ምዕራፍ 12
ኣብ ከባብን ኣብ ዓለምለኸን ንዚግበር ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ደግፍ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ፍጻመ እቲ የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢት፡ ነቲ ብስራት “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ይሰብኩ እዮም። (ግብ. 1:8፣ ማቴ. 24:14) ከምዚ ንምግባር ከኣ፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን መንፈሳዊ ነገራት ንምክፋል ብናጻ ይህቡ እዮም። የሆዋ ንመዓይይቱ ዜድልዮም ከም ዜማልኣሎም ብምትእምማን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ይህብዋ እዮም። (ማቴ. 6:25-34፣ 1 ቈረ. 3:5-9) እዚ ዘፍረዮ ፍረ ኸኣ፡ ስምረትን በረኸትን የሆዋ ኸም ዝረኸቡ ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ።
ንዓለምለኻዊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምሕላይ
2 ገሊኦም ሰባት ነቲ ሜላታት ስብከትና ምስ ረኣዩን መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ብዘይ ክፍሊት ከም እንዕድል ምስ ፈለጡን፡ “እዚ ዅሉ ኸመይ ጌርካ ኺግበር ይከኣል፧” ኢሎም ይሓትቱ እዮም። ልክዕ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱሳትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ንምሕታምን ንምድላውን፡ ገንዘብ የድሊ እዩ። ሓተምቲ ማካይን ንዜካይዱን ነቲ ዕዮ ስብከት ከም ሓለውቲ ዀይኖም ንእተመዘዙን ብኻልእ መገዲ ንምድንፋዕ እቲ ብስራት ንዜገልግሉን ዚኸውን ኣባይቲ ቤት-ኤል ምህናጽን ምጽጋንን እውን፡ ብዙሕ ወጻኢታት ይሓትት እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ንሓለውቲ ወረዳን ንሚስዮናውያን ወፍርን ንፍሉያት ፈለምትን ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ንዘለዉ ኻልኦትን ኣብ ዕዮኦም ምእንቲ ኪቕጽሉ እተወሰነ ስጋዊ ደገፍ ይግበረሎም እዩ። እምበኣር፡ እዚ ሎሚ ኣብ ከባቢና ዚግበር ይኹን ኣብ ዓለምለኸ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ስብከት ብስራት፡ ብዙሕ ገንዘብ ዚሓትት እዩ። እዚ ዅሉ ኻበይ እዩ ዚመጽእ፧
3 ብዙሓት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዓይይዎ ዕዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዜኽብርዎ፡ ተሓጒሶም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ወፈያ ይገብሩ እዮም። ግናኸ፡ ዕዮና ብቐንዱ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚድገፍ፣ ገሊኣቶም ድማ ነናብ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብፍታዎም ውጽኢት ይልእኩ እዮም። ከምቶም ነቲ ንህንጸት ቦታታት ኣምልኾ የሆዋ ብልግሲ ደገፍ ዝሃቡ ጥንታውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ዓይነት መንፈስ ብፍታው የርእዩ እዮም። (ዘጸ. 35:20-29፣ 1 ዜና 29:9) ገሊኦም ሰባት ጥሪቶም የውርሱ እዮም፣ ገሊኡ ውጽኢታት ድማ ካብ ውልቀ ሰባትን ጉባኤታትን ወረዳታትን በብሒደት እተዋጽአ እዩ። እዚ ብሓባር ምስ ተደመረ፡ ነቲ ኣገልግሎት ንምክያድ ዜኽእል ይኸውን።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገንዘቦምን ካልእ ጥሪቶምን ዕዮ ስብከት ንምድንፋዕ ምውዓሎም፡ ከም ክብሪ እዮም ዚቘጽርዎ
4 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገንዘቦምን ካልእ ጥሪቶምን ዕዮ ስብከት ንምድንፋዕ ምውዓሎም፡ ከም ክብሪ እዮም ዚቘጽርዎ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ንርእሶም ዜድልዮም ወጻኢታት ንምሽፋን ዜገልግል ገንዘብ ዚቕመጠሉ ሳጹን ገንዘብ ነይርዎም እዩ። (ዮሃ. 13:29) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተን ንየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ዜገልግላኦም ዝነበራ ኣንስቲ ይነግረና እዩ። (ማር. 15:40, 41፣ ሉቃ. 8:3) ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቶም ነቲ ብስራት ንምድንፋዕ ተገዳስነት ዘለዎምን ንኣገልግሎቱ ኺድግፉ ዚደልዩን ሰባት ብፍቕሪ እተዋህቦ ስጋዊ ደገፍ ኣመስጊኑ ተቐቢሉ እዩ። (ፊል. 4:14-16፣ 1 ተሰ. 2:9) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቐናኣት ኣገልገልቲ ብልግሲ ብምሃብ ዝሓደግዎ ጥንታዊ ኣብነት ይስዕቡ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት “ማይ ህይወት ብናጻ” ኪቐርበሎም ተኻኢሉ ኣሎ።—ራእ. 22:17።
ንጉባኤ ዜድሊ ምሕላይ
5 ወጻኢታት ሓንቲ ጉባኤ ብወለንታ ብዚግበር ውጽኢታት እዩ ዚሽፈን። ገንዘብ እናዞርካ ኣይእከብን ወይ ኣይልመንን እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ክንደይ ኪህብ ከም ዚግብኦ እውን ኣይውሰነሉን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ “ብልቡ ዝሓለኖ” ምእንቲ ኺህብ፡ ኣብ መአከቢ ቦታታት ሳጹናት ውጽኢት ይግበር እዩ።—2 ቈረ. 9:7።
6 እቲ ዚዋጻእ ገንዘብ፡ ብቐዳምነት ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክያድን ንምክንኻንን እዩ ዚውዕል። ኣካል ሽማግለታት፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድንፋዕ፡ እተወሰነ ገንዘብ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምልኣኽ ኪውስን ይኽእል እዩ። እቲ ውሳነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እታ ጉባኤ ቐሪቡ ኺጸድቕ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ሓያሎ ጉባኤታት ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኣዘውቲረን ወፈያታት ይልእካ እየን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ በብግዜኡ ኣብ ከባቢኡ ዜድሊ ነገራት ብንቕሓት ዚከታተል እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ውጽኢት ብተደጋጋሚ ምልክታታት ምንጋር ኣየድልን እዩ።
ውጽኢት ዚተሓዘሉ መገዲ
7 ኣኼባ መምስ ተገብረ፡ ክልተ ኣሕዋት ነቲ ኣብ ሳጹናት ውጽኢት ዝኣተወ ገንዘብ ኣውጺኦም ይምዝግብዎ። (2 ነገ. 12:9, 10፣ 2 ቈረ. 8:20) እቲ ኣካል ሽማግለታት ነቲ ገንዘብ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክሳዕ ዚልእኮ ወይ ነታ ጉባኤ ኣብ ዜድሊ መዓላ ኽሳዕ ዜውዕሎ ኸኣ፡ ኣብ ግቡእ ቦታ ንምቕማጥ መሰናድዎ ይገብር እዩ። ሕሳብ ጉባኤ ዚሕዝ ሓው ድማ ነታ ጉባኤ ንምሕባር ወርሓዊ መግለጺ የዳሉ እዩ፣ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ኸኣ፡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ነቲ ሕሳብ ኪምርመር መሰናድዎ ይገብር እዩ።
ወጻኢታት ወረዳ
8 ኣኼባታት ወረዳ ንምግባር ዝወጸ ወጻኢታት፡ ከምኡ ድማ ካልእ ወጻኢታት ወረዳ፡ ኣብቲ ወረዳ ኻብ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚርከብ ውጽኢታት እዩ ዚሽፈን። ሳጹናት ውጽኢት ኣብቲ ኣኼባታት ወረዳ ዚግበረሉ መአከቢ ይቕመጥ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ወረዳ ብፍታው ውጽኢታት ኪግበር ይከኣል። ብተወሳኺ፡ ነቲ ቐጻሊ ወጻኢታት ንምሽፋን፡ ጉባኤታት ኣብ ካልእ ግዜያት እውን ውጽኢታት ኪገብራ ይኽእላ እየን።
9 ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ወረዳታት ዜድሊ ዘበለ ወጻኢታተን ሸፊነን፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኺውፍያኦ ኣለወን። ኣብቲ ሕሳብ ወረዳ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ወጻኢታት ንምሽፋን ወይ ነቲ ዚቕጽል ኣኼባ ዜድሊ ኸም ንመአከቢ ዚኽፈል ዕርቡን ዝኣመሰለ መበገሲ ወጻኢታት ዚኸውን እኹል ገንዘብ እንተ ዘየልዩ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ነተን ጉባኤታት ኬዋጽኣ ኸም ዚኽእላ ኪሕብረን ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ተመያይጦም፡ ጉባኤኦም ነቲ ማዕከን ወረዳ ዚኸውን ክንደይ ዚኣክል ውጽኢት ክትገብር ከም እትኽእል ይውስኑ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ውጽኢት ንምግባር ዝገበርዎ ውሳነ ኣብ ጉባኤ ኣቕሪቦም ኬጽድቕዎ ኣለዎም።
10 ቈላሕታ ሽማግለታት ወረዳ ዜድልዮ ናይ ገንዘብ ጕዳይ ኪልዓል ከሎ፡ ኣብ መዓልቲ ኣኼባ ወረዳ፡ ኣብቲ ወረዳ ዘለዉ ሽማግለታት ይእከቡ እዮም። ብዘይካ እቲ እተመርጸ ወጻኢታት ወረዳ፡ ኵሉ ዝተረፈ ውሳነታት ብሽማግለታት ኪጸድቕ ኣለዎ። እቲ ኺጸድቕ ዚቐርብ ውሳነታት ክንደይ ምዃኑ ብልክዕ ተጻሒፉ፡ ገንዘብ እታ ወረዳ ኣብ ዚመቓርሓሉ እዋን ኪጸድቕ ኣለዎ።
11 ሕሳብ ወረዳ በብግዜኡ ንምምርማር፡ መሰናድዎ ይግበር እዩ።
ንድኻታት ምሕላይ
12 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ሳጹን ገንዘብ ዜዋህልሉሉ ዝነበሩ ሓደ ዕላማ፡ ንድኻታት ንምሕጋዝ እዩ ነይሩ። (ማር. 14:3-5፣ ዮሃ. 13:29) የሱስ፡ “ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም” ስለ ዝበለ፡ ሕጂ እውን እዚ ክርስትያናዊ ሓላፍነት እዚ ኣሎና። (ማር. 14:7) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ሓላፍነት እዚ ዚስከሙ ብኸመይ እዮም፧
13 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት፡ ብሰንኪ እርጋን፡ ድናሰ፡ ወይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ መከራ፡ ስጋዊ ደገፍ የድልዮም እዩ። እዚ ኸም ዜድልዮም ዚፈልጡ ኣባላት ቤተ ሰብን ኣዝማድን ካልኦትን ኪሕግዙ ይድረኹ ይዀኑ። እዚ ምስቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ዚሰማማዕ እዩ፦ “ጥሪት እዛ ዓለም ዘለዎ ዘበለ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣየስ ዘይርሕርሓሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።” (1 ዮሃ. 3:17, 18፣ 2 ተሰ. 3:6-12) እወ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺብሃል ከሎ፡ ነቶም ስጋዊ ደገፍ ዜድልዮም እሙናት ምክንኻን የጠቓልል እዩ።—ያእ. 1:27፣ 2:14-17።
14 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ ነቶም ዚግብኦም ስጋዊ ደገፍ ብኸመይ ከም ዚውሃቦም ገሊጹሉ ኣሎ። ነዚ ምኽሪ እዚ፡ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:3-21 ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብቐዳምነት ንቤተ ሰቡ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣረጋውያንን ድኑሳትን ካብ ደቆም፡ ካብ ደቂ ደቆም፡ ወይ ካብ ካልእ ናይ ቀረባ ዘመድ ሓገዝ ኪረኽቡ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ መንግስታዊ ወይ ማሕበራዊ ፕሮግራማት ስጋዊ ደገፍ ይርከብ እዩ፣ ስለዚ፡ ኣዝማድ ወይ ካልኦት ሰባት ነቲ ሽጉር ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ምእንቲ ኺረክብ፡ ብኸመይ ከም ዜመልክት ኪሕግዝዎ ይኽእሉ እዮም። እታ ጉባኤ ብሓፈሻ ድማ ንነዊሕ እዋን እሙናት ኣገልገልቲ ንዝነበሩ ገሊኦም ሽጉራት ኣሕዋትን ኣሓትን እተወሰነ ደገፍ ክትገብር የድሊ ይኸውን። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዚድግፉ ኣባላት ስድራ ቤት ወይ ካልኦት ኣዝማድ እንተ ዘየለዉን ካብ መንግስታዊ ትካላት እኹል ደገፍ እንተ ዘይተረኺቡን፡ እተወሰነ ሓገዝ ምእንቲ ኺግበረሎም፡ ኣካል ሽማግለታት ግቡእ ሓሳብ ኬቕርብ ይኽእል እዩ። ክርስትያናት ስጋዊ ጥሪቶም ንሽጉራት ምክፋል፡ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።
15 ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ልሙድ ዝዀነ መስጐጕቲ፡ ውግእ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ምዕልቕላቕ ማይ፡ ጥሜት፡ ወይ ብኻልእ መዓት ይሽገሩ እዮም። (ማቴ. 24:7-9) ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ንሓድሕደን ዚደጋገፋሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይህልወንን ይኸውን፣ ስለዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዚርከቡ ኣሕዋት ንምርዳእ ዚገብርዎ ጻዕርታት የተሓባብር እዩ። እዚ ምስቲ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ብግዜ ጥሜት ምግቢ ኺረኽቡ ዝገበሩሎም ደገፍ ዚመሳሰል እዩ። (1 ቈረ. 16:1-4፣ 2 ቈረ. 9:1-5) እምበኣር፡ ኣብነቶም ብምስዓብ፡ ንኣሕዋትና ፍቕሪ ኸም ዘላትና ነረጋግጽ፡ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና ድማ ነርኢ።—ዮሃ. 13:35።
ዝርጋሐ ጽሑፋት
16 መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስፋሕ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣካል ሽማግለታት ንቐረብ እቲ ኣብታ ጉባኤ ዚርከብ ጽሑፋት ዚከታተል ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ይምድብ እዩ። እቶም ነዚ ቐረብ እዚ ዚከታተሉ ኣሕዋት ንሓላፍነቶም ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። ነታ ጉባኤ ዜድሊ እኹል ቀረብ ጽሑፋት ምእንቲ ኺህሉ፡ ጽቡቕ መዝገብ ይሕዙ እዮም።
17 ርእስና ዝወፈና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ግዜና፡ ብልሓትና፡ ጕልበትና፡ ክእለትና፡ ጥሪትና፡ አረ ህይወትና እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ከም ዝዀነን ኣብ ኣገልግሎቱ ኽንጥቀመሉ ኸም እተዋህበናን ንፈልጥ ኢና። (ሉቃ. 17:10፣ 1 ቈረ. 4:7) እምበኣር፡ ንዘሎና ዅሉ ብዚግባእ ብምጥቃም፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ነርኢ። የሆዋ ብምሉእ ነፍሲ ብዚግበር ዝዀነ ውህበት ከም ዚሕጐስ ስለ እንፈልጥ፡ ብጥሪትና ኸነኽብሮ ንደሊ ኢና። (ምሳ. 3:9፣ ማር. 14:3-9፣ ሉቃ. 21:1-4፣ ቈሎ. 3:23, 24) የሱስ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 10:8) ንሕና እውን ገዛእ ርእስናን ጥሪትናን ንኣገልግሎት የሆዋ ኽንህብ ከለና፡ ብተራና ዓብዪ ሓጐስ ንረክብ ኢና።—ግብ. 20:35።