ምዕራፍ 6
ኣገልገልቲ ጉባኤ ጠቓሚ ኣገልግሎት ይህቡ
ሃዋርያ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ፡ “ካብቶም ባሮት ክርስቶስ የሱስ ዝዀኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፡ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ፊልጲ ዘለዉ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት፡ ምስ ኵሎም ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ፊል. 1:1) ኣብዚ መልእኽቱ፡ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ሰላምታ ኸም ዝሰደደ ኣስተብህል። እዞም ሰብኡት እዚኦም ነቶም ኣብተን ሽዑ ዝነበራ ጉባኤታት እተመዘዙ ሽማግለታት ኣብ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዝነበሮም ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ግዜና እውን ከምኡ እዩ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ነቶም ሓለውቲ ዚሕግዝ፡ ኣብታ ጉባኤ ድማ ጽቡቕ ስርዓት ኪህሉ ኣበርክቶ ዚገብር ኣገልግሎታት ይህቡ እዮም።
2 ኣብ ጉባኤኻ መነመን ኣገልገልቲ ጉባኤ ኸም ዝዀኑስ ትፈልጥ ዲኻ፧ ነቲ ምእንቲ ጥቕምኻን ምእንቲ ጥቕሚ እታ ምልእቲ ጉባኤን ኢሎም ዚዓይይዎ ዕዮኸ ትፈልጦ ዲኻ፧ የሆዋ ነቲ እዞም ሰባት እዚኦም ዚዓይይዎ ዕዮ ይሕጐሰሉ እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ጳውሎስ፡ “እቶም ጽቡቕ ገይሮም ዜገልግሉ፡ ጽቡቕ ስምን ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምዝራብ ዜኽእል ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ጢሞ. 3:13።
ኣገልገልቲ ጉባኤ ኼማልእዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት
3 ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ጥዑይ ክርስትያናዊ ናብራ ኺነብሩ፡ ሓላፍነት ዚስከሙ ሰብኡት ኪዀኑ፡ ኣብ እተመደብዎ ዕዮ ብግቡእ ኪዓይዩ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ነቲ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዚጸሓፋ መልእኽቱ ብዛዕባ እቲ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ዝጠቐሶ ሓሳባት ምስ እንምርምሮ፡ እዚ ብንጹር ተገሊጹ ንረኽቦ፦ “ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፉ፡ ቅዱስ ምስጢር እታ እምነት ብንጹህ ሕልና ዚሕዙ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶም እውን ቅድም ብቕዓቶም ይመርመር፣ ሽዑ፡ ዚንቀፉሉ ዘይብሎም ክሳዕ ዝዀኑ፡ የገልግሉ። ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ቤተ ሰቦምን ጽቡቕ ገይሮም ዜስተናብሩ ይኹኑ።” (1 ጢሞ. 3:8-10, 12) ኣገልገልቲ ጉባኤ ልዑል መለክዒታት ኬማልኡ ትጽቢት ዚግበረሎም ምዃኖም፡ እታ ጉባኤ ብሰንኪ እቶም ኣብታ ጉባኤ ፍሉይ ሓላፍነት ዚውሃቦም ሰባት ከይትንቀፍ ዕቝባ ይኸውን እዩ።
4 ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ብዕድመ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ፡ ኣብ ወወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት እዮም። ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ድማ፡ ንኣገልግሎት ቅንኣት ኣለዎም። በዚ ቕንኣቶም ኣቢሎም ከኣ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ድሕነት ደቂ ሰብ ዘለዎ ተገዳስነት የንጸባርቑ እዮም።—ኢሳ. 9:7።
5 ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ዜገልግሉ ሰብኡት ብኣከዳድናኦምን ብኣመለኻኽዓኦምን ብኣዘራርባኦምን ብኣመለኻኽታኦምን ብኣካይዳኦምን ኣብነታውያን ኪዀኑ ይግባእ። ለባማት ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ካልኦት ኣኽብሮት ይረኽቡ እዮም። ብዘይካዚ እውን፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብን ነቲ ኣብታ ጉባኤ እተዋህቦም ፍሉይ መሰል ኣገልግሎትን ኣርዚኖም ይርእይዎ እዮም።—ቲቶ. 2:2, 6-8።
6 እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ቅድም ‘ብቕዓቶም ተመርሚሩ’ እዩ። ሽመት ቅድሚ ምቕባሎም እውን እንተ ዀነ፡ ብሓቂ ውፉያት ሰብኡት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። ኣብ ህይወቶም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ሂቦም፡ ንዅሉ እተኸፍተሎም መሰል ኣገልግሎት ንምብጻሕ ከኣ ይመጣጠሩ እዮም። ብሓቂ፡ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ዚዀኑ እዮም።—1 ጢሞ. 3:10።
ከመይ ገይሮም ከም ዜገልግሉ
7 ኣገልገልቲ ጉባኤ ምእንቲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እተፈላለየ ግብራዊ ኣገልግሎት የቕርቡ እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሓለውቲ ኣብቲ ናይ ምምሃርን ናይ ምጕሳይን ሓላፍነቶም ብዝያዳ ኼተኵሩ ይኽእሉ። ኣካል ሽማግለታት ንዓታቶም እተፈላለየ ኣገልግሎት ኪምድቡሎም ከለዉ፡ ናይ ነፍሲ ወከፎም ክእለትን ነታ ጉባኤ ዜድሊ ነገራትን ኣብ ግምት የእትዉ እዮም።
ኣገልገልቲ ጉባኤ እተፈላለየ ግብራዊ ኣገልግሎት የቕርቡ እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሓለውቲ ኣብቲ ናይ ምምሃርን ናይ ምጕሳይን ሓላፍነቶም ብዝያዳ ኼተኵሩ ይኽእሉ
8 ገለ ኻብቲ ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት እስከ ንርአ፦ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ምስቲ ንብሕትና ዀነ ንኣገልግሎት ወፍሪ እንጥቀመሉ ጽሑፋት እተተሓሓዘ ዕዮ ኺዓዪ ይምደብ እዩ። ገሊኦም ድማ ምስ መዛግብቲ ሕሳብ ጉባኤ ወይ ምስ መዛግብቲ ኽሊ እተተሓሓዘ ዕዮ ይዓዩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ማይክሮፎን ኬዙሩ፡ ናይ ድምጺ መሳርሒ ኺቈጻጸሩ፡ ኣአንገድቲ ኪዀኑ፡ ብኻልእ መገድታት ንሽማግለታት ኪሕግዙ ይምደቡ እዮም። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽጋንን ጽሩይ ጌርካ ንምሓዝን ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ስለ ዘሎ እውን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምክያድ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኺሕግዙ ይሕተቱ እዮም።
9 ኣብ ገሊኡ ጉባኤታት ኣብዚ ሓላፍነታት እዚ ዜገልግሉ ሓሓደ ኣገልገልቲ ጉባኤ ይምደቡ እዮም። ኣብ ገሊኡ ጉባኤታት ግና ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኻብ ክልተ ንላዕሊ ሓላፍነት ኪውሃቦ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ኣብ ሓደ ዕዮ ኻብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ይምደብ ይኸውን። ንገለ ኻብዚ ሓላፍነታት እዚ ኼካይዱ ዚኽእሉ እኹላት ኣገልገልቲ ጉባኤ እንተ ዘየልዮም፡ ኣካል ሽማግለታት ነዚ ኣድላዪ ዕዮ እዚ ኼካይዱ ዚኽእሉ ኣብነት ዚዀኑ ኻልኦት ጥሙቓት ኣሕዋት ኪምድቡ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንሳቶም እውን ብግዲኦም ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ኣብ ዚበቕዕሉ እዋን ኪጠቕሞም ዚኽእል ተመክሮ ይቐስሙ። ኣሕዋት እንተ ዘየልዮም ከኣ፡ ኣብነት እትኸውን ሓብቲ ኣብ ገሊኡ ነገራት ክትሕግዝ ክትሕተት ትኽእል እያ፣ እታ ሓብቲ ኣገልጋሊት ጉባኤ ዀይና ኣይትሽየምን እያ። ሓደ ኣብነታዊ ዚብሃል ሰብ ብኣካይዳኡን ብኣምልኾኡን ክንመስሎ እንደሊ ዓይነት ሰብ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ናብራ ስድራ ቤትን ኣብ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኣብ ካልእ መዳያትን ጽቡቕ ኣብነት ኪኸውን ዚኽእል ሓው (ወይ ሓብቲ) እዩ።
10 ኣብተን ሒደት ሽማግለታት ዘለዉወን ጉባኤታት፡ ክኢላታት ኣገልገልቲ ጉባኤ ነቲ ንሰረተ እምነት ዚምልከት ሕቶታት ምስቶም ሕጹያት ጥምቀት ኪመያየጡሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ፡ “1ይ ክፋል፦ ክርስትያናዊ እምነታት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ይርከብ። “2ይ ክፋል፦ ክርስትያናዊ ህይወት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዘሎ ግና፡ ተኣፋፊ ብሕታዊ ጕዳያት ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ብሽማግለ ኺግበር ኣለዎ። እታ ጉባኤ ብቕዓት ዘለዎም እኹላት ኣሕዋት እንተ ዘይብላ፡ ኣብ ጥቓኣ ኻብ ዘላ ጉባኤ ሓገዝ ንምርካብ፡ ንሓላው ወረዳ ኺሕበሮ ኣለዎ።
11 ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዚህሉ፡ ኣካል ሽማግለታት ንገሊኡ ዚምደብ ዕዮታት ካብ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ናብ ካልእ በብእዋኑ ኪቕይርዎ ጠቓሚ ዀይኑ ኺረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣሕዋት ንገለ እዋን ኣብ ሓደ ዕዮ ጥራይ ተመዲቦም ምስ ዚቕጽሉ፡ ተመክሮ ኺረኽቡን ክኢላታት ኪዀኑን ይሕግዞም እዩ።
12 ኣብ ኵነታት እታ ጉባኤ ብምምርኳስ፡ ነቶም ‘ዕቤቶም ንዅሉ ርኡይ ዝዀነ’ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዚምደብ ካልእ ሓላፍነታት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 4:15) እኹላት ሽማግለታት እንተ ዘየልዮም፡ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ሓጋዚ ሓላው ጕጅለ ዀይኑ ኼገልግል፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ናይ ቀረባ ኽትትል ሽማግለታት ዚዓዪ ኣገልጋሊ ጕጅለ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ኣብ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ክፍልታት ኬቕርቡ፡ እንተ ኣድልዩ ድማ እንተላይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኺመርሑ ይኽእሉ እዮም፣ ህዝባዊ መደረ እውን ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገለ ፍሉይ ኵነታት ከኣ ነቲ ዕዮ እቲ ብቕዓት ዘለዎም ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ተወሳኺ ፍሉይ መሰላት ይውሃቦም እዩ። (1 ጴጥ. 4:10) ኣገልገልቲ ጉባኤ ንሽማግለታት ንምሕጋዝ፡ ንርእሶም ብፍታው ኬቕርቡ ይግባእ።
13 ዕዮኦም ካብ ዕዮ ሽማግለታት እተፈልየ እኳ እንተ ዀነ፡ ክፍሊ እቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ ቅዱስ ኣገልግሎት እዩ፣ ጉባኤ ብስሉጥ መገዲ ኽትቅጽል ዚሕግዝ ኣገዳሲ ዕዮ ኸኣ እዩ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ሓላፍነቶም ብግቡእ ዚፍጽሙ እንተ ዀይኖም እሞ፡ ከም ጓሶትን መምህራንን ኰይኖም ኬገልግሉ እንተ በቒዖም፡ ሽማግለታት ኰይኖም ኬገልግሉ ኺሕጸዩ ይኽእሉ እዮም።
14 ኰተቴ ወይ ሓድሽ እተጠመቕካ ሓው እንተ ዄንካ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኽትከውን ትመጣጠርዶ ኣለኻ፧ (1 ጢሞ. 3:1) ኣብ ዓዓመት ብዙሓት ሰባት ናብ ሓቂ ይመጹ ስለ ዘለዉ፡ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ዚስከሙ ብቕዓት ዘለዎም መንፈሳውያን ሰብኡት የድልዩ ኣለዉ። ንኻልኦት ንምሕጋዝ ትምኒት ብምሕዳር፡ ክትመጣጠር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ እትገብረሉ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ብምስትንታን እዩ። (ማቴ. 20:28፣ ዮሃ. 4:6, 7፣ 13:4, 5) ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ምስ ጠዓምካዮ ኸኣ፡ ትምኒትካ እናዓበየ ኪኸይድ እዩ። (ግብ. 20:35) እምበኣር፡ ንኻልኦት ግብራዊ ሓገዝ ንምሃብ፡ ኣብ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስታፍ፡ ወይ ኣብ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ተተካኢ ዄንካ ኽፍሊ ተምሃራይ ንምቕራብ ብፍታው ርእስኻ ኣቕርብ። ምምጥጣር ኪብሃል ከሎ፡ ብጽቡቕ ልማድ ብሕታዊ መጽናዕቲ ጌርካ መንፈሳዊ ባህርያት ምምዕባል እውን የጠቓልል እዩ። (መዝ. 1:1, 2፣ ገላ. 5:22, 23) ብዘይካዚ፡ ሓደ ዚመጣጠር ዘሎ ሓው ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪውሃቦ ኸሎ፡ ቁም ነገረኛን እሙንን ምዃኑ የርኢ እዩ።—1 ቈረ. 4:2።
15 ኣገልገልቲ ጉባኤ ንረብሓ ጉባኤ ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ እዮም። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ድማ ምስ ኣገልገልቲ ጉባኤ ብምትሕብባር፡ ነቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ዘለዎም ኣድንቖት ኪገልጹ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ነቲ የሆዋ ብስርዓት ዚምራሕ ቤተ ሰብ ንምቛም ዝገበሮ መሰናድዎ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ይገልጹ።—ገላ. 6:10።