ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 126 ገጽ 288-ገጽ 289 ሕ.ጽ. 9
  • ጴጥሮስ ኣብ እንዳ ቀያፋ ኸሓደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጴጥሮስ ኣብ እንዳ ቀያፋ ኸሓደ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ ኣጸድ እተፈጸመ ክሕደት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጴጥሮስ ንየሱስ ከሓዶ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 126 ገጽ 288-ገጽ 289 ሕ.ጽ. 9
የሱስ ኣብ ሰገነት ኰይኑ ነቲ ዝኸሓዶ ጴጥሮስ ይጥምቶ፣ ብድሕሪት ድማ ደርሆ ኣሎ

ምዕራፍ 126

ጴጥሮስ ኣብ እንዳ ቀያፋ ኸሓደ

ማቴዎስ 26:69-75 ማርቆስ 14:66-72 ሉቃስ 22:54-62 ዮሃንስ 18:15-18, 25-27

  • ጴጥሮስ ንየሱስ ከሓዶ

የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኪተሓዝ ከሎ፡ ሃዋርያቱ ብፍርሂ ሓዲጎምዎ ሃዲሞም ነይሮም እዮም። ክልተ ኻባታቶም ግና ህድማኦም ኣቋሪጾም ተመሊሶም እዮም። ንሳቶም ከኣ ጴጥሮስን “ካልእ ወደ መዝሙርን” ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ፣ እቲ ኻልእ ወደ መዝሙር ተባሂሉ ዘሎ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 18:15፣ 19:35፣ 21:24) ንሳቶም ድማ ንየሱስ፡ ናብ ሃና ኺውሰድ ከሎ እዮም ኣርኪቦምዎ ዚዀኑ። ሃና ንየሱስ ናብ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ሰደዶ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ርሕቕ ኢሎም ሰዓብዎ። ኣብ መንጎ እቲ ንህይወቶም ዝነበሮም ፍርህን ኣብ መንጎ እቲ ብዛዕባ ጐይታኦም ዝነበሮም ሻቕሎትን ተቓቒሮም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

ዮሃንስ ብሊቀ ኻህናት ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ኣጸድ ቤት ቀያፋ ኺኣቱ ኸኣለ። ጴጥሮስ ግና፡ ዮሃንስ ተመሊሱ ነታ ሓላዊት ማዕጾ ዝዀነት ገረድ ክሳዕ ዚዛረበሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው ኢሉ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ጴጥሮስ ኪኣቱ ተፈቕደሉ።

ሽዑ፡ ቍሪ እዩ ነይሩ፣ እቶም ኣብቲ ኣጸድ ዝነበሩ ኸኣ ሓዊ ኣጕሂሮም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስ ከኣ ‘መወዳእታ ፍርዲ የሱስ ኪርኢ’ እናተጸበየ፡ ኪስሕን ምሳታቶም ተቐመጠ። (ማቴዎስ 26:58) ሽዑ፡ እታ ንጴጥሮስ ዘእተወቶ ሓላዊት ማዕጾ ብብርሃን እቲ ሓዊ ጽቡቕ ገይራ ረኣየቶ እሞ፡ “ንስኻ እውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፧” በለቶ። (ዮሃንስ 18:17) ንሳ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ካልኦት እውን ንጴጥሮስ ምስ የሱስ ከም ዝነበረ ኣለልዮምዎን ከሲሶምዎን እዮም።—ማቴዎስ 26:69, 71-73፣ ማርቆስ 14:70።

እዚ ንጴጥሮስ ብዙሕ ኣሰምበዶ። ኣትኵሮ ኺስሕብ ኣይደለየን፣ በዚ ምኽንያት እዚ እውን ናብቲ ኣፍ ደገ ኸደ። ጴጥሮስ፡ “እዚ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ፡ እንታይ ትብሊ ኸም ዘለኺ እውን ኣይተረድኣንን” ብምባል ድማ ምስ የሱስ ምንባሩ ኸሓደ። (ማርቆስ 14:67, 68) ብዘይካዚ፡ “ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ፡” ማለት እቲ ዝበሎ ሓቂ እንተ ዘይኰይኑ መዓት ኪወርዶ መሓለ።—ማቴዎስ 26:74።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ የሱስ ይቕጽል እዩ ነይሩ። እቲ ፍርዲ ኣብ እንዳ ቀያፋ፡ ብልዕሊ እቲ ኣጸድ ኣብ ዚርከብ ክፋል ቤቱ እዩ ዚካየድ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። እቶም ኣብ ታሕቲ ዚጽበዩ ዝነበሩ ጴጥሮስን ካልኦትን ከኣ፡ እተፈላለዩ መሰኻኽር ኪኸዱን ኪመጹን ከለዉ ይርእይዎም ነይሮም ይዀኑ እዮም።

ኣዘራርባ ጴጥሮስ ገሊላዊ ምዃኑ ዚሕብር ስለ ዝነበረ፡ ንኽሕደቱ ዜቃልዕ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ኻብቶም ሰባት ዘመድ እቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾ ማልኮስ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንጴጥሮስ፡ “ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲዶ ምስኡ ኣይረኣኹኻን፧” በሎ። ጴጥሮስ ሳልሳይ ሳዕ ምስ ከሓደ፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ደርሆ ነቀወ።—ዮሃንስ 13:38፣ 18:26, 27።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ኣብቲ ልዕሊ እቲ ኣጸድ ዚርከብ ሰገነት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ጐይታ ድማ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ፣ እዚ እውን ንጴጥሮስ ውሽጡ ሸቕ ኣቢልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ኣብታ ደርቢ ተኣኪቦም ከለዉ የሱስ ዝበሎ ነገር ዘከረ። እቲ ዝገበሮ ምስ ተረድኦ ኸመይ ከም እተሰምዖ እሞ ገምቶ! ናብ ወጻኢ ኸይዱ ኸኣ፡ ኣምሪሩ በኸየ።—ሉቃስ 22:61, 62።

እዚ ኸመይ ኢሉ ዀይኑ፧ እቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ብርታዐኡን ተኣማንነቱን ርግጸኛ ዝነበረ ጴጥሮስ ከመይ ገይሩ ንጐይታኡ ኽሒድዎ፧ ሓቂ የቕንኑ፡ ንየሱስ ድማ ከም ክፉእ ገበነኛ እዮም ዚገብርዎ ነይሮም። ጴጥሮስ ነቲ ንጹህ ሰብ ኪጣበቐሉ ይግብኦ ነይሩ እዩ፣ ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ነቲ “ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል” ዘለዎ ዝባኑ እዩ ሂብዎ።—ዮሃንስ 6:68።

እቲ ንጴጥሮስ ዘጋጠሞ ዜሕዝን ተመክሮ፡ ሓደ እምነትን ተወፋይነትን ዘለዎ ሰብ እውን ከይተረፈ ድንገት ንዚመጽእ ፈተናታት እንተ ዘይተዳልዩ፡ ሚዛኑ ኺስሕት ከም ዚኽእል የርኢ። እቲ ጴጥሮስ ዘሕለፎ ነገር፡ ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠንቀቕታ ኪዀኖም ይግባእ።

  • ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ኣጸድ እቲ ሊቀ ኻህናት ኪኣትዉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

  • ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ኣጸድ ከለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት እንታይ ይኸውን ነበረ፧

  • ጴጥሮስ ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

  • ካብ ተመክሮ ጴጥሮስ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንረክብ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ