ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 129 ገጽ 294-ገጽ 295 ሕ.ጽ. 2
  • ጲላጦስ፡ “እንሆ፡ እቲ ሰብኣይ!” በለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጲላጦስ፡ “እንሆ፡ እቲ ሰብኣይ!” በለ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እንሆ እቲ ሰብኣይ”
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ጶንጥዮስ ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ጲላጦስን ሄሮድስን ገበን ኣይረኸቡሉን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ምኻድ እንደገና ኸኣ ምምላስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 129 ገጽ 294-ገጽ 295 ሕ.ጽ. 2
ጲላጦስ ነቲ ኣኽሊል እሾዅ ኣብ ርእሱ ዝደፍአን ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳን እተኸድነን የሱስ ናብ ወጻኢ የውጽኦ

ምዕራፍ 129

ጲላጦስ፡ “እንሆ፡ እቲ ሰብኣይ!” በለ

ማቴዎስ 27:15-17, 20-30 ማርቆስ 15:6-19 ሉቃስ 23:18-25 ዮሃንስ 18:39–19:5

  • ጲላጦስ ንየሱስ ኪፈትሖ ፈተነ

  • ኣይሁድ፡ በርባን ኪፍትሓሎም ሓተቱ

  • ንየሱስ ኣላገጹሉን ገፍዕዎን

ጲላጦስ ነቶም ንየሱስ ኪቕተል ዚደልይዎ ህዝቢ፡ “ነዚ እትኸስስዎ ዘለኹም ክሲ፡ ዋላ ሓንቲ መሰረት ኣይረኸብኩሉን። ሄሮድስ እውን . . . ኣይረኸበሉን” በሎም። (ሉቃስ 23:14, 15) ንየሱስ ኪንሕፎ ስለ ዝደለየ ኸኣ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም እውን ልምዲ ኣሎኩም። እምበኣርሲ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧” በሎም።—ዮሃንስ 18:39።

ጲላጦስ ብዛዕባ እቲ በርባን ዚብሃል ፍሉጥ ከታርን መናዓብን ቀታል ነፍስን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ “ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስ፧” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና በቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ተደሪኾም፡ ንየሱስ ዘይኰነስ፡ ንበርባን ኪፈትሓሎም ሓተትዎ። ጲላጦስ ድማ መሊሱ፡ “ካብ ክልቲኦም፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ንበርባን” በሉ።—ማቴዎስ 27:17, 21።

ጲላጦስ በዚ ኸይተሓጐሰ፡ “ነቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧” በሎም። እቶም ህዝቢ፡ “ይሰቐል!” በሉ። (ማቴዎስ 27:22) ንጹህ ሰብ ኪመውት እዮም ዚሓትቱ ነይሮም። ስለዚ፡ ጲላጦስ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ ክፉእ ገይሩ፧ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይረኸብኩሉን፣ ስለዚ፡ ቀጺዐ ኽፈትሖ እየ” ኢሉ ኼእምኖም ፈተነ።—ሉቃስ 23:22።

ጲላጦስ ዚክኣሎ ኺገብር እኳ እንተ ፈተነ፡ እቶም እተቘጥዑ ህዝቢ ብሓባር፡ “ይሰቐል!” እናበሉ ጨደሩ። (ማቴዎስ 27:23) እቶም ካህናት ነቶም ህዝቢ ዓበድበድ ከም ዚብሉ ስለ ዝገበርዎም፡ ደም ኪፈስስ ደለዩ! ደም ሓደ ገበነኛ ወይ ቀታል ነፍሲ ድማ ኣይኰነን ኪፈስስ ዚደልዩ ዝነበሩ። ደም እቲ ቕድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኸም ንጉስ እተቐበልዎ ንጹህ ሰብ እዮም ኪፈስስ ዚደልዩ ዝነበሩ። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብኡ ነይሮም እንተ ኰይኖም፡ ስቕ ኢሎምን ተሓቢኦምን እዮም ነይሮም።

ጲላጦስ፡ እቲ ነገር ናዕቢ ኻብ ምልዕዓል ሓሊፉ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይጠቐመ ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ “ካብ ደም እዚ ሰብ እዚ ንጹህ እየ። ባዕላትኩም ፍለጡ” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። እዚ እውን እንተ ዀነ ነቶም ህዝቢ ሓሳቦም ኣየቐየሮምን። የግዳስ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ፡ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን” ኢሎም መለሱ።—ማቴዎስ 27:24, 25።

እቲ ሹም ድማ ቅኑዕ ምዃኑ ዚፈልጦ ነገር ኣብ ክንዲ ዚገብር፡ ድሌት እቲ ህዝቢ ኬዕግብ ደለየ። ከምቲ ልማኖኦም ከኣ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ግና ክዳውንቱ ኣቐንጢጡ ኣግረፎ።

እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ብዜሰቅቕ መገዲ ምስ ገረፍዎ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ሹም ኣእተውዎ። ኣብኡ ጭፍራ ወተሃደራት ተኣኪቦም ገፍዕዎ። ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ከኣ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ኣብ የማነየቲ ኢዱ ድማ ሻምብቆ ኣትሓዝዎ፡ ነገስታት ዚኽደንዎ ቐይሕ ባርኖስ እውን ከደንዎ። “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ” እናበሉ ኸኣ ኣላገጹሉ። (ማቴዎስ 27:28, 29) ብዘይካዚ፡ ጡፍ በሉሉ፡ ብተደጋጋሚ እውን ጸፍዕዎ። ነቲ ሻምብቆ ወሲዶም ድማ ብእኡ ርእሱ ወቕዕዎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ናይ ውርደት “ኣኽሊል” እተሰርሓሉ እሾዅ ንርእሱ ኣጸቢቑ ወግኦ።

የሱስ ግና እዚ ዅሉ እናሕለፈ ኽነሱ ብዜደንቕ መገዲ ኽብሩን ጽንዓቱን ስለ ዝሓለወ፡ ጲላጦስ፡ “ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ አውጽኣልኩም ኣለኹ” ብምባል ናጻ ኺሰድዶ ኸም ብሓድሽ ፈተነ። ጲላጦስ፡ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ቈሳሲሉን ደምዩን ከሎ ምስ ረኣይዎ የናሕስዩሉ ይዀኑ ኢሉ ሓሲቡ ደዀን ይኸውን፧ የሱስ ኣብ ቅድሚ እቶም ጨካናት ህዝቢ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ጲላጦስ፡ “እንሆ፡ እቲ ሰብኣይ!” በለ።—ዮሃንስ 19:4, 5።

የሱስ ተቐጥቂጡን ቈሳሲሉን እኳ እንተ ነበረ፡ ክብሩን ህድኣቱን ሓልዩ እዩ፣ ጲላጦስ እተዛረቦ ቓላት እውን ኣኽብሮትን ድንጋጸን እተሓወሶ ብምንባሩ፡ ንባህርያት የሱስ ተኣሚኑሉ እዩ።

መግረፍቲ

መግረፊ ዚኸውን ሓለንጊ

ዶክተር ዊልያም ኤድዋርድስ፡ መግረፍቲ ሮማውያን ከመይ ከም ዝነበረ ኣብ ዘ ጆርናል ኦፍ ዘ ኣመሪካን መዲካል ኣሶሲየሽን ከምዚ ኢሉ ይገልጽ፦

“እቲ ልሙድ ዝነበረ መግረፊ፡ እተፈላለየ ቝመት ዘለዎ ብዙሕ ንጽል ወይ እተቘነነ ምራን ዘለዎ እሞ እተወሰነ ኽፍልታቱ ኸኣ ዓረር ሓጺን ወይ በሊሕ ኣዕጽምቲ ኣባጊዕ ዝለገቦ . . . ሓጺር ሓለንጊ እዩ ነይሩ። . . . እቶም ሮማውያን ወተሃደራት ደጋጊሞም ብምሉእ ሓይሎም ንሕቘ እቲ ግዳይ ምስ ወቕዕዎ፡ እቲ ዓረር ሓጺን ብርቱዕ ስምብራት ይገብረሉ፣ እቲ ምራንን እቲ ኣዕጽምቲ ኣባጊዕን ከኣ ነቲ ቘርበቱን ነቲ ትሕቲኡ ዘሎ ኣካሊትን ይሓርዶ። ድሕርዚ፡ እቲ መግረፍቲ ምስ ቀጸለ፡ እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጭዋዳታት ይጀላላዕ፡ እቲ ስጋ እውን ፈጥፈጥ እናበለ ደም ቲፍቲፍ ይብል።”

  • ጲላጦስ ንየሱስ ኪፈትሖን ንርእሱ ኻብ ሓላፍነት ናጻ ኺገብርን ዝፈተነ ብኸመይ እዩ፧

  • መግረፍቲ እንታይ የጠቓልል ነበረ፧

  • የሱስ ምስ ተገርፈ እኳ፡ እንታይ ተወሳኺ ግፍዒ እዩ ዝወረዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ