸኣ፡ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ዝኸሓደ እዩ ዚቝጸር። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ኣነ እየ፣ ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ።—ማርቆስ 14:62።

ሽዑ፡ ቀያፋ ፈንጣሕጣሕ እናበለ ኽዳኑ ቐዲዱ፡ “ተጻሪፉ! ደጊም ንምንታይ መሰኻኽር የድልዩና፧ እንሆ፡ ሕጂ ጸርፉ ሰሚዕኩም ኣለኹም። እንታይ ይመስለኩም፧” በለ። እቶም ዋዕላ ኸኣ፡ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ፈረዱ።—ማቴዎስ 26:65, 66።

ድሕርዚ፡ ኬላግጽሉን ኬጕስጥዎን ጀመሩ። ገሊኣቶም ድማ ጸፍዕዎን ጡፍ በሉሉን። ገጹ ኣጐልቢቦም ምስ ጸፍዕዎ ኸኣ፡ “እስከ ተነበ! መን እዩ ወቒዑካ፧” ኢሎም የላግጹሉ ነበሩ። (ሉቃስ 22:64) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ለይቲ ኣብ እተገብረ ዘይሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ንወዲ ኣምላኽ ገፍዕዎ።

  • የሱስ መጀመርታ ናበይ ተወስደ፧ ኣብኡኸ እንታይ ኰነ፧

  • ድሕሪኡ የሱስ ናበይ ተወስደ፧ ቀያፋኸ ነቶም ኣባላት እቲ ዋዕላ፡ የሱስ ሞት ከም ዚግብኦ ገይሮም ከም ዚፈርዱ ዝገበሮም ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ እንታይ ግፍዒ እዩ እተገብረ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ