ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
እተፈቶኹም መገላግልትና ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት፦
ብኣምልኾ እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ሓድነት ምርካብናስ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መሰል ኰን እዩ! እወ፡ ነቲ ቕዱስን ህይወት ዜድሕንን ብስራት እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ብሕድሪ እተዋህበና “መዓይይቲ” ኣምላኽ ኢና። (1 ቈረ. 3:9፣ ማቴ. 28:19, 20) ነዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ እዚ ብሰላምን ብሓድነትን ንምዕያይ፡ ብግቡእ ክንውደብ ኣሎና።—1 ቈረ. 14:40።
እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሎሚ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ከም እትዓዪ ኸተረድኣኩም እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንኩም መጠን ዘሎኩም ፍሉይ መሰላትን ሓላፍነታትን ድማ ትገልጽ። ንፍሉይ መሰላትኩም ኣኽቢርኩም እትርእዩን ንሓላፍነታትኩም እትፍጽሙን እንተ ዄንኩም፡ ‘ብእምነት ክትጸንዑ ኢኹም።’—ግብ. 16:4, 5፣ ገላ. 6:5።
እምበኣር፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጠንቂቕኩም ኣጽንዕዋ። ነቲ ሓበሬታ ኣብ ህይወትኩም ኣብ ግብሪ እተውዕሉሉ መገድታት ኣናድዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዝዀነ ሰብ፡ ጥሙቕ ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሓደ ጥሙቕ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምዕባይን ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ንምስፋሕን እንታይ ኪገብር ይኽእል፧ (1 ጢሞ. 4:15) ሓደ ኣስፋሒኸ ኸመይ ገይሩ እዩ ንሰላም ጉባኤ ኣበርክቶ ኺገብር ዚኽእል፧ (2 ቈረ. 13:11) ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ጥሙቕ ሓው እንተ ዄንካ፡ ፈለማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን፡ ድሕሪኡ ድማ ሽማግለ ንምዃን ዜድሊ ብቕዓታት ምእንቲ ኸተማልእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሓደስቲ ናብ ውድብ የሆዋ ይውሕዙ ስለ ዘለዉ፡ ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ብህጹጽ የድልዩ ኣለዉ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ፡ ነዚ መንፈሳዊ ሸቶታት እዚ ‘ምምጥጣር’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል ትገልጽ እያ።—1 ጢሞ. 3:1።
ብሓገዝ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ስርዓት የሆዋ ዘሎኩም ቦታ ተገንዚብኩም ኣኽቢርኩም ክትርእይዎ ልባዊ ጸሎትና እዩ። ንዅላትኩም ብዙሕ ንፈትወኩም ኢና፣ ካብቶም ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ንዘለኣለም ተሓጒሶም ዜምልኽዎ ኽትኰኑ ድማ ወትሩ ንጽሊ ኢና።—መዝ. 37:10, 11፣ ኢሳ. 65:21-25።
ኣሕዋትኩም፡
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር